ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - betezion.com news_5.pdf · ትግርኛ ቤተ...

12
ዓምዲ ትምህርቲ ዓምዲ ቤተ ሰብ ዓምዲ ሕጻናት ዓምዲ ምስክርነት “ናብ ቤት ትምህርቲ ስነ መሎኮት ዘይኣተዉ ምስጉናት እዮም” ገጽ - 3 ምንጻል ጥንሲ ገጽ - 4 ዓስቢ ምእዛዝ ገጽ - 5 “ሓራ ኣውጺኡኒ!...” ገጽ - 7 ሽዑ ንደቂ መዛምርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም፡፡ ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ በሎም፡፡ ማቲ9፡37-38 5 ኣልፋ ሰኔ 25-2014 ኣብ ውሽጢ ገጻት ዘሎ ትሕዝቶ ርእሰ ዓቀጽ ንኣገልገልቲናን መራሕትናን የማናይ ኢድና ንሃቦም!!! ገጽ - 2 ገድልን ኣምርን እዚ መጽሓፍ እዚ ንሐሶት ጸሊአም ንሐቂ ኪሕዙ ንዚደልዩ ሰባት እዩ እተጻሕፈ፡፡ ስለዚ ኣታ ነዚ መጽሓፍ እዚ እተንብብ ሰብ ነቲ ሓቀን ሓሶተን ክተስተውዕሎ እዩ ዚግብአካ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ይብል ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እዬ ብጀካ ብኣይ ናብ ኣብ ኪመጽእ ዘ.ኸእል የልቦን፡፡ ዮሃ 14 6 ድማ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል አትፈትውኒ እንተ ኼንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልው፡፡ ዩሃ 14 15፡፡ ገድልን ተኣምርን ድርሳናትን ግና ንእግዚኣብሄር ዝኸሓደ ትእዛዙቱ ዘፍረሰ ብዝክር መላእኸትን ጻድቃንን ናብ መንግስተ ሰማያት ይአቱ ይብል፡ ፡ ኣታ ሕያዋይ ክርስቲያን እስኪ ነዚ ነገር እዚ ኣሰማምዐዩ ዚሰማማዕ እንተ ኾይኑ? እዚ ከመይ ገይሩ ይሰማማዕ፡ ተኣምረ ሚካኤል ይብል፣ ንሱ ዘይገበሮ ሓጢኣት ዘየለ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፣ ሓንቲ ነገር ግና ነበረቶ በብወርሑ ዝክር ሚካኤል ናተይ ኢሉ ሓዞ፡፡ እቲ ሰብኣይ ብዝሞተ ሰይጣንን ሚካኤል በታ ነፍሲ ተበኣሱ እሞ ሽዑ ተተሓሒዞም ናብ የሱስ ክርስቶስ መጹ፡፡ ንሱ ድማ ዚብሎ ጨኒቑዎ መንጎኛ ፍርዲ ፈረደሎም ከምዚ ኢሉ፣ ሓደው ሚካኤል ይሕብኣዩ ንስኻትኩም ርኸቡዎ፡ ሓደው ንስኻትኩም ሕብኡዎ ሚካኤል ይርከቦ በሎም፡፡ ሽዑ እቶም ኣጋንንቲ ተማኺሮም፡ ሚካኤል አብ መንበረ መለኮት እንተ ሐብኦ አይክንረኸቦን ኢና እሞ ንሕና ናብ መዓሙቅ ሲኦል ክንሓብኦ በሉ፡፡ ሽዑ ሚካኤል ነቲ ሓጥእ ሰብኣይ ኪደሊ ናብ ሲኦል ሰለስተ ሳዕ ወረደ፡፡ ብዝወረደሉ ልክዕ ድማ ሰብዓ እልፊ ብየማናይ ክንፋ ሰብዓ እልፊ ብጸጋማይ ክንፋ አረማውያንን ዘይኣመኑን ዘይተጠመቑን አውጽኤ፡፡ ኣብ ኩሉኩሉ እቶም ዘውጽኦም ድማ 4 ሚልዩንን 2ዐ እልፍን እዩም፡፡ እዞም ኰሎም አረማውያን ዘይኣመኑን ዘይተጠመቑን ድማ፣ ነቲ ሓደ ሓጢአተኛ ሰብአይ ኪረክብ ኪብል ገፊፋ አውጺኡ ናብ መንግስተ ሰማይ ኣእተዎም ይብል፡፡ ኣታ ክርስቲያን እዚኸ ሓቂዶ ይመስለካ፣ እዞም ክንድዚ ዚኣኸሉ አረማውያንሲ ከይኣመኑን ከይተጠመቑን ብኸምኡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው፣ መንግስቲ እግዚኣብሔርኬ እንዳ ዋዛዶ እዩ፡ ይመስለካ? አስተውዒልካ ሕሰብ፡፡ ድርሳነ ሚካኤል ድማ ስም ወዱ ሓደው ስም ጓሉ ብስካም ዘውጽኤ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ ኪዳን ሂበካ አሎኹ ይብል፡፡ ኣታ ክርስቲያን፣ እዚኸ ብሓቂዶ ትብሎ ኢኻ፡ ብስም ሚካኤል እንተ ተሰምየስ ብዘይ ሃይማኖቱን ብዘይ ምግባሩን ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ? ብስም ዚእቶ እንተ ዚኸውንሲ እግዚኣብሄርዶ ግዳ ኣይዐብን፡ ካብዚ ኩሉ ብስም እግዚኣብሄር እተጸውዑ ግዳ መሊአም ኣየለውን፣ እዙይስ ብዘሕ ዕሽንት እዩ፡፡ ተኣምረ ማርያም ኸኣ ከምዚ ይብል ሰብዐን ሸሞንተን ነፍሳት ቀቲሉ ዚብልዎ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፡ ፡ ብድሕርዚ ዚብልዑ ነፍሳት ስኢኑ ኪደሊ ከሎ፣ ሓደ ድውይ አማዕድዩ ረኣየ፡፡ ኪ በልኦ ኢሉ እንተ ኸደ ድማ ብቑስሉ ፈንፈኖ፡፡ ሽዑ ገዲፋዎ ኪኸይድ እንተ ደለየ እቲ ድውይ ድማ ብስም እግዚኣብሄር ኢለካ ማይ ክተስትየኒ ኢሉ ሰበኾ፡፡ እቲ በላዕ ሰብ ድማ ኦይትዛረበኒ፣ ኣታ ጽዩእ እናበለ ሰለስተ ሳዕ ገንሖ፡፡ ብድሕርዚ ድማ እቲ ሰብኣይ ብስም ማርያም ኢለካ ማይ ክተስትየኒ ኢሉ ሰበኾ፡፡ እቲ በላዕ ሰብ ድማ፣ ማርያምሲ ብንእሽቶየይ ከሎኹ ካብ ገሃነመ እሳት ተድሕን እያ ኪብሉ ሰሚዔ ነበርኩ ኢሉ ሕፋኖ ማይ ኣስትዩ፡፡ ድሕርዚ እቲ በላዕ ሰብ ዚብልዑ ነፍሳት እንተ ሰኣነ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕሲ ሞት ይሕሸኒ ኢሉ ኣብ ሓደ በዓቲ ኣትዩ ሞተ፡፡ ሽዑ ኣጋንንቲ ሒዞሙዎ ኪኸዱ ኸለው ማርያም ናተየ እዩ ኢላ ኣጽኒዓ ሓዘቶም፡፡ ንሳቶም ድማ ናትና እባ ደኣ እዩ ኡሎም፡ ተተሓሒዞም ናብ የሱስ ክርስቶስ ከዱ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ፣ ነቶም ሰብዓን ሾሞንተን ነፍሳትን ነተን ሕፋኖ ማይን ሚዛን ጌርኩም ምዘንወን ኢሉ ፈረደ፡፡ እንተ መዘንወን እውን ካብቶም ሰብዓን ሸሞንተን ነፍሳትሲ ብጽላሎት ማርያም እተን ሕፋኖ ማይ ረዚነን እቲ 78 ነፍሳት ቀቲሉ ዝበልዔ ሰብኣይ ድማ ናብ መንግስተ ሰማይ ኣተወ እናበለ ይሕሱ፡፡ ኣታ ክርስቲያን እዚ እንዚዶ ቁም ነገር ዘለዎ ሓቂ ኢልካ ትሕዞ፣እቲ ነቶም ብመልክዕ እግዚአብሔር እተፈጥሩ ሰባት ከም ኣራዊት ኰይኑ ኪበልኦም ዝነበረ ሰብአይሲ ናብ ንስሓ ከይምለስ ድማ ስጋ ሰብ ካብ ዝስእንሲ ሞት ይሐሸኒ ኢሉ ኣብሓደ በዓቲ ኣትዩ ዝሞተስ ብሐቂዶ ናብ መንግስተ ሰማይ ኣትዩ ትብሎ ኢኻ፡ ብልብኻስ ትሓስቦዶ ትኸውን፧ ገድልን ተኣምርን ድርሳናት ኩሉ ሐጢኣት ንምግባር እዩ ዚምህር እምበር ካብ ሐጢኣት ምኽልካል አይምህርን እዩ፡፡ ካብ እዞም ቀቲሉ ዝበለኦም ሰብዓን ሾመንተን ሰባት ዚዓቢ ሐጥያት ደኣ አልዩን ካብ ሕፋኖ ማይ ዚቐልል ዚተኩብ አልዩ፡፡ እዚ መጻሕፍቲ እዚ ሰይጣን ብተንኰሉ ንጥፍኣት ደቂ ሰብ ኢሉ ኣብ ሰብ ሐዲሩ ዝጸሐፎ እዩ፡፡ ንሱ ኣቦ ሓሶት እዩም ንዚቕበሎ ኸሉ ጅማ ሓሶት የስተምህሮ፡፡ ዮሃ8፡44 ገድሊ አባ ጋብር ድማ ከምዚ ይብል አባ ጋብር ንእግዚሓብሔር፣ እንታይ እንተ ገበሩ እዩም ንደቂ ሰብ እትኹንኖም ኢሉ ሓተቶ፡፡ እግዚኣብሄር ድማ 1ዐ ቃላት ኦሪትን 6 ቃላት ወንጌልን እንተ ኣፍረሱ እዬ ዝኸንኖም በሎ፡፡ አባ ጋብር ድማን 1ዐ ቃላት ኦሪትን ን6 ቃላት ወንጌልን አፍሪሶም ዝክረይ እንተ ገበሩኸ ትምሕሮምዶ በሎ፡፡ እግዚአብሔር ድማ ዝክርካ እንተ ገበሩስ እወ እምሕሮም 5 ኣኽላባት እኳ ዝክርካ እንተ ገበሩስ ብዘይ ንስሓ እምሕሮም እዬ በሎ፡፡ መሊሱ ድማ ገድሊ አባ ጋብር ውሉድ ናብ ገጽ-10ይቅጽል የሱስ ክርስቶስ ይብል ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እዬ ብጀካ ብኣይ ናብ ኣብ ኪመጽእ ዘ.ኸእል የልቦን፡፡ ዮሃ14፡6 ብዛዕባ

Upload: others

Post on 14-Oct-2019

58 views

Category:

Documents


2 download

TRANSCRIPT

Page 1: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ዓምዲ ትምህርቲ

ዓምዲ ቤተ ሰብ

ዓምዲ ሕጻናት

ዓምዲ ምስክርነት

“ናብ ቤት ትምህርቲ ስነ መሎኮት ዘይኣተዉ ምስጉናት እዮም”

ገጽ - 3

ምንጻል ጥንሲ ገጽ - 4

ዓስቢ ምእዛዝ ገጽ - 5

“ሓራ ኣውጺኡኒ!...” ገጽ - 7

ሽዑ ንደቂ መዛምርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም፡፡ ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ

በሎም፡፡ማቲ9፡37-38

5ኣልፋ ሰኔ 25-2014

ኣብ ውሽጢ ገጻት ዘሎ ትሕዝቶ ርእሰ ዓቀጽንኣገልገልቲናን መራሕትናን የማናይ ኢድና ንሃቦም!!!

ገጽ - 2

ገድልን ኣምርን

እዚ መጽሓፍ እዚ ንሐሶት ጸሊአም ንሐቂ ኪሕዙ ንዚደልዩ ሰባት እዩ እተጻሕፈ፡፡ ስለዚ ኣታ ነዚ መጽሓፍ እዚ እተንብብ ሰብ ነቲ ሓቀን ሓሶተን ክተስተውዕሎ እዩ ዚግብአካ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ይብል ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እዬ ብጀካ ብኣይ ናብ ኣብ ኪመጽእ ዘ.ኸእል የልቦን፡፡ ዮሃ 14 6 ድማ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል አትፈትውኒ እንተ ኼንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልው፡፡ ዩሃ 14 15፡፡ገድልን ተኣምርን ድርሳናትን ግና ንእግዚኣብሄር ዝኸሓደ ትእዛዙቱ ዘፍረሰ ብዝክር መላእኸትን ጻድቃንን ናብ መንግስተ ሰማያት ይአቱ ይብል፡፡ ኣታ ሕያዋይ ክርስቲያን እስኪ ነዚ ነገር እዚ ኣሰማምዐዩ ዚሰማማዕ እንተ ኾይኑ? እዚ ከመይ ገይሩ ይሰማማዕ፡ ተኣምረ ሚካኤል ይብል፣ ንሱ ዘይገበሮ ሓጢኣት ዘየለ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፣ ሓንቲ ነገር ግና ነበረቶ በብወርሑ ዝክር ሚካኤል ናተይ ኢሉ ሓዞ፡፡ እቲ ሰብኣይ ብዝሞተ ሰይጣንን ሚካኤል በታ ነፍሲ ተበኣሱ እሞ ሽዑ ተተሓሒዞም ናብ የሱስ ክርስቶስ መጹ፡፡ ንሱ ድማ ዚብሎ ጨኒቑዎ መንጎኛ ፍርዲ ፈረደሎም ከምዚ ኢሉ፣ ሓደው ሚካኤል ይሕብኣዩ ንስኻትኩም ርኸቡዎ፡ ሓደው ንስኻትኩም ሕብኡዎ ሚካኤል ይርከቦ በሎም፡፡ ሽዑ እቶም ኣጋንንቲ ተማኺሮም፡ ሚካኤል አብ መንበረ መለኮት እንተ ሐብኦ አይክንረኸቦን ኢና እሞ ንሕና ናብ መዓሙቅ ሲኦል ክንሓብኦ በሉ፡፡ ሽዑ ሚካኤል ነቲ ሓጥእ ሰብኣይ ኪደሊ ናብ ሲኦል ሰለስተ ሳዕ ወረደ፡፡ ብዝወረደሉ ልክዕ ድማ ሰብዓ እልፊ ብየማናይ ክንፋ ሰብዓ እልፊ ብጸጋማይ ክንፋ አረማውያንን ዘይኣመኑን ዘይተጠመቑን አውጽኤ፡፡ኣብ ኩሉኩሉ እቶም ዘውጽኦም ድማ 4 ሚልዩንን 2ዐ እልፍን እዩም፡፡ እዞም ኰሎም አረማውያን ዘይኣመኑን ዘይተጠመቑን ድማ፣ ነቲ ሓደ ሓጢአተኛ ሰብአይ ኪረክብ ኪብል ገፊፋ አውጺኡ ናብ መንግስተ ሰማይ ኣእተዎም ይብል፡፡ ኣታ ክርስቲያን እዚኸ ሓቂዶ ይመስለካ፣ እዞም ክንድዚ ዚኣኸሉ አረማውያንሲ ከይኣመኑን ከይተጠመቑን ብኸምኡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው፣ መንግስቲ እግዚኣብሔርኬ እንዳ ዋዛዶ እዩ፡ ይመስለካ? አስተውዒልካ ሕሰብ፡፡ ድርሳነ ሚካኤል ድማ ስም ወዱ ሓደው ስም ጓሉ ብስካም ዘውጽኤ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ ኪዳን ሂበካ አሎኹ ይብል፡፡ ኣታ ክርስቲያን፣ እዚኸ ብሓቂዶ ትብሎ ኢኻ፡ ብስም ሚካኤል እንተ ተሰምየስ ብዘይ ሃይማኖቱን ብዘይ ምግባሩን ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ? ብስም ዚእቶ እንተ ዚኸውንሲ እግዚኣብሄርዶ ግዳ ኣይዐብን፡ ካብዚ ኩሉ ብስም እግዚኣብሄር እተጸውዑ ግዳ መሊአም ኣየለውን፣ እዙይስ ብዘሕ ዕሽንት እዩ፡፡ ተኣምረ ማርያም ኸኣ ከምዚ ይብል ሰብዐን

ሸሞንተን ነፍሳት ቀቲሉ ዚብልዎ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፡፡ ብድሕርዚ ዚብልዑ ነፍሳት ስኢኑ ኪደሊ ከሎ፣ ሓደ ድውይ አማዕድዩ ረኣየ፡፡ ኪ በልኦ ኢሉ እንተ ኸደ ድማ ብቑስሉ ፈንፈኖ፡፡ ሽዑ ገዲፋዎ ኪኸይድ እንተ ደለየ እቲ ድውይ ድማ ብስም እግዚኣብሄር ኢለካ ማይ ክተስትየኒ ኢሉ ሰበኾ፡፡ እቲ በላዕ ሰብ ድማ ኦይትዛረበኒ፣ ኣታ ጽዩእ እናበለ ሰለስተ ሳዕ ገንሖ፡፡ ብድሕርዚ ድማ እቲ ሰብኣይ ብስም ማርያም ኢለካ ማይ ክተስትየኒ ኢሉ ሰበኾ፡፡ እቲ በላዕ ሰብ ድማ፣ ማርያምሲ ብንእሽቶየይ ከሎኹ ካብ ገሃነመ እሳት ተድሕን እያ ኪብሉ ሰሚዔ ነበርኩ ኢሉ ሕፋኖ ማይ ኣስትዩ፡፡ ድሕርዚ እቲ በላዕ ሰብ ዚብልዑ ነፍሳት እንተ ሰኣነ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕሲ ሞት ይሕሸኒ ኢሉ ኣብ ሓደ በዓቲ ኣትዩ ሞተ፡፡ ሽዑ ኣጋንንቲ ሒዞሙዎ ኪኸዱ ኸለው ማርያም ናተየ እዩ ኢላ ኣጽኒዓ ሓዘቶም፡፡ ንሳቶም ድማ ናትና እባ ደኣ እዩ ኡሎም፡ ተተሓሒዞም ናብ የሱስ ክርስቶስ ከዱ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ፣ ነቶም ሰብዓን ሾሞንተን ነፍሳትን ነተን ሕፋኖ ማይን ሚዛን ጌርኩም ምዘንወን ኢሉ ፈረደ፡፡ እንተ መዘንወን እውን ካብቶም ሰብዓን ሸሞንተን ነፍሳትሲ ብጽላሎት ማርያም እተን ሕፋኖ ማይ ረዚነን እቲ 78 ነፍሳት ቀቲሉ ዝበልዔ ሰብኣይ ድማ ናብ መንግስተ ሰማይ ኣተወ እናበለ ይሕሱ፡፡ ኣታ ክርስቲያን እዚ እንዚዶ ቁም ነገር ዘለዎ ሓቂ ኢልካ ትሕዞ፣እቲ ነቶም ብመልክዕ እግዚአብሔር እተፈጥሩ ሰባት ከም ኣራዊት ኰይኑ ኪበልኦም ዝነበረ ሰብአይሲ ናብ ንስሓ ከይምለስ ድማ ስጋ ሰብ ካብ ዝስእንሲ ሞት ይሐሸኒ ኢሉ ኣብሓደ በዓቲ ኣትዩ ዝሞተስ ብሐቂዶ ናብ መንግስተ ሰማይ ኣትዩ ትብሎ ኢኻ፡ ብልብኻስ ትሓስቦዶ ትኸውን፧ ገድልን ተኣምርን ድርሳናት ኩሉ ሐጢኣት ንምግባር እዩ ዚምህር እምበር ካብ ሐጢኣት ምኽልካል አይምህርን እዩ፡፡ ካብ እዞም ቀቲሉ ዝበለኦም ሰብዓን ሾመንተን ሰባት ዚዓቢ ሐጥያት ደኣ አልዩን ካብ ሕፋኖ ማይ ዚቐልል ዚተኩብ አልዩ፡፡ እዚ መጻሕፍቲ እዚ ሰይጣን ብተንኰሉ ንጥፍኣት ደቂ ሰብ ኢሉ ኣብ ሰብ ሐዲሩ ዝጸሐፎ እዩ፡፡ ንሱ ኣቦ ሓሶት እዩም ንዚቕበሎ ኸሉ ጅማ ሓሶት የስተምህሮ፡፡ ዮሃ8፡44 ገድሊ አባ ጋብር ድማ ከምዚ ይብል አባ ጋብር ንእግዚሓብሔር፣ እንታይ እንተ ገበሩ እዩም ንደቂ ሰብ እትኹንኖም ኢሉ ሓተቶ፡፡ እግዚኣብሄር ድማ 1ዐ ቃላት ኦሪትን 6 ቃላት ወንጌልን እንተ ኣፍረሱ እዬ ዝኸንኖም በሎ፡፡ አባ ጋብር ድማን 1ዐ ቃላት ኦሪትን ን6 ቃላት ወንጌልን አፍሪሶም ዝክረይ እንተ ገበሩኸ ትምሕሮምዶ በሎ፡፡ እግዚአብሔር ድማ ዝክርካ እንተ ገበሩስ እወ እምሕሮም 5 ኣኽላባት እኳ ዝክርካ እንተ ገበሩስ ብዘይ ንስሓ እምሕሮም እዬ በሎ፡፡ መሊሱ ድማ ገድሊ አባ ጋብር ውሉድ

ናብ ገጽ-10ይቅጽል

የሱስ ክርስቶስ ይብል ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እዬ ብጀካ ብኣይ ናብ ኣብ ኪመጽእ ዘ.ኸእል የልቦን፡፡ ዮሃ14፡6

ብዛዕባ

Page 2: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

አሕታሚኣልፋ ስነ-ጥበብ ሚኒስትሪቀንዲ አዳላዊ - ዳንኤል ገብረስላሴምክትል አዳላዊ - ኪዳነ ገብሪሒወትቀንዲ ኣርታኦት - ስማኦን እስትፋኖስምክትል አርታኢ- ቴድሮስ ተኽለአከፋፈልቲ - ቴድሮስ ተኽለ - ሰሚራ ሳልሕጽሑፍ ኮምፒተር - ስምኦን እስትፋኖስለይአውትን ዲዛይንን - ብዳንኤል ገብረስላሴ

አድራሻቀጽሪ ፖስታ- 41903ቴለፎን ሞባይል +251-920331918 +251-923054347ኢ-መይል - [email protected]

እቲ ዘገርም ውህበት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህበት እዩ፡፡ ንሱ በዓሉ የማዕርገካ ሞጎስን ግርማን ይህበካ ኮታስ ብሓፈሽኡ ሰብ ይገብረካ፡፡ ስለዚ ወንጌል ዮሃ 19፡10-11 ጲላጦስ ንየሱስ ሓደ ሕቶ ምስ ሓተቶ ዝሃቦ ምላሽ “ካብ ላዕሊ እንተዘይ ተዋሃበካ ኣባይ ስልጣን የብልካን” ክብሎ ኢና ንርኢ፡፡ ነዚ ኣፍልጦን ስልጣንን ዘለዎ ንጉስ ከምዚ ብምባል ምላሽ ሃቦ፡፡ ሰብ ዋላእኳ በዚ ምድራዊ ዝኾነ መዓረግን ስልጣንን ይሓልዎ፣ ኣፍልጦ ይሃልዎ ከምኡውን ሕጋውነት ይሃልዎ ካብ ላዕሊ እንተዘይ ተፈቂዱሉ ኣባኻ/ኺ ከምኡውን ኣባና ስልጣን ከም ዘይብሉ ካብዛ ሓንቲ ጥቅሲ ክንርዳእ ንኽእል ኢና፡፡ ስለዚ ዝሸይም በዓሉ እግዚኣብሄር ስልጣን ዝህብ ብዓሉ ዝፈቅድ ብዓሉ እግዚኣብሄር ካብ ኮነ መዓረጋት ብሰብ ዝተሸሙ ስለምንታይ ኢና ዘይንቅበል፧ ዘይምቅባልና ከ ነምጽኦ ለውጢ ዘሎ ዶ ይመስለና፧ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ንሪኦ ኣብ ብቅዓት ናይቶም ዝሽየሙ ሰባት ዘይኮነስ ኣብ ክእለቱን ኩሉ ፈላጥነቱን ተኣማሚኑ ዝሸሞም ዝነበረ ጎይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፡፡ ዋላ ኳ ሰባት እንተዘይተቐበልዎም እግዚኣብሄር ግና ብእኦም ገይሩ ክጥቀም ከሎ ኢና ንሪኢ፡ ገለ ገለ ንሪኦ ነገራት ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ንምቅባል ከም ዘሸግረና ሩዱእ እዩ፡ ከምቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝበሃል ገለ ውሑዳት ነቲ ሓቂ ከደናግሩ ካብ ኣምላኽ ዘይኮኑ ካብ ፍቃድ ርእሶም ወይ ድማ ካብ ፍቃድ ሰይጣን ተቀቢሎም ዘዕግርግሩ ኣይስኣኑን ይኾኑ እቲ ሓያል ኣምላኽ ግና ኣብ ዝፋኑ እዩሞ ብኣምላኽና ድአ ንህዳእ እሞ ነቲ መዓረጋት ከም ዘለዎ ንቀበሎ፡፡ ስለዚ ንመራሕትና ነኽብሮም ንኣገልግልትና ነኽብሮም ከም መራሕትን ከም ኣገልገልቲን ንቐበሎም እሞ እግዚኣብሄር ሽዑ እቲ ካብ ኣምላኽ ክንቅበሎ ዝግባኣና በረኽት ክወርደልና ቃሉ እሙን እዩ፡፡ ግን ነየኖት መራሕቲ፧ ነየኖት አገልገልቲ፧ ነየኖት ሰብ መዓረጋት ኢና ነኽብሮም ንብል ዘሎና፧ እዚ ክምለስ ዘለዎ ነጥቢ እዩ መስለኒ ነቶም መንፈሳዊያን ዶ ወይስ ነቶም ዓለማውያን፧ እወ ንኹሎም ሰብ መዓረጋት ኢና ከነኽብሮም ዘሎና፡፡ ምክንያቱ ብዘይ ፍቃድ እግዚኣብሄር ናብ መዓረግ ወይ ድማ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ ስለ ዘየሎ ምስ ፍቃዱ ምስምማዕ እዩ ዘዋጽኣና፡፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊ መራሕትና ኣብ ልዕሊ ኣገልገልትና ካብ ኢድና ምውጥዋጥ ዓሪፍና የማነይቲ ኢድና ሂብና በረኸትና ኣብ ጉባኤናን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ነቀላጥፍ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ክንገብር ይደግፈና፡ ኣሜን፡፡

ርእሰ ዓንቀጽንኣገልገልቲናን መራሕትናን የማናይ ኢድና

ንሃቦም!!!

ዜና

ጋዜጣ ኣልፋ ኣብ ትሕቲ ቤቴል ሕይወት ብርሃን ናይ ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡

2

ብሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሚያዝያ 17-20 ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ፍሉይ ስልጠናን ኮንፈረንስን ተካይዱ፡፡ ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚቴ እቲ ሕብረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ናይቲ ስልጠና ትሕዝቶ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዝብል ኮይኑ ብነብዩ ኣለሙ ን45 አገልገልቲ ተዋሂቡ፡፡ እቶም ዝሰልጠኑ ኣገልገልቲ ካብ ኣርባዕቲኡ መዓስከራት ማለት ሽመልባ፣ ማይዓይኒ፣ ዓዲሓሩሽን፣ ሕንጻጽ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ማዕረ ማዕረ እቲ ስልጠና ድማ ምሽት

ምሸት ኮንፈረንስ ተካይዱ ክብሉ እቶም ኮሚቴ ሕብረት ወሲኾም ኣረዲኦም፡፡ ኣብቲ ኮንፈረንስ ወንጌላዊ ጥላሁን ጫሊ ብስብከት ከገልግል ከሎ ብዙሓት ነፍሳት ካብ ማእሰርቲ ኣጋንንቲ ተናጊፈን ሓራ ወጺኤንን ብዙሓት ድማ ተጸናኒዔን፡፡ብፍላይ ብሕብረት ደረጃ ምስቲ ስልጠና ከምዚ ዓይነት ኮንፈረንስ ክዳሎ ንመጀመርታ ምንባሩ ኣብቶም ተሳተፍቲ ልኡል ጽልዋ ነይርዎ፡ ከምዚ ዓይነት መደባት ብተደጋጋሚ ክዳሎ ድማ ተሳተፍቲ እቲ መደባት ንኮሚቴ ሕብረት ተማሒጽኖም ክብሉ ኮሚቴ ሕብረት ኣረዲኦም፡፡

ብሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓሰከራ

ን 45 ኣገልገልቲ ስልጠና ተዋሂቡ

ቤተል ህይወት ብርሃን ቤተክርስትያን ትግርኛ አዲስ አበባ አብ ከባቢ ካሳንችስ አብ ቐጽሪ ጴንቴኮስታል ቲኦሎጂካል ኮሌጅ (P.T.C) ትርከብ ናይ ትግርኛ ሕብረት ኮይና። “ንክርስቶስ ዝመስል ብስለትን ህይወትን ዘለዎም ህዝቢ ምዕባይ ከምኡውን ንኣብ ዓለም ዘለው ብህይወቶም ዝምስክሩ ንወለዶም ድማ ጽቡቅ መሰረት ዘንጽፉ ህዝቢ ምፍራይ” ኣብ ዝብል ራእይ ተመስሪታ ኣብ ዝሓለፈ 01/03/2014 ናይ መራሕቲ ስልጠና ካብ ዝተፈላለየ ቤተ ክርስትያንን ሚኒስትሪን ዝተዋጽኡ ኣገልገልቲ ከም ዝተሳተፉ ካብቶም መራሕቲ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ንሳቶም ድማ፦ 1. ካብ ቤተል ህይወት ብርሃን ቤተክርስትያን ትግርኛ አዲስ አበባ 2. ካብ ሕብረት አመንቲ ወንጌል አዲስ አበባ 3. ካብ አልፋ ስነ-ጥበብ ሚኒስትሪ ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የብርህ፡፡ከምኡውን እቲ ስልጠና ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ከም ዘተኮረ እቶም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ወሲኾም አረዲኦም፡፡ • መንፈሳዊ መራሒ ካብ ካልእ መራሒ ብምንታይ ይፍለ፧• ከምኡውን ናይ መራሒ ዕንቅፋት እንታይ ኢዩ፧• ብሂወቱ፤ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ፤ አብ ትግባረ(ዕዮ) ኣብ መወዳእታ እቲ ስልጠና ን15 ኣገልገልቲ ከም ዝተዋህበን እዚ ከምዚ ዓይነት ስልጠናታት ምሃብ ድማ ሓደ ካብቲ ራእይ ናይታ ቤተ ክርስትያን ከምዝኾነን ነቲ ጎይታ ዝሀበና ሓላፍነት ከም ዝግባእ ክንዓዪ ድርኺት ፈጢሩልና እዩ ኢሎም። ከምኡውን ንብድሕሪ ሕጂውን ከም ፍቃድ ጎይታ ካብዚ ብዝበለጸን ዝሓየለን ከነካይድ ጎይታ ይደግፈና ክብሉ እቶም መራሕቲ ገሊጾም። ከምኡውን መደባት ፕሮግራማትና ድማ ኣብዚ ዝስዕብ መዓልታት እዩ፦ • ሰንበት ሰዓት 4፤00 ድ/ቀ አምልኾን (መንፈሳዊ ምንቅቃሕን)• ሮቡዕ ሰዓት 3፤00 ድ/ቀ ትምህርትን ጸሎትን ብምባል ብተወሳኺውን ሓበሬት እንተደሊኹም በዚ ዝስዕብ አድራሻ ተወከሱና ክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።አድራሻ፦ ቤተል ህይወት ብርሃን ቤተክርስትያን ትግርኛ አዲስ አበባ ሞባይል፦ +251 920 64 76 79 +251 910 62 28 01 +251 920 33 19 18 ፓ.ሳ.ቁ 32/1251

ቤተል ህይወት ብርሃን ቤተክርስትያን ኣብ መንፈሳዊ መራሒ

ዘተኮረ ስልጠና ሂቦም

እብ5፡14 “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቅን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ፡፡”

Page 3: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ዓምዲ ትምህርቲ

“ናብ ቤት ትምህርቲ ስነ መሎኮት ዘይኣተዉ ምስጉናት እዮም”

ናብ ገጽ-6 ይቅጽል

ጽሑፍ ብዳንኤል ይልማ +251-911-88-25-48

አዲስ አበባ

ስነ መሎኮት ከምዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈት ከይሓዘ ከሎ ኣብ ሀገርና ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ክርስትያናት ብዙሕ ብዙሕ ነገር ተባሂሉ እዩ፡፡ ሎሚውን እንተኾነ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ሓሳባት ካብ ምሃብ ዓዲ ኣይተዋዕለን፡፡ ካብቶም ዝተፈላለዩ ሰባት ዝህብዎ ዝነበሩ ሓሳባት እቶም ዝዝክሮም እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-“ስነ መሎኮት የድርቕ እዩ”“ስነ መሎኮት ዝተቀለወ ስገም እዩ”“ስነ መሎኮት ዝኸፋፍል እዩ”“ስነ መሎኮት ናይ መንፈስ ቅዱስ ምግላጽ ይሽፍን እዩ”“ስነ መሎኮት ፍረ ኣልቦ እዩ”“ናብ ቤት ትምህርቲ ስነ መሎኮት ዘይኣተዉ ምስጉናት እዮም”“ስነ መሎኮት ናይ ደቂ ሰባት ናይ ኣእምሮ ውጺኢት እዩ”“ስነ መሎኮት ካብ ፍቅሪ ጎይታ ይፈልይ እዩ”“ስነ መሎኮት ፊደል እዩ ፊደል ድማ ይቀትል እዩ” ብዘይካ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎም ኣብ ናይ ስነ መሎኮት ኣሰር ኣለዎ ዝተባህለ ነገር ብምሉኡ ንኽጠፍእውን ብዙሕ ጻዕሪ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም፡፡ ናይ ስነ መሎኮት ትካላት ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ንኸይምስረታ ደጌታት ዝዓጽዉ ዝነበሩውን ኣለዉ፡፡ናብ ቤት ትምህርቲ ስነ መሎኮት ዘይኣተዉ ዝተባረኹ እዮም ብዝብል ኣባሃህላ ናብዚ ቤት ትምህረቲ ንዝኣተዉ ድማ ኩሉ ጸላኢ ማርያም ከም ዝብሃል ይውገዝን ይንጸል ነበረ፡፡ ኣብ ከምዚ ህሞት ግና ስነ መሎኮት ዘስፋፍሑ ቤት ትምህርትታት ተወሊደንስ እንዳዓበያውን እየን፡፡ ሃገራዊ ዝኾነ ናይ

ስነ መሎኮታዊ ኣካይዳ ተመስሪቱ እዩ ኢለ ይኣምን፡፡ ብርግጽ እዩ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ከምቲ ዝድለ ስነ መሎኮታዊ ትምርቲ ኣብ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ብጽርየት እንዳዓበየ ድዩ ብዝብል ሕቶ ኩላትና ብግልጺ ምዝርራብ ዘድሊ ይመስለኒ፡፡ ንኽዓብይን ክድልድልን ዝኽእለሉ መንገድታት ብሓባር ብምኻን ክንውጥን ይግባኣና እዩ፡፡ ብናተይ እምነት እዞም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ዝኾነ ናይ ስነ መሎኮት ኣመለኻኽታ ኣይውክሉን

ኣይገልጹን እዮም ምናልባሽ እዚ ኣተሓሳስባ ዝመጾ ስነመሎኮት ኣብ ዘይዓበየሉ የማነ ጸጋም መርሚርካ ግቡእ ዝኾነ መደምደምታ ካብ ዘይምሃብን ናይ ዘይተመሃረ ኣተሓሳስባ ይመስለኒ፡፡ ክንዮ እዚውን ናይ ብጌጋ መንገዲ ንስነ መሎኮት ዝተጠቀምሉ ተማህሮ ውጺኢት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ናይዛ ሓጻር ጹሑፈይ ዕላማ እዚ ስለ ዘይኮነ ኣንባቢ ካብ ምንታይ ከም ዝኾነ መርሚሩ ክርዳእ ይኽእል እዩ፡፡ ንምኻኑ ስነ መሎኮት እንታይ እዩ፧ ነገረ መሎኮት ወይ ድማ ስነ መሎኮት ዝብል ቃል ብቃሉ /literally/ ክንሪኦ ከሎና ናይ መሎኮት ነገር ክኸውን ከሎ ናይ መዘገበ ቃላት ትርጉም ከም ዝሕብሩና ድማ ብዛዕባ መሎኮት መንነት ባህሪ ከምኡውን ምስ ሰብን ካልእ ፍጥረታትን ብዛዕባ ዘሎዎ ርክብ ምጽናዕ ማለት እዩ፡፡ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ከም ዝተጻሕፈ መሎኮት ማለት “ቴዮስ” ዝብል ቃል ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፡፡ ትምህርቲ ወይ ድማ መጽናዕቲ ንዝብሉ ቃላት ድማ “ሎጎስ” ዝብል ዝሳማማእ ቃል ከም ዝኾነ ብዙሓት ይሰማማዑ እዮም፡፡ ካብዚ ከምንርድኦ ክንዮቲ ናይ ኣማሓርኛ ወይ ናይ ትግርኛ ቃል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ቴዮሎጂ ዝብል ኣብ መዓላ ክውዕል ከሎ ኢና ንሪኢ፡፡ እዚ ናይ እንግሊዘኛ ቃል ካብ ክልተ ናይ ግሪኽ ቃላት ዝሓዘ ኮይኑ ካብ ቴዎስን ካብ ሎጎስን ዝብል ዝመጸ እዩ፡፡ እዚ ድማ ብዛዕባ መሎኮት ዝምልከት መጽናዕቲ ከምኡውን ብዛዕባ መሎኮት ዝምልከት ቃላት ምዝርራብን ምልውዋጥን ማለት እዩ፡፡ በዚ መሰረት ሰባት ኣብ ልዕሊ ህይወት ዳሕሳስ ምግባር ጥራይ ዘይኮነስ ዕሙቅ ዝበለ ናይ መሎኮት ኣብርሆት የድልዮምን ምኽንያታዊ ምላሽውን ክህቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ስነ

3

ኣብ 2ይ ጢሞ 1፡5 ዘሎ ጥቕሲ መበገሲ ብምግባር እስኪ ሓደ ነገር ንመሃሃር፡፡ እታ ኣባኻ ዘላ ልግሚ(ጥርጥር ዜብላ ሓዳሽ ትርጉም) ዜብላ ቅድሚ ኣብ ሎኢስ ዓባይካ ኣብ ኤዉኒቄ ኣዴኻዉን ዝሓደረት እምነት እናዘከርኩ´´ ኢሉ ጳዉሎስ ንጢሞትዎስ ይጽሕፈሉ፡፡ ኣብዚ ክፍሊ እዚ እዛ ልግሚ ዜብላ እምነት 3 ወለዶታት ክቀባበሉላ ከለዉ ንርኢ፡፡ ንሳቶም ድማ ሎኢስ፡ ኤዉኒቄ ዳሕራይ ድማ ጢሞትዎስ ኢዮም፡፡ ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ግብሃዋ ምዕ 16 ተሪኢና መንነት ናይዛ ስድራን መጀመርታ ርክብ ናይ ጳዉሎስን ጢሞትዎስን ንረክብ፡፡ ግብሃዋ 16፡1 ናብ ደርቤን ናይ ልስጥራን ድማ መጸ እንሆ ጢሞትዎስ ዝበሃል ወደ መዝሙር ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ ኣብኣ ነበረ፡፡ ዝብል ጽሑፍ ነንብብ፡፡ ቁ.2 ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን አብ ኢቆንዮምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ፡፡ስለዚ ጢሞትዎስ ጽቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ሂወትን ንጳዉሎስዉን ዘሐጎሰ እምነትን ክህልዎ መጀመርያ ምንጪ ዝኾነት ዓባዩ ሎኢስ ኢያ፡፡ ምኽንያቱ ንሳ ነታ ልግሚ ዜብላ እምነት ናብ ኢዉኒቄ ኢላ ስለዘሕለፈታ ኣብ ኢዉኒቄ ድማ ናብ ጢሞትዎስ በጽሖ፡፡ ኩሉ ግዜ ንሓደ ትዉልዲ 3 ነገራት ክገብር ኣምላኽ ይደልዮ ንሱ ድማ 1.) ካብ ኣምላኽ ክቡር ዝኾነ ሓይልን ሕድርን ምቕባል 2.) ነቲ ዝተቀበሎ ሓይሊን ሕድርን ናይ ምዕቃብ (keep) ምግባርን ምቅጽጻልን፡፡3.) ምስ ምሉእ ሓይሊ ንድሕሪኡ

ዘሎ ትዉልዲ ምምሕልላፍን ኢዮም፡፡ ካብዞም ሰለስተ ነገራት ሓንቲ ተጎዲላ ወንጌል ኣምላኽ ወይ ሕድሪ ናይ እግዛብሄር ኣብ ሓደጋ ይኣቱ፡፡ ታሪኽ ናይ መብዛሕትኤን ሃገራት ኤዉሮጳን ኣሜሪካን ህያዉ ምስክር ኢዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ግዜ ዘለና ኣገልገልቲ ብፍላይ ኣቦታትን ኣደታትን ንዝተቐበልናዮ ወንጌል ማዕረ ክንደይ ነመሓላልፎ ኣሎና ወይ ዝቕበል ብቑዕ ዝኾነ ትዉልዲ ነፍሪ ኣሎና; ማዕረ ክንደይ ብቑዓት መንፈሳዉያን ደቂ´ኸ

ኣለዉና፡፡ብኻልእ ወገን ኣቱም ኣዚየ ዝፈትወኮም መንእሰያት ኣሕዋት(ጢሞትዎሳት) ከማዕረ ክንደይ ድልዉ ኢዩ ልብና ነዚ ክቡር ሓደራ ክቕበል፡፡ ከም እንፈልጦ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ ምኽፍል ዝመጸ ሕጂዉን ተኾነ ክቡር ዋጋ ዝኽፈሎ ዘሎ ወንጌል ኢና ተቐቢልና፡ ስለዚ ንሕና´ኸ ማዕረ ክንደይ ንዝሓተና ዋጋ ክንከፍል ተዳሊና ኣሎና፡፡ ሓደ ኣቦ ንዝፈትዎ

ወዱ ዋጋ10.000 ሞባይል ገዚኡ ሃቦ እሞ ወዱ ግና ዋጋኣ ስለ ዘይፈልጣ ኩዕሶ ክገዝእ ደሊዩ ብ200 ቅርሺ ሸይጥዋ፡፡ ስለዚ ነዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ወንጌል ክቕበል ዝተዳለወ ልቢ ይሃልወና፡፡ ማለት ብጽድቂ ንዳሎ፡ ብቕድስና፡ ብፍልጠት ቃል ኣምላኽ፡ ብፍርሃት እግዝኣብሄር፡ ብፍጹም ፍቕሪ፡ ብትግሃት፡ ብትዕግስቲ፡ ብምክብባርን ምግዝዛእን ልዕሊ ኹሉ ከኣ ራኢ ዘለዎም ሰባት ንኹን፡፡ ምኽንያቱ ራኢ ዘይብሉ ህዝቢ ስዲ ስለ ዝኸይድ፡፡ ምሳሌ 29፡18፡፡ እስኪ ካብ ኣባሓጎታትና ጀሚርና ወንጌል ንፈልጥ ክንደይ ሰባት ኢና ወይ ካብ ስድራና ወንጌል ዝተቐበልና ወይ ድማ ንሕና ባዕልና ዝተቐበልናዮ፡፡ መብዛሕትና ካብዞም 3 ምድብ ኢና እንምደብ፡ በዝን በትን ግን ኩልና ሰብ ሕድሪ ኢና ትዉልዲ´ውን ክሓተና ኢዩ፡፡ ኣብ ኢያሱ 4፡1-7 ተንቢብና እዘን ብቑጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ መንኩቦም ዝተሰከምወን እምኒ እንታይ ኢየን ኢሎም ከምዝሓትዎም ኣቐዲሙ እግዝኣብሄር ነጊሪዎ ኔሩ ንዝገበርዎ ነገር ከኣ ምሉእ መልሲ ኔርዎም፡፡ ስለዚ ንሕናዉን ዝተዳለናን ንትዉልዲ ዝዉረስ ነገርን ይሃልወና፡፡ እግዝኣብሄር ይባርኽኩም፡፡ ´´ ነቲ ዝተቐበልኩሞ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ፡፡ 2ይ ጢሞ 1፡ 1ይ ፡፡ ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ ነተን ካብ ቁልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ በቲ እተማሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ፡፡ 2ይ ጢሞ3፡14-15

ናይ´ዚ ዘመን´ዚ ጢሞትዎስ ንስኺ/ኻ

ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ ነተን ካብ

ቁልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ በቲ

እተማሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ፡፡ 2ይ ጢሞ 3፡14-15

ትርጉም ሓው ዳንኤል ገብረስላሴ

ሓዉ ኣማኑኤል ሃይለማይ ዓይኒ

እምነትና ዝተመሰረተሉ ባህሊ ብናይ

እግዚኣብሄር ጥበብ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ኣብ ቅድሚ ነገስታት

ብዘይ ፍርሃት ብትህትና ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ፈላስፋታት ብዘይ ድንቁርና ብመጎተ ምቅራብ ዝኸአለ ብሃዋርያትን ብነብያትን ዝተሰብከ

እዩ፡፡

Page 4: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓምዲ ቤተሰብ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ሓሳብ ሒዝናልኩም ቀሪብና ኔይርና። ኣብ ዝሓለፍ ሕታም ምንጻል ጥንሲ እንታይ እዩ፧ ንምንታይ እዩ ምንጻል ጥንሲ ዝካየድ ዘሎ፧ ስለምንታይ እዩኸ ምንጻል ጥንሲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰኸ ዝከይድ ዘሎ፧ ዝብል ሕቶታት መሊስና ነይርና። ንምዝኽኻር ዝኣክል ምንጻል ጥንሲ ማለት እቲ ድቂ ኣብ ማህጸን ከሎ ጌና ናብዛ ዘሎናያ ዓለም ንምምጻእ ኣብ ምድላው እናሃለወ ከሎ፡ ብዝተፈላየ ዘመናዊን ባህላዊን መንገድታት ተጠቒምካ ነቲ ድቂ ኣብ ማህጸን ከሎ፡ ምቕታል ወይ ምጉሓፍ ማለት ከም ዝኾነ ብሰፊሑ ርኢና ነይርና።

ምንጻል ጥንሲ (abortion) ንምንታይ ይካየድ ፧ ንዝብል ሕቶ ድማ ሰባት ሓዳር መስሪቶም ቆልዑ ንምዕባይ ገና ከይተዳለዉ ፡ ንስጋዊ ትምኒቶም ጥራ ንምርዋይ ዝገብርዎ ፍኑው ዝኾን ጾታዊ ርክብ ኣዝዩ ስለዝበዝሐ ፡ ከም ዉጽኢቱ ድማ ዘይተሓስበ ጥንስታት የጋጥም ኣሎ። ነዞም ሰባት ከይተዳለዉ ዘጋጥምዎም ዘለዉ ጥንስታት ከም መፍትሒ ክዉሰዱ እንርእዮም ዘለና ኣማራጺታት ምንጻል ወይ ምስዳድ ጥንሲ እዩ። ኣብ ዝሓለፍ ሕታም ነዚ ብሰፊሑ ርኢናዮ ነይርና። እንሆ ድማ ኣምላኽ ፈቒድዎ መቐጸልትኡ ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና።ምንጻል ጥንሲ(abortion) ብኸመይ ይካየድ ፧ምንጻል ጥንሲ (abortion) ብኸመይ መንገዲ እዩ ዝፍጸም ፧ ንዝብል ሕቶ ኣብ ክልተ ከፊልና ከንቐምጦ ንኽእል ።

ቀዳማይ ባህላዊ ምንጻል ጥንሲ ፡- እዚ ባህላዊ ምንጻል ጥንሲ እንብሎ ኣብ ግዚኡን ከባቢኡን ብግሁድ ኮነ ብሕቡእ፡ ብልምዲ ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ምንጻል ጥንሲ (abortion) እዩ። እዚ ምንጻል ጥንሲ ነቲ ህጻን ካብ ምቕንጻል ሓሊፉ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ኣደታት ዉን እዩ። እዚ ምንጻል ጥንሲ እዚ ብሕቡእ ዝግበር ስለ ዝኾነ መንፈሳዊን ስጋዊን መጉዳእታቱ ኣዝዮም ከበድቲ ሳዕቤናት ኣለዉዎ።

ካልኣይ ዘመናዊ (modern) ምንጻል

ጥንሲ ፡- እዚ ድማ ብባህላዊ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ብዙሕ ጥዕናዊን ኣእሙራዉን መጉዳእቲ ስለዘለዎ ብሳይንሳዊ መንገዲ ብዝቐለለ መንገዲ ምንጻል ጥንሲ ንምፍጻም ተባሂሉ ዝተፈልሰፈ ዘመናዊ ሓጢኣት ክንብሎ ንኽእል። ዋላ እኳ እዚ ንብሎ ዘሎና ምንጻል ጥንሲ ኣብ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ካብ ባህላዊ ምንጻል ጥንሲ ገለ ገለ ዝሓሸ ጥቕምታት እንተሃለዎ ኣብ ኣእሙራዊን መንፈሳዊን መጉዳእቲ ግን ምንም ዝቕንሶ የብሉን። በዚ ኮነ በቲ ምንጻል ጥንሲ ብኸመይ ይፍጸም ንዝብል፡-ብሓፈሻ በዞም ዝስዕቡ መንገድታት እዩ፡-1. ነታ ኣደ ዝተፈላለየ ከሚካል ብምሃብ ነቲ ህጻን ኣብ ማህጸን ከሎ ዝቐትል መርዚ ብምስታይ ከም ዝመዉት ብምግባር ዝፍጸም ምንጻል ጥንሲ እዩ።2. እቲ ህጻን ኣብ ማህጸን ከሎ ደም ናይቲ ህጻን ብምሳርሒ ከም ዝሰሓብ ብምግባር ነቲ ህጻን ደቀቅቲ ዓጽምን ቆርበትን ከም ዝተርፍ ጌርካ ምንጻል እዩ።3. እቲ ህጻን ኣብ ማህጸን ከሎ ንኣካላት እቲ ህጻን በብሓደ እንዳቖራረጽካ ምንጻል።4. ኣብ ዉሽጢ ማህጸን ክብጽሕ ዝኽእል መሳርሒ ጌርካ ገለ ክፋል ናይቲ ድቂ ብምሓዝ ነቲ ህጻን ካብ ማህጸን ጎቲትካ ምዉጻእ እዩ። እቲ ዝበዝሐ ምንጻል ጥንሲ ዝካየድ እምብኣር በዞም ዝጠቐስናዮም ሜላታት ዝፍጸም እዩ ። ክቡራት ኣንበብቲ ነስተዉዕሎዶ ኣሎና ፧ ሓደ ንኣምላኽ ይኣምን እየ ዝብል ሰብ እምብኣር ምንጻል ጥንሲ እንታይ ከምዝኾነ ብምርዳእ ነቲ ኣየትቕተል ዝብል ንጉሳዊ ሕጊ እንዳረኣየ እንዳሰምዐ ናብዚ ዘሰክሕ ኣረሜናዊ ተግባር ክዋፈር ኣይግብኦን ።ምንጻል ጥንሲ ኣብ ባህላዊ ኮነ ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ይፈጸም ጉድኣት ኣለዎ። ብርግጽ ኣብ ባህላዊ ልምዲ ተመርኩስካ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ካብ ኣብ ትህቲ ሕክምና ዝግበር ዝያዳ ዝገደደ ሳዕቤን ኣለዎ ። ይኹን እምበር ብዘመናዉያን ሓካይም ጥንሲ ስለ ዘስደድካ ካብ ኩሉ ምንጻል ጥንሲ ዘምጽኦ ሳዕቤን ክድሕን እየ ምባል ሳይንስ ባዕሉዉን ዘይድግፎ ሓሳብ እዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓንሳብ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጥንሲ እነተስዲዳ እንታይ ከጋጥማ ይኽእል ፧ 1. ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ናይ ሓደ ህጻን ነፍሲ ተጥፍኣ ስለዘላ ስነ ኣእምራዊ ዝኾነ ነዉጺን ዕረፍቲ ዘይምህላዉን ይስምዓ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ናይ ኣእምሮ ጸቕጥን ናይ ስነኣእም ሽግር ክበጽሓ ይኽእል።2. ምንጻል ጥንሲ ክካየድ ከሎ እቲ ህጻን ካብቲ ማህጸን ቅድሚ ግዚኡ ብሓይሊ ስለ ዝወጽእ ብዝሒ

ምፍሳስ ደም የጋጥማ። ብምኽንያቱ ድማ ናብ ሞት ክትበጽህ ትኽእል። ወይ ድማ ከቢድ ሕማምን ናይ ገለ ኣካላት ምስንካልን ከጋጥማ ይኽእል ። እዚ ብፍላይ ኣብ ባሕላዊ ምንጻል ጥንሲ እንተኾይኑ ዝያዳ የጋጥም።3. ናይ ማህጸን ረኽሲ ፡ ናይ ማህጸን ሻንብቆ ምቕዳድ ፡ናይ ማህጸን ካንሰር የጋጥም።4. መኻንነት ማለት ብድኽሪኡ እቲ ማህጸን ካብ ስራሕ ወጻኢ ይኸዉን። እዞም ዝጠቀስናዮም ሳዕቤናት እቶም ፍሉጣትን ዝበዝሕ ግዜ ዘጋጥሙን እዮም። እምብኣር ኣብ ምንጻል ጥንሲ ዘሎ ሳዕቤን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብዙሕ ዓይነትን እዩ። ገለ ገለ ደቀኣንስትዮ ድማ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ምንባር የጽልኤን። ከም ፋቃድ ጎይታ ኣብ ዝመጽእ • ምንጻል ጥንሲ ብመጽሓፍ ቕዱስ ይፍቀድዶ ፧• ጥንሲ ምንጻልን ዉጥን ስድራቤትን (family

planning)ምጥቃምን ሓደ ድዮም፧ • ምንጻል ጥንሲ ከይህሉ እንታይ ክንገብር

ይግብኣና ዝብል ሓሳባትን ንዕኡ ዝመስል ኣርእስትታን ኣልዕልና ክንርኢ ኢና።

እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!!

ዓምዲ ቤተሰብምንጻል ጥንሲካልአይ ክፋል ብአገልጋሊ ተስፎም ገብረመድህን

ምንጻል ጥንሲ ኣብ ባህላዊ ኮነ ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ይፈጸም ጉድኣት ኣለዎ።

ክ ቡ ራ ት ኣ ን በ ብ ቲ ነስተዉዕሎዶ ኣሎና ፧ ሓደ ንኣምላኽ ይኣምን እየ ዝብል ሰብ እምብኣር ምንጻል ጥንሲ እንታይ ከምዝኾነ ብምርዳእ ነቲ ኣየትቕተል ዝብል ንጉሳዊ ሕጊ እንዳረኣየ እንዳሰምዐ ናብዚ ዘሰክሕ ኣረሜናዊ ተግባር ክዋፈር ኣይግብኦን ።

4

መዝ127፡1 “እግዝኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሃነጸ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዐሩ፡”መዝ127፡3 “እንሆ፡ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም፡ ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ፡፡”

ምሳ12፡4 “ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ከም ቁንቁነ እያ፡፡”ገላ5፡13-14 “....ንሓድሕድኩም ብፍቅሪ ተገዛዝኡ....”

+251-912-73-94-77 ሽመልባ

Page 5: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ዓምዲ ህጻናትዓስቢ ምእዛዝ

5

ፍትዋት ሕጻናት ኣብዛ ሳንዱ ዘለዉ ስእሊ ናይዞም እግዚኣብሄር ዝፈጠሮም እንስሳትን ኣዕዋፍን

ብምርኣይ ኣስማቶም ጸሓፍሎም

“ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለዱኹም ብጎይታ ተኣዘዝዎም፡፡ ኣቦኻን አዴኻን አኽብር፡ ጽቡቕ ኪኮነልካ፡ ኣብ

ምድሪውን ዕድሜኻ ኪነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ፡፡” ኤፌ6፡1-3

ሕጻናት ኩሉ ግዜ ክትዝክርዎ ዘለኩም ነገር “ንወለዱኹም ምእዛዝ” “ምኽባር” “ምፍቃርን” ከም ዘለኩም እዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ምእዛዝ ዝብል ቃል ንሕጻናት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ንኹሉ ዝምልከት እዩ፡፡ ሕጻናት ንወለዶምን ካብኦም ንዝኣብዩን ንእግዚኣብሄር ክእዘዙን ከኽብሩን ከምኡውን ዓበይቲ ድማ ካብኦም ንዝዓብዩን ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ የድሊ፡፡ ስለዚ ኩቡራትን ፍትዋትን ሕጻናት ሎሚ ዓስቢ ናይ ምእዛዝ ኣብ መልእኽቲ ኤፌሶን ምዕራፍ 6፡1-3 ከም ዘንበብናዮ ቀዳማይ ጽቡቕ ኪኮነልካ፡ ካልኣይ ድማ ዕድሜኻ ይነውሕ፡፡ እዚ ኩሉ በረኸታት ካብ ኣምላኽ ከምእንቅበል ፈሊጥና ፍትዋት ሕጻናት ንወለድና ከም ቃል እግዚኣብሄር ተኣዘዝዎም ስለ ዝብለና፡ ንተኣዘዞም፡፡ ካልእ ድማ እዞም ኣብ ታሕቲ ንሪኦም ዘሎና እግዚኣበሄር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ትፈልጥዎም ዶ እስኪ ንማማ ባባን ንገርዎም እንተዘይትፈልጥዎም ድማ ካልኦት ክነግርኹም ሕተትዎም ኢኹም፡፡ እግዚኣብሄር ኣብዚ ዓለም ዘለዉ ኩሎም ፍጥረቱ እዮም፡፡ እግዚኣብሄር ይባርኩም ፍትዋት ሕጻናት፡፡

Page 6: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ካብ ገጽ 3 ዝቐጸለ

6

መሎኮት ሓድሽ ናይ ፍልስፍና ርካብ ዘይኮነስ ምስ ደቂ ሰባት ዝነበረ እዩ፡፡ ብሓፈሽኡ ክርስትያናት ጥራይ ዝገብርዎ ኣይኮኑን፡፡ ዓለምለኻዊ ናይ ደቂ ሰባት ባህሪ እዩ እምበር፡፡ ክርስትያናዊ ስነ መሎኮት ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ኣይሁዳውነት መሰረት ዘለዎ ብሉይ ኪዳንን ብጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያትን ዝማሃርዎ ትምህርቲ ንክርስቶስ እንዳ ኣማእከለ ምላሽ ዝህብ ምኻኑ እዩ፡፡ ስለዚ ብዓለም ደረጃ ኩሎም ደቂ ሰባት ዝሓትዎ ኣብ ስነ መሎኮት ዘተኮረ ሕቶ ሓደ ዓይነት እኳ እንተኾነ ናይ ክርስትያናዊ ስነ መሎኮት ዝህቦ ምላሽ ግን ዝተፈለየ እዩ፡፡ ክርስትያናዊ ስነ መሎኮት ብብዓሉ ተበጋስነት ርእሱ ስለ ዝገለጸልናን ስለነምልኾን ከም ሰዓብቲ ጎይታ የሱስ እነጽንዖን እንነብረሉን እዩ፡፡ ምንም እኳ መሰረት እምነትና ኣብቲ ዝተገለጸ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እኳ እንተኾነ ኣእምራዊን ዕሙቅ ዝበለ ኣተሓሳስባ ግን ኣይኮነን፡፡ ንነፍሲ ወከፍ ናይ እምነት ተግባራትና ብቁዕ ዝኾነ ምላሽ ክህብ ምኽኣሉ ግና ብሓበንን ኩርዓትን ክንቅበሎ ዝግባኣና እዩ፡፡ እምነትና ዝተመሰረተሉ ባህሊ ብናይ እግዚኣብሄር ጥበብ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዘይ ፍርሃት ብትህትና ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ፈላስፋታት ብዘይ ድንቁርና ብመጎተ ምቅራብ ዝኸአለ ብሃዋርያትን ብነብያትን ዝተሰብከ እዩ፡፡ ስለዚ ተሰቢኺልና ዝተቐበልናዮ ደጊምናውን እንሰብኮ ወንጌል ንደቂ ሳባት መንፈሳዊን ማህበራዊን ኣካላዊን ሕቶታቶም ኣብ ኣደባባያት ዘይሕፍር ዝኾነ ናይ ኣእምሮ ምላሽ ይህብ እዩ፡፡ብሓፈሽኡ ስነ መሎኮት ብሕጽር ዝበለ ክትርጎም ከሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ እምነት ዘለዉ መሰረታዊ ትምህርትታት ዝጽንዓሉ፣ ዝደራጅውሉ፣ ዝትንተንሉን ብዝግባእ መንገዲ ዝግለጸሉ መስርሕ እዩ፡፡ በዚ ባህሪ እዚ ስነ መሎኮት ልዑል ኣቃልቦ ዝሓትትን ብሰፊሑ ዝጽናዕ እዩ፡፡ ብተወሳኺውን ብዝተፈላለየ ማዕረጋት /ድግሪ/ ከምዝጽናዕውን ኣኽኢልዎ እዩ፡ በዚ ባህሪ ተበጊስና ክንዘራረብ ከሎና ዝኾነ ዓይነት ሰብ ካብ ስነ መሎኮት ነጻ እየ ኢሉ እንተሓሰበ ብጭቡጥ ዋላኳ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ መሎኮት ኣትዩ ኣይማሃር ድኣምበር ካብ ስነ መሎኮት ኣተሓሳስባ ነጻ እየ ክብል ግን ኣይክእል እዩ፡፡ እቲ ሓቂ እዚ ጥራይ እዩ፡፡ ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጽክዎ ናይቲ መጽናዕቲ ፍልልይ የሎን ግን ክበሃል ይከኣል እዩ፡፡ ንምኻኑ ስነ መሎኮት ለውጢ የምጽእ ድዩ፧ ንምንታይ ከ ኣድለየ፧ብመጀመርታ ስነ መሎኮት ሓሶት ካብ ሓቂ እንፈልየሉ መስርሕ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ብምግባር ኣንፈት ከትሕዝ ዝኽእል ባህሪ ኣለዎ፡፡ ነቲ ሓቂ ብምፍላጥ ሓራ ምውጻእ ኣሎ፡፡ ቅኑዕ ዝኾነ ኣስተምህሮ ነቲ ቅኑዕ ዝኾነ ህይወት መሰረት እዩ፡፡ ንባቡር መንገዲ ከምቲ ሓዲድ ዘድልያ ቅኑዕ ዝኾነ ህይወት ንምንባር ድማ ቅኑዕ ዝኾነ ኣስተምህሮ ወሳኒ እዩ፡፡ እቲ ልምምድና ከምቲ ናይ ቀደም እቲ ከልቢ ጭርኡ ኣወዛዊዙ ምባል ተሪፉ እቲ ጭራ ነቲ ከልቢ ኣወዛዊዙ ምባል ይኸውን ማለት እዩ፡፡ እቲ እንኣምነሉ ነገር ኣብ ህይወትና ዓብይ ለውጢ የምጽእ፡፡ ዝተሰተኻኸለ ትምህርቲ ሒዘካ ነቲ ልምምድካ ምግዳፍ ዝካኣል እኳ እንተዘይኮነ እንተኾነ ግን ግቡእ ኣይኮነን፡፡ ቅድሚ ብስነ መሎኮት መጎተ ምዕያዩ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር እቲ ሓቂ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ምላሽ ይህበና እዚ ድማ ብቀሊሉ ዝዋሃብ ብይን /ፍርዲ/ ዘይኮነስ ብጥንቃቀ ዝግበር እዩ፡፡ስነ መሎኮት እምነትና እንታይ ከም ዝመስልን እንታይ ከም ዝኾነ ንምግላጽ ይድግፈና፡፡ ብስነ መሎኮት መጽናዕቲ ነቲ እንኣምኖ ነገር ብጥንቃቄ ምስናድን እንታይን እንታይን ከም ዘካትት ብብቁዕ ኣፍልጦ መረዳእታን ክህበሉ ዝኽእል መንገዲ ምግላጽ ማለት እዩ፡፡ እቲ እንኣምኖ ሓቂን ንካልኦት ሰማዕቲ ብዝጥዕም መንገዲ እንተዘይቀሪቡ

እምነትና ከምቲ ገለ ገለ ሰባት ዝብልዎ ናይ ሰነፋት እምነት ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ብተወሳኺውን ንሕና መፍለይ ንገብሮን ዘይንገብሮን ማለት ዘይኮነስ ብቀዳምነት ትምህርትና ምኻኑ ክንርዳእ የድሊ፡፡ ናተይ እምነት እዚ ኢልካ ንምግላጽ ግዜን ዓቅምን ኣኻኽብካ ብዝተዋቀረ መልክዕ ንምጽናዕን ምስትንታንን ምምርማር ይሓትት እዩ፡፡ስነ መሎኮት ካብ ኣስሓቲ ንምክልኻልን እምነትና ንምዕቃብ ተመራጺ መንገዲ እዩ፡፡ እዚ ዘሎናዮ ዘመን ካብቲ ዝሓለፈ ዘመን ብዝኸፈአ መንገዲ ብቅኑዕን ብተዘዋዋሪን ኣብ ልዕሊ እነትና ዘመተ ተኸፊቱሉ ዘሎ ዘመን እዩ፡፡ ናይቲ ዘመተኦም ዕላማ ድማ ናትና እምነት ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ባኮ ኣምስሊካ ብምቅራብ ንክርስትና ንምጥፋእ እዩ፡፡ ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ ጽልኢ ዝኽፈትሉና ዘለዉ ዘመተታት ድማ መጓቲ ዝኾነ ትምህርቲ ብምድላው ምላሽ ምሃብ እዩ፡፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ዕዮ ድማ ኣመንቲ ከይውሰዱ ከምኡውን ጋሻ ትምህርቲ ሰሊኾም ከይኣትዉ ደጌታት ይዓጽዉ እዮም፡፡ “መልሲ ንምሃብ ድልዋት እተዳለኹም ኩኑ” ዝብል ጹሑፍ ተግባራዊ ጌርናዮ ኣሎና ማለት እዩ፡፡ስነ መሎኮት እምነትና ናብ ዝቅጽል ወለዶ ንምትሕልላፍ መንገዲ እዩ፡፡ እዚ ሎሚ ሒዝናዮ ዘሎና ካብ ካልኦት ዝተቐበልናዮ

እምነት ብዝተደራጀወን ብዝተቀነባበረን ንካልኦት ወለዶ ምትሕልላፍ እንተዘይኪኢልና ተልኦኾና ብዝግባእ ክንፍጽም ኣይንኽእል ኢና፡፡ ካብ ተሓታትነትውን ኣይንሃድምን ኢና፡፡ እመነትና ብባህሪኡ ብጥንቃቀ ተሓኒጹ ምትሕልላፍ ይሐትት እዩ፡፡ ብካልእ ኣባሃህላ ከይጎደለ ከይተቆረሰ ብምዕሩይ መልክዑ ንዝመጽእ ወለዶ ክመሓላለፍ አለዎ፡፡ እዚ ድማ ተግባራዊ ዝኾነሉ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ስነ መሎኮት ዘሎና ምርዳእ ምስ ዝዕረ ከምኡውን ብዝግባእ ድማ ሒዝናዮ ዘሎና እምነት ተረዲኢና ነቲ ተኸፊቱልና ዘሎ በሪታት ትምህርቲ ብዝግባእ ምስ ንጥቀመሉ ኢና፡፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ግና እመነትና ኣብዚ ማይ ሓሪሙ ኣብዚ ድማ ማይ ምህራም ገዲፍዎ ከም ምባል ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ከም ዝፈተንኩ ክርስትያናዊ ስነ መሎኮት ካብ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ምግላጽ እግዚኣብሄር ዝተመስረተ ምኻኑ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ስነ መሎኮት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መተካእታ ዘይብሉ ናይ ስልጣን ምንጪ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቅዱሳት መጽሓፍቲ እክብካብ ኮይኑ ንቤተ ክርስትያን ናይ እምነታን ዕዮታታን /ተግባራን/ መምርሒ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ወግዒን ልምምዳን ንላዕሊ ስልጣን ዘለዎ መጽሓፍ እዩ፡፡ ማንም ሰብ ከምድላዩ ከማሕይሾ ክልውጦ ዘይክእል ንቤተ ክርስትያን ብዝለዓለ ዝመርሐ ቃል እዩ፡፡ ክንውስኸሉ ይኹን ከነጉድለሉ ኣይተፈቀደልናን፡፡ነዚ ፍጹም ዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ዘይምቅባል ወይ ድማ ነዚ በዓል ስልጣን ዝኾነ ቃል እግዚኣብሄር ካልእ ዝበልጾ ስልጣን ኣሎ ማለት ወይውን ነዚ ህያው ዝኾነ ቃል ማዕሪኡ ዝኾነ ካልእ ቃል አሎ ማለት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ስልጣን ወይ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ስልጣን ምኽሓድ ማለት እዩ፡፡ ስለዝኾነ ካብ ወግዕና፣ካብ ሓሳባትና፣ምስ ባህልናውን እንተዘይሰማማዕውን ብፍጹም ስልጣኑ ኣይሳዓርን እዩ፡፡ ብናትና ድልየት ነቲ ሓደ ክንእዘዝ ነቲ ሓደ ድማ ዘይምእዛዝ ኣይካኣልን እዩ፡፡ እቲ እንኮን ዘልኣለማዊን ከምኡውን ናይ ህይወትናን ኣገልግሎትናን መምርሒ ብምኻኑ ብዘይ ገለ ምውልዋል ምሉእ ብምሉእ ንናይ ቃሉ ሓቂን ስልጣንን ክንግዛእ ይግባኣና፡፡ንምኻኑ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ናብ ሓደ መትከል ንምብጻሕ አየናይ ትእዛዝ፣ አየናይ መምርሒ፣ ከም ዝኾነ ከነጽንዖ ይግባኣና እዩ፡፡ ገለጽትን ትእዛዝ ወሃብቲ ኣገላጽታት አየኖት ከም ዝኾኑ ምግንዛብ አሎና፡፡ ኩሉ ግዜ ምስቲ ዓውዲ ዘይሰግርን ዘይጋጮን ዝሓሸ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓበሬታ ዘለዎ መትከል ክህልወናን ክንስዕብን ዝሓሸ እዩ፡፡ብሓፈሽኡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ከብርሖ ዝፈተንኩ ምስ ስነ መሎኮት ኣተሓሳስባ ነጻ ኢየ ኢልካ ኮፍ ምባል እኳ ዝከኣል እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ እንዳጽናዕናን እንዳሰበኽናን እንዳማሃርናን ብተግባር ግን ነጻ ምኻን ኣይክኣልን እዩ፡፡ ስነ መሎኮት ናይ ተቋም ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኩሎም ኣመንቲ እንኮላይ እዩ፡፡ ናይ ስነ መሎኮት ጥቅሚ ተመሪጹ እዚ ነዚ እቲ ክኣ ነቲ ዝባሃል ዘይኮነስ ንኹሉ ኣካል ክርስቶስ እዩ፡፡ ሓቂ ካብ ሓሶት ፈሊኻ ንሰባት ብዝተቀነባበረ መልክዕ ምቅማጥን ንዝላዕሉ ሕቶታት ምላሽ ምሃብ ከምኡውን ወንጌል ንዝመጽእ ወለዶ ምትህልላፍ ናይ ኩላትና ተልእኾ እዩ፡፡ ስነ መሎኮት ብሓጺሩ እቲ ዓብይ ተልእኾና ንከነተግብሮን እንፍጽሞ ተግባር እዩ፡፡ ካብዚ ዝተላዕለ ኩላትና ካብ ድርጅት ርሒቅና ዘሎና ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ንሓልው ተቀራሪብና ብምምሃርን ብምስትምሃርን ሓቢርና ብምዕያይ ገና ነቲ ዕሸል ዘሎ ስነ መሎኮት ከነዕብዮ ንበገስ፡፡ ጎይታ ይርዳኣና፡፡

“ናብ ቤት ትምህርቲ ስነ መሎኮት ዘይኣተዉ ምስጉናት እዮም”

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ወግዒን ልምምዳን ንላዕሊ ስልጣን ዘለዎ መጽሓፍ እዩ፡፡ ማንም ሰብ ከምድላዩ ከማሕይሾ ክልውጦ ዘይክእል ንቤተ ክርስትያን ብዝለዓለ ዝመርሐ ቃል እዩ፡፡ ክንውስኸሉ ይኹን ከነጉድለሉ ኣይተፈቀደልናን፡፡

Page 7: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ንስኻ ግን መን ኢኻ፧ በልክዎ፡፡ ጎይታይ ድማ ትኩር ኢሉ እንዳጠመተኒ ኣይፈለጠክንን ዲኺ ኣነ ዝተዓጸወ ዝኸፍት ንእሱራት ሓራ ዘዉጽእ ፡ ንዝተጨነቑን ጾር ንዝኸበዶምን ዘዕርፍ ፡ኦ ማይ ሎርድ ኢልኪ ዝጸዋዕክኒ ኣምላኽ ኣብርሃም ይስሓቕ ያእቆብ እየ በለኒ፡፡ መሊሰ ድማ ናብ ዝኸድክዎ ዘበለ ኩሉ ክምስክረልካ ከለኹ እቲ ነዚ ዝገበረልኪ ስሙ መን ይብሃል ; ንሱኸ መን እዩ;ኢሎም እንተሓተቱኒ መን ክብሎም ብምባል ሓተትክዎ፡፡ ንሱ ድማ ኩሉ ዝኽእል በሊዮም ንስኺ ክትምስክሪ ከለኺ ኣነ ድማ ምሳኺ ስለዝኸዉን ንሳቶም ብኣኺ ገይሮም ክርእዩኒ ፡ ክፈልጡንን ክስዕቡንን ክሰምዑኺዉን እዮም፡፡ ኣነ ከምቲ ቀደም ዝገበርክዎ ሕጂዉን እገብር ኣለኹ በለኒ፡፡ ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ ኣእጋሩ በቲ ጭቃ እንዳሰጎማ እቲ ጭቃ ግን ነቲ ምጽዕዳዉ ከም ጸባ አረ ከም ጸባ ጥራይ ዘይኮነስ ምጽዕዳዉ ንበረድ ዝመስል ካብዚ ንላዕሊ’ዉን ዋላ ደበና እንተበልክዎ’ዉን ኣብ ቅድሚኡ ደበና ጽሩይ ዘይኮነ ክዳኑ፡ እቲ ጭቃ ከርስሖ ኣይከኣለን፡፡ ዝኾነ ኮይኑ እቲ ገይርዎ ዝነበረ ክዳን ምጽዕዳዉ ብምድራዊ ቋንቋ ክግለጽ ዝክኣል ኣይኮነን፡፡ ብጣዕሚ ተጸጊዑኒ የማነይቲ ኢዱ ብምዝርጋሕ “ኤልዳ” ኢሉ ጸወዓኒ፡፡ ዘፍርሃንን ዘሰምበደንን ድማ እዚ ፍሉይ ፍጡር ለካስ ስመይ ይፈልጦ እዩ፡ስመይ ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ኣቦይ ብቕብጥሮት ዝጽዉዓኒ ዝነበረ ናይ ገዛ ስመይ ገይሩ ክጽዉዓኒ ከሎ ፍሉይ ነገር ተሰምዓኒ፡፡ተስፋይ ተሓዲሱ ፣ሓይልን ብርትዐን ተመላእኩ፡፡ “ እዚ ዘፍርሃኒ ፍጡር እንተዉሓደ ናይ ገዛ ስመይ ዝፈልጥ እንተኾኑስ ንክፉእ ነገር ኣይጭክነለይን እዩ፡ዘለኽዎ ኩነታት ርእዩ ድማ ይርሕርሓለይ ይኸዉን ” ብዝብል ሓሳብ ድማ ተጸናናዕኩ፡፡እቲ ዘገርም ድማ ኣነን እዚ ኢዱ ኣብ መንኩበይ ጌሩ ዝኼድ ዘሎ ሰብን ክልትኤና ልክዕ ከም በዓል ስልጣን ኢና እንስጉም ዝነበርና እምበር ብምዝዉዋር ሓሽሽን “ስለያን” ብዝብል ገበን ተኸሲሳ ዝተተሓዘት ጓል ኣይመስልን ነበርኩ፡፡ ነቲ ካልኣይ ማዕጾ ሓሊፍና ክንወጽእ ከለና ናብቲ ናይ መወዳእታ ማዕጾ ናይቲ ቤትማእሰርቲ በጻሕና፡፡ ኣብዚ ቦታ ንሓለዋ ዝተዳለዉ ብረት ዝሓዙ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይኖም ዝሕልዉ ዋርድያታት ኣብ ዉሽጢ’ቲ ካንሸሎ ድማ ናብዝን ናብትን ዝብላ ናይ ፖሊስ መካይን ረኣኹ ፡፡ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ኣድናቖትን ምግራምነ ተመሊአ ናብቲ ብመንኩበይ ሒዙ ብስቕታ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ነታ ናይ ቀደም ሊያ ቀይሩ ሓድሽ ሊያ ዝገበረኒ ደጊመ ቅንዕ ኢለ

ክርእዮ ደሌኹ፡፡ግን ከኣ እቲ ገጹን ካብ ዓይኑን ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን መንነቱ ክርኢ ኣየኽኣለንን፡፡ ብኸምዚ ኩነታት ኮይንና ደገ ናይቲ ኣብ ዓለም ጽኑዕ፣ከቢድን፣ነዊሕን ዝተባህለሉ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ፈሊጡ ባዕሉ ጋህ ኢሉ ተኸፈተልና ፡፡ኣነ ድማ ምስቲ ሓቢሩኒ ዝጉዓዝ ዘሎ በዓል ጽቡቐይ ኣብ ትሕቲ ሕቕፉ ሽኩዕ ኢለ ነቲ በዓል ዘፈርፈር ክዳኑን ሕቕኡን ሓቑፈ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ደገ ወጺእና ቅሩብ ስጉምቲ ምስ ከድና እቲ ማዕጾ ከም ወት ገርጨዉጨዉ እንዳበለ ዓቢ ድምጺ ኣስሚዑ ተዓጽወ ፡፡እቲ ማዕጾ ተዓጽዩ ዓሰርተ ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ስጉምቲ ምስ ከድና እቲ ኣብ ጎነይ ዝነበረካብ ጭቃ ዘልዓለኒ በዓል ጽቡቐይ ናይ መወዳእታ ቃሉ ከምዚ ክብል ተዛረበኒ “ካብቲ ኣብ ኢድኪ ዝነበረ ሰንሰለት ሎሚ ፈቲሐኪ፡፡እንተኾነ ግና ኣቲ ጓለይ ኣይትፍርሂ፡ ኣንሆ ኣነ ምሳኺ እየ፡፡እትገብርዮ ዘበለ ኩሉ ኣስተዉዕሊ፡ንብዙሓት ሰባት ንምድሓን ምስክር ክትኮኒ ኢኺ ኣነ ድማ ምሳኺ እየ”በለኒ እሞ ሓንቲ ቃል ከየስተንፈስኩ ከለኹ እንዳረኣኽዎ ናብ ላዕሊ ዓረገ ኣዒንተይ ምርኣ ክሳብ ዝስእንኦ ናብ ላዕሊ ርሒቑ ተሰወረኒ፡፡ብድሕረይ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ማዕጾ ብቕድመይ ድማ ናይ ባንግላድሽ ናይ በረኻ መንገዲ ኣብቲ ማእከል ንበይነይ ተረፍኩ፡፡ፍርሃት ተሰምዓኒ ብኡብኡ ግን እቲ ድምጺ ኣብ እዝነይ ደወለ፡፡“ ሊያ ኣይትፍርሂ” ዝብል፡፡ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ኣዒንተይ ኣማዕድየ እንተጠመትኩ ካብ ርሑቕ ዕትሮ ዘመስል ነገር ኣብ ሕቖኣ ተሰኪማ ቆልዓ ድማ ኣብ ኢዳ ሒዛ ባማእከል እቲ ቆጥቋጥ እትጉዓዝ ሓንቲ ሰበሰይቲ ርኣኹ ፡፡ ድሕሪ ቁሩብ ስጉምትታት ድማ ናብቲ ዘለኽዎ ቦታ መጺኣ ኣብ ጥቓይ ደዉ በለት ፡ኣብ ገጻ ናይ ፍርሃትን ስምባደን ነገር ይርአ ነበረ፡፡“ኤሽ ትክለም እንትያ” በለትኒ፡፡ ኣብቲ ናይ ኣርብዓተ ዓመታት ናይ ቤትማእሰርቲ ዘመነይ ቅሩብ ዓረበኛ ፈሊጠ ስለዝነበርኩ ኮለተፍተፍ እንዳበልኩን ንብዓት ብዘጠልቐዮም ኣዒንተይ ገይረ ክትርድኣኒ ለመንክዋ፡፡ ንሳ ድማ ነቲ ተሸኪማቶ ዝነበረት ዕትሮ ኣዉሪዳ ብምድናቕ እንዳረኣየትኒ ቅርብ ኢላ ብኢደይ ሒዛ ናብቲ ቆጥቋጥ ብምእታዉ ካብቲ ዕትሮዓ ማይ እንዳቐድሐት ነብሰይ ክትሓጽበኒ ጀመረት፡፡በቲ ናይ ዕትሮ ማይ ናይ ሰብነተይ ጭቃ ምስ ሓጸበት ማይ ስለዝወድአት ካልእ ማይ ከተምጽእ ደልያ“ ኣስተኒ ሽዋያ ያ ሓቢቢ” (ቁሩብ ተጸበይኒ ጽብቕተይ) ብምባል ተመሊሳ ከም ህጻን ቆልዓ ክትጎዪ እንዳፈተነት ማይ ከተምጽእ ናብቲ ሩባ ወረደት፡፡እቲ ዝኾነ ነገር እንዳዘከርኩ እዚ ዝፍጸም ሕልሚ ኮይኑ እንዳተሰምዓኒ ምእማንን ዘይምእማንን ተደራሪቡኒ ክድነቕ ጀመርኩ፡፡ ካብቲ ናይ መከራ ቦታይ ብዘይ ፍርድን ብዘይ ወረቐትን ዘዉጽኣኒ ብዓይነይ እንዳረኣኽዎ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ካብ ኩሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም ዘለዎ ጎይታይ የሱስ ዝገበረለይ ነገር እንዳዘከርኩ ሓንሳብ ፍሽኽታ ሓንሳብ ንብዓት እንዳሰዓረኒ ብሐደ ግዜ ርእየ ብሐደ ግዜ ዝሰኣንክዎ ጎይታይ ደጊመ ክርእዮ ፣ክጉዓዝን ነቲ ልቢ ሀዕርፍ ድምጹ ንምስማዕ እንዳናፍቕኩ ካብቲ ቆጥቃጥ ዝነፍስ ዉዑይ ኣየር ኣብ ሰብነተይ እንዳነፈሰኒ ኩርምይ ጭብጥ ኢለ ከለኹ ዕትሮኣ ሒዛ መጸት፡፡“ ኬፍ ያ ሓቢቢ” በለትኒ እሞ ከም እንደገና ካብቲ ዕትሮኣ ማይ እንዳቐድሐት ጸጉረይ ብግቡእ ሓጸበጥኒ፡፡እታ ናይ ቀደም ጽብቕቲ ሊያ ድማ ኮንኩ፡፡ደጋጊማ እንዳሰዓመትኒ “ ንስኺ መልኣኽ ዲኺ ሰብ፧” በለትኒ፡፡ኣብ መንጎ ክልቲኤና ዝግበር ዘሎ ትርኢት እታ ህጻን ጓላ ብትዕዝብትን ብስቕታን እንዳተዓዘበትና ከላ ካባይ ቁሩብ ርሕቕ

ኢላ ብምኻድ ናይ ዉሽጢ ክዳና ጥራይ ኣትሪፋ ቀሚሻ ሃበትኒ እሞ ናብ ገዝኣ ምስኣ ክኸይድ ብግዲ በለትኒ፡፡ኣብቲ ተራ ዝኾነ ብዓል ሰለስተ ክፍሊ ገዝኣ ድማ በዓል ቤታ ምስ ሓሙሽተ ደቆም ብሓባር ጸንሑና፡፡ ኩላቶም ተሰናቢዶም ጋሻ ብዝኾነ ስምዒት እነዳጠመቱኒ “ ተፈደሊ” በሉኒ፡፡ንእሽተይ ኩርሲ መሳሊት ኣምጺኦም ኮፍ ምስኣበሉኒ ሩዝን ሾርባን ቀርቡለይ፡ሓፊስ ሻሂ ድማ ብዓቢ ኩባያ ተወሃበኒ፡፡ነቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ጸጥታ ድማ እቲ በዓልቤታ “ኣበይ ረኺብክያ፧ መን ትብሃል፧ ብዝብሉ ሕቶታት ነቲ ናይ ስቕታ መጋረጃ ቀንጠጦ ፡፡ ከመይ ኢላ ከም ዝረኸበትኒ ሓዘንን ንብዓት ብዝተሓወሶ ኣዘራርባን ጌራ እንዳገለጸትሎም ከላ ኣነ ድማ በዓል ቤታ እንግሊዘኛ ንኽዛረብ እንተዘይደፈረ እኳ ዝሰምዖ ግና ክርዳእ ክምዝኽእል ምስ ፈለጥኩ ነቲ ታሪኽ ባዕለይ ገለጽኩሉ፡፡ኣመሪካዊት ከም ዝኾንኩን ንገንዘብ ክብል ናይ ኮከይን ሓርጭ ናብ ባንግላድሽ ከእቱ ከምጽእ ከለኹ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከም እተተሓዝኩን ከምዝተኣሰርኩን ፡ዝበጽሓኒ መከራን መግረፍትን ሕቖይ ቀሊዐ እንዳርኣኹ ነገርክዎም ፡፡ኣብ መወዳእታ ድማ የሱስ ክርስቶስ ከመይ ገይሩ ከምዘዉጽኣኒ፣ ዝተዛረበኒ ቃላትን፣መንኩበይ ሒዙኒ ዝተጉዓዝናየን ዉሑዳት ስጉምትታት ከመይ ምቁራት ከምዝነበራ፣ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ማዕጾ ፈሊጡ ባዕሉ ከም ዝተኸፍተ ዋላ ፖሊስ ድማ ከምዘይሓተተኒ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ እንዳረኣኽዎ ናብ ሰማይ ከምዝዓረገ ከነግም ከለኹ ንብዓት ስዒሩኒ ንብዓተይ ክደርዝ ከለኹ ለካስ ንሳቶም’ዉን ካባይ ብዝበኣሰ ንብዓት ብንብዓት ኮይኖም ኢዮም ኔሮም፡፡ብኸምዚ ኩነታት ብዛዕባ የሱስ ክዛረብ ወይ ክምስክር ከለኹ ዉሽጠይ ብዘይፈልጦ ዓቢ ሓይሊ ይምላእ፡፡መስኪረ ተዛሪበ ጌና ከይወዳእኩ ከለኹ እቲ በዓል ቤታ ኣብ እግረይ ብምዉዳቕ “ኣላህ ንዓኺ ራእዩ ገሊጹልኪ፡ ንስኺ ናይ ኣላህ መልእኽተኛ ኢኺ እሞ በጃኺ ድኣ ጸሎት ግበርለይ” በለኒ፡፡ ሽዑ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪበዮ ብዘይፈልጥ ሓድሽ ቋንቋ ተዛረብኩ፡፡ ምስ የሱስ ምስኣፋለጥክዎም እዞም ቤተሰብ ፣ብልኦም ጎይታ ተቀበሉ፡፡ ከጥምቖም ከምዘለኒ ሓሰብኩ ግን ከኣ እቲ ስርዓት ኣይፈልጦን እየ፡፡ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ምስኦም ንኣርባዕተ ማዓልታት ተቐመትኩ ፡፡ሓደ መዓልቲ ኮፍ ኢለ ከለኹ ሓደ ድምጺ ናባይ መጸ፡፡ ካብቲ ኮፍ ዝበልክሉ ብድድ ኢለ ተንሳእኩ ፡፡ እቲ ዝደንዘዘን ብናፍቖት ዝደኸመ ጉልበተይ ድምጹ ምስ ሰማዕኩ ተጸናናዕኩ፡፡እቶም ምሳይ ዝነበሩ እንታይ ኮይና ኢሎም እንተሰንበዱ እኳ ኣነ ግን ብገጸይ ፍግም ብምባል ናፍቖተይ ዝወለዶ ንብዓተይ ኣፍሰስኩ ፡፡ መን ከምኡ፡ መን ከም ጎይታይ ፡ንሱ ፍሉይ እዩ፡ንሱ ፍቅሪ እዩ፡ከምዝሓዘንኩን ከምዝናፈቕኩን ርእዩ ኣብ ማእከል እታ ተራ ዝኾነት ገዝኦም በቲ ኣቢ ዝኾነ ብርሃን ተዓጂቡ ደበኽ በለለይ ፡፡ካብ ክቱር ታሕጓስ ዝተላዕለ ካብቲ ዝተንበርከኽክዎ ዘሊለ ኣብ ሞንኮቡን ደረቱን ተጠምጠምኩዎ፡፡ ንሱ’ዉን ካባይ ለካ ገዲዱ ኔሩ ኮይኑ ሕቑፍ ድግፍ ኣበሉ ሓዘኒ ፡፡ ካበይ መጺኡ ዘይበልክዎ ንብዓተይ ኣብ ደረቱ ኣፍሰስክዎ ፡፡ድንን ኢሉ ረኣየኒሞ ብቶም ጽቡቓትን ልስሉሳትን ኣእዳዉ ንብዓተይ ደረዘለይ ፡“ክስዕሞም ሓዘኖም ክካፈል ፡መከረኦም ድማ ከርሕቕ ኣዝየ እየ ዝደሊ ህዝበይ ግና ዝረሳዕክዎን ሸለል ዝበልክዎን እዩ ዝመስሎ ናትኪ ናፍቆትን ንብዓትን ብሓደ ግዜ ርኢኺኒ ብሓደ ግዜ ንዝተፈለኹኺ ንዓይ ንምርኣይ እዩ ፡፡ ናተይ ናፍቖት ድማ ዓመታትን ዘመናትን ዝቆጸረ ናይ ህዝበይ ናፍቖት ኣለኒ፡፡ግን

“ሓራ ኣውጺኡኒ!...”

ካብ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ጎይታ የሱስ ብኢዳ ሒዙ ዘውጽኣ ናይ ሊያ ማክዶናል ኣደናቒ ታሪክ

ትርጉም ብሓው ገብረዝጊ ብርሃነሕብረት ወንጌል አመንቲ ቤ/ክ አ/አ

ናብ ገጽ 8 - ይቅጽል

7

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ጎይታይ ድማ ትኩር ኢሉ እንዳጠመተኒ ኣይፈለጠክንን ዲኺ ኣነ ዝተዓጸወ ዝኸፍት ንእሱራት ሓራ ዘዉጽእ ፡ ንዝተጨነቑን ጾር

ንዝኸበዶምን ዘዕርፍ ፡ኦ ማይ ሎርድ ኢልኪ ዝጸዋዕክኒ ኣምላኽ ኣብርሃም ይስሓቕ

ያእቆብ እየ በለኒ፡፡

Page 8: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ህዝበይ ኣይተረድኣለይን ፡፡ክንዲምንታይ ክርእዮምን ክረድኦምን ከም ዝደልን ከምዝናፍቕን እንተ ሰምዑኪ ኣረድእዮም ኢኺ ፡፡ኣነ ቀደም ነኣብርሃም ኢሳቕ ያዕቆብ ከምዝተገለጽክሎም ንዓኽን ነቶም ዝደልኒ ህዝበይን ክግለጸሎም እየ፡፡ሕጂ ብቀትታ ካብዚ ገዛ ወጺኪ ከይፈራሕክን ከይተረበሽክን ናብ ማእከል ከተማ ኪዲ እሞ ኣብኡ ዝጽበየኪ ሰብ ክትረኽቢ ኢኺ” በለኒ፡፡ ከምቲ ዝኣዘዘኒ ድማ ናበይ ከምዝኸይድ ከይፈለጥኩ ራሸይዳ ዝተባህለት ጓሎም ሒዘ ናብ ከተማ ከድኩ ኣብ ሓደ ፋርማሲ ዘለዎ ከባቢ ደዉ ኢለ ሸዉዓተ ሸሞንተ ደቕይቕ ምስ ገበርኩ ሓደ ክኣምኖ ዘጸገመኒ ነገር ረኣኹ ፡፡የዒንተይ ምእማን ስኢነ ደጊመ ጠመትክዎ እሞ እቲ ነገር ብዘይ ጥርጥር ሓቂ ነበረ፡፡ እቲ ዝረኣኽዎ ሰብ ኣቦይ ኢዩ ዝነበረ፡፡ጻዕዳ ከምቻ ተኸዲኑ ማእከላይን ንኣሽቱን ዓቀን ዘለዎ ዝተፈላለየ ነገራት ሒዙ ናብቲ ጥቓይ ዘሎ ግሮሰሪ ሒዙ ክኣቱ ከሎ ርኣኹዎ፡፡ግዜ ከይወሰድኩ ዘሊለ ብምኻድ ሓኒቐ ሰዓምክዎ፡፡ኣቦይ ፈዚዙ ተረፈ ፡ዋላኳ ፍሽኽ እንተበለ እቲ ዝረኣዮ ሓቒፉ ዝስዕሞ ዘሎ ሰብ ኣነ ምዃነይ ክኣም ኣይከኣለን፡፡ደጋጊሙ “ሃዉ ኦን አርዝ ፧ (ከመይ ኢሉ ከምዚ ክኸዉን ይኽእል)ኢት ኢዝ ኢንክረደብል(ዘይእመን ነገር እዩ)እንዳበለ ክዘረብ ጀመረ፡፡ኣብ መወዳእታ ድማ ኣነን ረሻይዳን ንሱን ኮይና ናብቲ ዘዕርፈሉ ሆተል ኣምራሕና፡፡ኣቦይ ናዓይ ክርእይ ከምዝመጸን ሕጂ ድማ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ካብቲ ግሮሰሪ ንብረት ክገዝእ ከምዝኣተወ ነገረኒ፡፡ኣነ ድማ የሱስ ዝገበረለይ ኩሉ ከምኡ እዉን ኣደ ረሻይዳ ዝገበረትለይ ጽቡቕ ኩሉ ነጊረዮ ብሓጎስ ሰዓመኒ፡፡

ኣየ ናተይ ነገር ተዋቒዑኒ ኣሎ፡ንኣቦይ ምስ ረኸብኩ ምስኡ ከዕልል ነቲ ፍቑረይ ረሲዐዮ፡፡ ኣነን ራሻይዳን ኣቦይን ሻሂ ሒዝና ብዛዕባቲ ኣባይ ዝተፈጸመ ኩሉ ነገር ከነዕልል ከለና ናይቲ ሆቴል ማዕጾ ሰብ ከም ዝኸፍቶቀስ ኢሉ ተኸፍተ፡፡ናይቲ ሆተል ሰራሕተኛ መሲሉና ኣቦይ ተንሲኡ ናብቲ ማዕጾ እንተኸደ ሰብ ስኢኑ፡ለካስ ናይ ኣቦይ ኣዒንቲ ኣይተኸፍቱን እዮም፡፡ ኣነን ረሻይዳን ግና ነቲ ዝመሸ ጋሻ ርኤናዮ፡ ተገሊጹልና እወ ንሱ የሱስይ እዩ ዝነበረ፡፡ራሻይዳ ነዚ ዓቢ ኣምላኽ ክትርእዮ ናይ መጀመርያኣ እዩ ዝነበረ እሞ ተሰናቢዳ ኣብቲ ምድሪ ቤት ጻሕ ኢላ ወደቐት፡፡ ኣነ እዉን እንተኾንኩ ከም ራሻይዳ ንየሱስ ምስ ረኣኹ ከምዝተወቕዖ ሰብ ኮንኩ፡፡ኣቦይ ድማ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር እንዳተደነቐ“ ዋት ኢዝ ጎይንግ ኦን(እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ፧)” ክብል ጀመረ፡፡እንተኾነ ግን ሓደ ነገር ከም እተፈጥረ ከፈልጥ ከኣለ፡፡ካብቲ ምዕጉርቱን እቲ ካብ ርእሱ ወሪዱ ኣብ መንኩቡ ዝተዘርግሐ ጻዕዳ ጸጉሩ ብተወሳኺ ቁመቱ ንዉሕ ዝበለ ድምጹ ድማ ንልቢ ዘጸናንዕ ደዉ ኢለ ረኤኹ፡፡ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ነታ ዝኣተወላ ማዕጾ ዓጽዩ እንዳረኣኽዎ ወጺኡ ከደ ፡ዓይነይን ልበይን እዉን ምስኡ መጻ፡፡ኣብ መወዳእታ ድማ ንኣቦይ እታ በዓልቲ ጽቡቐይ ምስ ስድራቤታ ጎይታ ከምዝተቀበለትን ክጥመቑ ከምዘድልዮምን ሓቢረዮ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ከምዝፍጸም ነገረኒ፡፡ከምቲ ምዝዉዋር ሓሽሽ ምስ ባንግላድሽ ዘላለየኒ ኣነ ድማ ንስድራቤት ራሻይዳ ናብ ጎይታ ከማርኾም ከኣልኩ፡፡ ምስ ኣቦይ ንክልተ ሰሙን ዝኸዉን ምስ ጸናሕና ብኸምዚ መልክዕ ብመንገዲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ትኬት

ተዳልዩልና ናብ ኣሜሪካ በረርና፡፡የሱስ ናጻ ምስ ኣዉጻኣኒ ድሕሪ ክልተ ዓመትኣቦይ ናብ ባንግላድሽ ተመሊሱ ብምኻድ ንመንግስቲ ባንግላድሽን ንፖሊስ ናይታ ሃገርን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ዘበለ ኹሉ ብወግዒ ብምሕባር ይቕሬታ ክሓትትን ንእገረመንገዱ ድማ ነቲ ህዝቢ ወንጌል ክሰብኽን ከምዝሓሰበ ምስ ሰማዕና ኩላትና ተሰቢድና ንሓደ ወርሒ ዝኸዉን ንፍሉጣት ኣገልገልቲ፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ናይ ጸሎት ሕብረታት ናይ ጸሎት ኣርእስቲ ምስ ሃቦም ከኣ ናብ ባንግላድሽ በረረ፡፡ ኣብኡ ምስ በጽሐ ድማ ብመንገዲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ጌሩ ንናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ፍትሒ ምስኣፍልጦም እቶም ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ከምዚ ክብሉ መለሱ( ኣላህ ንጓልካ ካብ ማእሰርቲ መንጢሉ እንዳዉጽኣ ንሕና ንዓዓ ንኣስረሉን ትምጻእ ኢልና እንቀጽዓሉ ምኽንያት የለን፡ ከምቲ ኣላህ ነጻ ዘዊጽኣ ንሕና ድማ ነጻ ክትከዉን ኣፍቂድና ኣለና ብምባል ናይ ነጻ ወረቐት ክጸሓፈለይ ትእዛዝ ሃቡ፡፡ ሎሚ ንባንግላድሽ ልክዕ ከም ገዛይ ይመላለሰሉ ኣለኹ ኣብ ባንግላድሽ ብዝተጀመረ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ኣብ ዉሽጢ ሽድሽተ ዓመት ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ቀወምቲ ኣባላት ኣለዉና፡፡ኣቦ ራሻይዳ ኣብዛ ቤተ ክርስትያን ከም ሽማግለን ከም ተሓጋጋዚ ጓሳን (ፓስተር) ኮይኑ የገልግል ኣሎ ራሻዳ ድማ ከም ምዘምራን ኮይና ክተገልግል ከላ ኣዲኣ ኣዲኣ ድማ መስራቲት “ሕብረት ናታሊ”ን ከምኡ ድማ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት መራሒት ብምዃን ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምግልጋል ይርከቡ፡፡ ተፈጸመ!

... “ሓራ ኣውጺኡኒ!...”ካብ ገጽ 7- ዝቐጸለ

8

ዕሽነት እዩ፡፡ ገድልን ተአምርን ድርሳናት ዝጸሐፋ ሰባትን ተቐበልቱን ንእሸቶ ልቢ የብሎምን ስለ ምንታይ እቶም ዝጸሐፍዎ አበይ ከይበሉ ስለ ዝጸሐፍዎ፡፡ እቶም እተቐበልዎ ድማ ኣበይ ከይበሉ ስለ እተቐበልዎ እዩ፡፡ ሰብ ካብ ኩሉ ፍጥረት በሊጹ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ተፈጥረ፡ ካብ ኩሉ ሰብ በሊጹ ድማ ክርስቲያን ዝኰነ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣእትዩ ኬንብብሲ ክንደይ ዕቡድ እዩ፡፡ ክንደይ ዓቢ ፍርድኸ ካብ እግዚኣብሄር ኪቐበል እዩ? እቲ ጸሓፊኡስ እኳሓደ ግዜ ዐቢዱ ነቲ ኣብ ኣፋ ዝጸንሓ ጥራይ እዩ ዚዛረብ እምበር ዕብድ ነቲ ዚዛረቦ ዘሎ ኣይፈልጦን እዩሞ እቶም ነዚ መጽሓፍ እዚ ንውሉድ ወለዶኦም ኣብ ቤተ ክርስቲያኖም ኣእትዩም ኬንብብዎ ዚነብሩ ግና ዝበኣሱ ዕቡዳት እዩም፡፡ ስለዚ ኣታ ክርስትያን ካብ እግዚኣብሄር ናብ ርእስኻ ዐቢ ፍርዲ ከይተምጽእ ካብ እዚ ከምዚ ዝበለ ዕሽነት ተጠንቀቅ፡፡ ክርስትያናት እንቲዕሽው እግዚኣብሄር ዚፈርደሎም ብዙሕ እዩ፡፡ ገድሊ አባ ተኸለ ሃይማኖት ድማ ከምዚ ይብል ሓደ መዓልቲ ናይ አባ ተኸለ ሃይማኖት ተመሃሪ ኣብ ገምገም ቀላይ ደው ኢሉ ከሎ ጋኔን ካብ ቀላይ ወጺኡ ናብኡ ኣተዎ፡፡ አባ ተኸለ ሃይማኖት ድማ ነቲ ጋኔን ካብቲ ተማሃሪኡ ብጸሎት ኣውድኦ ፡፡ ሽዑ እቲ ጋኔን ኪኸይድ እንተ ደለየ አባ ተኸለ ሃይማኖት ድማ ናበይ ክትከይድ ኢሉ ሓዞ፡፡ መሊሱ ድማ ነቲ ሕንዙ ዝኸነ ብጸሎት ካብቲ ጋኔን አውጽኦ፡፡ ሽዑ አባ ተኸለ ሃይማኖት ነቲ ጋኔን ከምዚ ሕዚ ትኸይድ እንተ ኼንካ ኪድ በሎ፡፡ እቲ ጋኔን ድማ ሕንዘይ ዝኸነ ተወዲኡ፡፡ ሕጅስ ተመሃሪኻ ደኣ እኸውን እምበር ናበይ እሞ ክኸይድ

በሎ፡፡ አባ ተኸለ ሃይማኖት ድማ እምበኣርስኬ ተመሃርየይ ክትከውን እንተ ደሊኻስ ተገዘር ኢሉ ገዘሮ፡፡ ካልኣይ ኣጠመቖ ሳልሳይ ኣመንኰሶ፡፡ እቲ ጋኔን ድማ መፍቀር እግዚኣብሄርን መፍቀር ሰብን ኮነ እሞ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣተወ፡፡ ኣታ ክርስቲያን እዙይከ ብሐቂ ዶ ይመስለካ፧ እስኪ ሕሰቦ፡፡ ገድልን ተአምርን ድርሳንን ኰላቶም ሓሰውቲ እዮም፡፡ ዘንበብካ እንተንበብካ ዚኸፍእ እምበር ዚሐይሽ ኣይትረክብን ኢኻ፡፡ ካብ ኦሪት ካብ ነብያት ካብ ወንጌል ካብ ሃዋርያት ዘንበብና እንተ አንበብና ጋኔን ናብ ሰብ ኣትዩ ነይሩ ብዝወጸ ምስ ሰብ ተጸምቢሩ ዝጸደቐ እሞ ናብ መንግስተ ሰማያት ድማ ኣተወ ዚብል ኣየንበብናን፡፡ ካብ የሱስ ክርስቶስ ዚዐቢ ደ አሎ፧ ንሱ ብዙሓት አጋንንቲ የውጽእ ነይሩ እሞ ሓደ ካብኣቶም ዝገዘሮን ዘጠመቆን ኣየንበብናን፡፡ ገድልን ተኣምርን ድርሳናትን ጽሔፎም ዘለው ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ከም ዝኾነ በዚ ይፍለጥ ነቲ ሰይጣን ተገዘር ዚብሎስ ሰይጣንዶ ስጋ አለዎ እዩ፧ ነዚኸምዚ ዘበለ መጻሕፍቲ ንውሉድ ወለዶኦም ኣብ ቤተ ክርስቲያኖም ኬንብቡ ዚነብሩስ ቅሩብዶ ኣየስተውዕሉን እዩም፣ እምበኣርስከ ኣታ ክርስቲየን ነቲ እተነብቦ መጻሕፍቲ ሐቁን ሓሶቱን ክተስተውዕሎ አዩ ዚግብኣካ፡፡ ኣርድእቲ ዚበሃል መጽሓፍ ድማ፤ ንዑኡ ብምትሓዝን ንዑኡ ብምንባብን ናብ መንግስተ ሰማት የእቱ ዚብልዎ ኣሎ እቶም ንኡ ዝሓዙ ንዑኡ ኸየንበቡ እንጌራ ዘይበልዑን ማየ ዘይስተዩን አለው፡፡ ንሱ ድማ፡ ዐሰርተው ክልተ ሃዋርያት ንሰዶምን ንገሞራን ኬስተምህሩ ኸዱ፡፡ እቶም ናይ ሰዶመን ገመራን ሰባት ድማ ሕሱማት ነበሩ እሞ

ነቲ ትምህርቶም ምቕበል አበዩዎም፡፡ እቶም ዐሰርተው ክልተ ሃዋርያት ድማ ጸልዩም ካብ ሰማይ ሓዊ ኣውሪዶም ነቲ ከተማታት አንደድዎ ንሎጥ ድማ ምስ ደቁ ካብኡ ኣውጽእዎ ይብል፡፡ አታ ክርስቲያን እዚ መጽሓፍ እዝስ እንታይ መጽሓፋ ይብሃል ሰዶምን ገሞራን ኣብ ኣብርሃም ብሕይወቱ ከሎዶ ኣይኰነን ዝነደደ? ኣብርሃም ገና ክላዕ ክርስቶስሲ ኣርብዓን ክልተን ወለዶ ደይኰነን? ዐሰርተው ክልተ ሃዋርያትሲ ተመሃሮ የሱስ ክርስቶስዶ አይኰኑን፣ ሰዶምን ገሞራን ደኣ ክላዕ ዘመነ ሃዋርያት ከመይ ኢሉ ጸንሔ? እዝሰ ከመይ ዝበለ ዜድንቅ አበይ ከይበልከ ሓሶት እዩ፡፡ ሰብ ካብ ኰሉ ፍጥረት በሊጹ ብመልክዕ አግዚኣብሄር እተፈጥረ ካብ ኩሉ ሰብ በሊጹ ድማ ክርስቲያን ዝኾነ በዚ ከምዚ ዝበለ ዕሽነት ኪነብርሲ ክንደይ ዜጉሂ ነገር እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያና ዘሎ ገድልን ተኣምርን ድርሳናትን ኩሉ ብጠቅላላኡ ነንሓዲኡ እንተ ኣንበብካዩ እቲ ሐደስ ካብቲ ሓደ ዚኸፍእ እዩ እምበር ሕይሽ ዚብል ከቶ ኣይትረኸበሉን ኢኻ፡፡ ስለዚ ኣታ ናይ ሓቂ ክርስቲያን ዝኸንካ ሰብ ገድልን ተአምርን ድርሳናትን ኩሉ ሓሶት ከም ዝኸነ ፈሊጥካ ናብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሉይን ሐድሸን እቶ፡፡ ብኦሪትን ብነብያትን ኣቢልካ ናብ ወንጌልን ናብ ሃዋርያትን ብጻሕ፡፡ ኣብ ወንጌልን ኣብ ሃዋርያት ምስ በጻሕካ ግና ኣብኡ ቁም፡፡ ወንጌለን ሃዋርያትን ንሱ ማሕተም ሰማያዊ ንጉስ እዩም ካብኡ ኣይትሕለፍ ከይትቕጻዕ፡፡ ኣሽምባይዶ ካብ ማሕተም ሰማያዊ ንጉስ ዝሓለፈስ ካብ ማሕተም ምድራዊ ንጉስ ዝሓለፈ እኳ ብብርቱዕ ይቕጻዕ እዩ፡፡ ገላትያ1፡8 አንብብ

ካብ ገጽ 10 ዝቐጸለ

....ገድልን ተኣምርን

ብኣባ ገብረስላሴ እተደረሰ መጽሓፍ ምዕዶ፡ብ1913 ተሓቲሙ፡ ገጽ10-20ፊሊ4፡13 “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንኽሉ እኽእሎ እየ፡፡”

Page 9: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ቃል መሕተት

9

ኣልፋ፡- ብመጀመሪያ ጸጋ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻ ይኹን፡ ምስ ጋዜጣ ኣልፋ ቃለ መሕተት ክትገብር ፍቓደኛ ስለ ዝኾንካ ብስም ኣልፋ ከመስግነካ ይፈቱ፡፡ ብመጀመሪያ ገዛ ርእስኻን ብዛዕባ ኣገልግሎትካን ምገለጽካልና´ዶ፧ፓስተር ታምራት ከበደ፡- ኣነውን ነዚ ቃለ መጠይቅ ከቅርብ ዕድል ምርካበይ ካብልቢ የመስግን፡፡ ሽመይ ፓስትር ታምራት ከበደ ይበሃል፡፡ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቖልዑን ኢየ፡፡ ባዕልቲ ቤተይ ምሕረት በየነ ትበሃል፡፡ ደቀይ ድማ ባርናባስ፡ ጳውሎስን ስላስን ይበሃሉ፡፡ ዘገልግሉ ቤተክርስትያን ኣብ ኢትዮጵያ ህወት ብርሃን ቤተክርስትያን ኣዲስ ክርስትያን ላይፍ ኣሰምብል እትበሃል ተዛረብቲ ቛንቛ እንግሊዝ ቤተክርስትያን ኢዩ፡፡ ኣብዛ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት ዝጀመርኩሉ ገና ወዲ ዕስራ ዓመት ከሎኹ ካብ ፒ.ቲ.ሲ (PENTE COSTALE THEOLOGY COLLOGE) ምስ ተመረቕኩ ኢዩ፡፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ1994 ዓ/ም ምኻኑ ኢዩ፡፡ኣልፋ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካምፕን ዝርከቡ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቤተ ክርስትያናት ዝነበረኩም ኣገልግሎት እንታይ ይመስል፧ፓስተር ታምራት ከበደ፡- ስለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካምፕ ዝሰማዕናዮ ብፓስተርዘርሁን ኣብረሃም ምኽንያት ኢዩ፡፡ ብ2006 ዓ/ም ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ሓውና ማሙሻ፡ ጀረሚን ዳንኤልን ናብ ሽመልባ ከይዶም ነይሮም፡፡ ኣብቲ እዋን´ቲ ኣስተር ትበሃል መንእሰይ ሓፍትና ሓገዝ ዘድልያ ስለ ዝነበረት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብመምጻእ ቤተ ክርስትያና ሓገዝ ትገብረላ ነይራ፡፡ ከምኡ´ውን ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤተክርስትያና ፕሮግራም ዝገብሩ ኤርትራውያን ነይሮም፡፡ ስለዚ ብዙሕ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኽንሰምዕ ዕድል ነይሩና ኢዩ፡፡ ንመጀመሪያ ግዜ ወርሒ 2/2010 ዓ/ም ብፈረንጂ ይመስለኒ ምስ ዕቑባይን ሙሉጌታ ረዳእ ብመዃን ናብ ሽመልባን ማይዓይኒን ከይድና፡፡ ሸዑ ግን ነዊሕ ኣይጸናሕናን ሓጽር ጊዜ ኢዩ ነይሩና፡፡ ኣብታ ዝነበረትና ሓጻር ጊዜ ዘስተውዓልኩዎ እንተደኣሃልዩ ግና ናይቶምኣመንቲ ዝነበሮም ናይ ትምህርቲ ጽምኣት ኢዩ ነይሩ፡፡ ነዚ ጽምኣቶምን መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ነጊረዮም ንሳቶም´ውን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ጽቡቕ ልቢ ስለ ዝነበሮም ብተደጋጋሚ ከይድና ክነገልግል ተሰማማዕና፡፡ ስለዚ ዳንኤል ይልማ ናይ ፒ.ቲ.ሲ መምህር ሓውና ተስፋልደት ሲሳይ ሕብረት ቃለ ህወት (ወንጌላዊ) ከምኡ´ውን ሓውና ኣኽሊሉ በቀለ ኣተሓባባሪ ስነ-መሎከት በቤተ ብተደጋጋሚ እንዳኸድና ኣገልግልና ኢና፡፡ ኩሉ ጊዜ ብዝተጓዓዝናሉ መጠን ዝገርመኒ ሓደ ነገር ኣሎ፡ ብርሕቀት መገዱን ዶሮናን ጸሓይን ምስልቻው እንተተሰማዓና´ኳ እንደገና መዓስ ተመሊስና ክነገልግል ከምዘሎና ኣዲስ አበባ ምስ ተመለስና ኢና እንውስን፡፡ኣልፋ፡- ብዙሕ ዋጋ እንዳኸፈልኩም ከም

እተገልግሉ ርዱእ ኢዩ፡ እንተኾነ ግና ኣገልግሎትኩም ሽትኡ ወቕዑ´ዶ ትብል፧

ፓስተር ታምራት ከበደ፡- ዝኸፈልናዮ ዋጋ ቀሊል ኣይከነን ብፍላይ ብፍላይ ኣብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ ብርሕቀት መንገዲን እቲ መንገዲ ከይተወድአ ከሎ ዝነበረ ደሮናን ሙቐትን ብጣዕሚ ኣድካሚ ነይሩ፡

፡ አገልግሎትና ኣብ መዓስከር ዘሎ ክርስትያናትን ምጥቃም እዃ እንተኾነ ብዓቢኡ ግና ናይ ጽባሕ ኤርትራ ቤተክርስትያን ብምሕሳብ ኢዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ብኣገልግሎትና ብዙሓት ከምዝተጠቀሙ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይገልጹልና ኢዮም፡፡ እንተኾነ ግና አገልግሎትና ሽትኡ ሃሪሚ ክንብል እንተደኣ ኮይናን ኤርትራ እግዝኣብሄር ምስ በጽሓ ናይ እምነት ናጽነት ምስ ተረኽበ ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተክርስትያን ክውሕዙ ከለው ንሕና ዝመሃርናዮምን ዘገልገልናዮምን ኩሎም ንሓደስቲ ነብሳት ክምህሩን ቤተ ክርስትያን ክመርሑን ክንርኢ ከምኡውን ናይ

ክርስቶስ ደቂ መዝሙር ከፍርዩ ክንርኢ ከሎና ኢዩ፡፡ኣልፋ፡- ኣብ ኣገልግሎትኩም ዘጋጠመኩም ዕንቕፋት ነይሩ´ዶ፧ እንተነይሩ ብከመይ ፈትሕኩሞ፧ፓስተር ታምራት ከበደ፡- ዝተጋነነ ሽግር እኳ እንተዘይኮነ ክልተ ጊዜ ዝኸውን ንኣገልግሎትና ዕንቕፋት ኣጋጢሙና ኔሩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ማይ-ዓይኒ ዝነበረና ኣስተምህሮ ሽግር ኢዩ፡፡ ከምኡ´ውን ኣብ ዓዲ-ሓሩሽ ዝተፈጥረ ናይ መራሕቲ ምርጫ ዝተፈጥረ ሽግር ከይገልገልና ተመልስና ኢና፡፡ ነዓይ ከም ዝመስለኒ ናይ ኣስተምህሮ ሽግር ምንጩ ኣብ ኤርትራ ከለዉ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ቤተክርስትያናት ኣባላት ዝነበሩ ኢዮም፡፡ ገሊኦም ናይ ምሉወንጌል ኣባላት ገሊኦም ድማ ከኒሻ … ወዘተ ኣባላት ዝነበሩ ኢዮም፡፡ ብርግጽ ናዓይ ኢዚ ቃል ሓድሽ ቃል ኢዩ፡፡ ስለዚ ኢዮም ኣብ መዓስከራት መጽኦም ሓደ ንሙኳን ይፍትኑ እሞ ይሽገሩ´ኸኣ፡፡ እንተ ኾነ እቲ ሽግር ዝነበረ ደኣምበር ሕጂስ ተማሓይሹ ወይ ድማ ዊሕዱ ኢዩ ክንብል ንኽእል ኢና፡፡ እዚ ዝበልኩሉ ምኽንያት ብተደጋጋሚ ክኸይድ ዘስተውዓልኩዎ ነገር ኢዩ፡፡ኣልፋ፡-ካብ ሕጂ ንንየው ንዝህልወኩም ኣገለግሎታት ኣብ መዓስከራትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቤተ ክርስትያናት ብምንታይ መልክዕ ንኽዳለዉ ትመኽርዎም፧ፓስተርታምራት፡-ብዝተኻእለ መጠን ኣብኡ ንዘለው ኣመንቲ ሓድነቶም ሓልዮም ብኣስተምህሮ እግዝኣብሄር መሰረት ዝገበረ ዝርርብ እንተዝለምዱ ጽቡቕ ኢዩ፡፡ እግዝኣብሄር እንተ ፈቐዶ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክንኸዶም እናተዘራረብና ኢና ዘሎና፡፡ ነዚ ነገር እዚ ከነተባብዖም ክንፍትን ኢና፡፡ኣልፋ፡- ናይ መጻኢ መደብኩም እንታይ ይመሰል፧ፓስተር ታምራት ከበደ፡- ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ኣመንቲ ኣብ ከባቢኦም ዘለው ሰባት ወንጌል ክሰብኩሎም ክነተባብዖም ንደሊ ኢና፡፡ ስለዚ እግዝኣብሄር ብዝኸፈተልና ኣፍ ደገ ኩሉ ተጠቂምና ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ኣመንቲ ክሳብ ዘለዉ ጊዜ ብዘይምሕላል እናኸድና ክነገልግሎም ኢና፡፡ እግዝኣብሄር ኣብ ዝወድኦ መዓልቲ´ኸኣ ኣብ ኤርትራ ከይድና ክንግልገልን ክነገልግልን ኢና፡፡ኣልፋ፡- ኣብ መወዳእታ ንኣንበብቲ ጋዜጣ ኣልፋ ክተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ እንተደኣ ሃልዩ፧ፓስተርታምራት፡- ኣብ መወዳእታ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ኩሎም ኣመንቲ ምእንቲ መራሕቲ ሃገሮም ክጽልዩ፡ ምእንቲ ህዝቦምን ምድሮምን ኣበርትዖም ክጽልዩ ኢዩ፡፡ ኣብ ኤሮፓን ኣሜሪካን ንዝተበተኑ´ኸኣ እግዝኣብሄር ጽባሕ ንግሆ ምድርኹም ምስ በጽሓ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎትን ምስታፍ ዕድል ክትረኽቡ ከሎኹም ከም ነህምያን እዝራንን ዝፈረሱ ቅጽሪ እትሕድሱ ኩኑ፡፡ እግዝኣብሄር ጊዜ ኣለዎ፡፡

ተፈጸመ

ብዛዕባ ኤርትራውያን ጾር ዘለዎ ብተደጋጋሚ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን (ካምፕ) ብምኻድውን ዘገልገሎምን፡ ሒጅውን እንዳኸዱ ካብቶም ዘገልግሉን ንህዝብና ዘጸናንዑን ዘለዉ እዩ፡፡ ብተወሳኺውን ናይ ኤርትራ ማህብር ኣምላኽ ለሚዓን ተሓዲሳን ክሪኢ ሓንቀው ዝብል ኣገልጋሊ ፓስተር ታምራት ከበደ ዝብሃል፡ ከምኡውን ኣብ ኣዲስ አበባ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ጓሳ ማሕበር ኮይኑ ዘገልግል ሓው ዝተገበረ ቃል መሕተት ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ብከምዚ ዝስዕብ ኣቅርቢናልኩም ኣሎና ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ፡፡

ቃል መሕተት

እንተኾነ ግና አገልግሎትና ሽትኡ ሃሪሚ ክንብል እንተደኣ ኮይናን ኤርትራ እግዝኣብሄር ምስ በጽሓ ናይ እምነት ናጽነት ምስ ተረኽበ ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተክርስትያን ክውሕዙ ከለው ንሕና ዝመሃርናዮምን ዘገልገልናዮምን ኩሎም ንሓደስቲ ነብሳት ክምህሩን ቤተ ክርስትያን ክመርሑን ክንርኢ ከምኡውን ናይ ክርስቶስ ደቂ መዝሙር ከፍርዩ ክንርኢ ከሎና ኢዩ፡

ብኣገልጋሊ ኪዳነ ገብሪሂወት

Page 10: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም 10

አረማዊ ዘይተጠመቐ እኳ ዝክርካ ንተ ገበረስ እግዚአብሔር እምሕረልካ ኢሉ ኣተስፈዎ ይብል፡፡ አታ ክርስትያን እዚስ ብሓቂደ ትብሎ ኢኻ፧ ብልብኻኼ ትሓስቦዶ፧ እቶም 1ዐ ቃላተ ኦሪት 6 ቃላተ ወንጌል ዘፍረሱን እቶም ሓሙሽተ ኣኽላባትን ዝክር አባ ጋብር ናይ ዝገበሩስ ብዘይ ንስሓ ናብ መንግስተ ሰማየት ኪኣትው፣ እሞ እቶም ኣረማውያን ዘይኣመኑን ዘይተጠመቑን ድማ፣ የሱስ ክርስቶስ ዝኣመነን እተጠመቐን ይድሕን ዘይኣመነ ግና ይድየን እናበለ ይምዕድ እምበር ዝክር ናይ ኣባ ጋብር ዝገበሩ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው አይበለን፡፡ እዚ መጸሓፍ እዚ እቲ ጸሓፊኡ ሓሳዊ እዩ እቶም ተቐበልቱ ኸኣ ዓያሹ እዩም፡፡ ተኣምር ኣባ ጋብር ድማ ከምዚ ይብል፣ ሐደ ጥሙይ ሰብአይ ኪኸይድ ከሎ ሰይጣን አብ መገዲ ረኸቦ፡፡ ሽዑ እቲ ሰይጣን ነቲ ሰብኣይ ሓንቲ እምኒ ወርቂ አምሲሉ ነዚአ ክህበካስ ንእግዚኣብሔር ከሓዶ በሎ፡፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ሕራይ ንእግዚአብሄር ከሓድኩዎ በለ እቲ ሰይጣን ድማ መሊሱ ኣባ ጋበር እዩ ብኹሉ ዚጻረረኒ እሞ ንእኡ ድማ ከሓዶ በሎ እቲ ሰብኣይ ድማ፣ አባ ጋብርስ አባ ምርኩስ ደኣ ይኾነኒ እምበር ኦይክሕደን በሎ፡፡ እቲ ሰይጣን ድማ በታ ወርቂ ዘምሰላ እምኒ ናላኡ ኦንዐሶ እሞ ሞተ፡፡ ሽዑ ኣጋንንቲ መጺኦም ወሰጹዎ እሞ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣበሉዎ፡፡ እግዚኣብሄር ድማ እዛ ነፍሲ እዚኣ ንእግዚኣብሔር ዝኸሓደት እያሞ ብኽፋእ ጨና ሓጢኣታ ሰማይ ከይተጭኑስ ናብ ገሃነመ እሳት ደርብይዋ እምበር ኣብ ሰማይ ደው ኣይተብልዋ ኢሉ ፈረደ ሽዑ ኣጋንንቲ ናብ ገሃነመ እሳት ሒዞምዋ ኸዱ፡፡ ሽዑ ኣባ ጋብር መጺኡ ንእግዚኣብሄር ጐይታይ ኪዳንካዶ ይጥለም እዩ እዛ ኣጋንንቲ ዝወሰድዋ ነፍሲ ንኣይዶ ኣሚና ኣይኰነትን በሎ እግዚኣብሄር ድማ ንኣባ ጋብር፣ ኣታ ፈታውየይ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ንኣኻ ኣሚና እንተ ኸይናስ ኪዳነይ አይሕሶን እዩ ኢሉ ኪዱ ካብ ገሃነመ እሳት ኣውጽኡዋ በለ ሽዑ መላእኸቲ ከይዶም ካብ ገሃነመ እሳት ኣውጽኡዋ፡፡ ዎ ክርስቲየን እዙይከ ናይ ሓቂዶ ይመስለካ፣ ንእግዚኣብሄር ክሐዱስ ነባ ጋብር ኣሚኑ ኪድሕን፣ ወይ ድማ እቲ ሰብአይሲ ንእግዚኣብሄር ኪኸሕድ ዘይፈርሄዶ ግዳ ነባ ጋብር ከይክሕድ ኢሉ ክሳዕ ሞተ በጺሑ? ወይስ አቲ ኩሉ ዚኸእልን ኩሉ ዚፈልጥን ኣምላኽ ድማ፣ ፈለማን መሲሉዎ ኪዱ ናብ ገሀነመ እሳት ውሰድዎ ኪብል ድሐር ድማ አባ ጋብር መጺኡ ምስነገሮ ካብ ገሃነመ እሳት ኣውጽእዎ ኪብል፣ እዙይስ ሐደ እግዚኣብሄር ዘይፈርሕ ሓሳዊ ደብተራ እተጣበቦ ደኣ እዩ እምበር ብሐቂ እተገብረ አይምሰልካ፡፡ ተኣምር አባ ጋብር ደጊሙ ከምዚ ይብል ፣ ብዙሕ ዝሓጢኣቱ ሓደ ሰብአይ ነበረ፡፡ ሓደ ጋሻ ሰብኣይ ድማ ኣብ እንድኡ ሓደረ፡፡ እቲ ብዙሕ ዝሓጢኣቱ ድማ ነቲ ኣብ እንድኡ ዘሕደሮ ጋሻ ሰብኣይ ኣነ ብዙሕ እዩ ሓጢኣተይ እሞ ብምንታይ ኮን ምተሓድገለይ በሎ፡፡ እቲ ጋሻ ሰብአይ ድማ ነቲ ሐጢኣቱ ዝብዙሕ ሰብአይ፡ ካብ ሰማእታት ንጊዩርጊስን ንፋሲለደሰን ንቴዎድሮስን ንገላውዴዎስን ካብ መነኮሳት ድማ አባጋብርን ኣባ ሲኖዳን ኣባ ለተጹንን አባ ኪሮስን ነዚአቶም ኩሎም በብወርሒ ዝኸሮም እንተ ገበርካ በዚ እዩ ሓጢአትከ ዚሐደገልካ፡፡ ካብ ኩሉ ቁርባንን ካብ ኩሉ ምግባረ ሰናይን ድማ እዚ

እዩ ዚሐሸካ በሎ፡፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ነዞም ኩሎም ዝክሮም በብወርሒ ይገብረሎም ነበረ፡፡ ድሕርዚ እቲ ሓጢኣተኛ ሰብኣይ ሓሚሙ ኪመውት ቀረበ፡፡ እቶም ዝክሮም ዚገብረሎም ዝነበሩ ቅዱሳን ድማ በብሓደ መጺኦም ንኣይ ንበይነይ ኩን ንኣይ ንበይነይ እንተ ዘይኰንካ ክቐትለካ እዬ እናበሉ አፈራርሑዎ፡፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ፈሪሑ ንኹሎም በብሓደ ንኣኻ ንበይንኻ እዬ ዝኸውን እናበለ መሓለሎም፡፡ ሽዑ እቲ ሰብኣይ ሞቱ ምስ ቀረበ አቶም ሰማእታት ካብ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ሰማእቲ ጀሚሮም ክላዕ ሽዑ ዝነበሩ እቶም መነኮሳት ድማ ካብ እኒ እንጦንዮስ ጀሚሮም ክላዕ ሽዑ ዝነበሩ ወወገኖም ሒዞም ኪዋግኡ መጹ፡፡ ሽዑ ናትና እያ ንሕና ኢና እንወስዳ ናትና እያ ንሕና ኢና እንወስዳ ናትና እያ ንሕና ኢና እንወሰዳ እናተበሃሃሉ ተዋግኡ፡፡ ኣብ ሰማይ ድማ ብርቱዕ ሰልፊ ኮነ፡፡ እዚ ምስ ኮነ ኣባ ጋብር አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በለ፡፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣታ ፈታውየይ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ኳንካ ኢኻ አብዚ ደው እትብል፣ በሎ ኣባ ጋብር ድማ እዛ ዚዋግኡላ ዘለው ነፍሲ ዝክረይ ዝገበረት ነፍሲ እያ በሎ፡፡ እግዚአብሄር ድማ ኣታ ፈታውየይ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ስሳ ብድሕሬኻ ስሳ ብቕድሜኻ ስሳ ብየማንካ ስሳ ብጸጋምከ መባረቕ ሒዝካ ኪድ እሞ ኣሰምብዶም ነታ ነፍሱ ድማ ንበይንኻ ግበራ በሎ፡፡ ሽዑ አባ ጋብር መባርቕ እናንጐድጐደ እንተ ኸደም ከክዳውንቶም ሓዲጎም ሃዲሞም ከዱ፡፡ አባ ጋብር ድማ ነታ ነፍሲ ንበይኑ ናብ ርስቱ ወሰዳ፡፡ ኣታ ክርስቲያን እዚኼ ብሓቂዶ ይመስለካ፣ እዝስ ኣሽምባይ ዓበይቲ ከንብብዎ ቄልዑ እኳ ከምዚ ኢሎም ጽውጽዋይ ኣይዛረቡን፡፡ ነዙይ መጽሓፍ ኢልካ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሰምዑዎ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምንባብሲ ክንደይ ዕሽንት እዩ፡፡ ቤተ ክርስቲያንሲ ጽሩይ ቃል እግዚኣብሄር አንቢብካ ትትርጉመሉ እምበር ከምዚ ዝበለ ቀንጠብጠብዶ ኣብ ቤተ ክርስቲን ይንበብ፣ ጽሩይ ቃል እግዚኣብሄር ቀቐሚጡ ከሎስ ሕዝበ ክርስቲያን በዚ ከምዚ ዝበለ ቀንጠብጠብ ኪነብሩ እሞ ክንደይ ዜጉሂ እዩ፡፡ እቶም ጻድቃንሲ ሓደ ጻድቕ እንተ ነተጸምበሮም ምተሓጐሱ እንምበር እንታይ የዋግኦም፣ ኪሓርሰሎም ድዩ፧ እንተ ጸደቐስ ንርእሱን ንእግዚኣብሄርን ይኸውን እምበር ነዓአቶም እንታይ ኪገብረሎም እዩ፣ ብጀካ መንግስቲ እግዚኣብሄርሲ ናተይ ናተይ ዜብሎም ነናቶም መንግስቲዶ አለዎም እዩም፧ ጻድቃንሲ ብድሕሪ ሞቶም የርፋ እምበር ኣብ ሰማይዶ ውግእን ባእስን አለዎም እዮም ክዳውንቶም ሓዲጎም ሃደሙ ዚብሎምሲ ብጀካ እግዚኣብሄር ዚህቦም ጸጋ ብርሃንዶ ዚወድቕ ክዳውንቲ አለዎም እዩም እግዚኣብሄርሲ አባ ጋብር እንታይ ሂብዎ ብእኒ እስጢፋኖስን እቶም ኰሎም ጻድቃን ፍቓዱ ዝገበሩንክ እንታይ ገይሮምዎ? ነባ ጋብር መባርቕ ሂቡ ኪድ ኣሰንብዶም ዚብሎ መሕልፎ እዝስ ቈልዓ እኳ ኣይዛርቦን እዚ ዓጀው ጀው እዚ ሒዝካ ጽሩይ ሃማኖት አሎና ምባልሲ ዜድንቕ ነገር እዩ፡፡ “ዓሻ ሰብሰ ነቲ ዕሽነቱን የጽድቕ ንጥበብ ለባማት ግና ይንዕቕ” እተባህለ እዚ ከምዚ ዝበለ እዩ ምሳ14፡6-15፡፡ተኣምር ኣባ ጋብር ድማ ከምዚ ይብል አባ ጋብር ዕለተ ሞቱ ምስ ቀረበ የሱስ ክርስቶስ ዕድሜኻ በጺሑ እሞ ነዐ ሓመድ ክትለብስ በሎ፡፡ ኣባ በር ድማ ሓመድ ምልባስ ኣይግብአንን እዩ ኢሉ ኣበዮ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ ኤርምያስዶ ንስኻ ትበልጽ፣ ኤርምያስ ደኣ ከመይ ዚመውት፣ በሎ አባ ጋብር ድማ ኤርምያስዶ ከማይ ኰይኑ፣ እንተ ጠመየ እኳ ካብ ጥሜትሲ ብኹናት ሞት ይሐይሽ ደኣ ዝበለ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ ዮሃንስ ገዳማዊ ንስኻዶ ትበልጽ ንሱ ኣብ ገዳም ጥራይ ዝነበረ ንሱ ደኣ ከመይ ዚመውት በሎ አባ ጋብር ድማ ዩሃንስዶ ከማይ ኰይኑ ንሱ ግዳ መዓር ጥራይ ዚቕለብ ዝነበረ ነገስታት እኳ መዓር ደኣ ዚፈትው? በሎ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ ጊዮርጊስከ ንስኻዶ ትበልጽ በሎ ንሱ 7 ዓመት እተጋደለ፡፡ አባ ጋብር ድማ፣

ጊዩርግስዶ ከማይ ኰይኑ፣ ንሱ ግዳ ተሸይሙ ኪበልዕን ኪሰትን ዝነበረ በሎ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ ወሲኹ ሓተቶ፣ ካብ ጴጥሮስ ሃዋርያዶ ንስኻ ትበልጽ ንሱ ደኣ ከመይ ዚመውት አባ ጋብር ድማ መለሰሉ ጴጥሮስ ሃዋርያዶ ከማይ ኰይኑ፣ ንሱ ግዳ ክትስቀል ከሎኻ ሰለስተ ሳዕ ዝኸሓደካ፡፡ ብድሕርዚ ኩሉ የሱስ ክርስቶስ በል ካባይከ ንስኻዶ ትበልጽ በሎ፣ አባ ጋብር ድማ ንየሱስ ክርስቶስ ንስኻዶ ከማይ ኳንካ ሰለስተ ዓመት ጡብ ኣዴኻ ጠቢኻ ሰላሳ ዓመት ድማ እንጌራ እናበለዕከ ማይ እናሰቴኻ ዐቤሻ በሎ ኣነ ግና ካብ ከርሲ አደይ ምስ ወጸእኩ ጡብ አደይ ኣይጠቦኹን ኣጻብዕ ኣደይውን አይሓዛንን ጸላም ከትከውን ቀያሕ ክትከውን ነደይ አይፈለጥኩዋን፡፡ እንጌራ አይበላዕኩን ማይ አይሰቴኩን ቆጽሊ ቀንጢበ አይበላዕኩን ሳዕሪ ኣይተነጸፍኩን ጐድነይውን ኣብ መሬት ኦየጥዓምኩዋን፡፡ እዚ ሓሶት ከይኸውን ድማ እኽሊ እንተ በሊዔላ ማይ እንተ ሰትየላ ቆጽሊ እንተ ቐንጢበላ ሳዕሪ እንተ ተነጺፈላ ምድሪውን ጐድነይ እንተ ኣውዲቐላ በዕላተን ይንገራለይ በለ፡፡ እዚ ምስኮነ ይፈረድ ተባህለ፡፡ ሽዑ ሰራዊት መላእኸቲ ኰሎም ተጸውዑ ጻድቃን ዘበሉ ኸሎም ድማ ተጸውዑ፡፡ እኸሊ ኰነ ማይ ቁጽሊ ኾነ እንስሳን ኣራዊትንውን ኰላቶም ተጸውዑ፡፡ ሽዑ ኩላቶም ተሓቱ፡፡ እኸሊ ኣይበልዐለይን በለት፡፡ ማይ ኣይሰተለይን በለት፡፡ ቁጽሊ አይቀነጠበለይን በለት፡፡ ሳዕሪ ኣይተነጽፈለየን በለት፡፡ ምድሪ ከኣ ጐድኑ ኣየውደቐለይን በለት እንስሳን ኣራዊትን ድማ ጸበል እግሩ ልሒስና እዩ ቀለብና ዝነበረ ኢሎም በኸዩ፡፡ ኣዕዋፍ ኰሎም ድማ ከምኡ በሉ፡፡ ሽዑ መላእኸትን ጻድቃንን ፍረዱ ተባህሉ፡፡ መላእኸትን ጻድቃንን ድማ ነፍሱን ስግኡን ከይተፈላለየ ናብ ሰማይ ኪድይብ እምበር ከይመውት ኢሎም ፈረዱ፡፡ ኣታ ክርስቲየን እዚኼ ብሓቂዶ ናይ ቅዱሳን ቃል ይመስለካ እዚ ዛንታ እዚ ምስ ቃል እግዚአብሔር አይተሰማምዐን እቶም ቅድሳን ብጸጋ እግዚኣብሄረን ብምሕረቱን ይድሕኑ እሞ ናብ ሰማይ ኣትዮም የምስግኑ እምበር ደፊሮም እናነቀፋ ንእግዚኣብሃር ኣይዛረቡዎን እዮም፡፡ አሽምባይ ህውከት ኣብ ሰማይ ኬልዕሉ ነንሓድሕዶም ኪጓየቑ፡ ብሓደ መንፈስ ሓቢሮም ንመድሓኒኦም እናመስገኑ ንምልክት ናይ ምእዛዝ ትሕትንኦም፣ ዘውድታቶም ካብ ርእሶም ኣልዒሎም ኣብ ቅድሚ ዙፋን ክርስቶስ ይድርብዩ ራእይ4፡1ዐ፡፡ እግዚኣብሄር ነቶም ትሑታት ጥራይ እዩ ክብ ዘበሎም፡፡ ስለምንታይ እዩ እቶም ደባትር ነቶም ቅዱሳን ዘይዛረበዎ ድፍረት ዘይናታቶም ትዕቢትን ዕሽነትን ዚጥቅንዎም ዘለው፣ ቅዱሳንዶ ኣይኰኑን፣ ኣብ ገድልን ተኣምርን ብዛዕብኦም እንዘንተው ሓቂ እንተ ኰይኑ ግና ንኣና ምሳሌ ቅድስናን ትሕትናን ኪኸኑ ከመይ ጌይሮም ይኸእሉ ካብ አብርሃም ዚበልጽ ቅድስዶ አሎ ንሱ ምስ እግዚኣብሃር ኪዛረብ ከሎ ብኸንደይ ፍርሃት እተዛረበ መሬትን ሐመኹስትን ክንሰይ ምሳኻ ምዝርራብ ካብ ተገበኣንስ ዶ ኦይበለን ዘፍ18፡27፡፡ ንሱ ዶ ኣይኰነን ብሃይማኖት ዐርኪ እግዚኣብሄርን ኣቦ ኰሎም ቅዱሳን ዝኸነ እዩብሲ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ጽድቁ ዝመስከረሉ ብኩሉ ፈተና ድማ ንሰይጣን ዘሰነፈ ዶ አይኰነን ንሱ እግዚኣብሄር ዳኛ እዩ መን ኦሞ ኪማጐቶ ስለዝበለ፡፡ ናይ እዛ ቃል እዚኣ ካብ እግዚኣብሄር ክንደይ ዘለፋ እተቐበለ፡፡ አባ ጋበርሲ ካብ ዮሐንስ ወዲ ዘካርያስዶ በሊጹ እዩ ኣብ ከርሲ ኦዲኡ ከሎ ተሐርየ ንየሱስ ከርስቶስ ድማ ኬጥምቕ እተገብኦ ንየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ እግሩ ደኒኑ አሳእኑ ክፈትሕ አይግብአንን ዘበለ ንሱዶ አይኰነንን እግዚአብሄርን ንኰሎም ቅዱሳንን ኣነ እበልጸኩም እዬ ካብ ዚብል ዕቡይ ደኣ እዩ እምበር መአዝ ቅዱስ ይብሃል፡፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ምስ ወጸ ጀሚሩ ካብ ዘይጠቡን ካብ ዘይበልዕን ካብ ዘይኸደንን ካብ ዘይድቅስን እምበር፡፡ ምትሀት እዩ መአዝ ደኣ ስጋ ከይኑ ስጋ ካብ ዘይኸውን ደኣ ከመይ ኡሉ ተጋደል ይብሃል እዙይስ ዝኸፍኤ

ካብ ገጽ 1 ዝቐጸለ

....ገድልን ተኣምርን

ናብ ገጽ 8 ይቅጽል

የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል አትፈትውኒ እንተ ኼንኩምሲ

ትእዛዛተይ ሓልው፡፡ ዩሃ14፡15

Page 11: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም

ሓፈሻዊ ፍልጠት11

ናይቲ ህቡብ ሰባኪ ቃል ኣምላክ ዲ ኤል ሙዲ• ን ዲ ኤል ሙዲን ንምክሳስ ሓደ ምስኡ ዝነበረ ሰብ ክሰርቅ ረኪቦም ምስ ሓዝዎ፡

• ን ዲ ኤል ሙዲን እቲ ምሳካ ዝነበረ ንስካ ዝመስከርካሉ ክሰርቅ ሒዝናዮ ምስ በልዎ፡ “እወ ልክዕ አለኩም አነ ስለዝመስከርኩሉ እዩ ሰሪቁ እምበር መንፈስ ቅዱስ ተዝምስክረሉስ

ኣይመሰረቐን” በሎም፡፡ ኣደናቂ መልሲ ካብ ክብረት ርእስኻ ነጻ ምኳን፡፡

• ሓደ ግዜ ድማ ንድኤል ሙዲን ጻጋ ኢሉ ምስ ሰበከ፡፡ ክሳብ ንሞት ዝኸውን ጸጋ ኣሎካ ዶ ኢሎም ምስ ሓተትዎ

“ጎይታ ሕጂ ከምኡ ኢሉ ስለዘይኣዘዘኒ የብለይን እንተኣዘዘኒ ድማ ንሱ ስለዝህበኒ ኣሎኒ” በሎም፡፡

ትምክህትና ጸጋ ኣምላኽ ምኻኑ ምርዳእ ከምዚ እዩ !!!

ኣደነቅቲ መልስታት

ተርቱሉያን ከምዚ ኢሉ ብርዑ ኣገንፈለ“ንመንግስቲ በቲ ዝተዋህበና ትእዛዝ ኢና እንስዕሮ፡፡ ሓደ ግዜ መንግስቲ ሮም ብክርስትያናት ሰጊኡን ተጨኒቁን ነይሩ፡ ስለዚ ድማ ናብቲ ክርስትያናት ዘምልኩሉ ዑና ህንጻታት ሰለይቲ ኣስሉኹ ነይሩ፡፡ ጸብጻብ ናይቶም ሰለይቲ፡- እዞም ክርስትያናት ፍሉያት ሰባት እዮም፡ ንኣምልኾ ኣብ ዑና ቤት ይእከቡ፡ ዘምልኽዎ ምስሊ ግን ኣብ ቅድሚኦም የሎን፡፡ ኣብ ማእከሎም ዘየሎ የሱስ ዝብሃል ሰብ ይጽውዑ፡፡ እዚ ዝጽውዕዎ ኣብ ሃንደበታዊት ሰዓት ክመጽእ እዩ ኢሎም ይጸባበይዎ ዝገርሙ ሰባት እዮም፡፡ ክንደይ ይፍተውካ ንሕድሕዶም ድማ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ እዮም ዝፋቀሩ” እዚ ኣብ ቤት ክርስትያን ተርቱሉያን ጺሑፉ ነይሩ፡፡ክቡር ኣንባቢ ኣብታ ኣነ ዘምልከላ ወይ ንስካ ተምልከላ ቤተ ክርስትያን እዞም ሰለይቲ ተዝሰልኩ እንታይ ምኮነ ትዕዝብቶም፧ እንድዒ!!!

አቦ ቤተ ክርስትያን ተርቱሉያን

“እቲ ዘድሓነና ኣምላኽ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ” ወንጌል የሃንስ ይመስክር!!!I. እንጌራ ህይወት ኣነ እየ የሃ6፡35II. ኣነ ብርሃን ዓለም እየ የሃ8፡12III. እቲ ደገ ኣነ እየ የሃ10፡9IV. እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ የሃ10፡11V. ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ የሃ11፡25VI. መገዲ ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ የሃ14፡26VII. እቲ ጉንዲ ወይኒ ኣነ እየ የሃ15፡5

ብዘይካ እቲ ኩሉ ዝክእል ኣምላኽ ብስልጣን ኣነ ክብል ዝኽእል መን እዩ፧ ስሙ ቡሩኽ ይኹን ጎይታ የሱስ፡፡• “ኣምላኽ ክኣ ንሙሴ እቲ ዘለኹ እየ ዘለኹ በሎ”

ዘጸ3፡14 ኣገናዚብካ ኣንብብ• “እቲ ቀደም ዝተዛረበኩም ንሱ ኣነ እየ” የሃ8፡25

1. ኣይትተንክይዋ ትብል ሐሶት ናይ መጀመርያ ሐሶት ኣብ ዓለም እያ ዘፍ3፡32. ፈላሚ ሞት ኣቤል ከም ዝነበረ ዘፍ4፡83. ድሕሪ ልደት ሄኖስ ብስም ኣምላኽ ምህለላ ተጀሚሩ ዘፍ4፡264. ብዙሕ ዕድመ ዝገበረ ማቱሳላ እዩ ዘፍ5፤27 /969 ዓመት ደፊኑ/5. ደቂ ሰብ ኣብ ሓደ ምድሪ ብሓደ ቋንቋ ነብሩ ነይሮም ዘፍ11፡16. ኣብ ምድሪ መጀመርታ ኩናት ኣብ ዘመን ኤምራፍኤል ተጀሚሩ ዘፍ14፡17. ንዓሞንን ማኣባውያንን ሎጥ አቦኦምን ኣባሓጎኦምን እዩ ዘፍ19፡30-388. እግዚኣብሄር ክልተ ግዜ ጥራይ ብርእሱ ምሒሉ ዘፍ21፡16 ን ኤር22፡59. መፈለምታ ተኻሊ ኦም ተምሪ ኣብርሃም እዩ ዘፍ21፡33

ጉሩም ፍልጠት ናይ ዘፍጥረት

ኣብ ሓደ ዓዲ ትካሉ ብሰንኪ ህልኽን ኣንነትን ሰራሕተኛታቱ ዝኸሰረ ዋና ትካል ኣበቲ መለጠፊ መተንባህታ ከምዚ ዝብል መተንባህታ ለጠፈ፡፡“ኩቡራት ሰራሕተኛታተይ እንቋዕ ሓጎሰና እቲ ትካለይ ክከስር ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝነበረ ሰራሕተኛይ ስለ ዝሞተ፡ ሎሚ ንሬስኡ ኣብ ኣዳራሽ ስራሕና ንክንፋነዎ ኩሉ ሰራሕተኛ ኣብ ኣዳራሽ ስራሕና ይረኸብ” እዚ ትእዛዝ ኣብ ዘይትግብር ሰራሕተኛ ካብ ስራሕ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ክውሰዶ እዩ፡፡ ኢሉ ለጠፈእቶም ሰራሕተኛታት ተሓታትነት ካብ ርእሶም ስለ ዝወረደሎም ብምሕጓስ፡ ትእዛዝ ንምፍጻም በብተራ በቲ መእተዊ ኣደራሽ ብምእታው ነቲ ሬሳ መክሰሪ ሰራሕተኛ ንምፍናው ምእታው ጀመሩ፡፡ ኣብቲ ማእከል ኣዳራሽ እቲ ዋና ትካል ዘዳለዎ ኣብ ውሽጡ መስትያት ዘለዎ ዝተኸፍተ ሳንዱቅ ናይ ሬሳ ኣሎ፡፡ ነብሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ናይቲ መክሰሪ ሰራሕተኛ ሬሳ ንምርኣይ ናብቲ ሳንዱቅ ናይ ሬሳ ክርኢ ምስ ጀመረ ምስሉ ክርኢ ጀሚሩ ብኡ ድማ በቲ ሓደ መውጽኢ ምስ ወጹ፡ እቲ ዋና ትካል አኪቡ ንኩሎም ሰራሕተኛታቱ፡፡ “ኢሂ ነቲ መክሰሪ ሰራሕተኛ ሬስኡ ተሰናቢትኩሞ ዶ፧ ብምባል ብጥበብ ኣንነትን ትዕቢትን ክድርብዩ ንሰራሕተኛታቱ መኸሮም፡፡ኩቡር ኣንባቢ እቲ ዋና ማሕበር ኣምላኽ/ቤተ ክርስትያን/ ምክንያት ፍረ ምስኣን ማሕበሩ ንዓኻ ተዝሓተካ ንመን ምጠቆምካ፧ ንዓይ ወይ ድማ ንካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን፡፡ በል ከምቶም ሰራሕተኛታት እቲ ዋና ማሕበር ኣምላኽ ዘዳለዎ መስትያት 1ቆረ11፡30 ብምርኣይ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ካብ ሎሚ ጀሚርካ ትጋህ፡ ኣምላኽ ክድግፈካ እዩ፡ ኣምላኽ ንኩላትና ይደግፈና ኣሜን፡፡

ብሓው ታፈረ ሊበን

ሃገርና ትበጻሕእ/ሄር ነመስግነካ ልዕል ልዕል በል ንስኻ

እ/ሄር ንባርኸኻ ሰናይ ምሕረት ስለ ዝገበርካእ/ሄር ንውድሰካ ክብርን ሓበን ኢዮ እቲ ስምካ

ሕቶ የለን ሂወት ምስ ሃብካናሓሳብ ሰናይን መፈጸምታን ስለ ትሐስበልና

መስዋእቲ ምስግና ዩ ዝቀርብ-ካባና (2)ብስለ ህዝብና ክንልምነካብስለ ሃገርና ክልምነካ

ትደልይዋ ዘበለ ኢልና´ዮ ቃልካለምኑ ክትቅበሉ ኢሉና ብስምካጾርናዮ ምምላድ ፍጥረትካ (2)

ብምውታት ትጽበዮ የለንንሶም ክልምኑ ንዓካ ዘይሕለን

በደልቲ ኢና ብበትርና ዘይተቃወምናለንይቅረ በለልና ነባጊዕካ ኩለን (2)ውልደይ ኢልና ለቂቁ ጸግኡለምናዮ ምሕረት ናባና መጽኡ

ኦቦና ርሕርሕዮ ሰናይ ኢና እንሰምዕ ካብኡ (2)ጥፍኣት ሰዶምን ጎመራን ምስ ነገርዋተደፍኡ ኣብርሃም ሒደት እንተለዋምምእንትኦም ኩሎም ክምሕርዎም

ለሚኑ እናበለ ጥዑያት እንተተረክብዎም (2)እዚ ቃል ህያው ምስክር ወሃቢንዓና´ዩ ተጻሒፉ ስልጣን ከነዕቢ

ነስተወዕል ኣብርሃም ጀማሪ ናይ እምነትና ዓቢ (2)ብርኪ ንክፈል ምእንቲ ህዝብናንሕና ንረኸብ ኣብ መስዊእና

ሓላፍነት ካህናት ኣብ ዝባና ጼርናምምላስ ዝብል ኣሎ ተመለሱእኮዩ ኣሕዋት ንዕኡ ምቁስቋሱ

ናይ ሃገርና ያሪኮ ብጸሎት ኣፍርሱሰማዕ ኣምላክ´ዩ ዘለና ንብዓት ልቢ ኣፍስሱ (2)

ብምስትንታን ጽሙ እና ቆዞምኩም ኪዱነብስኹም ኣሕስሙ ልብኹም ቅደዱ

ውጹኣት ሓራ ኢኹም ህዝብኩም ፍቀዱዘመን ኣለልዮ ንሃገርኩም ተዋረዱ (2)

እዝኑ ክስምዕ ብዓይኑ ጠሚቱዃሕኩሑ ሕጂ ኢዩ ሰዓቱለምን ክንረክብ ምህለላ ነእቱ

ዝፋኑ ነነቃነቕ ክንፈሪ ብምሕረቱ (2)ንስሓ ነነዌ ብዮናስ ዘብጽሐ

ንጳውሎስን ሲላስን መቁሖም ዝፈትሐእየሱስ ይስምዖ´ዩ ነቲ ዝነቐሐ (2)

ኩላቶም ኣመንቲ እናጸለዩ ኣብ ገዝኦምጰጥሮስ ተፈቲሑ መልሲ ዝኾኖምንዝተኣሰሩ ህዝቢ ንዃሕዃሓሎም

ናይ ሃገርና መልሲ ክኾኑና ባዕሎም (2)መፍትሕ ሰማይን ምድርን ትሒዙ ኩሉ

ጽሑፋ´ዩ ጥሜት ብጽጋብ ቅጽበት ተቀይሩሕጂውን ኣብ ሃገርና ህያው ኢዩ ባዕሉ

ኣብ ቕድሚኡ ንደቒቅ መልሲ ክንረክበሉ (2)ሃለሉያ! ኣሜን

ብሓው ሰመረ ቀለታወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲ ሓርሽ

ብሓው ሰመረ ቀለታወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲ ሓርሽ

+251-912-38-41-42 አ/አ

ይቅሬታ ክንረክብ ካብ ርሕሩሕ ፈጣሪካብ ኩሉ አቐዲሚና ሃማኖትና ነጽሪቅድም እምነት እዩ፡ ብድህሪኡ ግብሪ

ዕድሜና አይነሕልፎ፡ ብናይ ዓለም ጻዕሪኣእምሮ ሂቡና ኣሎ፡ ንመመራመሪንኽፉእ ሓዲግና፡ ንጽቡቕ ክንሓሪሓንቲ እምነት እያ ሓንቲ በሪ

ብየማን ብጸጋም ዘይብላ መሕዀሪካልእ አይንማሕጸን፡ ከይንለብስ ነውሪ

ንሱ በይኑ እዩ ሓጥኣትና ዚሰሪዜእትወና የልቦን ክርስቶስ ኪኹሪ

ሓቀኛ እምነት ብኣባ ገብረስላሴ እተደረሰ መጽሓፍ ምዕዶ፡ብ1913 ተሓቲሙ፡ ገጽ20

>>>

Page 12: ብዛዕባ ገድልን ተ ኣምርን - beteZION.com News_5.pdf · ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብምኻን እትህተም ጋዜጣ እያ፡፡ 2 ብሕብረት

ጋዜጣ ኣልፋ - ሰኔ 25-2014ቁጽሪ 5- ሕታም 12

Then He said to his disciples “the harvest is plentiful but the workers are a few, Ask the Lord of the harvest therefore, to send out workers in to his harvest filed” Matt 9:37-38

Vision Alpha Art Ministry in inspired by the vision that includes:->To see that as many people as possible are reached out and are evangelized to be reconciled with God as this is the grand mission of Christian on the world.>To provide an overall support to the universal church which is both with in the country and abroad and to see the church devoted to Christ with holiness and righteousness.>To see theological schools flourishing and have them well equipped to enable their efficiency.>To see people support and encourage socially disadvantaged Christians.>To cooperate with any other ministries and churches who profess the same vision as that of Alpha Art Ministry.

Objectives In accordance to what God has ordered us to do Alpha Art Ministry intends to apply the following objectives.>To fulfill Gods instructions to Go and preach the kingdom of God.>All scripture is God breathed and is useful for teaching, rebuking, correcting and training in righteousness, so that the man of God may be thoroughly equipped for every good work.(2 tim3:16-17)>To produce Christians who are over flowing with the word of God and facilitate evangelizing people.>To speed up and sustain the evangelizing of people.

Mission >To reach out more people by making use of literature and any kind of art in general.>To produce any kind of art as well as translated versions of such art and hand them over to Christians who serve the church.>Negotiate with other ministries that broadcast programs on air (radio) and get an opportunity from them to broadcast programs on issues like the gospel, testi-monies, interviews, family, children etc… in order to let our people get up-to-date messages.

ዝኸበርኩም ፍትዋት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣንበብቲ ጋዜጣ ኣልፋ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዘሎኩም ሓሳብ፣ ርእይቶ፣ ሕቶ ወይውን ከተመሓላልፍዎ እትደልዩ መልእኽቲ፣ /ትምህርቲ/ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻና ክትልእኩልና ብፍቅሪ ጎይታ ንዕድመኩም፡፡ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ዓምድታት ክትሳተፉ ክኣ

ነተባባዓኩም፡፡ኣልፋ ስነ ጥበብ ሚኒስትሪ ፓ.ሳ.ቁ - [email protected] (+251- 920-33-19-18 / +251- 923-05-43-47) ኣዲስ ኣበባ