ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 237 25 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ 2014 ዓርቢ ገጽ 9 ኑር ዓይኒ - ባህጋ ብጻዕራ ክውን ዝገበረት ዜጋ ገጽ 3 ሄዋን ገጽ 8 መንፈሳዊ ሓይሊ ዝውንን እምባ ገጽ 5 ልያም ሄምስዎርዝ ገጽ 11 ስፖርታዊ ውድድር እዚ ምብራቕ፡ ፍልፍል ጎብለል - ራስ ዳርማ ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ኮይነን ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፡ ቀዋሚ ወኪል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን፡ ብ23 ሚያዝያ ናይ ስራሕ ወረቐቱ ንዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ውድብ ሚስተር ባን ኪ ሙን ኣረኪቡ። ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ሰናይ ምንዮት ዝሓዘለ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብጺሑ። ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮምን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙንን ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ዝምድናታትን ጉዳያትን ብምምይያጥ። ነቲ ዘተ ብቐጻሊ ርክባት ከዕምቚዎ ከምእተረዳድኡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንኤሪና ሓቢሩ። ሚስተር ባን ኪ ሙን ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ ንምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና ተመንዩ። ኣምባሳደር ግርማ ወረቐት ስርሑ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረኪቡ ነበርቲ ዓሰቦል - ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንካልያ፡ ረኺቦሞ ንዘለዉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብዱ ዓሊ ዶላባ ኣዘኻኺሩ። ኣብ’ቲ ምስኣቶም ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ዓብዱ፡ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ብትምህርቲ ጥራይ ከምዝረጋገጽ ብምሕባር፡ ብሰንኪ መግዛእታዊ ፖሊሲታት ሕብረተ-ሰብና ኣደዳ ድሕረትን ድኽነትን ኮይኑ ምጽንሑ ብምዝካር፡ ነበርቲ ዓሰቦል ነዚ ብምግንዛብ ተራሕዩ ንዘሎ ዕድላት ትምህርቲ ብግቡእ ነበርቲ ዓሰቦል፡ ረኺቦሞ ንዘለዉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀሙሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ ክምዝምዝዎን ንምዕባለ ከባቢኦምን ሃገርን ኣበርቲዖም ክሰርሑን ጸዊዑ። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሑመድ ሱር ዓሊ ብወገኑ፡ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ክረክብ ምጥርናፍ ዓድታት ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነበርቲ ዓሰቦል ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተማሕጺኑ። ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ምውዳድ ኣበርክቶ ዝገበረን ንህዝቢ ዘወሃሃደን ኣቶ መሓመድ- ዓሊ መሓመድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንምህናጽ ቤት- ትምህርትን ምስራሕ ጽርግያን ኣስታት 400 ሽሕ ናቕፋ ወጻኢታት ከምዝገበረ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርአ ዝነበረ ጸገማት ብምቅላሉ ድማ ዕግበት ከምዝስመዖን ጻዕሩ ቀጻሊ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ደገፍን ምትብባዕን መንግስቲ ከይፍለዮም ተላብዩ። ዓሰቦል ሓንቲ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ደባይሲማ ኮይና፡ ካብ ዓሰብ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 95 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ጨንፈር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ማእከል፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ተመሃሮ ኣብ ቱሪዝማዊ ንጥፈት ንምሕያል፡ ብ22 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ቤት-ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊት ጎስጓስ፡ ሓበሬታን ትምህርትን ወይዘሮ ኤልሳ ርእሶም ንቱሪዝምን ትርጉሙን ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ቱሪዝም ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፡ ኣከባብያውን ባህላውን መዳያት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ብዘቤታውን ኣህጉራውን መልክዕ ዝግለጽ ትኪ ኣልቦ ኢንዱስትሪ ምዃኑ ኣረዲኣ። እዚባህርያዊጸጋታት፡ቅርስታት፡ታሪኻዊ ቦታታት፡ ባህልን ልምድን፡ ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ በዓላት፡ ፈስቲቫላትን ካርነቫላትን ዞባ ማእከል፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ተመሃሮ ኣብ ቱሪዝም ክብ ንምባል ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ ዘጣመረ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገርና ከም ቀንዲ መስሕብ ኮይኑ ንምምዕባሉ ይስራሕ ከምዘሎ ኣስሚራትሉ። ቀንዲ ዕማም ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ “ኤርትራ ብዘለዋ ውሁብ ቱሪዝማዊ ጸጋታት፡ ሓንቲ ካብ’ተን ቱሪዝማዊ ሰሓብነት ዘለወን ሃገራት ምግባራ’ዩ” ዝበለት ወይዘሮ ኤልሳ፡ ጽላት ቱሪዝም ንኽምዕብልን ንኽዓቢን፡ ሰላምን ርግኣትን፡ ጽሬትን ጽባቐን፡ ታሪኻዊ ህንጻታትን ቅርስታትን ኣገዳስነቶም ልዑል ስለዝኾነ፡ ተመሃሮ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ተላብያ። ተሳተፍቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቱሪዝም ማዕቢሉ እቲ ዝድለ ውጽኢት ንኽርከብ፡ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ብዝሰፍሐ ክቕጽል ተማሕጺኖም።

Upload: others

Post on 02-Feb-2021

24 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 23 ዓመት ቁ. 237 25 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

    2014

    ዓርቢ

    ገጽ 9

    ኑር ዓይኒ - ባህጋ ብጻዕራ

    ክውን ዝገበረት ዜጋ ገጽ 3

    ሄዋን

    ገጽ 8

    መንፈሳዊ ሓይሊ

    ዝውንን እምባ

    ²Ãö 3

    ገጽ 5

    ልያም ሄምስዎርዝገጽ 11

    ስፖርታዊ ውድድር እዚ

    ምብራቕ፡ ፍልፍል ጎብለል - ራስ ዳርማ ሻምፕዮን

    ኩዕሶ እግሪ ኮይነን

    ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፡ ቀዋሚ ወኪል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን፡ ብ23 ሚያዝያ ናይ ስራሕ ወረቐቱ ንዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ውድብ ሚስተር ባን ኪ ሙን ኣረኪቡ።

    ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ሰናይ ምንዮት ዝሓዘለ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብጺሑ።

    ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮምን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙንን ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ዝምድናታትን ጉዳያትን ብምምይያጥ። ነቲ ዘተ ብቐጻሊ ርክባት ከዕምቚዎ ከምእተረዳድኡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንኤሪና ሓቢሩ።

    ሚስተር ባን ኪ ሙን ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ ንምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና ተመንዩ።

    ኣምባሳደር ግርማ ወረቐት ስርሑ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረኪቡ

    ነበርቲ ዓሰቦል - ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንካልያ፡ ረኺቦሞ ንዘለዉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብዱ ዓሊ ዶላባ ኣዘኻኺሩ።ኣብ’ቲ ምስኣቶም ዝገበሮ ርክብ፡

    ኣቶ ዓብዱ፡ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ብትምህርቲ ጥራይ ከምዝረጋገጽ ብምሕባር፡ ብሰንኪ መግዛእታዊ ፖሊሲታት ሕብረተ-ሰብና ኣደዳ ድሕረትን ድኽነትን ኮይኑ ምጽንሑ ብምዝካር፡ ነበርቲ ዓሰቦል ነዚ ብምግንዛብ ተራሕዩ ንዘሎ ዕድላት ትምህርቲ ብግቡእ

    ነበርቲ ዓሰቦል፡ ረኺቦሞ ንዘለዉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀሙሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

    ክምዝምዝዎን ንምዕባለ ከባቢኦምን ሃገርን ኣበርቲዖም ክሰርሑን ጸዊዑ።ዋና ዳይረክተር ክፍሊ

    ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሑመድ ሱር ዓሊ ብወገኑ፡ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ክረክብ ምጥርናፍ ዓድታት ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነበርቲ ዓሰቦል ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተማሕጺኑ።ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ

    ምውዳድ ኣበርክቶ ዝገበረን ንህዝቢ ዘወሃሃደን ኣቶ መሓመድ-

    ዓሊ መሓመድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንምህናጽ ቤት-ትምህርትን ምስራሕ ጽርግያን ኣስታት 400 ሽሕ ናቕፋ ወጻኢታት ከምዝገበረ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርአ ዝነበረ ጸገማት ብምቅላሉ ድማ ዕግበት ከምዝስመዖን ጻዕሩ ቀጻሊ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ደገፍን ምትብባዕን መንግስቲ ከይፍለዮም ተላብዩ።ዓሰቦል ሓንቲ ካብ ምምሕዳራት

    ከባቢ ደባይሲማ ኮይና፡ ካብ ዓሰብ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 95 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

    ጨንፈር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ማእከል፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ተመሃሮ ኣብ ቱሪዝማዊ ንጥፈት ንምሕያል፡ ብ22 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ቤት-ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ሂቡ።ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊት ጎስጓስ፡ ሓበሬታን

    ትምህርትን ወይዘሮ ኤልሳ ርእሶም ንቱሪዝምን ትርጉሙን ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ቱሪዝም ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፡ ኣከባብያውን ባህላውን መዳያት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ብዘቤታውን ኣህጉራውን መልክዕ ዝግለጽ ትኪ ኣልቦ ኢንዱስትሪ ምዃኑ ኣረዲኣ። እዚ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ቅርስታት፡ ታሪኻዊ

    ቦታታት፡ ባህልን ልምድን፡ ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ በዓላት፡ ፈስቲቫላትን ካርነቫላትን

    ዞባ ማእከል፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ተመሃሮ ኣብ ቱሪዝም ክብ ንምባል ዝሕግዝ

    ኣስተምህሮ ተዋሂቡዘጣመረ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገርና ከም ቀንዲ መስሕብ ኮይኑ ንምምዕባሉ ይስራሕ ከምዘሎ ኣስሚራትሉ። ቀንዲ ዕማም ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡

    “ኤርትራ ብዘለዋ ውሁብ ቱሪዝማዊ ጸጋታት፡ ሓንቲ ካብ’ተን ቱሪዝማዊ ሰሓብነት ዘለወን ሃገራት ምግባራ’ዩ” ዝበለት ወይዘሮ ኤልሳ፡ ጽላት ቱሪዝም ንኽምዕብልን ንኽዓቢን፡ ሰላምን ርግኣትን፡ ጽሬትን ጽባቐን፡ ታሪኻዊ ህንጻታትን ቅርስታትን ኣገዳስነቶም ልዑል ስለዝኾነ፡ ተመሃሮ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ተላብያ። ተሳተፍቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡

    ቱሪዝም ማዕቢሉ እቲ ዝድለ ውጽኢት ንኽርከብ፡ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ብዝሰፍሐ ክቕጽል ተማሕጺኖም።

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 2

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    [email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

    ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ ምስ ሚ/ሪ ትምህርቲ ብምትሕብባር፡ ብኣጋጣሚ’ቲ ካብ 10 - 11 ግንቦት 2014 ዝካየድ ሃገራዊ መዓልቲ ንባብ፡ 20 ሕቶታት (5 ሕቶታት ኣብ ተኸታተልቲ 4 ሕታማት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ) ክቐርብ ቀንዩ ኣሎ። እንተኾነ ትማሊ ኣብ ቁጽሪ 13 ተሰሪዓ እትርከብ ሕቶ መልሲ ስለዘይብላ፡ መተካእታኣ ቁጽሪ 21 ኣብ ናይ ሎሚ ሕታም ነውጽእ ምህላውና ንሕብር።

    ተወዳደርቲ ከማልኡዎ ዝግባእ፡-ሀ. ናይ መልሲ ወረቐት፡ እቲ ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተዳለወ መበቆላዊ መውሃቢ መልሲ ይኸውን።ለ. ኩሉ መልስታት ኣብ ሓንቲ መመለሲ ወረቐት ተጠርኒፉ ይቐርብ።ሐ. መልሲ፡ ነታ ቅንዕቲ ክቢ ብምጽላም ይወሃብ።መ. ብዝሒ ዕዉታት ካብ 3 ንላዕሊ ምስ ዝኸውን፡ ኣዳለውቲ ውድድር ንዕዉታት ብዕጫ ናይ ምፍላይ መሰል ኣለዎም።ረ. ተወዳደርቲ መልስታቶም ክሳብ ዕለት 13/05/2014 ናብ ኣዳለውቲ ውድድር ይልእኩ። ድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣታዊ ዝኸውን

    መልሲ ተቐባልነት የብሉን።ሰ. ኣስማት ዕዉታት ድሒሩ ኣብ ዝሕተም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ክግለጽ እዩ።ሸ. እቲ ሽልማት፦ ንቐዳማይ ዕዉት 5000 ናቕፋን 5 መጻሕፍትን፡ ንኻልኣይ 4000 ናቕፋን 5 መጻሕፍትን፡ ንሳልሳይ ድማ 3000

    ናቕፋን 5 መጻሕፍትን’ዩ። በ. ተሳተፍቲ ናይ መልሲ ወረቐትኩም ኣብ ሰታሪት ዓሺግኩም፡ እዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ትጽሕፉሉ፡- “ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ውድድር

    ሓፈሻዊ ፍልጠት ብኣጋጣሚ መዓልቲ ንባብ ቁ.ሳ.ቡ 247”ብዘይካዚ ብመገዲ’ቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝርከብ ናይ ኢመይል ኣድራሻ’ውን ንቕበል ኢና። ወይ’ውን ብመገዲ’ቲ ኣብ ታሕቲ

    ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ማሕበር ቤት መጽሓፍትን ሓበሬታን ኤርትራ ክትሰዱዎ ትኽእሉ ኢኹም።

    ራብዓይ ክፋል ሕቶታት

    15. 16. ብዶ/ር ክብርኣብ ፍረ ዘይተደርሰት መጽሓፍ፣ a) ናይ ጥፍኣት ስጉምቲ b) ዳግማይ ፈተነ c) ልኡኻት ሳጥናኤል d) ዘይወዓልክዎ ቅትለት 17. “እንግሊዝ እብ ኖስካ መትመሃር” ዘርእስታ መጽሓፍ ብመን ተደሪሳ? a) ዓብዱሰላም ሰዒድ b) ዩሱፍ እድሪስ መሓመድ ኣሚር c) ተካ ዓብደልጀድ d) ኣሕመድ ሓሰን ኢብራሂም 18. “Against All Odds: A Chronicle of the Eritrean Revolution” ብመን ተደሪሳ? a) ዳን ኮኔል b) ባዚል ደቪድሰን c) መንክር ጸጋይ d) ዶ/ር ኣማረ ተኽለ 19. ሓንቲ ካብዘን ዝስዕባ፡ ናይ ማሕበረ ኮም ቤት ንባብ (ላይብራሪ) ኣይኮነትን፣ a) ደንደን b) ዒታሮ c) ፓቮኒ d) ኣልጌን 20. ደራሲ ናይታ “Hatara Maarbaas Saranaa” ዘርእስታ ብቛንቛ ናራ ኣብ 2002 ዓ/ም ዝተደርሰት መጽሓፍ መን

    ይብሃል? a) ሰዒድ ኣሕመድ ኣልጅናሒ b) ዳዉድ ኣቡሹሽ c) ጣህር ኢብራሂም ፈዳብ d) እድሪስ ሰዒድ

    21. “እቲ ንኢትዮጵያ ድሕሪት ዝመለሳን ኣእላፍ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝቐንጠሰ፡ ዘሳቐየ፡ ዘህደመን ሓመድ ዘብለዐን ደርግ’ውን ከይተረፈ ዊስኪ ምጭላጥን ዝሕላ ምብላዕን ብብዙሕ ጸገም ከምዝለመዶ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ።” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መጽሓፉ ዘስፈረ ደራሲ መን’ዩ?

    a. መምህር ክፍላይ ጸጋይ b ብንያም ሃይለc. መለስ ወ/ስላሰ d ፋኑስ ተስፋይ

    መልስታት መቕረቢ ወረቐት

    ምሉእ ስም ተሳታፊ፡ ______________________________ኣድራሻ፡ ዞባ፡_________________ ን/ዞባ፡_____________ጎደና፡ ___________________ ቁ. ገዛ፡ ______________ቁ. ተለፎን፡ __________________ ቁ. ሳ.ፖ፡ __________

    ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ብምኽንያት ሃገራዊ መዓልቲ ንባብ

    ቁ. ሳ. ፖ. 7409 - ተለ፡ 110312ኣስመራ ኤርትራ

    ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ብምኽንያት ሃገራዊ መዓልቲ ንባብ

    ስፖርታውን ባህላውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 ሚያዝያ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ኣብ ዓሪታይ ተቓኒዑ።ኣብ’ቲ 7 ኣብያተ-ትምህርቲ

    ዝተሳተፍኦ ቅነ፡ በብዓይነቱ ስፖርታዊ ውድድራትን ባህሊ ንጥፈታትን ከምዝቐረበ፡ ሱፐርቫይዘር ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ሃበሮ መምህር ማሕሙድ ዓብደልቓድር ሓቢሩ።መምህር ማሕሙድ ኣስዒቡ፡ እቲ

    ቅነ ናይ ውድድርን ምብልሓትን መንፈስ ዝዓሰሎ ብምንባሩ፡ ተመሃሮ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀለማዊ ትምህርቲ ኣብ ንሓድሕዶም ተመኲሮ ስለዝለዋወጡ ዓቕሞምን ፍልጠቶምን ዘዕቢ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ንጥፈታት ኣብ ተመሃሮ ከይተደረተ ኣብ መንጎ መምህራን’ውን ቅዱስ ውድድር ከምዝዀስኰሰ ኣብሪሁ።

    ስፖርታውን ባህላውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ሃበሮ፡ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተኻዪዱ

    ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዓሊ ዓቤ ብወገኑ፡ እቲ ውድድር ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ከየተሓጽረ ኣብ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን ክካይድ መደብ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብኹሉ መዳዩ ብሉጽ ተመሃራይ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተሳትፎ ኩለን ኣካላት ክዓዝዝ ተላብዩ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ኣቶ ሳልሕ

    ሓጅ ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ቅነ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ብሉጽነት ትምህርቲ ብኹሉ መዳዩ መዐቀኒ ምዕባለ ሃገር ስለዝኾነ፡ ተመሃሮን መምህርን ከይተሓለሉ ብትግሃትን ብዘይተጒላባነትን ክዓዩ ተላብዩ።ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተኻየደ

    ንጥፈታት ንዝተዓወቱ ብልጫታት ተዓዲሉ።

    ነበርቲ ከርካሻ - ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ዝተዋደደሎም ፕሮጀክት ቀረብ ማይ ንዝጸንሖም መሰረታዊ ጸገም ብምፍታሑ ኣብ ሂወቶም ርግኣት ከምዝፈጠረ ገሊጾም።ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡

    መንግስቲ ጠለባት ህዝቢ ንምምላእ በብእዋኑ ዝተፈላለዩ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዘዋደደን የዋድድ ከምዘሎ፡ እዚ ኣብ ማእከል ዓዶም ተዋዲዱ ዘሎ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ድማ ናቱ መቐጸልታ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኣብ መነባብሮኦም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር

    ነበርቲ ከርካሻ ዝተዋደደሎም ፕሮጀክት ቀረብ ማይ ኣብ ሂወቶም ርግኣት

    ከምዝፈጠረሎም ገሊጾምከምዘሎ ሓቢሮም።ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ከርካሽ

    ኣቶ ሉተር ሙሳ ብወገኑ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርካብ ዝጓዓዝዎ ዝነበሩ ነዊሕ ሰዓታት ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከቢድ ጾር ኮይንዎም ምጽንሑ ብምሕባር፡ ፍታሕ ብምርካቡ ግን ግዜኦም ኣብ ካልእ መዓላ ክጥቀሙሉ ክኢሎም ምህላዎም ኣብሪሆም።ንዓድታት ታይከናባ፡ እጉሙን

    ከርካሽን እተጠቓልል ምምሕዳር ከባቢ ከርካሽ፡ ልዕሊ 3700 ነበርቲ ኣለውዋ።

    O O O O21

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 3

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 4ሓዳስ ኤርትራ 22 ለካቲት 2013 - ገጽ 4

    ሳሙኤል ገብረብርሃን

    ኣብ ወጻኢ ሃገር’የ ዝቕመጥ። ብመገዲ ኣብ ዝቕመጠሉ ዘለኹ ዓዲ ዘሎ ኤምባሲ ኣቢለ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ዓደይ ንዝርከብ ገዛይ ከመሓድረለይ፤ ኣድላዪ ኰይኑ እንተደኣ ረኺብዎ’ውን ንክሸይጥን ክልውጥን ዘኽእሎ ስልጣን ውክልና ንሓደ ዘመደይ ሂበዮ። እዚ ጥራይ ከሎ እቲ ዝሃብክዎ ውክልና ስልጣን፡ ወኪለይ ንገዛይ ብመልክዕ ትሕጃ ኣትሒዙ ገንዘብ ተለቂሑ። ሕጂ ክሓቶ ደልየ ዘለኹ፡ ካብ ስልጣኑ ወጻኢ ወኪለይ ብዝፈጸሞ ንብረት ምትሓዝ እቕየድ ድየ? ማለት፡ ንገዛይ ብትሕጃ ከትሕዞ ዝሃብክዎ ስልጣን ስለዘየለ፡ ብዝፈጸሞ እቕየድ ድየ?

    ተኸስተ ኢሳቕማንቸስተር - እንግሊዝ

    ክቡር ሓታቲ፡ ካብ ሕቶኻ ከምዝተረዳእናዮ፡ ኣብ ሞንጎኻን ኣብ መንጎ ዘመድካን ናይ ወካልን ተወካልን ዝምድና ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ተወሳኺ፡ ወኪልካ ንገዛኻ ከምሓድረልካ፤ ኣድላዪ እንተዀይኑ ክሸይጥ፡ ክልውጥን ናብ ሳልሳይ ወገን ንምትሕልላፍ ዘኽእሎን ናይ ውክልና ስልጣን ዝሃብካዮ ምዃንካ ኣከራኻሪ ኣይኰነን። እቲ ኣከራኻሪ ነጥቢ፡ ናይ ወኪልካ ናይ ውክልና ስልጣን ክሳብ ክንደይ’ዩ ዝብል ኰይኑ፡ ናይ ሕቶኻ ቀንዲ ጭብጢ፡ ‘ንወኪልካ፡ ገዛኻ ብትሕጃ ንምትሓዝ ዘኽእሎ ናይ ውክልና ስልጣን ሂብካዮ ዲኻ ኣይሃብካዮን’ ዝብል እዩ። ኣብዚ ብመጀመርታ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ንስኻ ሓታቲ ወኪልካ ንገዛኻ ከመሓድረልካ ሓፈሻዊ ናይ ውክልና ስልጣን ዝሃብካዮ ምዃንካ ርዱእ ኰይኑ፡ እቲ ሰነድ ውክልና፡ ኣብ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 2204 ‘ናይ ምምሕዳር ስራሕ’ ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ተግባራት ክፍጽም ንዘመድካ ስልጣን ዝህቦ እዩ። በዚ መሰረት፡ ሽሕ’ኳ ኣብ ውሽጢ‘ቲ ውክልና ሰነድ ብዝርዝር እንተዘይተገልጹ፡ ‘ገዛይ ከመሓድረለይ’ ዝብል ቃል፡ ወኪልካ ገዛኻ ክሕዝ፤ ከካሪ፤ ክራይ ገንዘብ ከም ዝተቐበለ ቅብሊት

    ወኪለይ ካብ መዝነቱ ወጻኢ ብዝፈጸሞ ንብረት ምትሓዝ እቕየድ ድየ?

    ናይ ምሃብን ካልኦት ምምሕዳራዊ ተግባራትን ክፍጽም ናይ ውክልና ስልጣን ከም ዝሃብካዮ ዘመልክት እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ዝተጠቕሰ ሰነድ ውክልና፡ ወኪል ነቲ ገዛ ንምሻጥ፤ ናይ ምልዋጥን ንሳልሳይ ወገን ናይ ምትሕልላፍን ፍሉይ ናይ ውክልና ስልጣን ዘለዎ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ሰነድ ውክልና፡ ንወኪል ፍሉይ ናይ ውክልና ስልጣን ዝህብ እንተደኣኰይኑ፡ ሕጋዊ ውጽኢቱ፡ ተወሳኺ እቶም ኣብቲ ውክልና ሰነድ ዝተጻሕፉ ተግባራት፡ ኣብ ሰነድ ዝተገለጹ ጉዳያትን ከከም ክብደትን ልምዳዊ ኣሰራራሓን እቲ ጉዳይ፡ ኣብቲ ሰነድ ውክልና ምስ ዝተገልጹ ተመሳሰልትን ኣድለዪትን ካልኦት ተግባራት ናይ ምፍጻም ስልጣን ዘጠቓልል ምዃኑ ናይ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ ቊ. 2206(1) ይድንግግ። ስለዚ፡ ሓታቲ፡

    ብዛዕባ ገዛኻ ንዘመድካ ዝሃብካዮ ፍሉይ ናይ ውክልና ስልጣን፡ ኣብቲ ሰነድ ብግልጺ ዝተመልከቱ ጉዳያትን፡ ኣብቲ ሰነድ ኣይገለጹ’ምበር፡ ኣብ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ ቊ. 2206(1) ዝሽፈኑ ጉዳያትን ናይ ምፍጻም ብቕዓት ከምዘጠቓልል ምርዳእ ይክኣል። ስለዚ፡ ገዛኻ ንምሻጥ፤ ንምልዋጥን ናብ ሳልሳይ ወገን ንምትሕልላፍን ስልጣን ዘለዎ ወኪልካ፡ ነቲ ገዛ ብትሕጃ ናይ ምትሓዝ ስልጣን ኣለዎ ዶ የብሉን? ዝብል ሕቶ፡ ብመንጽር ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ ቊ.2206 (1) ክረአ ዘለዎ ኰይኑ፡ ዋንነት ንብረት ናብ ሳልሳይ ወገን ናይ ምትሕልላፍ ስልጣን ዘለዎ ሰብ፡ ምስዚ ዝመሳሰሉ ተግባራት ናይ ምፍጻም ብቕዓት ከምዘለዎን ብፍሉይ ድማ ነቲ ንብረት ብትሕጃ ንምትሓዝ ዘኽእሎ ስልጣንን ብቕዓትን ከምዘለዎ፡ ‘ንብረት ብምትሓዝ ንዕዳኡ ውሕስነት ክገብር ዝኽእል፡ ነቲ ንብረት ክሸይጥ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ’ዩ’ ካብ ዝብል ኣብ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ ቊ. 3049(2) ተገሊጹ ዘሎ ድንጋጌ ምግንዛብ ይክኣል። በዚ መሰረት፡ ሓታቲ፡ ንወኪልካ ገዛኻ ናይ ምሻጥ፤ ምልዋጥን ናብ ካልእ ሰብ ናይ ምትሕልላፍን ስልጣን ዝሃብካለይ ብምዃንካ፡ ብወገንና ብዝቐረበ ኣተረጓጉማ ናይ ሕጊ መሰረት እዚ ስልጣን’ዚ ንወኪልካ ነቲ ንብረት ብትሕጃ ንምትሓዝ ዘኽእሎ ስልጣንን ብቕዓትን ዘጎናጽፎ እዩ ብምባል ሕጋዊ ምኽርና ንልግሰልካ።

    ኣብ ብሕታዊ ትካለይ ተቘጺሩ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ፡ ንሞያኡ ዘዕቢ ስልጠናን ትምህርትን ክከታተል፡ ምሳይ ብዝገበሮ ውዕል ኣነ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ደሞዝ፤ ናይ ስልጠናን ንመካየዲ ምርምርን ዘድሊ ክኸፍል፡ ሰራሕተኛይ ድማ ትምህርቱ ወዲኡ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ትካለይ ክሰርሕ ምዃኑ ግዴታ ኣትዩ። ኰይኑ ግን፡ ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ትካለይ ክሰርሕ ኣይመረጸን።ከም ውዕልና መሰረት ኣብ ትካለይ

    ክሰርሕ ኣይግደድን ድዩ? እዚ እንተዘይኰይኑ ኸ፡ ንደሞዙን ትምህርቱን ዘውጻእክዎ ክፍሊት ክኸፍለኒ ሕጋዊ ባይታ ኣሎኒ ዶ? ኣብዚ ጉዳይ፡ ሰራሕተኛይ፡ ‘ኣብ ትካልካ ክሰርሕ ኣይግደድን’የ፤ ወ ጻ ኢ ታ ት ካ ክመልሰልካ ድማ ግዴታ ኣይኣተኹን’ ዝብል መርገጺ’ዩ ዘለዎ - እንታይ

    ትብሉኒ። ሓውኹም -

    ስመይ ዓቅቡለይ

    ክቡር ሓታቲ፡ ካብ ሕቶኻ ከምዝተረዳእናዮ፡ ምስ ሰራሕተኛኻ ዝብገበርካዮ ውዕል መሰረት ንስኻ ውዕላዊ ግዴታኻ ድሕሪ ምፍጻምካ፡ ሰራሕተኛኻ ግዴትኡ ብዘይምፍጻሙ ከም ውዕልኩም መሰረት ግዴትኡ ክፍጽም፡ እንተዘይኰይኑ ዝኸፈልካዮ ደሞዝን ናይ ትምህርቲ ወጻኢታትን ክትክኣልካ’ዩ ነጥብኻ። ‘ሰራሕተኛኻ ኣይፈጸሞን’ ዝተባህለ፡ ትምህርቱ ኣብ ዝወደኣሉ ተመሊሱ ኣብ ትካልካ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ግዴታኡ እዩ። ሓታቲ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ቀዳማይ ነጥቢ፡ ሰራሕተኛኻ ኣብ ውዕልኩም ብዝኣተዎ ግዴታ መሰረት ኣብ ውሽጢ ትካልካ ኣገልግሎት ክህብ ምግዳድ እዩ። እንተዀነ፡ ሰራሕተኛኻ ተገዲዱ ኣገልግሎት ከምዝህብ ምግባሩ፡ ናይ ብሕቲ ናጽነቱ ዝትንክፍ ብምዃኑን ከምዚ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ድማ ውዕል ብግዲ ክፍጸም ምግባር ዝተኸልከለ ብምዃኑን፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 1776 ውዕልኩም ብግዲ ክፍጸም ሓታቲ ዘቕረብካዮ ነጥቢ ብወገንና ተቐባልነት ዘለዎ ኰይኑ ኣይረኸብናዮን። ብኣማራጺ ዘቕረብካዮ ነጥቢ ብዝምልከት፡

    ሰራሕተኛኻ ከም ውዕሉ መሰረት ክፍጽም እንተዘይፈቒዱ፡ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ዝኸፈልካዮ ደሞዝን ናይ ትምህርቲ ወጻኢታትን ክትክኣልካ ብሕጊ ይግደድ እንተደኣኴይኑ ኢኻ ሕቶ ኣቕሪብካ። ከም ዝጠቐስካዮ፡ ክልቴኹም ካብ ዝፈጸምክምዎ ውዕል፡ ንስኻ ሰራሕተኛኻ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ደሞዙን ካልኦት ምስ ትምህርቱ ምትሕሓዝ ዘለዎም ወጻኢታትን ንምሽፋን፤ ሰራሕተኛኻ ድማ ትምህርቱ ምስ ወደአ ኣብ ትካልካ ንምግልጋል ግዴታ ምእታዉ ዘከራኽር ኣይኰነን። ሰራሕተኛኻ ትምህርቱ ተማሂሩ ዝወደአ ብምዃኑ፡ ንስኻ ሓታቲ ግዴታኻ ፈጺምካ ኢኻ። ሰራሕተኛኻ ግን ካብኡ ዝድለ ግዴታ ኣይፈጸመን። ተወዓዓሊ ወገን ናይ ውዕሉ ግዴታ ዘይፈጸመ እንተድኣኴይኑ ኸኣ፡ እቲ ሓደ ወገን፡ እቲ ውዕል ብዘይምፍጻሙ

    ምኽንያት ዝወረዶ ጉድኣት እንተደኣሃልዩ ናይ ጉድኣት

    ካሕሳ ክኸፈሎ ክሓትት ከምዝኽእል ካብ መሰጋገሪ ሲቪላዊ

    ሕጊ ኤርትራ ዓ ን ቀ ጽ 1771(2)ን

    1790(1)ን ምርዳእ ይክኣል። ስ ለ ዝ ዀ ነ ፡ ሓታቲ፡ ሰራሕተኛኻ ከም ውዕሉ መሰረት ብዘይምፍጻሙ ክሳራ ክኸፈለካ ክትሓትት ቅኑዕ ኰይኑ ረኺብናዮ ኣሎና። ‘ክሳራ ክኽፈል ይግባእ’ዩ’ እንተደኣተባሂሉ ኸኣ፡ መጠን‘ቲ ክሳራ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ቀጺሉ ክረአ ይግባእ። ተወዓዓሊ ወገን ግዴታ ብዘይምፍጻሙ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ወገን ጉድኣት ዝወረደ ምስዝኸውን፡ መጠን‘ቲ ክሳራ መሰረት ካብ ውዕል ወጻኢ ንዝወርድ ተሓታትነት ዝምልከት ድንጋጌታት ክውሰን ከምዝግባእ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 1790(2) የመልክት። በዚ መሰረት፡ ሓታቲ ክትክሓስ ዝግብኣካ፡ ምስ ዝወረደካ ጉድኣት ተመጣጣኒ ዝዀነ ክሳራ ከምዝዀነ ካብ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 2090(1) ን 2091 ምግንዛብ ይክኣል። ስለዚ፡ ኣብ ሕቶኻ፡ ሰራሕተኛኻ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ ክንደይ ደሞዝ ከምዝኸፈልካ ከምኡ’ውን ምስ ትምህርቱ ምትሕሓዝ ንዘለዎም ጉዳያት ክንደይ ወጻኢታት ከምዘውጻእካ ስለዘይጠቐስካ፡ ብንጹር መጠን ክትክሓሶ ትኽእል ምግላጽ ኣሸጋሪ እዩ። መጠን ክወሃበካ ዝኽእል ካሕሳ ንምውሳን፡ እዞም ነጥብታት’ዚኣቶም ክግለጹን ክረጋገጹን ከኣ ኣገዳሲ ምዃኑ ንጠቅስ።

    ተወዓዓሊ ወገን ከም ውዕሉ መሰረት ክፍጽም ይግደድ ዶ?

    ኣብ ኣመሪካ

    1. ኣላባማ፡- ኣብ ናይ ቅድሚት ጁባ ስረ ጥራይ’ዩ ጀላቶ ክተቐምጥ ዝፍቀድ።

    2. ማይነ፡- ሰባት ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝዛወሩሉ እዋን ላቺኦም (መእሰሪ ጫማኦም) ብግቡእ እንተዘይተኣሲሩ ብሕጊ ይሕተቱ።

    3. ኰሎራዶ፡- ወዲ ተባዕታይ ደቂሳ ንዘላ ጓለነስተይቲ - ዋላ’ውን በዓልቲ ቤቱ ትኹን - ክስዕማ ኣይፍቀደሉን።

    መርበብ ሓበሬታ www.buzzle.com

    ሞቕሽሽ!!

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 5

    ? ገብሩ ክብረኣብ ልያም

    ሄምስዎርዝምሉእስም፡- ልያምሄምስዎርዝዓዲ፡ ኣውስትራልያዝተወልደሉ ዕለት፡- 13 ጥሪ 1990ሞያ፡- ተዋስኣይ

    ኣብ ሜልቦርን ኣውስትራልያ’ዩ ተወሊዱ። ንልዮነየ ዝተባህለ መምህር እንግሊዘኛን ንክረይሄምስዎርዝ ዝተባህለት ሰራሕተኛ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ሳልሳይ ውሉዶም’ዩ። ልያም እቶም ክሪስንሉክ ንዝተባህሉ ዓበይቲ ኣሕዋቱ’ውን ተዋሳእቲ እዮም። ስድራ ልያም ንሱ ወዲ ሸሞንተ

    ዓመት እንከሎ’ያ ናብ ፊሊፕ ኣይስላንድ እተባህለት ንእሽቶ ኣይስላንድ ግዒዛ። ኣብኡ ኸኣ ልያም ዝበዝሕ ግዜኡ ምስ ኣሕዋቱ የሕልፎ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ልያም ኣብ 2009 ምስ ሓው ክሪስ ብምዃን ሞያኡ ንምዕባይ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣምርሐ። ቕድሚ ናብ’ቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተኻረይዎ ገዛ ምግዓዞም ከኣ፡ ኣብ ክፍሊ ኣጋይሽ ናይ ማናጀሩ ንክሪስ ዝኾነ - ዊልያም ዋርድ ተቐሚጡ።ሄምስዎርዝ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ

    ንናይ ምውሳእ ሞያኡ ዘዕቢ ምንጻፍ ኣብ ምጥጣሕ ኣሕለፎ። ኣሰር ዓበይቲ ኣሕዋቱ ብምኽታል ከኣ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቱ ድራማታት ክሳተፍ ጀመረ። ድሕሪ ግዜ ከኣ ወኪል ቆጸረ። ኣብ መበል 16 ዓመቱ ከኣ ቀዳማይ መረጻ ተሳተፈ።ኣብ 2007 ንሞያኡ ኣብ ‘ሆምኣወይ’ን ‘ማክልዮድስዳውተርስ’ ንዝብላ ምርኢታት ከም ጋሻ ተሳታፊ ብምዃን ጀመሮ። ኣብ ሓምለ 8 2007 ከኣ ሄምስዎርዝ ናይታ ሓው ኣቐዲሙ ክዋስኣላ ዝጸንሐ ‘ኔበርስ’ ዘረእስታ ኣውስትራልያዊት ተኸታታሊት ፊልም ስእሊ ጀመረ። እቲ ተላቢስዎ ዝነበረ ጃሽተይልር ዝተባህለ ጠባይ ከኣ ካብ 2007 ክሳብ 2008 ዝደጋገም ግደ ዝነበሮ’ዩ። ኣብታ ምርኢት ጃሽ ሓደ ካብ መዓንጥኡ ንታሕቲ መልመስቲ ዘጋጠሞ ኣትለት ኮይኑ ንሓንቲ ብሪጄት ፓርከር ዝተባህለት ብሓደጋ መኪና ሓደ ጎና ዝለመሰት ገጸ ባህሪ ዝተሓጋገዝ’ዩ። ኣብ 2008 ከኣ ሄምስዎርዝ ኣብ ናይ ህጻናት

    ተኸታታሊት ፊልም ‘ዘ ኤልፋንት ፕሪንሰስ’ ማርከስ ዝተባህለ መሪሕ ተጻዋቲ ጊታር ናይቶም ተጻረርቲ ባንድ ብምዃን ተዋሰአ። ጸኒሑ ኣብ ‘ሳትስፋክሽን’ ዘርእስታ ናይ ተለቬዥን ተኸታታሊት ፊልምን ‘ትርያንግል’ ዘርእስታ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፊልምን ሰሪሑ። ቀጺሉ’ውን ከም ተማሃራይ ‘ኤምኣይ ቲ’ ኮይኑ ንሓጺር ክፋል ኣብ ፊልም ‘ኖዊን’ ዓየየ። ኣብ 2009 ሄምስዎርዝ ዋላ’ኳ ኣብ

    ‘ዘ ኤክስፓን ዳብልስ’ ዘርእስታ ፊልም ከም ተጻራሪ ሲልቨስተር ስታሎን ኮይኑ ክሰርሕ እንተተጽውዐ እቲ ክዋስኦ ዝተሓሰበ ጠባይ ካብ ዝተሓስበ ጽሑፍ ዛንታ (ስክሪፕት) ወጻኢ ስለ ዝጸንሐ ክሰርሕ ኣይክኣለን (ድሒሩ ግን፡ ኣብ ‘ ዘ ኤክስፓን ዳብልስ 2’ ተዋስአ)። ሓዉ፡ ክሪስን ሙቪላይን ኣብ ዘ ኤክስፓን ዳብልስ ከም ዘይሰርሕ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝሃቦ ሓበሬታ ከኣ ዳይረክተር ኬነዝብራን ጋና ንሄምስዎርዝ ደዊሉ ከም መሪሕ ገጸ ባህሪ ኮይኑ ኣብታ ናይ 2011 ፊልም ‘ሶር’ ንኽዋሳእ ናይ ፈተና

    ሕቶ ኣቕረበሉ። ከም ወጽኢቱ’ዩ እምበኣር ሄምስዎርዝ ኣብ መጋቢት 2009 ንናይ ስክሪን ፈተና ናብ ኣመሪካ ዘምርሐ። ዋላ’ኳ ነዚ እጃም ስራሕ ንሓዉ ክሪስ ኣብ ግንቦት እንተ ኣረከቦ ኣብ ተመሳሳሊ ሰሙን ሄምስዎርዝ ንዊል ብላክሊ ተኪኡ ኣብታ ኣብ 2010 ብደዝኒ ዝፈረየት ብኒኮላስ ስፓርክስ ካብ ዝተደረሰት ‘ባይ ዘ ሰይም ነይም’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝተራዕመት ‘ዘ ላስት ሶንግ’ እትብል ድራማዊት-ፊልም ክሰርሕ ዕድል ረኸበ። ሄምስዎርዝ ኣፍቃሪ’ታ ብተዋሳኢትን ድምጻዊትን ማይሊ ሳይረስ ዝተወከለት ጠባይ ኮይኑ ኸኣ ተዋስአ። እቲ ‘ብኒኪፊንክ ዋላ’ኳ

    ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ሰለስተ ሰሙን እንተገበረ ገና ማናጀር ዘይረኸበ ተዋስኣይ’ እናተባህለ ዝግለጽ ዝነበረ ሄምስዎርዝ፡ ቀጺሉ ኣብ’ታ ነሓሰ 16 2009 ዝተዘርግሐት ‘ዌን ኣይ ሉክ ኣት ዩ’ እትብል ቪድዮ ክሊፕ ክሰርሕ ተራእየ።ሄምስዎርዝ ኣብ መስከረም

    2009 ፎክስ ቴል ንዝተባህለ ናይ ኣውስትራልያ ተለቪዥን ማእከል ንምውዕዋዕ ኣብ ናይ ድራር ኣጋጣሚ ተሳተፈ። ኣብ መጋቢት 2010 ዲተይልስ ዝተባህለ መጋዝየን ‘ካብቶም ናይ መጻኢ መራሕቲ ሰብኡት- ኣብ ሆሊውን’ ክብል ተነበየሉ። ድሕሪ ገለ

    እዋን ኣብቲ ወርሒ ከኣ ሄምስዎርዝ ኣብታ ብቻክራስል ተኣልያ ብኢንፈርኖ ኢንተርተይመንት ትፈሪ 3ዲ ፊልም ዝኾነት ‘ኣራብያን ናይትስ’ ኮኾብ ተዋሳኢ ብምዃን ክሰርሕ ዝርርብ ጀመረ። ጸኒሑ ኣብታ ፊልም ክዋሳእ ምዃኑ ርጉጽ ኮነ። ከምኡ’ውን ድሕሪ ምግዳፍ ስራሕ ኮኾብ ‘ትዋይላይት’ ዝኾነ ታይሎር ላውትነር ካብ ዳቪድ ኢልሶን ፋይናንስ ፕሮጀክት ሄምስዎዝ መሪሕ ተራ ሒዙ ኣብ ፊልም

    ‘ኖርዘርንላይትስ’ ክሰረሕ ዕድል ረኸበ። ሄምስዎርዝ ናይቲ ኣብ 2010

    ዝተዋህበ ‘ኒኮሎድያን ኣውስትራልያ ንኪድስ ቾይዝ ኣዋርድስ’ ኣቕራቢ ክኸውን’ውን ዕድል ረኺቡ’ዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ምስ ካልኣይ ቱማይሊ ሰይረስ ሓቢሩ ንሽልማት ‘ዝተፈትወ ስዕመት’ ተዓወትቲ ዀነ።ኣብ 4 ሚያዝያ 2011 ሄምስዎርዝ

    ኣብታ ኣብ 2012 ዝተዘርግሐት ‘ዘ ሃንገርገይምስ’ መሪሕ ተራ ጌልሃውቶርን ሒዙ ከም ዝዋሳእ ብላዮን ጌትስ ተገልጸ። ኣብ ሰነ 2011 ከኣ ምስ ኤሚቲ ጋርደን ንተሬዛ ፓልመርን ብምዃን ኣብ ናይ ኲናት

    ድራማ ዝኾነት ፊልም ‘ላቭ ኤንድ ኦነር’ ዓየየ። ኣብ 2013 ምስ ኤማ ሮበርትስ ብምዃን ኣብ ‘ኢምፓየር ስተይት’ ምስ ኣምበርሀርድ ጋሪ ኦልድ ማን ንሃሪሶን ፎርድን ብምዃን ኣብ ‘ፓራኖያ’ ተዋስአ። እታ ዳሕረወይቲ ኣብ ነሓሰ ዝወጸት ኮይና ዝተሓተ ቦታ ኣብ ቦክስ ኦፊስን ኣሉታዊ ገምጋምን ረኸበት። ሄምስዎርዝ ኣብ ኣብ ‘ፓራኖያ’ ዘርኣዮ ትሑት ብቕዓት ኣወሳስኣ፡ መፍቶ ነቐፍቲ ኮነ። መጽሔት ‘ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ’ከኣ ‘ኣብ እጃሙ ከም ሮቦት’ዩ ተንቀሳቒሱ’ ዝብል መደምደታ ገበረትሉ። ‘ዘ ሆሊዉድ ሪፖርተር’ ግን ‘ተዓዘብቲ ምስኡ ክደናገጹ ኣይክኣሉን’ ብምባል ገሊጻቶ። ኣብ ሕዳር 2013 ኣብ ዝተዘርግሐት መቐጸልታ ናይታ ቀዳመይቲ ‘ሃንገር ገይምስ’ ኣብ ዝኾነት ‘ሃንገር ገይምስ - ካቺን ፋየር’ ግን ንጌል ሃውቶርን ዝበሃል ገጸ ባህሪ መሊሱ ኣብሊጹ ክላበሶ ተራእየ።ኣብ 11 ሰነ 2012 ኣብ ሎስኣንጀለስ

    ዝመደበሩ ዘይረባሒ (non profitable) ጉጅለ ‘ኣውስትራልያ ኢን ፊልምስ’ ሄምስዎርዝ ኣብቲ ኣብ ሰነ 27 ናይ ተመሳሳሊ ዓመት ዝካየድ ዓቢ ናይ እትዋት ናይ ድራር ኣጋጣሚ ናይ ክብሪ ዕዱም ምዃኑ ገለጸ። ኣብ’ቲ ኣብ ኢንተርኮንቲነታል ሆቴል ናይ ሰንችሪ ሲቲ ዝተኻይደ ብዕድመ ጥራይ ዝእቶ እንግዶት’ውን ምስ ናይ ሽዑ ሕጽይቱ ማይሊ ሰይረስ ብምዃን ተሳተፈ። እቲ ኣጋጣሚ ክልተኦም ሓቢሮም ንመጀመርያ ግዜ ናብ ህዝቢ ዝቐረቡሉ ኣጋጣሚ’ውን እዩ ነይሩ።ሄምስዎርዝ ኣብ 2010 ኣብ ‘ዘ

    ላስት ሶንግ’ ዘርኣዮ ብቕዓት ኣወሳሰኣ ን‘ቲን ቾይዝ ኣዋርድስ ብሬክ ኣውት’ ‘ቲን ቾይዝ ኣዋርድስ ቤስት ሊፕሎክ’ ምስ ማይሊ ሳይረስ ብምዃን ‘ቲን ቾይዝ ኣዋርድስ ቤስት ሙቪ ድራማ’ ‘ቲን ቾይዝ ኣዋርድስ ቤስት ሙቪ ኬምስትሪ’ ክሕጸ እንከሎ፡ ተዓዋቲ ‘ያንግ ሆሊዉን ብሬክ ስሩ ኦፍ ዘ ይር’ ‘ኒኮሎድያን ኣውስትራልያ ኪድስ ቾይዝ ኣዋርድስ ፌቭረትኪስ’ ‘ቲን ቾይዝ ኣዋርድስ መይል ብሬክ ኣውት’ ከኣ ኮይኑ።ኣብ 27 ሰነ 2012 ‘ብሬክ

    ስሩ ኣዋርድ ፎር ኢንተርናሽናል

    ማሕበራዊ ህይወትኣብ 2009 ኣብ ምስኣል ፊልም

    ‘ዘ ላስት ሶንግ’ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ምስ ተዋሳኢትን ድምጻዊትን ማይሊ ሳይረስ ኣብ ፍቕሪ ወደቐ። ድሕሪ ዝፈርስን ዝህነጽን ናይ 3 ዓመት ፍቕራዊ ህይወት ከኣ ኣብ ሰነ 2012 ከም ዝተሓጸዩ ብወግዒ ኣፍለጡ። ክሳዕ ኣብ መስከረም 2013 ዝፈላለዩ’ውን ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብሓባር ክነብሩ ጸኒሖም።ሄምስዎርዝ ኣምባሳደር ናይቲ

    ‘ኣውስትራልያን ቻይልድ ሁድ’ ዝተባህለ ናይ ምትሕግጋዝ ጉጅለ’ዩ። ንሱ፡ ምስ’ቲ ጉጅለ ንዘለዎ ምትሕሓዝ

    ኣመልኪቱ እንክዛረብ ‘ወለደይ እቶም ዝበለጹ ክህልዉኻ እትደልዮም ወለዲ’ዮም። ንዕስራ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ምክልኻል ቈልዑ ሰሪሖም፡ ንዓይ ከኣ ምትብባዕን ሓገዝን ሂቦምኒ”

    ሳክሰስ’ ምስ ‘ኣውስትራልያን ኢን ፊልም’ ሓቢሩ ተቐበለ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ሄምስዎርዝ በቲ ኣብ ‘ሃንገር ገይምስ’ ዘርኣዮ ግሩም ጥበብ ኣወሳስኣ ን‘ፒፕልስ ቾይዝ ኣዋርድስ ኬምስትሪ’ ምስ ጀኒፈር ላውረንስ ንጃሽ ሃቸርሰንን ብምዃን ተዓዊትሉ። ከምኡ’ውን ‘ቲን ቾይዝ ሲን ስቲለር፡ መይል’ ‘ኤም ቲቪ ሙቪ ኣዋርድ ፎር ቤስት ብሬክ ስሩ ፐርፎርማንስ’ ‘ኤም ቲቪ ሙቪ ኣዋርድስ ፎር ቤስት ካስት’ ‘ቲን ቾይዝ ኣዋርድ ፎር ቾይዝ ሆቲ መይል’ ተሓጽዩ ምንባሩ ይፍለጥ።

    ሜሪ መሓሪ

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተል

    ሄም ታደሰ

    ምልክታኣነ ብርሃና ገብረእግዚኣብሄር መሓሪ ዝተብሃልኩ ኣብ ናቕፋ ኮርፖሬሽን ቁ.1265

    ሰርቲፊኬት ስለዝጠፍኣኒ፡ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ብቁ.ቴሌፎን 07125267 ክሕብረኒ። እንተዘይኮይኑ መተካእታ ክወሃበኒ ንዝምልከቶ ናቕፋ ኮርፖሬሽን ክሓትት ምዃነይ የፍልጥ።

    ብርሃና ገብረእግዚኣብሄር መሓሪ

    ምልክታ ጨረታምምሕዳር ከተማ ከረን ዝተፈላለዩ መሳርሒ ጽሕፈት፡ ቀለማት ፕሪንተር፡ ፎቶ ኮፒ፡ ናውቲ ጽሬትን ናውቲ ህንጻን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ

    ግዱሳት ተጫረቲ ይዕድም። ተጫረቲ ክፈልጥዎን ከማልኡዎን ዘለዎም ነገራት፦

    1. ተጫረትቲ ናይ 2013 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ክቐርቡ ይግባእ።2. ተጫረትቲ ካብ ዝድለ ንብረት ንብምሉኡ ወይ ብኸፊል ብምቕራብ ክዋዳደሩ ይኽእሉ።3. ተጫረትቲ ዝርዝር ዘይምለስ 100 ናቕፋ ብምኽፋል ካብ ኣሃዱ ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ይወስዱ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ቴሌ 401023 ሓ/ኣገልግሎት

    ተወክሱና።4. ተጫረትቲ ንመኽበሪ ጨረታ ዝኸውን 2% ናይ’ቲ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ ብC.P.O ቸክ ዝምለስ የትሕዙ።5. ተጫረትቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ን30 መዓልታት ኣይቅይርን።6. ንቀለማትን ፕሪንተርን ፎቶ ኮፔርን ናይ 1 ዓመት ውሕስነት ዝህቡ።7. ጨረታ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲ ጥራይ ክፉት ይኸውን።8. ንጽባሒቱ ሰዓት 9፡00 ቅ/ቀትሪ ንተጫረትቲ ክፉት ብዝኾነ ኣገባብ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ቤ/ጽ ጨ/ምም/ፋይናንስ ምም/

    ከተማ ከረን ይኽፈት።9. ምም/ከተማ ከረን ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ ኣይግደድን።

    ተደጊሙ ዝወጸ ምልክታ ጨረታምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ቤት ጊዮርጊስ ንዘለዉ እንስሳታት ዝኸውን ቀለብ ኣሕምልቲ ኣብ እዋኑ ብጽሩይ መትሓዚ ካሴታ

    ንዓመት መዓልታዊ ዘቕርቡ፡ ግቡእ ዝተሓደሰ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረትቲ ይዕድም። ካሮት 7 ኪሎ ዝኲኒ 5 ኪሎ ካውሎ 6 ኪሎ ሰላጣ 8 ኪሎ ሽኮርያ 4 ኪሎ- ኣብ ቤት ገርግሽ ባዕሎም ዘብጽሑ።- ዘድሊ ሓበሬታ ካብ ኣሃዱ ዕድጊ ክፍሊ ቁ.39 ክረክብ ይኽእል።- ተጫረትቲ ኣቐዲሞም መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብቸክ ወይ ሲፒኦ የትሕዙ።- ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ን10 መዓልቲ ስራሕ ክፉት ኮይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ስራሕ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ

    ይኽፈት።ምምሕዳር ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ጨረታ ብምሉኡ ወይ ብኽፋሉ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

    ምምሕዳር ዞባ ማእከል

    ዞባ ማእከል ኣስመራ

    ኣቤሰሎም ወንድሙ እስማሽዋ ምባል ተሪፉ፡ ኣቤሰሎም ወንድሙ ይስማሽዋ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡

    ን30/4/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ኣዳነሽ ዑቕባዝጊ

    ሃብቶምን ተኸሰስቲ ወረስቲ ስዉእ ተመስገን ዘርእዝጊ 1.ዊንታ ተመስገን ሞግዚት ሰሚራ የማነ 2.ኣቶ ማቴዎስ ዘርእዝጊ ዘሎ ናይ ውዕል ጉዳይ ተኸሳሲት ቁ.1 ዊንታ ተመስገን ተጸዊዓ ን30/4/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ትቕረብ። እንተዘይቀሪባ ኣብ ዘየለወትሉ ጉዳይ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

    መሸጣ ብሽክለታ ካብ ትካል “ዶሪስ”ዓቢ ምጉዳል ዋጋ

    ስርሓት ዓዲ ጥልያን ዝኾና ብሽክለታታት ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኣጋጣሚ ብምግባር ትካልና ዶሪስ “DORIS” መሸጥን መጸገንን ብሽክለታ፡ ኣድራሻና ከባቢ ማይ ኣባሻውል ጥቓ እንዳ ሚኒባስ ጎደና ዓዲ ሽሩም ቁጽሪ ገዛ 17 ብፍርቂ ዋጋ ብካሽ ዝኽፈል ካብ ዕለት 1 ግንቦት ክሳብ 24 ግንቦት ዝጸንሕ ቀሪብና ስለዘለና ደለይቲ ክውከሱና ጆባእ ንብል። ተወሳኺ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07143009 ክትውከሱና ንሕብር።

    1. መሸጣ ብሽክለታ “GRACE” ዋጋ 14,000.00 ዝነበረ ብ7,000.002. መሸጣ ብሽክለታ “YUBO” ዋጋ 10,000.00 ዝነበረ ን5,000.00

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 7

    ብሞት ኣዚና ነፍቅራ ጓልናን ሓፍትናን ወ/ሮ ኣይዳ ኣፈወርቂ ተስፋሚካኤል ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ እዋን ሕማማ ኣብ ገዛን ሆስፒታልን ተመላሊስኩም ዝበጻሕኩማ ምስ ዓረፈት ክሳብ ዓዲ ሓሬን ዘቃበርኩምና ገዛ ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና ንብል።

    ወለዳ ኣቶ ኣፍወርቂ ተስፋሚካኤልምስ በዓልቲ ቤተይ ሲስተር ኣምለሰት ኣርኣያ

    ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብምኽንያት ሞት ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኣስገዶም በዛብህ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ዓዲ ላዕላይ ሓጺና ንኡስ ዞባ ዓረዛ መልቀስ ዝኸድኩም፡ ኣብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና፡ ፈተውትን ቤተሰብን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓል ቤታ ኣቶ ሃብተ መብራህቱን ደቁንምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና ነፍቅሮ ኣቦና ኣቶ የማነ ሃብተሚካኤል ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ስጋብ ደቂ ሸሓይ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ከምኡ’ውን ገዛና ብምምልላስን ቴሌፎን ብምድዋልን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሓረጉ ምስግና ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና ነፍቅሮ ኣቦናን ሓውናን ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ቀሺ በርሀ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ጀዛን ንሬሳ ምስዳድ ስራሕኩም ኣብኲርኩም ላዕልን ታሕትን ዝበልኩም ፈተውቱን የዕሩኽቱን ክሳብ ደቀምሓረ ሃዳሙ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስ ከምኡ’ውን ካብ ወጻእን ውሽጥን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ኤልሳ ኣብርሃ ተኸስተ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ኣብ ገዛ ኮነ ሆስፒታል ዝበጻሕኩም፡ ኣብ ዓዲ ንፋስ (ዞባ ማእከል) ዘቃበርኩምና፡ ኣብ ገዛ ብምምልላስን ካብ ወጻኢ ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ኩሉኹም ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ዓጺና ኣሎና።

    በዓል ቤታ ኢንጅ. ሳሙኤል ተኽለሚካኤልምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሃንደበታዊ ሞት ጓልናን ሓፍትናን ኣዜብ ገብረስላሴ (ጓል መንደፈራ) ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ኣብ ሆስፒታል ዝተመላለስኩምን ምስ ዓረፈት ክሳብ መንደፈራ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ዘቃበርኩምናን ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ስድራቤታን መሓዙትን

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራን እነኽብራን ኣደና ወ/ሮ መብራት ወልደጽዮን ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ዝተመላለስኩም ምስ ዓረፈት’ውን ቤት ጊዮርጊስ ኣርባዕተ ኣስመራ ዘቃበርኩምናን ናብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራቤት ነፍ/ኣለም ዮውሃንስ

    ብሞት ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ብርነሽ ገ/ትምሳኤ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ድሕሪ ዕረፍታ ሬሳ ካብ ኣሜሪካ ኣብ ምልኣኽ ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበርኩም ቤተሰብን ፈተውትን ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ በራኽ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ዘተሓዘንኩምናን ካብ ወጻኢ ሃገር ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ብልቢ ነመስግን።

    በዓል ቤታ ኣቶ ሰለሞን ወልዱምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና እንፈትዋክብርቲ ኣደና መምህር ኢቴማር መብራህቱ ባህታ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዝተሓዘንኩምናን ዝደበስኩምናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ብሓፈሻ ኩሉኹም ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልዑል ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓል ቤተን ነፍ/ደበሳይ ተ/ጋብርምስ ደቀን ምሕረትኣብ ደበሳይ፡ ደጎል ደበሳይ፡ ትዕግስቲ በየነ

    ምስ ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሞት ክብርቲ ሓፍተይ ወ/ት ተኽኣ ገብረትንሳኤ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ሕክምናን ገዛን ብኣካል ብምብጻሕን ካብ ውሽጥን ደገን ብቴሌፎን ብምድዋልን ክሳብ ዓዲ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ዘጸናናዕኩምናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ጸሃይቱ ገብረትንሳኤምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብድንገታዊ ሞት ኣዚና እነፍቅሮ ወድናን ሓውናን ኣባል 26 ዙርያ መንእሰይ ሚኪኤለ ከበደ ገዘሀይ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ዓዲ ሽብጢ ን/ዞባ መንደፈራ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ካብ ወጻእን ብቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ንገልጽ።

    ወለዱ መም/ከበደ ገዘሀይን ወ/ሮ ጽገሃና ወ/ሚካኤልንምስ ደቆምን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሃንደበታዊ ሞት ዘፍቅሮ በዓል ቤተይ ኣቶ ሙሉጌታ ሰረቐን ሓሙተይ ኣቶ ኣስገዶም ሰረቐን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ሬሳ ኣብ ምምጻእ ዝተሓባበርኩምና ኤምባሲ ኤርትራን ተቐማጦን ጅዳ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ዘቃበርኩምናን ፈተውትን ቤተሰብን እናመስገና፡ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ዘውዲ ረዳእ፡ ሓዎም ኣቶ ኪሮስ ሰረቐ፡ ሜሪ ፋንታሁን ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብምኽንያት ሞት ኣዚና ነፍቅራ ክብርቲ ወላዲትና ወ/ሮ ተበርህ ተስፋስላሰ ኣውዓሎም ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ዕረፍታ ኣብ በለዛ ብምኻድ ዘቃበርኩምና፡ ብኣካል ኣብ ገዛና ዝተመላለስኩምን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ደቃ ወ/ሮ ኣበባ ኣያሌው፡ ወ/ሮ ታረቀሽ ኣያሌውምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ኣደና ክብርቲ ኣስመረት ገብረስላሴ ዑቕቡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ቤት ገርግሽ ዘቃበርኩምና ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ገዛና እናተመላለስኩም ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ደቀን ነፍ/ኣፈወርቂ ወልደዝጊ፡ ፍቓዱ ወልደዝጊምሉኣት ስድራቤት

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 8

    ዓንዶም ጸጋይ

    “ገዛውቲ ሃቢታት 67” ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ኲቤክ - ካናዳ ዝርከብ ቦታ፡ ብፍሉይ ዝተነድቁ ገዛውቲ ዝጥርንፍ’ዩ። እዚ ፍሉይ ምህንድስናዊ ጥበብ ዝፈሰሰሉ ስራሕ ብዝሒ ዘለዎ ኣፓርታማታት ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ሓደ ኣብ ርእሲ ሓደ ተንጠልጢሉ ድማ ይረአ። ኣብ 1967 ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኣንገደ ዓለማዊ ምርኢት ደቂ ሰብን ደረጃ መነባብሮን ንዝቐረበ ጠለብ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሃንደሰ ህንጻ ኮምፕሌክስ ሃቢታት 67” ናይ ገዛ ሽግር ተቐማጦ ኲቤክ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ኮይኑ፡ ግዳማዊ ምስሉን ቅርጻዊ ስርሓቱን ብዓለም ደረጃ ልዑል ኣድናቖት ካብ ዘትረፉ ህንጻታት ሓደ’ዩ።

    ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝውቱራት ካብ ዝኾኑ ፈሰስቲ ሓደ ሻሂ’ዩ። ሻሂ ካብ ገረብ ብዝርከብ ቆጽሊ ዝስራሕ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድማ ይበቁል። ኣብ ቻይና ኣብ ዉዪሳን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካብ ዝበቑል ዳ ሆንግ ፓኦ ዝበሃል ገረብ ዝስራሕ ሻሂ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ሻሂ ብምዃን ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ሰፊሩ ይርከብ። ሻሂ ዳ ሆንግ ፓኦ (ትርጉሙ እቲ ቀይሕ ካባ) ዛጊት ብኽብሪ ዋጋኡ መወዳድርቲ ዘይረኸበ ኮይኑ ንሓንቲ ኪሎ ግራም ቀጠፍ ዳ ሆንግ ፓኦ ንምግዛእ ክሳብ

    ሕጉስ ክትከውን ትደሊ ዶ

    - ወትሩ ምጭናቕ ገዲፍካ፡ ሓጎስ ምረጽ

    ኩሉ ግዜ ኣእምሮኻ ኣብ ዘጨንቑኻ ነገራት ምስ እትጸምድ ሓጎስ ክትረክብ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ስለዚ ንኣእምሮኻ ከየጨነቕካ ሓጎስ ብምሃብ ንሽግራትካ ክትፈትሕ ይከኣል’ዩ።

    - ምስጋና ኣማዕብል

    ንዝግበረልካ ነገራትን ሓለፋታትን ጥራሕ ዘይኮነ ንዘለካ ነገራት ወትሩ ኣመስግን። ብዘለካ እዋናዊ ትሕዝቶ’ውን ተመስገን ብምባል ኣማዕብል።

    - ይቕረ ምባል ኣዘውትር

    ይቕረ ምባል ናይ ድኽመት ምልክት ዘይኮን፡ ናይ መንገዲ ዓወት እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ’ዩ’ሞ ይቕረ ምባልን ይቕሬታ ምቕባልን ኣዘውትር።

    - ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ኣወግድ

    ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እቲ ቀዳማይን ቀንዲን ዕንቅፋት ምዕባለ እዩ። ብተመሳሳሊ ስምዒታትካ ወትሩ እወታውን ካብ ኣሉታዊ ወገን ዝወጸን ምስ ዝኸውን ትፍጽሞ ንጥፈታት ምስትውዓልካ ኣይጎድልን።

    - ገንዘብ ሓጎስ ክገዝእ ከምዘይክእል ዘክር

    ብዙሓት ሰባት ሓጎስ ብገንዘብ ዝርከብ ይመስለና። እዚ ግን ሓቅነት የብሉን፡ ልክዕ’ዩ ገንዘብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እኳ እንተኾነ ንሓጎስ ክገዝእ ግን ኣይክእልን’ዩ’ሞ ብገንዘብ ኣይትገዛእ።

    - ምሕዝነትን ሕዉስ ባህርያትን ኣማዕብል

    ምስ ሰባት ምሕዝነት ምፍጣርን ሕውስ ምዃንን ብዙሕ ብልጫታት ኣለዎ። መኻፍልቲ ሽግርካ ዝኾነካ ዓርኪ ወይ መሓዛ ምውናንን ብሰባት ተደላዪ ምዃንን ናቱ ዝኾነ ሓጎስ ስለዘለዎ።

    - ግዜኻ ትርጉም ዘለዎምን ቅኑዕ መንገዲ ኣብ ዝእንፍቱን ነገራት ኣሕልፍ

    ግዜ ወርቂ’ዩ፡ ግዜ ኣይጽበየካን’ዩ። እዚኦም ህይወትና ኣብ ዘለና ግዜ ብእንገብሮም ነገራት ትምራሕ ምዃና ዝሕብሩ ቃላት’ዮም። ኣብ ግዜኻ ዝዘራእካዮ ስለእትዓጽድ ንግዜኻ ኣብ ብሉጽን ጠቓሚ ኣብ ዝኾነን ንጥፈታት ኣወፍዮ።

    ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዮሚንግ፡ ኣመሪካ ይርከብ። “እምባ ሸይጣውንቲ” ተባሂሉ ዝጽዋዓሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ መንፈሳዊ ሓይሊ ከምዘለዎ ስለዝእመነሉ ኮይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ ናይ መጀመርታ ሓወልቲ ብምዃን ክብሪ ዝሓዘ እዩ። ሓወልቲ ሸይጣንውንቲ (ደቪልስ ታወር) ኣብ 1906 ዝተሃንጸ ኮይኑ፡ ካብ ደረቕ እምኒ ዝተሰርሐ እዩ። ነዚ ሓወልቲ ኣዝዩ ግኑንን ተፈታውን ካብ ዝገብርዎም ነገራት ሓደ ንመሰረት ደቀባት ኣመሪካውያን ዝሕብር ታሪኽ ዝሰነደ ኣፈታሪኽ ዝውንን ብምዃኑ’ዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እምባ መሰረት ቀዳሞት ኣመሪካውያን ኣብ ከተማታት

    ኣብ ሃገራት ኤስያ ብፍላይ ድማ ኣብ ቻይናን ጃፓንን ግኑን ተፈታውነት ካብ ዘለዎም ዓይነታት ስፖርት ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ካራተን ጁዶን እዮም። ካራተ ዝብል

    ቃል “ኢድ ኣልቦ” ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብዘይ ዝኾነ መሳርሕን ብዘይ ኢድን ዝፍጸም ናይ ቅልስ ተግባራት ዘጠቓለለ ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣብ ቻይና ከምዝተጀመረ ዝንገረሉ ካራተ ኣብ ጃፓን ዝማዕበለ

    ዘገርሙ ሕቶታትን መልስታትን

    - ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሕብሩ ቀይሕ ስለዝኾነ ድዩ ቀይሕ ባሕሪ ተባሂሉ?• ቀይሕ ባሕሪ ዝተባህለሉ ቀንዲ

    ምኽንያት ኣብ ውሽጢ’ቲ ባሕሪ ብዝርከቡ ቀይሕ ዝሕብሮም ሰበባ’ዩ።- ስለምንታይ ኣብ ግዜ ዛሕሊ

    ኣካላትና የንቀጥቅጥ?• እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት

    ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝርከቡ ደቀቕቲ ኣካላት ንነብስና ሙቐት ንምሃብ ስለዝንቀሳቐሱ’ዩ።- ሰማይ ስለምንታይ ሰማያዊ ሕብሪ

    ዝውንን?• ሰማይ ሰማያዊ ሕብሪ ኣይኮነን

    ዝውንን፡ ሰማይ ሕብሪ ኣልቦ ኮይኑ፡ ሰማያዊ ኮይኑ ዝረኣየና ምኽንያት ድማ ኣብ ጩራ ጸሓይ ንምድሪ ኣብ ዝወቕዓሉ ሰዓት ካብ ኩሎም ሕብርታት ሰማያዊ ሕብሪ ዝያዳ ስለዝበታተን፡ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከብ ሰማይ ናቱ ሕብሪ ክውክል የገድዶ።

    መንፈሳዊ ሓይሊ “ዝውንን” እምባ

    ክሮው፡ ላኮታ፡ ጸይናንን ብላክፊትን ከምዝኾነ ዝሕብር ሰነድ ይርከብ። ልዕሊ 390 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ እምባ ሸይጣውንቲ ኣብ 0.6 ሄክታር ዝዓቐኑ ቦታ ተደኲኑ ይርከብ።

    ህንጻ ሃቢታት

    ፊጂ

    ኣብዚ እዋን’ዚ ስማ ናብ ሪፓብሊካዊት ፊጂ ዝቐየረት ደሴት ፊጂ

    ካብ ኣውስትራልያ ንሸነኽ ምብራቕ ትርከብ ኣብ

    ኣህጉር ኦሻንያ ዝተደኮነት ልኡላዊት ንኡስ ሃገር ደሴት እያ። ናይ ባሕሪ እንስሳታትን ህዱእ ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየርን እትውንን ደሴት ፊጂ ኣስታት 200 ንኡሳን ደሴታት ኣብ ትሕቲኣ ተማሓድር። ደሴት ፊጂ ብዘይካዚ እትውንኖ ቦታ’ውን

    ስትራተጂያዊ ብምዃኑ ተወሳኺ ብልጫኣ’ዩ።

    ናይ ዓለምና ዝኸበረ ሻሂ10 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ወጻኢ ይሓትት። ኣብ ዘመነ ስርዓተ ማይንግ (1930ታት) ከም ዝዓበየ መድሃኒት ዝተፈላለዩ ሕማማት ዘገልግል ከምዝነበረ ዝዝንቶ ኮይኑ፡ ብዙሕ ሕማማት ኣብ ምፍዋስ ልዑል ተራ ዘለዎ ብምዃኑ “ጅግና ሻሂ” ዝብል ቅጽል ስም ዝተላበሰ’ዩ።ብክብሪ ዋጋኡ መዘና ዘይብሉ

    ሻሂ ዳ ሆንግ (ሻሂ ቀይሕ ካባ) ኣብ ቻይናን ካልኦት ዝማዕበላ ሃገራትን ከም መቐበሊ ክቡራት ኣጋይሽ ብምዃን ዘገልግል ክቡር ሻሂ ኢዩ።

    ካራተን ጁዶንኮይኑ፡ ናይ መጀመርታ ናይ ካራተ ቤትትምህርቲ ድማ ኣብ 1924 ከምዝተመስረተ ይንገር።ጁዶ ልክዕ ከም ካራተ ናቱ ፍሉይ

    ኣገባብ ዝኽተል ቅልስ ዝዓይነቱ

    ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ዘይከም ካራተ ምድፍፋእ ኮነ ምቕላዕ ክልኩል እዩ። ጁዶ ኣብ ጥንታዊ ዘመነ ቻይና ብዝነበሩ ፈለስቲ እምነት ቡድሃ ከምዝተጀመረ ኣፈ ታሪኽ የዘንቱ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 9

    ምጽላል ፍስሃየ

    ብቑዕ ዕርክነት ንኽትምስርቲ፣ ብቕዕቲ ሰብ ክትኮኒ የድልየኪ። ናይ ሓደ ብቑዕ ሰብ መለክዒ ዝኾነ ሓደ ዘይለዋወጥ ባህሪ (ጠባይ) ተጠንቂቕክን ኣስተውዒልክን መስርቲ። ርግእ ኢልኪ ልስሉስ ቃላት፣ ከምኡ’ውን እትህብዮ ሓሳባትን ስምዒትክን ብቕኑዕ ( ብጽቡቕ) ክትገልጺ ምኽኣልኪ ጽቡቕ’ዩ። ወናኒት ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተውህቦን ሃብትን ካብ ምዃን ድሕር ኣይትበሊ። ሰባት ብዛዕባኺ ዝዛረብሉ

    ጽቡቕ ስነ ምግባር ይሃልኺ። እዚ

    ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ከላ “ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ትፈትዊ ወይ ይብርሃኪ?” ኢሉ ንዝሓተታ ሰብ፡ “ኬሚስትሪ” ብምባል’ያ ትምልስ ነይራ። ትምህርታ ዛዚማ ምስ ኬሚስትሪ ኣብ ዝተሓሓዝ ስራሕ ክትሳተፍ ድማ ኩቱር ባህጊ ነይርዋ። ባህጋ ሰሚሩላ ድማ ኣብቲ እትደልዮን እተፍቅሮን ሞያ ትሰርሕ ኣላ። ኑር ዓይኒ ስዒድ ኑር ትበሃል፡

    ኣብ ከረን’ያ ተወሊዳ ዓብያ። ተመሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብመንፍዓታ ትሽለም ከም ዝነበረት’ዩ ዝፍለጥ። ካብ 1 - 8 ክፍሊ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ደረጃ፡ ካብ 8 ክሳብ 11 ክፍሊ ከኣ 1ይ ደረጃ ብምውጻእ ጉዕዞ ትምህርታ ብዓወት’ያ ዛዚማቶ። ናይ 12 ክፍሊ ትምህርታ ንምቕጻልን ጉቡእ ታዕሊም ንምውሳድን ኣብ መበል 19 ዙርያ ናብ ሳዋ ምስ ወረደት ከኣ ንኢንስቲቱት ቴክኖሎጂ ማይ ነፍሒ ዘእቱ ናይ ዲግሪ ነጥቢ’ያ ረኺባ። ንኣስታት 4 ዓመት ኣብ ማይ ነፍሒ ናይ ኬሚስትሪ ትምህርታ ተኸታቲላ ድማ ተመሪቓ።

    ማለት ኣብ ህይወትኪ ንጽቡቕኪ ዘንጸባርቕ ኣብ ከባቢኺ ዝርከቡ ሰባት ዝምስክሩሉ፣ መለለይኺ ዝኾነ ስነምግባር ክህልወኪ ዝክኣለኪ ግበሪ። ደቂ ተባዕትዮ ግዳማዊ ጥራይ ዘይኮነ ውሽጣዊ ተፈጥሮኺ ከይተረፈ ክግምግሙኺ ስለዝኽእሉ፣ ነቲ ናይ ውሽጣዊ መገምግሚኺ ዝኾነ ግዳማዊ ኣቀራርባኺ ኣምሰሉ ከይከውን ኣዚኺ ተጠንቀቒ።ብዛዕባ ነብስኺ፣ ዕለታዊ

    መነባብሮኺ ካብ ምዕላል ተቖጢብኪ፣ ብዛዕባ ሓሳባትን

    ኣተሓሳስባን ክትዛረቢ ምስ እትመርጺ፣ ደቂ ሰባት ብልቦናኺ፡ ብኽእለትክን ብስለትክን ከድንቑኽን ክፈልጡኽን ይኽእሉ።ከም ጓለንስተይቲ “ወረጃ”

    ደኣ’ምበር፣ በሰሮ፣ ቀናእ፣ ፈታዊት ነብሳ ከይትበሃልን ከይትኹነንን፣ ነውሪ ዝኾኑ፣ ከም ኣብ ቅድሚ ሰብ፣ ዓኽ ኢልካ ጡፍ ምባል፣ መወጽ ምዝውታር፣ ፊጥ ምባል ከም ልምዲ ክትሕዝዮም ኣይግባእን።ንስራሕን ትምህርቲን

    ከምኡ’ውን ናብራኺ ንምምሕያን ተዓጠቒ’ምበር፣ ንወረን ተባህለን

    ግዜ ኣይትሃብዮ። ናይ ዝኾነ ሰብ ሕቶ ብኽፉእ ነገር ኣይትተርጉምዮ። እዚ ድማ “ክለኽፈኒ ወይ ምእንቲ ክዛረቦ ደልዩ’ዩ” ኢልኪ ባዕላዊ ግምት ጌርኪ ብኽፍኣት ኣይትመልስሉ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዘይፈልጦ ነገር ምሕታቱ ነውሪ ስለዘይኮነ።ሕፍረትን ፍርሕን፣ ቀልዓለም

    ምግባርን ዝኣመሰሉ ባህርሪ እንተለውኺ፣ ብሓደ መዓልቲ ዘይኮነስ ቀስ ኢልኪ ክትቅይርዮም ፈትኒ። ደቂ ተባትዮ፣ ክቐርቡኺ ጥራሕ

    ኣይትጸበይ፤ ባዕልኺ ክትቀርብዮም ወይ ከም ዝቐርቡኺ ንምግባር ናትኪ ብልሓት ፍጠሪ። ኣወዳት ቁምነገርኪ፣ ካልእ ጽቡቕ ነገራት ደልዮም ክቐርቡኺ ስለዝኽእሉ ብፍሕሽው ገጽ ቅረብዮም። ሕቶታቶም ብቕንዕናን ብትሕትናን መልስሎም። ብሓፈሻ፣ በቶም ዝቐርቡኺ ደቂ ተባዕትዮ፣ ብሰባት ከኣ ብሓፈሻ፣ ተፈታዊት ንኽትኮኒ እወታዊ ባህሪ ከም ልምዲ ኣዘውትሪ። ሓዳር ምስ ገበርኪ ድማ ጻማ ክትረኽብሎም ኢኺ።

    እወታዊ ባህሪ ኣዘውትሪ

    ኑር ዓይኒ - ባህጋ ብጻዕራ ክውን ዝገበረት ዜጋ

    ሙተመይ

    ኤርሚያ

    ስ ኣስፍ

    ሃ ድሕሪ ምረቓኣ ኣብ ነፋሲት

    ከም መምህር ናይ ኬሚስትሪ ኮይና ተመዲባ። ኣብ’ቲ ናይ ምምህርና ግዜኣ፡ ነቲ ኣብ ማይ ነፍሒ ዝተኸታተለቶ ትምህርቲ ናብ ተመሃሮ ንምትሕልላፍ ኣበርቲዓ ሰሪሓ። ብዘይካ’ዚ ላብራቶሪ ቴክኒሻን ኮይና ብግብርን ብኽልሰ ሓሳብን ንተማሆሮኣ ኣስተምሂራ። ኣብ ምምህርና ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብዙሕ ባህሪ ናይ ተማሃሮ ብምጽናዕ ከከም ባህሪኦም ትኸዶም ከም ዝነበረት ትገልጽ። ወላ’ውን ኣብ ትርፊ ግዜኣ ምስ ሞያኣ ኣብ ዝተኣሳሰር ንተማሃሮኣ ፍልጠት ተካፍል ነይራ። ንኽልተ ዓመት ኣብ ምምህርና ምስ ጸንሐት፡ ናብ’ቲ እትምነዮን ምስ’ቲ እትመሃሮ ሞያ ኣብ ዝተሓሓዝ ስራሕ ፋብሪካ ትካል መድሃኒት ኣዘል ተመዲባ። ኣብ ትካል መድሃኒት ካብ

    ትምደብ ሸውዓተ ወርሒ ኣቑጺራ ዘላ ኑር ዓይኒ፡ ኣብ’ቲ ተመዲባ እትሰርሓሉ ዘላ ክፍሊ፡ ነቲ ኣብቲ ትካል ዝፈረየ መድሃኒት፡ ብቑዕነቱ ተረጋግጽ፡ እቲ መድሃኒት ኣብ ውሽጡ ከማልኦ ዘለዎ ባእታታት ብግቡእ ተሓዋዊሱ ኣሎዶ የለን፡ ሰባት ምስ ወሓጥዎ’ኸ ብግቡእ ክሓቅቕ ይኽእልዶ፤ ንሰባት ከሕውየሉ ዝኽእል ደረጃ’ኸ ክሳብ ክንደይ’ዩ ንዝብሉ

    ሕቶታት ኣጻርያን መርሚራን፡ “እዚ መድሃኒት ብቑዕ’ዩ፡ እዚ ተደጊሙ ክስራሕ ኣለዎ” ብምባል ናብ ዝምልከቶ ኣካል ጸብጻብ ተሕልፍ። ኣብ ስርሓ ተወሳኺ ድርዒ

    ክኾና፡ ምስ ሞይኣ ዝሳነዩ መጽሓፍቲ ተንብብ፡ ኢንተርነት ትውከስ፡ ከምኡ’ውን ካብ’ቶም ቅድሚኣ ዝጸንሑ ምኩራት መሳርሕታ እናተሓተተት ፍልጠታ ተስፍሕ፡ መድሃኒት ብጥንቃቐን ጽፈትን ተዳልዮም ናብ ህዝቢ ክዝርግሑ ስለዘለዎም፡ ኣብ’ቲ ዘላቶ ክፍሊ ተጠንቂቓን ብትኩርነትን ትሰርሕ። ኑር ዓይኒ ኣብ’ዚ ምስ

    መድሃኒት ዝተሓሓዝ ስራሕ ምህላዋ፡ መድሃኒት ብኸመይ ዓቐንን ኣገባብን ከምኡ’ውን ኣብ ክንደይ ሰዓት ክውሰድ ከም ዘለዎ ብግቡእ ተማሂራን ካብ ስርሓ ተመክሮ ደሊባን’ያ። ፍልጠታ ኣብ በይና ጥራሕ ከይድረት ድማ ንሰባት ተካፍል። ዝተፈላለየ ሕማማት

    ንዘጋጥሞም ሰባት፡ መድሃኒት ብኸመይ ዓቐን፡ ኣበየናይ ግዜ ክወስድዎ ከም ዝሓይሽ ትሕብርን ትምህርን። ኑር ዓይኒ፡ ብመሰረት’ቲ

    ብትምህርቲን ስራሕን ዘዋህለለቶ ፍልጠት፡ መድሃኒት “ሒሹኒ’ዩ “ ኢልካ ምቁራጽ፡ ነቶም ዘጥቁዑኻ ጀርምን ባክተርያን

    ተጻዋርነት ጌሮም ብዝያዳ ከም ዘጥቑዑኻ ብትምህርቲ ጽቡቕ ግንዛቤ ሒዛ’ያ። ስለዚ፡ ሰባት ዝተኣዘዘሎም መድሃኒት ክሳብ ዝውድእዎ ብዘይምቁራጽ ክወስድዎ ከም ዘለዎም ጸቒጣ ትዛረብ። ኑር ዓይኒ፡ ኣብ ከም ዕረ፡

    ቆጽለ መጽልን ዝኣመሰሉ ባህርያዊ ነገራት ብኸመይ ንሰባት መድሃኒት ክኾኑ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ጉዳይ ተገዲሳ መጽሓፍ እናንበበት መጽናዕትታት ከም እተካይድ፡ እንተሰሊጥዋ ብግብሪ ክትሰርሓሉ ክትፍትን ምዃና

    ከይሓበረትና ኣይሓለፈትን። ኑር ዓይኒ፡ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ

    ደረጃ ዘብጽሓ፡ ተማሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ዝበዝሕ ናይ ለይትን ቀትርን ግዜኣ ኣብ ትምህርቲ ብምጽማድ ከምኡ’ውን ዘይፈለጠቶ ንኽትፈልጥ ኣብ ምሕታትን ምንባብን ዝካኣላ ጻዕሪ ብምክያዳ፡ ሎሚ መሰረት ኮይኑ ኣብ ስርሓ ከም ዝሓገዛ ትጠቅስ። ኣብ መወዳእታ ሰራሕተኛታት ትካል ፋብሪካ መድሃኒት ኣዘል ኣብ ስርሓ ንዝገብሩላ ምድግጋፍ ተመስግን።

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 10

    Conscious Kids Circle (CKC) - We are talking on Technology, Education, Art, Culture, Humanity, Enlightenment and Renaissance. For further Information call or Send Messages to : 291-7261231

    Teklehaimanot Yemane

    Homework for the Conscious KIDSIsn’t it very important for all children to learn how to write and interact with the wider society? After all, very few children grow up to become great novelists, or professional writers.People use writing in all parts of their lives: from sending birthday messages to recording personal feelings in diaries and in books. The act of writing also engages people in new ways of thinking, in researching, in comprehending new knowledge and more. As people write, they learn to

    organize, refine, and reflect on their ideas. Today I am going to give a big homework for the conscious kids and of course the winners will be awarded with surprising things I promise. I am asking kids of all ages to reflect (share their knowledge and experiences) by answering the following questions. Parents and teachers can also help their kids. Also kids can work in groups.

    Do this at home: Write the meaning of the words in the chart below? Here you have nine words

    Why some parents are oppressive to their children?

    It is obvious and generally true that almost all parents need to see their children becoming the winners of the game in life. As a result they do everything to their kids as far as it is within their capability. However, knowingly or unknowingly some parents are oppressive to their children and direct their kids to the interest of the parents. This is may not be intentional, but a sign of good will. Have you ever asked why parents do this? Many parents who failed in fulfilling a number of their personal dreams desire to achieve their dreams by forcing or directing the kids to do what they failed to do so. And this creates a big conflict among the parents and kids. It is a war of dreams!

    _Mulugata Zemuy, Department of Educational Administration, from Eritrea Institute of

    Technology: Wednesday, April 23, 2014

    Conscious Kids Impressions

    CKC is a Collective Reflection of the consciousness of many kids and other members of the society who cares about kids. CKC is now collecting impressions of kids of all ages who want to participate in the Conscious Kids Impressions Contest. Write it well! What impresses you most in life? Is it that delicious pizza or the twinkles of the stars high on the sky? Who impresses you most, the popular singer you see through the TV screens or the melody of the songs of the birds? Dear kids, it is not a choice, I am triggering you so that you reflect on your impressions. The best and well written impressions

    will be definitely awarded. Bravo!

    Conscious Kids Profile

    This is another trigger! Conscious Kids Profile! Who is the one you want to be in the future. How do you define yourself in you conscious mind? I mean what are your dreams. Conscious Kids Profile Contest is going to be an award winning stage for kids. It is a dream competition. The best kid’s dream is of course going to be awarded. Also as many as dreams will be shared here on CKC pages. The better you write the better idea you have, the best you stand out! Who wants to be listed in the Conscious Kids Profile? Take this

    Dream Writing Contest.

    Okay, write it, put it in an envelope and send it to: CKC, Hadas Eritrea: P.O.Box 247. One more thing - parents and teachers can assist their kids to be the winners in this

    dream writing contest?

    PART VIII – To be settled

    An Expedition to BaHru (ባሕሩ)

    Standing at the peak of huge rocks, one afternoon, BaHru was looking at the environment and the people around him. The time was at the late hours of the afternoon and the sun was on its way to set. BaHru watched everything. Almost every living thing was moving, crawling, rolling, and stepping very fast. Most of them were rushing here and there without clearly defined goals. “Why and where are they moving?” BaHru asked himself. “Of course they must be in continuous movement in order to search peace of their mind; I

    and I have done two of them for you! Dear kids, you can use a dictionary or ask parents and teachers to help you write impressive answers. Write your answers as detail as you can. Include your full name, grade, school name, city/town postal address, and telephone. Send your answers Addressed to: CKC, Hadas Eritrea P.O. Box 247 or Submit it in person. If you need further information contact us using the address specified at the bottom of this page.

    Here are two of my answers for you. I have left the rest for you.

    Answer: 1. Technology: Technology is a scientific knowledge used in practical ways to solve and facilitate the social life of humans. In a conscious sense I define technology as an indispensable tool for leading better life.2. Education: …3. … 4. … 5. … 6. … 7. Renaissance: …8. Conscious: To be conscious is to be able to use your senses and mental powers to understand what is happening. To be conscious is to be aware of life and living and attempt to comprehend it.9. Teacher: …

    know once upon a time I was doing like this as well,” he answered. According to a one hour lesson he has learnt from his eighth friend, Engineer Hadgu, BaHru knew that this movement is called ‘Vagrancy of the Mind’, where people move here and there in search of settlement of their mind. The mind moves so fast that the body cannot cope with it. BaHru thought and did not take time to realize that it is the mind that moves very fast.

    BaHru decided to share what Eng. Hadgu has taught him in his tenth year birthday. “A ‘Vagrant Mind’ is a mind without a settled home or passion of dream. It wanders from the mind of one person to the mind of other person. It moves from the passion of one person to the passion of the other. But, it does not find its own passion. And ‘Vagrancy of the Mind’ is the condition of such a mind.” BaHru has already started sharing his experience with his young friends; and his ultimate dream is to see the adults of his generation at a settled mind set.

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 11

    ስፖርትዮናታን ገብረሂወት

    [email protected]

    “ስፖርት እምነ መኣዝን ሂወትን ዕብየትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብዝተፈላለየ ውድድር ንኣስታት ክልተ ወርሒ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ክካየድ ዝጸንሐ “ስፖርታዊ ቕነ እዚ ምብራቕ” ዝሓፈለ ቐዳም ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዛዚሙ።ኣብቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ

    ምክልኻል፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ስፖርተኛታትን ህዝብን ዝተረኽብሉ ናይ መዛዘሚ ዕለት፡ ጉጅለ ባህሊ ሰላሞ ዝተፈላለየ ጣዕመ ዜማ ዝሓዘ ድራማ፡ ደርፍን ግጥምን ኣቕሪባ። ብድሕሪ’ዚ፡ ጋንታታት ራስ ዳርማን ሚራስን ግጥም ፍጻመ ኩዕሶ እግሪ ንምክያድ ንሜዳ ኣትየን። ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ሓለቓ ስታፍ እዚ ምብራቕ ብ/ጀነራል ሙሳ ራብዓን ሓላፊ መኮነን ሓበሬታን ጎስጓስን ሚ/ምክልኻል ብ/ጀነራል ተኽለሚካኤል ሃብቱ (ሲንስ)ን ድማ ነቲ ጸወታ መሪቖም ከፊቶሞ።እቲ ግጥም ካብ መጀመርታኡ’ዩ ብራስ

    ዳርማ ፍጹም ተዓብሊሉ። ከም መርኣያኡ ድማ ራስ ዳርማ ኣብ 6ይ ደቒቕ ካብ ተስፋይ ኣስፍሃ መሪሕነት ዘትሓዘታ ሸቶ ኣመዝገበት። እንተኾነ፡ ሚራስ ነዊሕ ከይጸንሐት ብመገዲ ግደይ መድሃኔ ተመዓራረየታ። ጸወታ፡ ደገፍቲ ክልቲአን ብዝህቡዎ ዝነበሩ ሞራል ማሚቑ፡ ረስኑ ብዝለዓለ ቐጸለ። ኣብ መበል 42’ ፋንኤል ጎይትኦም ትንኣድ ሸቶ ብምምዝጋቡ ድማ ጋንታኡ ራስ ዳርማ 2ብ1 መሪሓ ንዕረፍቲ ክትወጽእ ኸኣለት። ኣብ እዋን ዕረፍቲ፡ እዮብ ገብሩ (ዘሪጋ)

    ንዝኽሪ ስዉእ ሜ/ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም ከምኡ’ውን ንብ/ጀነራል ኣማኑኤል ሃይለ/ሃንጀማ/፡ ብ/ጀነራል መብራህቱ ተኽልኣብ/ቫይናክ/ን ደሱ ተስፋጽዮንን፡ “ሽደን” ዘርእስታ ግጥሚ ኣቕሪቡ። ጸወታ ካልኣይ እብረ ምስ ጀመረ፡ ተጻወትቲ ሚራስ ሸቶ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዩ። መንደቕ መስመር ምክልኻል ራስ ዳርማ ግና ብቐሊሉ ዝስገር ኣይነበረን። ጸወታ ብዓወት ራስ ዳርማ 2ብ1 ተዛዚሙ።ድሕሪ’ዚ ግጥም፡ ኩለን ተሳተፍቲ

    ጋንታታት ናይቲ እዚ፡ ብማርሽን ባንድ

    ብቕድሚ ትማሊ ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ኣብ መንጎ ክለባት ሪያል ማድሪድን ባየር ሙኒክን ንዝተኻየደ ግጥም ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ ኣብ መበል 19 ደቒቕ ፈረንሳዊ ካሪም በንዘማ ብዘመዝገባ እንኮ ሸቶ፡ ስጳኛዊት ሪያል ማድሪድ 1ብ0 ተዓዊታትሉ። ሜዳ ሳንቲያጎ በርናቡ ዘአንገዶ ጸወታ እዘን ክለባት፡ ቅድምን ድሕሪን ዕረፍቲ ዳርጋ ምሉእ ዓብላልነት ባየር ሙኒክ ዝተንጸባረቐሉ ነይሩ - እታ ጀርመናዊት ክለብ ዝበዝሕ ግዜ ንኹዕሶ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽራ ብምእታው ዝንኣድ ጸወታ ካብ ምርኣይ ዓዲ ኣይወዓለትን። ሸቶ ኣብ ምስራሕ ግን . . . ። ብኣንጻሩ ማድሪድ ካብ መልሰ መጥቃዕቲ ተበጊሳ እያ ፈተነ ተካይድ ዝነበረት። ብመሰረት ስታትስቲካዊ ጸብጻብ ኦፕታ ስታትስ፣ ኣብ መዳይ ውነና ኩዕሶ) (possession) ማድሪድ 28 ባየር ሙኒክ 72፣ ንብጻይካ ኩዕሶ ምቕባል (passes) ማድሪድ 276 ባየር ሙኒክ 705፣ ፈተነ ንጎል ማድሪድ 9 ባየር 18፣ ተጻዋታይ ኣንጻር ጋንታ ካብ ጎል ዝኸልገለንን ዝተመዝገባን ኰዓሳሱ ሪያል ማድሪድ 5 ባየር ሙኒክ 4፣ እዩ። ድሕሪ’ዚ ውጽኢት ካብ ዝተዋህበ መግለጺታት

    ኣባላት እዘን ክለባት ምስ እንምልከት፣ ሆላንዳዊ ኣርየን ሮበን ብጥንቁቕ ኣቀራርባ ሪያል ማድሪድ ከምዝተደነቐ ገሊጹ። “ማድሪዳውያን ጠሓስቲ ኮይኖም ክቐርቡ ብዙሕ ተጸብየ ነይረ፣ ኣብ ክንድኡ ግና ንሳቶም ንዓና ክጽበዩን ንጸወታ ከነቀላጥፎ ክፈቕዱልና ብምርኣየይ፡ ተገሪመ’የ” ይብል ናይ ቅድም ተጻዋታይ ቸልሲ ሮበን።“ብጋንታይ ሕቡን’የ” ዝበለ ኣሰልጣኒ

    ባርሴሎና ነበር ፐፐ ጓርዲዮላ፡ “ተጻወትተይ ኣንጻር’ታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ብሉጻት ክለባት ኩዕሶ እግሪ ገጢሞም ምሉእ ሓይሊ’ዮም ኣርእዮምኒ። ስለ’ዚ ገና ኣብ ሜዳና ኣብ እነካይዶ ግጥም ካልኣይ እግሪ ማርሻና ቐይርና፡ ክንዕወት

    ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘዳልዎ ናይ 2014 ናይ ዓበይቲ (ሲንየር) ኣትለታት ሃገራዊ ውድድር ትራክን ፊልድን፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ክካየድ ምዃኑ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ስፖርት ገሊጹ። ኣብ’ዚ ኣትለታት ኩለን ዞባታትን ሚኒ/

    ምክልኻልን ዝተሳተፍዎን ሓያል ተወዳዳርነት ክንጸባረቖ ትጽቢት ዝግበረሉን ሃገራዊ ውድድር፡ ናይ ዝተፈላለየ ርሕቀት ጉያ፣ ውድድር መሰናኽል፣ ውድድር ምቅብባል በትሪ (ሪለይ) ከምኡ’ውን ውድድር ዳርባ ጭማራ፣ ዓረር፣ ዲስካስን ዝላን ዘጠቓለለ ናይ ፊልድ ኢቨንት ውድድራት ክእንገዱ’ዮም። ኣፍቀርቲ ስፖርት፡ ኣብ ስታድዩም ኣስመራን ድሕሪ ስታድዩም ኣብ ዝርከብ ሆቴል ስፖርታውያንን ተረኺቦም ነቲ ዝካየድ ውድድር ክዕዘቡ ድማ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

    ስፖርታዊ ውድድር እዚ ምብራቕ፡ ፍልፍል ጎብለል - ራስ ዳርማ ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ኮይነን

    ተሰንየን ውዕለተንን ታሪኸንን እናተገልጸ ናብ ሜዳ ኣትየን። ሓለቓ ስታፍ እዚ ምብራቕ ብ/ጀነራል ሙሳ ራብዓ ኣብ

    ዘስመዖ ቃል፡ ብስፖርት ዝተሃንጸ መንእሰይ ብኹሉ መዳዩ ድልዱል፡ ብሃገራውነቱ ጽኑዕን ኣፍራይን ከምዝኾነ ርዱእ ምዃኑ

    ብምጥቃስ፡ “ስፖርት ኣካል ሃገራዊ ወፍርን ልምዓትን’ዩ” ክብል ሚ/ምክልኻል ብሓፈሻ፡ እዚ ምብራቕ ከኣ ብፍላይ፡ ንምዕባለ ስፖርት ካብቲ ኣበርቲዑ ዝሰርሓሉ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።ሓላፊ ጎስጓስን ሓበሬታን ናይቲ እዚ ሜጀር

    ርእሶም ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ ንኽልተ ወርሒ ክሰላሰል ዝጸንሐ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርታዊ ውድድር ብኣካልን ብመንፈስን ጥዑይ መንእሰይ ንምምልማል በቲ ሓደ፡ ልዑል ሃገራዊ ወኒ ዘለዎ ኣፍራይን መሃዝን ዜጋ ንምህናጽ በቲ ኻልእ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ። ንኹሎም ኣዘዝትን ነቲ መደብ ክዉን ክኸውን ዝሓገዙን ብምምስጋን ድማ መደረኡ ዛዚሙ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር

    እዚ ምብራቕ፡ ብኹዕሶ እግሪ፣ ራስ ዳርማ ሻምፕዮን ክትከውን እንከላ፡ ሚራስን ሰላሞን ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን። ተጻዋታይ ጋንታ ቢሻ ናሆም ስብሃቱ ብሓሙሽተ ሸቶታት “ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ” ብምዃን ተሸሊሙ። ብኩዕሶ መርበብ፣ ራስዳርማ፡ ፍልፍልን ቢሻን ካብ ቀዳማይ

    ክሳብ ሳልሳይ ክወጽኣ እንከለዋ፡ ብኩዕሶ መርበብ ገማግም ባሕሪ (ቢች ቮሊቦል) ድማ ራስ ዳርማ፡ ፍልፍልን ሚራስን ተመሳሳሊ ደረጃ ሒዘን። ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ፣ ፍልፍል 1ይቲ፡

    መረብ 2ይቲ፡ ቢሻ 3ይቲ ኮይነን። ብጨመተ ተኹሲ፣ ቀዳመይቲ ራስ ዳርማ፡ ካልኣይቲ መረብ፡ ሳልሰይቲ ፍልፍል ብምዃን ክዕወታ እንከለዋ፡ ኣብ ውድድር ምሕንባስ፣ ፍልፍል 1ይቲ፡ ሰላሞ 2ይቲ፡ መረብ 3ይቲ ወጺአን። ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ባድሚንተን ድማ ፍልፍል፡ ድራጎንን ሰላሞን ቀዳሞት ሰለስተ ብምዃን ተዓዊተን። ነቲ ውድድራት ዝዳነዩ ደያኑ ሚ/ምክልኻል ኸኣ መዳልያ ተዓዲሎም።ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት

    ስፖርት ደሚቓ ብምውጽኣ ጎብለል ዘበለት ጋንታ ፍልፍል፡ ንዝኽሪ ስዉእ ሜ/ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም ንዝተዳለወት ፍልይቲ ሽልማት ክትውንን በቒዓ።

    ጎስጓስን ሓበሬታን እዚ ምብራቕ