መልእኽቲ ካብ ሚኒስትሪ...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 77 16 ሕዳር 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 ሊግ ኤርትራ ገጽ 3 ጽባሕ ቀብሪ ኣሎኒ ገጽ 5 ሕጂ ድማ ዓመት ክጽበየኪ’የ ኢሉኒ ገጽ 8 በዓል ወጻኢ ገጽ 4 ነባሪ ምሕዝነት...! 2013 ቀዳም ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ሓዳስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ተሰሪሓ ኣገልግሎት ብምጅማራ፡ ተመሃሮ ቀሲኖምክመሃሩንትምህርቶምብግቡእ ማይ-ዓይኒ፡ ሓዳስ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣገልግሎት ጀሚራ ክከታተሉን ዕድል ከምእተራሕወሎም፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር በየነ ተስፋይ ሓቢሩ። ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ስለዘይነበረ፡ ተመሃሮ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ናብ ከተማታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ጸሮናን መንደፈራን ክኸዱ ይግደዱን ናይ መነባብሮ ጸገም ይፈጥረሎምን ስለዝነበረ ከቋርጹ ምጽንሖም ዝገለጸ መምህር በየነ፡ ምስ ምህናጽ ናይ’ዛ ሓዳስ ቤት-ትምህርቲ እቲ ጸገም ከምእተቓለለ ኣብሪሁ። መምህር መሓረና ተኽለብርሃን ብግደኡ፡ ንተማሃሮን ወለዶምን ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገምን ሳዕቤናቱን ብምዝካር፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ብዘይ መሳርሒ ተበጊሳ ስለዘላ፡ ዘድሊ ናውቲ ትምህርቲ ብዝቐልጠፈ ክማልኣላ ተላብዩ። ተመሃሮ መሓመድ ኣድምን ገነት ጉዑሽን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ካብ ስድራኦም ተፈልዮም ኣብ ደቀምሓረ ንኽመሃሩ መነባብሮ ይኸብዶም ብምንባሩ ትምህርቶም ብግቡእ ክከታተሉ ይጽገሙ ምንባሮም ጠቒሶም፡ ኣብ ንኡስ ዞባኦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ብምኽፋታ ግን ጸገሞም ተፈቲሑ ቀሲኖም ክመሃሩ ከምዝበቕዑ ሓቢሮም። ቤት-ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ሓረስቶት ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ዝጸንሖም ኣፍልጦ ንምብራኽ፡ ምስ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ካብ ደገ ተኣታትዮም ውጽኢታውያን ዝኾኑ ኣዝርእትን ዘመናዊ ድኹዕን ዘላሊ መደብ ኣካዪዱ። ነቲብኽኢላታትሕርሻግቡእምክትታል እናተገብረሉ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ ዝርከብ ዘራእቲ ዝተዓዘቡ ሓረስቶት ጎልጅ፡ ኣብ መንጎ ያታውን ዘመናውን ኣገባብ ኣተሓራርሳ ዘሎ ፍልልይ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ምስ ሕሉፍ ተመኲሮኦም ብምንጽጻር፡ ዕውትን ውጽኢታውን ስራሕ ከካይዱ ከምዝሕግዞም ሓቢሮም። ሸኽ ኣንዋር መሓመድ-ኑርን ወይዘሮ ግደይ ሃይለን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ዝተኻየደ መደብ ‘ምዕዛብ ዕውት ዘራእቲ’፡ ንተመኲሮኦም ዝያዳ ስለዘሀብትም፡ ምስቲ በብእዋኑ ምስ ክኢላታት ሕርሻ እናተዋሃሃዱ ዘካይድዎ ንጥፈታት ተደሚሩ ንእቶታውነቶም ዘደንፍዕ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ እዋን ማሕረስ ትራክተራት ጎልጅ፡ ኣፍልጦ ሓረስቶት ኣብ ሕርሻ ንምብራኽ ይጸዓረሉ ብኣጋ ክዳለዋሎም ተላብዮም። ኣፍልጦ ሓረስቶት ክብ ንምባል ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝተኻየደ ምዕዛብ ያታውን ዘመናውን ኣዝርእቲ፡ እቶታውነት ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣቶ ተወልደ መድሃኔን ወይዘሮ ምሕረት ማንታይን ብወገኖም፡ ከም’ዚ ዓይነት መደባት ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ሓላፊ ምክትታል ብቚሊ ኣቶ ዮውሃንስ ዘርኣይ ብግደኡ፡ ሓረስቶት ኣብ ልምዳዊ ኣገባባት ማሕረስ ከይተረደቱ፡ ከርብሖም ዝኽእል ዘርኢ ብምድቓል ክነጥፉ ብምዝኽኻር፡ ምስ ሰብ ሞያ ሕርሻ ዘለዎም ውህደትን ቅርበትን ክሕይል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ምጅራፍ ግራውቲ መሰረት ብርኩት ምህርቲ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ዮውሃንስ፡ ሓረስቶት ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑሎምን ኣብ እዋን ማሕረስ ምሩጽ ዘርኢ ክጥቀሙን ጸዊዑ። ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ፍሸይ- ምራራ - ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ዝተዋደደ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምምዕባል ካብኣቶም ዝሕተት ከምዘማልኡ ገሊጾም። ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሳላ ዝረኽብዎ ዘለዉ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ከምእተቓለለን ኣብ ህይወቶም ርግኣት ከምዝረኸቡን ኣረዲኦም። ኣቶ ጽላሉ ኣዘነን ወይዘሮ ትርሓስ ዘርኣይን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ነፍሲ- ወከፍ ዜጋ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንክኸውን መንግስቲ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ጥዕናኦም ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዘሎን ደቆም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ይሳተፉ ከምዘለዉን ሓቢሮም። ኣቶ ስዒድ ጥሉልን መምህር ተስፋልደት ኣሚነን ብወገኖም፡ ነበርቲ ፊሸይ-ምራራ ዝተዋደደሎም ኣገልግሎታት ንምምዕባል ከምዝጽዕሩ ገሊጾም ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ መንግስትን ህዝብን ብዉህደት ዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣብ ባይታ ዝምስገን ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ዝነብሩሉ ዘለዉ ከባቢታት ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ቆፎታት ንህብን ደርሁን ክቕርበሎም ተላብዮም። ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ፍሸይ- ምራራ ኣቶ እድሪስ ኢብራሂም ድማ፡ ውጽኢት ዝተዋደደ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ነብሶምን ደቆምን ይርእይዎ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ንዝበለጸ ዉጽኢት ኣበርክቶኦም ክገብሩ ቅሩባት ምዃኖም ኣነጺሩ። ኣብ ንኡስ ዞባ መንሱራ ዝርአ ትሑት ተሳታፍነት ደቂኣንስትዮን ምቁራጽ ተመሃሮን ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕሪ ብዝተዋሃሃደ ኣገባብ ክቕጽል፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሸከዲን ሳልሕ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ርእሰ- መንሱራ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ንምዕባይ ዝካየድ ጻዕሪ ክድንፍዕ መዘኻኸሪ ቀሪቡ መምህራን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ዝገብሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ። ኣቶ ሸኸዲን፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ተዘርጊሐን ከምዘለዋ ብምብራህ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ናብ 2 ገጽ ይቕጽል

Upload: others

Post on 19-Feb-2021

13 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 23 ዓመት ቁ. 77 16 ሕዳር 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

    ገጽ 11ሊግ ኤርትራ

    ገጽ 3

    ጽባሕ ቀብሪ ኣሎኒገጽ 5

    ሕጂ ድማ ዓመት ክጽበየኪ’የ ኢሉኒ

    ገጽ 8

    በዓል ወጻኢ

    ገጽ 4

    ነባሪ ምሕዝነት...!2013

    ቀዳም

    ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ሓዳስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ተሰሪሓ ኣገልግሎት ብምጅማራ፡ ተመሃሮ ቀሲኖም ክመሃሩን ትምህርቶም ብግቡእ

    ማይ-ዓይኒ፡ ሓዳስ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣገልግሎት ጀሚራ

    ክከታተሉን ዕድል ከምእተራሕወሎም፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር በየነ ተስፋይ ሓቢሩ።

    ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ስለዘይነበረ፡ ተመሃሮ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ወድኡ

    ናብ ከተማታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ጸሮናን መንደፈራን ክኸዱ ይግደዱን

    ናይ መነባብሮ ጸገም ይፈጥረሎምን ስለዝነበረ ከቋርጹ ምጽንሖም ዝገለጸ መምህር በየነ፡ ምስ ምህናጽ ናይ’ዛ ሓዳስ ቤት-ትምህርቲ እቲ ጸገም ከምእተቓለለ ኣብሪሁ።መምህር መሓረና ተኽለብርሃን

    ብግደኡ፡ ንተማሃሮን ወለዶምን ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገምን ሳዕቤናቱን ብምዝካር፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ብዘይ መሳርሒ ተበጊሳ ስለዘላ፡ ዘድሊ ናውቲ ትምህርቲ ብዝቐልጠፈ ክማልኣላ ተላብዩ።ተመሃሮ መሓመድ ኣድምን ገነት

    ጉዑሽን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ካብ ስድራኦም ተፈልዮም ኣብ ደቀምሓረ ንኽመሃሩ መነባብሮ ይኸብዶም ብምንባሩ ትምህርቶም ብግቡእ ክከታተሉ ይጽገሙ ምንባሮም ጠቒሶም፡ ኣብ ንኡስ ዞባኦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ብምኽፋታ ግን ጸገሞም ተፈቲሑ ቀሲኖም ክመሃሩ ከምዝበቕዑ ሓቢሮም።

    ቤት-ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ሓረስቶት ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ዝጸንሖም ኣፍልጦ ንምብራኽ፡ ምስ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ካብ ደገ ተኣታትዮም ውጽኢታውያን ዝኾኑ ኣዝርእትን ዘመናዊ ድኹዕን ዘላሊ መደብ ኣካዪዱ።ነቲ ብኽኢላታት ሕርሻ ግቡእ ምክትታል

    እናተገብረሉ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ ዝርከብ ዘራእቲ ዝተዓዘቡ ሓረስቶት ጎልጅ፡ ኣብ መንጎ ያታውን ዘመናውን ኣገባብ ኣተሓራርሳ ዘሎ ፍልልይ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ምስ ሕሉፍ ተመኲሮኦም ብምንጽጻር፡ ዕውትን ውጽኢታውን ስራሕ ከካይዱ ከምዝሕግዞም ሓቢሮም።ሸኽ ኣንዋር መሓመድ-ኑርን ወይዘሮ

    ግደይ ሃይለን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ዝተኻየደ መደብ ‘ምዕዛብ ዕውት ዘራእቲ’፡ ንተመኲሮኦም ዝያዳ ስለዘሀብትም፡ ምስቲ በብእዋኑ ምስ ክኢላታት ሕርሻ እናተዋሃሃዱ ዘካይድዎ ንጥፈታት ተደሚሩ ንእቶታውነቶም ዘደንፍዕ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ እዋን ማሕረስ ትራክተራት

    ጎልጅ፡ ኣፍልጦ ሓረስቶት ኣብ ሕርሻ ንምብራኽ ይጸዓረሉ

    ብኣጋ ክዳለዋሎም ተላብዮም።ኣፍልጦ ሓረስቶት ክብ ንምባል

    ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝተኻየደ ምዕዛብ ያታውን ዘመናውን ኣዝርእቲ፡ እቶታውነት ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣቶ ተወልደ መድሃኔን ወይዘሮ ምሕረት ማንታይን ብወገኖም፡ ከም’ዚ ዓይነት መደባት ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺሮም።ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ

    ጎልጅ ሓላፊ ምክትታል ብቚሊ ኣቶ ዮውሃንስ ዘርኣይ ብግደኡ፡ ሓረስቶት ኣብ ልምዳዊ ኣገባባት ማሕረስ ከይተረደቱ፡ ከርብሖም ዝኽእል ዘርኢ ብምድቓል ክነጥፉ ብምዝኽኻር፡ ምስ ሰብ ሞያ ሕርሻ ዘለዎም ውህደትን ቅርበትን ክሕይል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን

    ምጅራፍ ግራውቲ መሰረት ብርኩት ምህርቲ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ዮውሃንስ፡ ሓረስቶት ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑሎምን ኣብ እዋን ማሕረስ ምሩጽ ዘርኢ ክጥቀሙን ጸዊዑ።

    ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ፍሸይ-ምራራ - ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ዝተዋደደ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምምዕባል ካብኣቶም ዝሕተት ከምዘማልኡ ገሊጾም።ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡

    ሳላ ዝረኽብዎ ዘለዉ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ከምእተቓለለን ኣብ ህይወቶም ርግኣት ከምዝረኸቡን ኣረዲኦም።ኣቶ ጽላሉ ኣዘነን ወይዘሮ ትርሓስ

    ዘርኣይን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንክኸውን መንግስቲ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ጥዕናኦም ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዘሎን ደቆም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ይሳተፉ ከምዘለዉን ሓቢሮም።ኣቶ ስዒድ ጥሉልን መምህር

    ተስፋልደት ኣሚነን ብወገኖም፡

    ነበርቲ ፊሸይ-ምራራ ዝተዋደደሎም ኣገልግሎታት ንምምዕባል ከምዝጽዕሩ ገሊጾም

    ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ መንግስትን ህዝብን ብዉህደት ዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣብ ባይታ ዝምስገን ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ዝነብሩሉ ዘለዉ ከባቢታት ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ቆፎታት ንህብን ደርሁን ክቕርበሎም ተላብዮም።

    ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ፍሸይ-ምራራ ኣቶ እድሪስ ኢብራሂም ድማ፡ ውጽኢት ዝተዋደደ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ነብሶምን ደቆምን ይርእይዎ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ንዝበለጸ ዉጽኢት ኣበርክቶኦም ክገብሩ ቅሩባት ምዃኖም ኣነጺሩ።

    ኣብ ንኡስ ዞባ መንሱራ ዝርአ ትሑት ተሳታፍነት ደቂኣንስትዮን ምቁራጽ ተመሃሮን ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕሪ ብዝተዋሃሃደ ኣገባብ ክቕጽል፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሸከዲን ሳልሕ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ርእሰ-

    መንሱራ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ንምዕባይ ዝካየድ ጻዕሪ ክድንፍዕ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

    መምህራን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ዝገብሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ።ኣቶ ሸኸዲን፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ

    ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ተዘርጊሐን ከምዘለዋ ብምብራህ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን

    ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

  • ሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 - ገጽ 2

    09፡00 መደብ ህጻናት ሪምና09፡30 ምኽሪ ሞያውያን10፡20 ተኸታታሊት ፊልም ዒሳ11፡00 ዘተ ስፖርት ብቐጥታ11፡45 ማየጥለቡ ኣልሙሻህዲን12፡30 ዜና ብትግርኛ12፡50 ምስሊ ፕላኔት13፡30 ዜና ብዓረብ13፡45 ዕላል ጥበባት14፡20 ናትራን16፡25 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ17፡40 ኣልመልፍ ኣልእስቡዒ18፡15 ማእገር19፡00 ዜና ትግረ19፡20 ዳረት ቃና19፡45 ዜና ዓረብ20፡00 ደሃይ ደቂ ሓደ ልቢ21፡00 ዜና ብትግርኛ21፡25 ማህደር22፡15 ዜና ብእንግሊዝ22፡30 in focus23፡00 film - burn after reading

    12፡00 documentary film12፡30 ዜና ብትግርኛ12፡50 ብጋህዲ13፡30 ዜና ብዓረብ13፡50 ደሃይ ደቂ ሓደ ልቢ14፡20 ፓኖራማ14፡55 doc film15፡35 sport highlights16፡10 ኣብዚ ሰሙን’ዚ

    09፡00 መደብ ህጻናት ዋሪ09፡30 መደብ ህጻናት ሪምና10፡05 ሄሎ ደባይዋ11፡40 ፓኖራማ12፡15 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ ብቐጥታ13፡30 መኣዲ ስነጥበባት14፡05 መደብ ሞዛይክ16፡35 ኣብዚ ሰሙን’ዚ17፡05 መደብ ህርመት19፡00 ዜና ትግረ19፡20 ተኸታታሊት ፊልም ዓሲ20፡00 ዜና ብዓረብ20፡20 ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት21፡00 ዜና ብትግርኛ21፡30 ድባብ ብቐጥታ22፡30 ዜና ብእንግሊዝ22፡45 Erispora23፡35 Film - The Boy In The Strped Pjamas

    16፡45 open mic17፡20 x-files18፡05 media offline18፡30 ዋሪ19፡00 ዜና ትግረ19፡20 ጉዳይ ኣብ ዘተ20:00 ዜና ዓረብ20:25 ኣልመጀላ21:00 ዜና ትግርኛ21:25 ማእገር22:15 ዜና እንግሊዝ22:30 News Highlights22:55 Film - Gijoe Atrack Of The Cabra

    ሰኑይ

    ሰንበት

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    [email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

    ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

    ኤደን ሃብትኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    መልእኽቲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናሕማም ፖልዮ ነባሪ መልመስቲ ታሕተዋይ መሓውር

    ዘስዕብ ብክታበት ጥራይ እንከላኸሎ ተመሓላላፊ ሕማም እዩ። ክታበት ፖልዮ ድማ ዝኾነ ጎድናዊ ሳዕቤን ዘይብሉ ውሑስ መከላኸሊ ሕማም ፖልዮ እዩ።ስለዝኾነ ሚኒስትሪ ጥዕና ካብ ዕለት 20 ክሳብ 24 ሕዳር 2013

    ኣብ መላእ ሃገር ክታበት ፖልዮ ክህብ ስለዝኾነ ኩሉ ኹም ወለዲ ወይ መቕርብ ካብ 5 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣብ ጥቓኹም ዝርከብ ማእከል ጥዕና ወይ ግዝያዊ መኽተቢ ነቑጣ ቀሪብኩም ከተኽትቡ ንሕብር።“ሕማም ፖልዮ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፍኡ ሓላፍነት

    ኩልና እዩ።”

    ሚኒስትሪ ጥዕና

    ርእሰ-መምህራንን ምስ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምውህሃድ፡ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ብምልላይን ብምጽናዕን ፍታሕ ከናድዩ ብምጽዋዕ፡ ምምሕዳር‘ቲ ንኡስ ዞባ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብር ኣረጋጊጹ።ሱፐርቫይዘር ኣድም ዓመራይ ኣብ

    ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወለዲ ደቆም ብኣጋ ናብ ትምህርቲ ዘይምስዳድን ጽበት ክፍልታትን ካብ ቀንዲ ጠንቂ ኣብ እዋን ምጅማር ዝርአ ምድንጓያት ይኸውን ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ነዚ ተርእዮ’ዚ ንምእራም ተገዳስነትን ምትሕብባርን ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣነባበርቲ ዓድን ኮሚተ ወለድን ክሕይል ተላብዩ።ካብ ተሳተፍቲ ኣቶ ኣቡበከር ሓምድ፡

    ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ዘጋጥም ዘሎ ምድንጓያት ኣብ ተመሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ገለ መምህራን’ውን ይርአ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብወገኖም ንዝርአ ጉድለታት ንምምሕያሽ ዝከኣሎም ጻዕሪ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሩ።መምህር ዑስማን ዳውድን መምህር

    ዓብዱ ሓምድ ራድኣይን ድማ፡ ትሑት ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮን ምቁራጽ ተመሃሮን ንምዕባለ ዝዕንቅጽ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ደቁ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኽን ዋሕዲ ሰደቓታትን መምህራንን ፍታሕ ክናደየሉን ተላብዮም።

    መንሱራ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ

    . . .

    ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

    ኣልማዕቲ ጀራዲን ምምሕዳር ከባቢ ድርፎ፡ ናብ ዕዳጋ ኣስመራን ካልእ

    ከባቢታትን ዘቕርብዎ ኣሕምልትን ፍረታትን ንምዕባይ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።ኣቶ ዑስማን ስዒድ፡ ኣቶ መሓሪ

    ምስግናን ኣቶ ዮሴፍ ከበደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዝተፈላለየ ፍረታትን ኣሕምልትን ብብዝሒ ከምዘፍርዩን ኣብ ምምላእ ጠለባትን ምርግጋእ ዕዳጋን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ

    ድርፎ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ቀረብ ኣሕምልትን ፍረታትን ንምዕባይ ኣበርቲዖም ይሰርሑ

    ከምዘለዎን ብምጥቃስ፡ ምህርቶም ንምዕባይ ዘካይድዎ ጻዕሪ ንኽዕወት፡

    ጉዳይ ማይ ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዮም።ዘልምዕዎ ዘለዉ ፍረታትን

    ኣሕምልትን፡ ዒላታት ብምዂዓትን ካልእ ብልሓታት ብምጥቃምን ከስትይዎን ክከናኸንዎን ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ ኣቶ እድሪስ ዑመርን ኣቶ ክብሮም ተስፋገርግሽን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ዒላታት

    እናነጸፈ ስለዝኸደ ኣትክልቶም ብኣሉታ ከምእተጸልወ ብምጥቃስ፡

    ዲጋ ክስራሕ ዝተኣትወሎም መብጽዓ ብዝቐልጠፈ ክትግበር ኣዘኻኺሮም።ነበርቲ ድርፎ ኣብ ልምዓት

    ጀራዲን፡ ክረምታዊ ሕርሻን መጓሰን ከምዝነጥፉ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ድርፎ ኣቶ ዑመር ኢብራሂም፡ ሎሚ ዓመት ክራማት ጽቡቕ ዝናብ ስለዘይተረኽበ፡ ፍረታትን ኣሕምልትን ናይቲ ከባቢ ምህርቱ ኣዝዩ ከምዝነከየ ጠቒሱ፡

    ምምሕዳር ዞባ ማእከልን መሻርኽቱን ዲጋ ክስራሕ ዝወጠንዎ መደብ ክትግበር ጸዊዑ። ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ድርፎ

    350 ኣልማዕቲ ጀራዲን ከምዘለዉ፡ ሰነዳት’ቲ ምምሕዳር ከባቢ የመልክት።

  • ሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 - ገጽ 3

    ገብሩ ክብረኣብ

    ጽባሕ ቀብሪ ኣሎኒጆርጅ ተቐማጢ ከተማ ኮፐንሃገን

    - ዴንማርክ ካብ ዝኸውን ብዙሕ እዋን ኣይቈጸረን። ነታ ዘዕበየቶ ከተማ ዙሪክ - ስዊዘርላንድ ካብ ዝፍለያ ኣብ ኣእምሮኡ ዓሲሉ ዝነበረ ጐዲሉ’ዩ። ንገዛእ ነብሱ ከዛኒ ውዒሉ፡ ኣጋ ምሸት ንኸተማ ወጺእኻ ምዝዋር ልማድ ገይሩዎ። ኣብታ ምሸት እምበኣር ክልተ ኣእዳዉ ኣብ ጁባኡ ኣእትዩ ቨስቶርቮልድ ኣብ ዝተባህለ ጐደና’ታ ከተማ ሸናዕ ይብል ነበረ። ጽባቐ ናይታ ከተማ ኣብ ቅድመ ኣዕይንቱ ተገቲሩ ዝነበረ’ኳ እንተዀነ ብስእለ ኣእምሮኡ ግን ንሕሉፉ ዘርኢ ምርኢት ከፊቱ ነበረ።ምስሊ ማዶና ነቲ ብራቕ ጸሓይ

    ዝመስል ፍሽኽታኣ ኣሰንዩ መጽኦ። እታ ኣነ ዝበለት ጐራዞ - ማዶና ፍቕሪ ፈለማኡ’ያ። ኣብ ገዛእ ኣእምሮኡ ድማ ምስኣ ንዘካየዶ ዝርርብ ቀረጸ። ብገለኡ ብሓጐስ ተጨደ። በቲ ድሒሩ ዝተፈጥረ ግን ብሕርቃን ኩምትር በለ። ጆርጅ ንማዶና ምስ ኣፍቀራ ቅልጥፍ ኢላ ንምሕጽንታኡ ኣይተቐበለትን። ከይተሓለለ ብዙሕ ምስ ጸዓረ ግን ተስፋ ሃበቶ። ግናስ ክንዲ’ዚ ካብ ጸዓረ ብልቢ ዘፍቅረኒ ስለዝዀነ ኢላ ደኣምበር ንሳስ ፍቕሩ ኣይነበራን። እተፍቅሮን ዘፍቅረካን ክትረክብ እንተዘይከኣልካ ዘፍቅረካ እንተረኸብካ ጥራይ’ውን ዓቢ ነገር’ዩ፡ ዝብል እምንቶ ስለዝነበራ ድማ’ያ ሕራይ ዝበለቶ። ብፍቕራ ዝነደደ ጆርጅ ብዙሕ ጽቡቕ ገበረላ። ምስ ኩሉ ፍጡር ብምውድዳር’ውን ካብ ኩሉ ፍጡር ኣብሊጹ ገለጻን ወደሳን - እንተላይ ካብ ጽባቐ ጸሓይን ከዋኽብቲን። ንሳ’ውን ብወደሳኡን ጥዑም ቃላት ፍቕሩን ብዙሕ ዓገበት። በዚ ዝምኽነ ጥዑም እዋን ኣሕለፉ። እዚ ግን ማዶና ሓደ እተፍቅሮን ዘፍቅራን ክሳብ ትረክብ ጥራይ ነበረ። ምስቲ ሓድሽ ኣፍቃሪኣ ክትከይድ ክጸሮ ስለ ዘይከኣለ ድማ’ዩ ጆርጅ ካብቲ ምስኣ ዝነበሮ ከባቢ ክፍለ ኢሉ ናብ ዴንማርክ ዝገሸ - ናብ ከተማ ኮፐንሃገን። ኣብቲ ንሱ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ

    ጐደና ብዙሕ ሰብ ኣይነበረን። ነታ ብቕድመኡ ዝመጸት’ሞ ጠሚታቶ ዝሓለፈት ጐርዞ ጥራይ’ዩ ኣቕሊቡላ። ገለ ሜትሮታት ምስ ተጓዕዘ ናይ ምዝናይ ንጥፈቱ ክቕጽል ንድሕሪት ተመልሰ። እታ ኣቐዲማ ዝሓለፈቶ ጐርዞ ሽዑ’ውን ብቕድመኡ መጸት - ንሳ’ውን ንድሕሪት ስለዝተመልሰት። ገለ ሰብ ትጽበ ግዲ ኣልያ ኢሉ ጥራይ ከኣ ሓለፈ።“ሓደርኪ’ዛ ሓብተይ ሰብ ዲኺ

    ትጽበዪ ዘለኺ?” ሳልሳይ ሳብ ምስ ተራኸቡ ሕቶ ኣቕረበላ።

    “እእ..እወ! ሰብ እጽበ ኣለኹ…” መለሰትሉ፡ ሰጋእ መጋእ እናበለት።“እሞ ፍቓድኪ እንተዀነስ

    መጻበኹኺ?” ካብ ጽምዋን ጭንቀትን ዘናግፎ ይደሊ ብምንባሩ። ኣይመለሰትን።“ንመን ግዲ ኢኺ ትጽበዪ ዘለኺ?”

    ብሕቶ ናብ ውልቃዊ ህይወታ ጠለቐ። ብሕቶኡ ብዙሕ ኣይተጸወገትን። ድንን ጥራይ በለት። “ሓቂ ዘረባ ዝጽበዮ ሰብ የብለይን፡

    ነዚ ጥዑም ንፋስ ክኸስብ ኢለ’የ ኣብዚ ዘለኹ” ኣቐዲማ ካልእ ብምዝራባ ሕማቕ ከይስምዖ እናተሰከፈት። ንሱ ኣየሰከፋን። ሓደ ድላይ ደፊእዎም ኣብቲ ከባቢ ምንባሮም ብዙሕ ኣዛረቦም። ካብ ተራ ዕላላት ናብ ውልቃዊ ሰገሩ። ምስ ጋሻ ቅልጥፍ ኢልካ ዘይብርበር ወግዒታት’ውን ኣልዓሉ። እቲ ክፉትነቶም ውሽጦም ብዙሕ ናጽነት ፈጠረ። ካብ ነዊሕ ዝፋለጡ ክመስሉ ድማ ባህ ኢሉዎም ኣውግዑ። ጐኒ ንጐኒ ክኸዱ ድሕሪ ምጽናሕ ነተን ሓንሳብ ክትጭብጠን ሓንሳብ ክትዝርገሐን ዝርኣያ ቀጠንቲ ኣእዳዋ ናብ ቅልጽም ኣእዳዉ ዓደመን። ስኽፍ በላ።“የቐንየለይ” ጥራይ ኣድመጸት፡

    ንርእሳ ብኣሉታ እናነቕነቐት። ብዙሕ ቀዝሒ ነበረ። ዓይንኻ

    ንዘንቁረካ’ኳ ኣብ ዘይትርእየሉ ከባቢ

    በጽሑ። ጆርጅ ሰዓት ክርኢ ላምፓዲና ካብ ጅባኡ ብምውጻእ ወልዓ። “ትሽዓተን ፈረቓን!” ብምግራም።

    ንሳ በቲ ቀዝሒ ጎርቢባ ነበረት። እተን ዑቕባ ቕልጽም ጆርጅ ዝተሓሰማ ኣእዳዋ ከኣ የንፈጥፍጣ ነበራ።“ሓቂ ክዛረብ ብቑሪ ተገሪፍኪ

    ኣለኺ! ኣብ ሓደ ቤት ሻሂ ውዑይ ካፒቺኖ ዘይጋብዘኪ?”“ኣይትርእየንን ዲኻ ዘለኻ ከመይ

    ኢለ ነዚ ተኸዲነ ክንሰይ ጸሊም ወጺአ ንኸተማ ክኣቱ?” ነቲ ለቢሳቶ ዝነበረት ጸሊም ክዳንን ጉልባብን እናኣመልከተት። ንሱ ይቕረታ ሓተታ። ሰሪ’ቲ ጸላም ከምዝተጋገየ

    ድማ ኣፍለጣ። ንይቕረታኡ ተቐበለቶ።“ግን ጽግዕ ዘይትብልኒ፡ ማለት

    ክትሞቒ ምኸኣልኪ መስለኒ” ንኻልኣይ ሳብ ተማሕጸና። ኣእዳዋ ሰደደት። ሒደት ሜትሮታት ምስሰጐሙ ሰዓቱ ክምልከት ሓተተቶ።“ሰዓት ዓሰርተ” ነታ ላምፓዲና

    ኣውጺኡ ሰዓቱ ድሕሪ ምርኣይ መለሰላ። “ኣበይ ከ ባ ትነብሪ?”“ጋምብለ ኮንገቫይ ኣብ ዝበሃል

    ከባቢ”“እፈልጦ’የ፡ ፍቓድኪ እንተዀነ

    ንገዛኺ መፋነኹኺ?”“ኖኖእ! እንታይ ገበርካ” ስክፍታ

    ሓዊሳ። ምናት ንምናት ተተሓሒዞም ጕዕዞ ቀጸሉ። ኣብ ድርኪዂት ገዛኣ እንክበጽሑ ኣይተፈለጦምን። ኣፍደገ ናይቲ ነዊሕ ራሕሲ ገዛኣ ድሕሪ ምኽፋት ግልብጥ ኢላ ተመልከተቶ። ‘ስለዘፋነኻኒ አመስግነካ’ እትብሎ’ዩ መሲሉዎ።ንሳ ብኣዕይንታ ተዛሪባቶ፡ ንውሽጢ

    ገዛ ኣተወት። ንሱ ቅድም ርእሱ ኣቐልቀለ፡ ድሒሩ ስዓባ። ኣብ ውሽጢ ገዛ ኢድ ንኢድ ተተሓሓዙ። ቃል ዘድመጸ ግን ኣይነበሮምን። ንኣእዳዉ ጨቢጣ ንላዕሊ ናብ ሳልሳይ ደርቢ ናይታ ህንጻ መረሐቶ። ሓደ ክፍሊ ከፈተት - ገፊሕን ብዙሕ ቅብኣታት

    ዝነበሮን ክፍሊ። ኣብ ማእከል’ቲ ክፍሊ ተዓንዱ፡ ብዘይ ቃል። ንሳ ንኸናፍራ ኣብ ከናፍር ጆርጅ ኣጸግዕ ኣቢላ መለሰተን። እቲ ክስትት ሃንደበት ኰኖ።“ኮፍ እንተትብል ጽቡቕ ምዀነ”

    ህድእ ኢላ።ኮፍ በለ። ንሳ ሽምዓ ብምምጻእ

    ወልዐት። ንሱ ብዛዕባ ዘጋጥም ዝነበረ ይሓስብ ነበረ። “ከመይ ዝኣመሰለ ግሩም ቤት’ዩ

    ዘለኪ። ኣብዚ ትቕመጢ?” ተወከሳ።“እወ! ገዛይ’ዩ” “ምስ ስድራኺ ትቕመጢ ማለት

    ድዩ?”

    “ኖኖ” ክምስ በለት። “ዓባይ ጓል እናረኣኻኒስ!” ነቲ ዝለበሰቶ ጸሊም ክዳን ጉልባብን እናቀንጠጠት። ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ 18 ዓመት ካብ ስድራኡ ከምዝወጽእ ዘንጊዕዎ ከይከውን እናተገረመት፡ ዕስራ ወይ ዕስራን ሓደን ዓመት ትግመት። ኣብ ካልኣይቲ ኣጻብዕቲ የማነይቲ ኢዳ ካትም ቃልኪዳን ነበረታ። ጆርጅ ብዙሕ ሕቶታት ቕጅል

    በሎ። መን’ያ ንሳ? ሓቀኛ ካትም ቃል ኪዳን እንተዀነ በዓል ቤታ ኣበይ ኣሎ?...“ኢለን’የ ዝበሃል” ቅድሚ ምሕታቱ

    መለሰትሉ። ብኢዱ ስሒባ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ወሰደቶ። ልዓት ተሌፎን ብምልዓል ድማ ዋይን ኣዘዘት። ዝተኣዘዘ ዋይን ቅድሚ ምምጻኡ ብመስኮት ተቐልቂላ ኣውያት ነቕነቐቶ። ስራሓ ዘበለ ንጆርጅ ደንጸዎን ኣሰንበዶን።ዋይን መጸ። ሓቢሮም ተቛደሱ። ምስ

    ረሰኑ ድማ ሓቢሮም ደቀሱ። ንግሆ ኢለን ቅድሚ ጆርጅ ተበራበረት። ክዕንድሩሉ ዝሓደሩ ጸወታ ፍቕሪ ንዕኡ ኣድኪምዎ’ዩ። ኣዕይንቱ ምስ ከፈተ ንሳ ኣብ ባኞ ኣትያ ጸንሓቶ። ንኸባቢኡ ተዓዘቦ። ብድሮ ምስዝተላለያ ጐርዞ ከምዝሓደረ ሽዑ ኣቕለበ። ንስንባደኡ ሰማይ ዘዕረገ ግን እቲ ኣብ ማእከል’ቲ ክፍሊ ዝተቐመጠ ሳጹን ሬሳ ነበረ። ከይረኣዮ ለይቲ ምውዳቑ እናገረሞ ቀው ብምባል ተመልከቶ። እቲ ሳጹን - ሬሳ ሒዙ ነበረ - ሰዓታት ጥራይ ዝገበረ ሬሳ! ኢለን ካብ ባኞ ወጺኣ መጸት። ንሱ ተራኡ ኰይኑ

    ሰብነቱ ኣጽረየ።“በል ቻው!” ኣድመጸት ማዕጾ

    ከፊታ እናኣፋነወቶ።“ክሳብ ጽባሕ ማለትኪ ድዩ?”“ኖኖእ ጽባሕ ኣይክንራኸብን

    ኢና”“ስለምንታይ?”“ጽባሕ ቀብሪ ኣሎኒ፡ ዝሞተ ቤተ

    ሰብ ኣሎ”“እሞ ሕራይ ድሕሪ ጽባሕ”“ድሕሪ ጽባሕ ጽቡቕ፡ ኣብ’ዛ

    ኣፍደገ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት - ቻው” ንሳ ኣተወት። ንሱ ከደ።ጆርጅ ብዛዕባ’ታ ጐርዞ ብዙሕ

    ተመራመረ። ናብ ገዛኡ ቅድሚ ምኻዱ’ውን መዝገብ ምዉታትን ግዜን ኣገባብን ኣቀባብሮኦምን ናብ ዝከታተል ቤት-ጽሕፈት ኣልገሰ። ንጽባሒቱ ብዛዕባ ዝተታሕዘ ቀብሪ’ውን ሓተተ። ነቲ መዝገብ ብምርኣይ ክፈልጥ ኣቐበልዎ።“በዓል ቤተይ ሓምሳን ሓሙሽተን

    ዓመት ዝዕድመኡ፡ ድሕሪ ብዙሕ ሕማም ሎሚ ዓሪፉ ኣሎ” በዓልቲ ቤቱ ኢለን ዝብል ኣብ ፋልማይ መስመር

    ኣንበበ። ኮፍ ብምባል ኣዕሚቑ ሓሰበ። “ብሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ካብኣ ንዝዓቢ ተመርዕያ ክትነብር ጸኒሓ” ድሕሪ ምባል ሓደ መረዳእታ ወሰኸ።እምበኣር ሞቱ ሓርነታ’ዩ ነይሩ።

    እምበኣር ሞት በዓል ቤታ ምንባር ዝጀመረትሉ ክስተት’ዩ ኰይኑላ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 - ገጽ 4

    ሱራፌል ተ/ብሩኽ

    ነባሪ ምሕዝነት...!10።45 ድ.ቐ.ኣስመራ - 12 ነሓሰ 2013

    11።04 ቅ.ቐ.05 ታሕሳስ 2011

    ፍትውቲ ዳየረይ!ካብ ዕሙር ዕላል መሓዙተይን

    መተዓቢተይን’የ መጺአ፣ መሬት ኣዝዩ ስለ ዝመሰየ በቲኸ ክመጽእ ነይሩኒ፣ ኣነ “ክኸይድ በሉ! ጽባሕ ኣምላኽ ምሳና ይኹን።” ምስ በልኩዎም’ዮም ሰዓቶም ርእዮም፣ እተን ኣዋልድ ሓጊዘናኒ ብሓንሳብ ነቒልና፣ ንጽባሕ ከይንደንጐና ኣብ ሰዓትና ክንርከብ ተዛኻኺርና ኢና ተፈላሊና፣ ኵልና ኣብ ሰለስተ ማኪና ተሰቒልና ክንብገስ እናበልና። “ንዅለን ኣዋልድ ሓደ ገገዝአን ዘብጽሐን ዕንጨይቲ ነውድቕ።” ኢሎም ሓሳብ ቀየሩ፣ ሽዱሽተ ግዜ ዕጫ ተገይሩ፣ ነቲ ሓደ ምስ በጽሖ “ዓሚጽክናኒ!” ኢሉ ይኣቢ፣ ንስሓቕ ኣብ ቀረባ ስለ ዝነበርና ከኣ ዋዛ እናሓወሱ ኣስሓቑና፣ ንኵሎም በብሓደ በጺሓቶም ኣብዮም፣ ኣብ ሻውዐይቲ ዝበጽሓቶ ሰላሕ ኢሉ ክኸይድ ቃል ኣትዮም፣ ዕጫ ምስ ኣውደቑ ንብስራት በጺሓቶ፣ ብስራት እቲ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጽአ ዝበልኩኺ’ዩ፣ እታ መኪናኡ ንሽዱሽተ ኣዋልድ ክትጽዕን ኣይትኽእልን’ያ፣ ኣነ ምስ ብስራት በይነይ ክራኸብ ኣይደልን’የ፣ ምኽንያቱ ናይ ቅድም ዕላለይ ትፈልጢ ኢኺ ዳየረይ፣ “ኣነ ኣብ ግምት ኣይተእትውኒ ሰብ ይመጽኣኒ ኣሎ።” ምስ በልኩ ኵሎም ምስ ምግራም ወጪጮም፣ ሰሚር ግን ትም ኢሉ ጠሚቱኒ፣ ብርግጽ ምኽንያተይ ከም ዝርድኦ ኣይሰሓትኩዎን፣ ምኽንያቱ ብስራት ቅድሚ ንስደት ምኻዱ ምስ ሰሚር “ጁዋ” እዩ ነይሩ፣ ኣብ ንራኸበሉ ገለ እዋናት ናይ ድንጋጸ ስምዒት ኣብ ገጹ እርእየሉ’የ፣ ጥልመት ብስራት ክንዲ ምንታይ ከም ዝጐድኣኒ ከስተውዕሎ ኣይሽገርን’የ፣ ድሕሪ ብስራት ብዙሕ ግዜ ሻሂ ክንሰቲ ይዕድመኒ ነይሩ፣ ንኵለን መዓቢቲና እናጸወዐ ከራኽበና ይፍትን ነይሩ፣ ገሊኡ ብመደብ ንዓይ ኢሉ ከም ዝገበሮ ይርደኣኒ’ዩ፣ ኣነ ምስ ግዜ ዝተሰብረ ልበይ ጸጊነ። ዝደኸመ መንፈሰይ ኣትሪረ። ዝሃደመ ተስፋይ መሊሰ ቅንዕ ምስ በልኩ ግን። ሻቕሎቱ ሃሲሱ። ካብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ላዕሊን ታሕቲን ከኣ ዝግ ኢሉ፣ ኣነን ብስራትን ብዛዕባ ውልቃዊ ርክብና ዝዀነ ሰብ ከይፈልጥ ቃል ተኣታቲና ኢና፣ ሓሙሽተ ዓመት ምሉእ ከኣ ዝፈልጠና ኣይነበረን፣ ሰሚር ግን ሕቶ ኣይደለኹሉን ነይረ፣ ዝተረፉ ኵሎም ግን ክሳዕ ሎሚ ኣይፈልጡን እዮም፣ ሎሚ ከኣ ሰሚር ገጹ ከምታ ዝድንገጸለይ ዝነበረታ’ያ ዘላ፣ ሽዑ ኣይተረድኣኒን’ምበር ገጸይ ነዲሩ’ዩ ነይሩ፣ “ዋው...! እሞ ከተላልይና ኢኺ....”። “ኣነ ከይረኣኹዎ ኣይከይድን’የ...”። “እዛ ጥሪስ ድሓን ኢና’ሞ...”። “ማሓዝቺ። መሓዛ ቍጽሪ 1 ኣነ ኣለኹ...።” እናበሉ እናተላገጹ ስሓቑ፣ ብስራት ዓንጃል’ውን ክማስየኒ ፈቲኑ፣ ሰሚር ግን ከማይ ካብ ፍሽኽ ኣይሓለፈን፣በብሓደ ተፋንዮሙኒ ከዱ፣ ቦዲን

    ሓንቲ ረቃቕ ጂለ ጎልፎን ብዘይ ሻርባ። ትሕት ዝበለ ጥላፍ ጫማን ጅንስን ገይረ ነይረ፣ ኣስመራ እቲ ብልዕሊኣ ዝሓልፍ ዝነበረ ደበና ዛሕሊ እናጓሓፈላ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ብርቱዕ ቍሪ

    ነይሩ፣ እቲ ብውሽጠይ ገጽ ብስራት ርእዩ ዝውላዕ ዝነበረ ስምዒታተይ። ብርቱዕ ረስኒ ይፈጥረለይ ስለ ዝነበረ ከምኡ ዓይነት ውሳነ ክውስን እንከለኹ ብኩነታት ኣየር ኣይሓሰብኩን፣ እቲ ሕማቕ ግዜ መንነተይ ክሃንጽ። ኣብቶም ዝኣምነሎም ክጸንዕን ክተብዕን ምሂሩኒ እዩ፣ ሰሚር “ወዲ-ረቢ” ጥዑይ ሰብ’ዩ፣ ተጠውዩ መጺኡኒ፣ ኣነ ብእግረይ ተበጊሰ’የ ነይረ፣ ሰሚር ናብ ገዛይ ሒዙኒ እናኸደ ብዛዕባ ካልእ ከዕልለኒ ይፍትን ነይሩ፣ ኣነ ከኣ ኵሉ ግዜ ኣብ ደገ ዝሓዝኩዎ ሕማቕ ስምዒት ናብታ ሰላመይ ዝዀነት ገዛይ ቅድሚ ምእታወይ ኣጽሪየዮ ክኣቱ’የ ዝደሊ፣ ሰላም፡ ቤተይ ከምኡ ገይረ አኽብራ እየ፣ ስለዚ ንሰሚር ኣቐዲሙ ከውርደኒ ሓቲተዮ፣ ገና ረስነይ ስለ ዘይጐደለ ገለ ከይበለ ደው ኣቢሉዋ፣ ከመይ ኢለ ዘኪረዮ ኣይርደኣኒን። “እዛ ናይ በይነይ ገዛ ብዘይካኻ ዝፈልጣ የለን፣ ንዝዀነ ሰብ ከይተርእየለይ ቃል እተወለይ፣... ቃልሲ ይትረፍ ግን ንዝዀነ ሰብ ከይተርእየለይ እልምነካ ኣለኹ!?” ኢለዮ ወሪደ፣ መልሱ ክሰምዕ ኣይበልኩን ተሰናቢተዮ መገደይ ጀሚረ፣ካብቲ ሕርቃነይ ንምውጻእ ብዛዕባ

    ኵሎም ክሓስብ ጀሚረ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን መሪሕ ካብ ኣሃዱኡ ምስ መጽአ ናብ ገዛ ስድራይ ከይዱ ስኢኑኒ’ዩ፣ ምእንቲ ርእሱ ክራማት ስለዝዀነ ክልቲኦም መምህራን ኣለው፣ ካልእ ገሊኡ ሸቃጣይ። ገሊኡ ሓዳር ገይሩ። ገሊኡ ኣብ መንግስታዊ ስራሕ። ገሊኡ ኣብ ሰንፈላል እናነበረ ካብ ኣስመራ ኣይወጽአን፣ ኣስቴር ግን ሓዳራ ኣብ ማይዓይኒ’ዩ፣ ንሳ ኵሉ ሳዕ ኣይንረኽባን ኢና፣ ዝያዳ ምስ ኣወዳት ጥራይ ምዕላል ትፈቱ ዝነበረት ኣስቴር። ምሳና ውሑድ ህይወት’ዩ ነይሩዋ፣ ንዓናን ነቶም ኣወዳትን ጓል ሞንጐ ስለ ዝነበረት ግን ህላወኣ ኣዝዩ’ዩ ዘገድሰና ነይሩ፣ ሎሚ ዓቢናን ለቢምናን ኢና፣ ኣብ መወዳእታ ምሳይ ጽቡቕ እናቐረበት ብቐሊሉ ከተንብበኒን ክትርድኣኒን እንከላ። ኣነ ከኣ ብዙሕ ነገራ ኣጽኒዐያ ነይረ፣ ካናሪ ስሓቓ። ጻዕዳ ልባን ፈቓቕ ስናን ዝርስዐን ከም ዘየለ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዕላልና ርእየዮ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ርክብና ንብስራት ንምርካብ (እቶም ዘይረኸብናዮ ኣነ። ወይዘርን ሰብኣያን) ዝዓለመ እዩ፣ ግን እዞም ሰብ ሓዳር። ሓዳር ኣለቢሙ ካብ ሎሚ ሓሊፎም ብዛዕባ ጽባሕ ከም ዝሓስቡ ገይሩዎም’ዩ፣ እቲ ናይ ሆሆ ምትእኽኻብ ናብ ቍምነገር ክቕይሩዎ ይደልዩ እዮም፣ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ብዙሕ ተማያይጥና፣ ኵሉ ጽቡቕ’ዩ ነይሩ፣

    ሓውሲ ማሕበር ኴይና ኣብ ሕማቕን ጽቡቑን ክንማቐል ተባሃሂልና፣ ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ንዝሓመቐ ብሞራል። ሓሳብን ንዋትን እናሓገዝና ሰብ ክንገብሮ ንኽእለሉ መገዲ ክንፈጥር ተሰማሚዕና፣ ከም መርኣያ ሓቅነትና ነታ ነዚ ነገር ዝያዳ ትደልዮ ዝነበረት ኣስቴር ማይዓይኒ ኬድና ክንርእያ ተሰማሚዕና፣ ዘድሊየና ኵሉ ዝቕርቡዎ ሰብ መሪጽና ተፈላሊና፣ ጽባሕ ነቲ እንማልኦ መግቢ ክንሰርሕ ኢና ተቛጺርና፣ ኣስቴር ምስ ረኣየትና እንታይ ይስመዓ ይኸውን? ከም ቀደማ ክትስሕቕ ጥራይዶ ትጸንሓና ትኸውን? ሰብኣያ ኣዝዩ ንፉዕ ምዃኑ ከዕልሉ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ተስፋ ይገብር ጽቡቕ ክትጸንሓና፣ፎዅሱኒ ኣሎ። ሰላም ለይቲ

    ምቅርቲ!

    ***14 ሓምለ 2013ማይ ዓይኒትማሊ በጊዕ ተሓሪዳ ጸብሒ

    እናሰራሕና እንከለና። ብኸመይ ከም ንኸይድ ዘረባ መጺኡ፣ ብስራት “ላንድክሩዘር ዘይንካረይ!” ኢሉ፣ ኣነ ቅጭ መሊኡኒ “ሰሚር ናይ ገዛኦም ልዕል ዝበለት ኣላቶ ከምጽኣ ይኽእል’ዩ፣ ንጉሰ እታ ናይ ስርሑ ፒክ ኣፕ ኣላ፣ ናትካ ኣላ... እቲ ክትካረየሉ ዝሓሰብካ ገንዘብ እንተደሊኻ ንኣስቴር ኣብ ኢዳ ትህባ!” ነዲረ ተዛረብኩ

    “ፍቕሪና ጠፊኡ’ዩ... ግን መዓስ ይርሳዕ/ ትዝታ ከኣ ህይወት መሊሱ ይሰኵዕ/ ህይወት ይቕጽል’ዩ... ኣነ ግን እፈርሕ.../ ንስኺ ዘይብሉ ምንባር ጋዶ/ ቃንዛ ናፍቖትኪ መዓስ እሓድጎ...” ሓንቲ ካብ ደርፊታት ዶን ዊልያምስ ክሰምዕ’የ ጸኒሐ፣ ከም ሕሱም ናፊቐኪ? ስለምንታይ ኢኺ ካባይ ክንዲኡ ርሒቕኪ? ምርሓቕኪ ንኵሉ ቃንዛይ። ናፍቖተይ። ሻቕሎተይ ዘህድኦ ይመስለኪ ከይህሉ!? እኳ ደኣ መሊሰ እናፍቐኪ! እኳ ደኣ መሊሰ ብኣኺ እሻቐል! እኳ ደኣ መመሊሰ እቕንዞ። ነብሰይ እረግማ!ትማሊ ናብቲ ፍቕሪና ነስተማቕረሉ ዝነበርና ቦታታት በጺሐ ነይረ፣ ሰማይ ጸሊም

    ደበና ተጻዒኑ። መሬት ሕማቕ ዛሕሊ ገይሩ። እቲ ኣግራብ ተጸዊጕ ኵሉ ነዛ ክርእየኒ ጸሊኡኒ፣ ህይወተይ ኮንቱ ኰይና ትስመዓኒ ኣላ፣ እቲ ዝዘርናሉ ጐደና ዝበዝሐ ገዛውቲ ተዓጽዩ ጸምዩ’ዩ። ዝነብሕ ከልቢ’ኳ ኣይረኸብኩን፣ እተን ኣብታ ዓባይ ጨዓ ዝእከባ ዝነበራ ጨራሩ ኣሰር ድምጸን ስኢነዮ፣ እቲ ሰፈረን ነቲ ጨናፍር ናብ መሬት ገጹ ኣዝጢጡዎ ኣሎ፣ እንተ ንሳተን ኣብ ውሽጢ ድየን ተሓቢአን ዋላስ ንዓይ ምስ ረኣያ ኣርሒቐን በሪረን ኣይፈልጣን፣ እቲ ካብ ጎቦ መኰነን ንታሕቲ እናዛረየ ዘርውየናን ዘዘናግዓናን ዝነበረ ዛራ ስትይ ኢሉ ጸኒሑኒ፣ ላህመቱ ግን ኣሎ፣ እንታይ’የ ገይረየን!? እንታይ’የ ገይረዮም!? ክልተና ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንሓልፎም እንከለና ፍሽኽታኦም መሊኦም ሰላም ዝብሉና ዝነበሩ ሓለፍቲ መገዲ

    ገጹ ከይረኣኹ፣ ንመጀመርታ ግዜ’የ ናብኡ ዝቐንዐ ተዛሪበ፣ ሰሚር ኣልጊቡ “ጽቡቕ ኣላ ሶይራ እኹላት’የን ሽግር የብሉን” ኢሉ ዘረባ ዓጸዎ፣ ስምዒተይ ዝዀነ ሰብ ከየስተውዕለሉ ተሰኪፈ፣ ኣቐዲመ’ኳ ሓሲበያ እንተ ነበርኩ ንዝበዝሑ (ብፍላይ ነቲ ዓንጃል) ዋዛ ስለ ዝመስሎም። “ኣነ ከኣ እታ ዝምክሓላ ሒዘያ ክመጽእ እየ።” ምስ በልኩ ስሒቖም፣ ናቱ ስሓቕ ግን ልዕሊ ኵሎም’ዩ ነይሩ፣ እቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ ካራ ወርዊርኪ ትም ኣብሊዮ ጥራይ ዝብል ሰይጣናዊ ሓሳብ መጺኡኒ፣ ኵሉ ግዜ ግን ሰብ ክበሃል እንተዀይነ ሕድገት ክገብርን ነዚ ከምዚ ስምዒታት ክውሕጦን ከም ዘለኒ ንነብሰይ አዘኻኽራ’የ፣ መምህርይ “ቶለራንስ - tolerance!” ብስምዒት ዝደጋግሙዋ ቃል ብፍሉይ አስተማቕራ ኣለኹ፣ ካብ ኵሎም ብቝጠባ ዝሓመቕኩ ኣነ’የ ክኸውን ዝኽእል፣ ካብ ስድራይ ተፈልየ ገዛ ከም ዝተኻረኹ ዝሰምዕ ሰብ ዕብዳን ይመስሎ ይኽውን’ዩ፣ ዋሕዲ ገንዘብ እምበር ድኽነት የብለይን፣ ብርግጽ የብለይን!! ኣብዛ ሰላማዊትን ምጭውቲን ቤተይ ኰይነ ከም ድላየይ እሓስብን እጽሕፍን፣ ምንጪ ምንቕቓሐይ ከኣ ቤተይ’ያ፣ ንግሆ ድሕሪ ኵሉ ሰብ’የ ኣብ

    ቈጸራ መጺአ፣ ምኽንያቱ፡ ነታ ብዋዛ ዝደርበኹዋ ቃል ከተግብር ኣንጊሀ ናብ መሓዛይን መማህርተይን ጓል መምህር’የ ከይደ፣ እዛ ኣቐዲመ ዝነገርኩኺ “ቶለራንስ” ናይ ኣቦኣ ቃል’ያ፣ ብድሮ ብተለፎን ሕራይ ኢላትኒ ስለ ዝነበረት መኪናይ ሒዘ ተመሊሰ፣ ንብረት ጸዓዒኖም ኣብ ኣፍደገ ኰይኖም በብሞባይሎም ክፍቱነለይ ሁሩግ ኢለ፣ ክሳብ ኣብ እግሮም ኣትየ ደው ዝብል ግምት ኣይሃቡንን፣ መኪና ርእዮም እምበር “ሶይራ’ያ” ኢሎም ኣይጠመቱን፣ ኵሎም እንታይ ከም ዝብሉ ፈሊጥኪዮ ኣለኺ፣ ኣነ ስምዒተይ ኣይቀየርኩን፣ ኵሎም ብዓይኒ ሕቶ ይጥምቱኒ ብምንባሮም ካብ መሓዛይ ተለቂሐያ ከም ዝመጻእኩ ነጊረዮም፣ እቶም ምሳይ ብዕላል። ምንቅስቓስ። ደርፊን ካልእን ዝሰማምዑኒ ወይዘር። ሰብኣያን ጓላን ምሳይ ኰይኖም፣ መሪሕ ከኣ ንሰሚር ጠንጢኑ ናባይ መጺኡ፣ ኵላ ኣብ መመኪናኣ ኰይና “ኣድቨርታይዝ” ንምግባር ሙዚቃ ዓው ኣቢላ ትቐያይርን ትዋዘን ነይራ፣ ኣነ በቲ ዋዛን ስርሖምን እስሕቕ ነይረ፣ እቶም ናይ ውሽጢ ዕላልን ኒሒን ዘለዎም ግን ናባይ’ዮም መጺኦም፣ ተበጊስና፣ማይዓይኒ ምስ ኣተና። ኣስቴር ገዛኣ

    ሓቲትና ረኺብናዮ፣ ከምቲ ግርህናኣ ኣብ ካንሸሎኣ ዝነበረ ኣትክልቲ ኰይኑላ ጎላዕላዕ ኢሉ ነይሩ፣ ኣነ ንብዓት መሓዙተይን ስድራይን ኣየኽእለኒን ስለዝዀነ ምናልባት ከይትደፋነቕ መጀመርታ ክረኽባ ኢለ

    ቀዲመ ኣትየ፣ ክልተኦም ደቃ ኣብቲ ጽላል ለሚን ይጻወቱ ነይሮም፣ ስዒመ “ማማኸ!” ኢለዮም፣ “ሶይራ!” በለት ስንባደ ሓዊሳ፣ ብድምጸይ ፈሊጣትኒ ካብ ውሽጢ ገዛ ወጺኣ፣ ተሓናኒቕና እናተሰዓምና። “እንተኪእልኪናስ በሊ ኵልና ፈሲስናኪ...” ኢለያ እንተተዳለወት ኢለ፣ በብሓደ ኵሎም ኣትዮም፣ ከም ዝገመትኩዎ ምስ ረኣየቶም ሓጐስን ናፍቖትን ተደራሪቡዋ ነቢዓ፣ ዘድሊየና ስለ ዝተማላእና ዘይነገርናያ ኣይበልናን፣ ገዛኣ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ ካብ ገዛና ኣጸቢቑ ይጽብቕ፣ ኣቝሑታ’ውን ምሉእ’ዩ፣ ኣቝሑት ስለ ዘለካ ግን ኵለ ኣለካ ማለት ስለ ዘይኰነ ህይወታ ከመይ ከም ዘሎ ከተዕልለኒ ተሃንጢየ፣ ግን ምስ ብዝሕናን ምስዚ ዘሎ ስምዒትን ከተዕልለኒ ኣይትኽእልን’ያ፣ እቲ ዛሕዛሕ ኢሉ ዝነበረ ገዛኣ እናስሓቕና ኣላዒልና። ገዛ ወላዊልና። ንዂልና ዝኣክል ኮፍ መበሊ ኣብቲ ጽላላት ናይቲ ኣትክልቲን ፍሩታታን ኣዳሊና ወዳእና፣ ቡን ኣውርድ ከነብላ እንከለና በዓል ቤታ መጺኡ፤ ነቲ ስምዒትና ከኣ ምልኣት ፈጢሩሉ፣ እዚ ህይወት ኣበይ ይርከብ፣ ነዚኣ ዘጥፋእናዮ ዋጋ ሓዅምሽቲ’ዩ፣ ገንዘብ እንታይ’ዩ ዋጋኡ? ሰብ ንገንዘብ ክብል ከመይ ኢሉ ኵሉ መንፈሱን ክብሩን የጥፍእ... ከም ሎሚ ገይሩ ኣይገረመኒን፣ ኣስቴር፡ እተን ኣብ ማዓጕርታ

    ዝነበራ ክልተ ኣዝየን ሃሳሳት ማዳ። ቀው ኢለ ክርእየን ርእያትኒ፣ እዛ ጽብቕቲ ኣራንሺ ትመስል ዝነበረት ገጻ ኣራንሺ ከተፍሪዶ ኣጥፊኣታ እናበልኩ ዓይኒ ዓይና እጥምታ ነይረ፣ ገጸይ ብሓያል ድንጋጸ ዘቕቢቡ ይጥምታ ስለ ዝነበረ ተረዲኡዋ’ዩ መስለኒ ቀው ኢላ ጠመተትኒ፣ ዓይኒ ዓይኒ ነዊሕ ተጠማመትና፣ ንሳ። ኵሉ ብሰንኪ ብስራት ዘሕለፍኩዎ ሕማቕ ግዜ። ካብ ውድቀተይ ክትስእ ዝኸፈልኩዎ ዋጋ። ሕጂ ኣብ ቅድመይ ክረአ እንከሎ ከመይ ከም ዝውልዓኒ።... ትርእዮ ነይራ ትኸውን፣ ኣነ ግን ሰላም ቤታ ድዩ ሕሰም ናብራ ማዳ ኣውጺኡላ ኢለ እሓስብ ነይረ፣ ኣስቴር ግን ፈሊጣትኒ፣ ብኢዳ ናብ ከብዳ ሃሰስ ኣቢላ ፍሽኽ ኢላትኒ፣ ከይተረድኣኒ ዓው ኢለ ስሒቐ፣ ኣብ ሞንጐ ህዱእ ዕላሎም ስለ ዝስሓቕኩ። “ነዞም ምቍራት ሓንሳእ ኣዛዊረዮም ክመጽእ።” ብምባል ብድድ ኢለ፣ ንደቃ ሒዘዮም ወጺአ፣ ኣስቴር ከምታ ቀደማ ዓው ኢላ እናስሓቐት ነዊሕ መገዲ ክሳብ ዝኸይድ እሰምዓ ነይረ፣ ብእምነት ዝሰመየቶ ወዳ ናብ

    ጀርዲኖም መሪሑ ወሲዱኒ፣ ኣይተጋየሸን ጽቡቕ ገይሩ ኣላልዩኒ፣ ኪዳን ጓላ ከኣ ደጀን’ያ፣ ፈትየያ ክመውት ደልየ ኣለኹ፣

    ሶይራ - ኣርባዕተኣስመራ

    ገና ክናፍቐኪ’የከም ሰብ ግልጽ ኣይብሉኒን ኣለው፣ ኣቲ እንታይ ኢኺ ኢልኪዮም? ንገርኒ’ባ ጽገረዳ ዘመድ ልበይ፣ ሰብ እንድዩ ዝገብር ሕማቕን

    ጽቡቕን፣ ከይተፈለጠኒ ድየ በዲለ ልብኺ ዘሰምብር? ወይስ ፍቕሪ ኣይነበርክን... ተታልልኒ ኔርኪ... እሞ ሓቂ ክትነግርኒ ትብዓት ስኢንኪ!? ናፍቖትኪ እናሻዕ እናተመላለሰ’ዩ ዝጓዳእ፣ ካብ ፍቕሪና ህይወት ዋላ ኣይጸበ። ካብ ፍቕርና ኣሽሓት ኪሎሜተር ዋላ ይህደም። ቃንዛ ናፍቖትኪ ግን ካባይ ኣይፍለን’ዩ፣ ኣቲ ፈታዊተይ ናይ ህይወተይ

    መኣዛ... ኵሉ ይውለድን ይጠፍእን’ዩ፣ ፍቕሪ ይምስረትን ይፈርስን እዩ፤ ትዝታኡ ግን ኣይጠፍእን’ዩ፣ ኵሉ ትዝታ ቃንዛ’ዩ፣ ብጽቡቕ ንዝዓረፈ ዛንታ ትዝታኡ እናቐንዘወ ሓጐስ ይፈጥር ይኸውን’ዩ፣ ናተይ ግን ኵሉ ቃንዛ’ዩ፣ ኣንቲ ፍትውተይ...! ከም መስታ በርቂ’ንዶ ማሕ ኢልኪ ዋላ ጥፍኢ፣ ግና ነዛ ሓንሳእ ክርእየኪ፣ ኵሉ ሳዕ ክናፍቐኪ’የ... ከዕርፍ ኣይትጸበይኒ፣

    ኣርዓዶም በርሀ

  • ሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 - ገጽ 5

    ጥዑምዝጊ ተስፋይ

    ወዲ 14 ዓመት ተማሃራይ 9ይ ክፍሊ’የ። ቲቪ ኤረ ኣመና’የ ዝከታተል። ብፍላይ ድማ ኣብ ስነ ጥበብ ዓቢ ባህጊ ኣለኒ። ኣብ ዝዀነ እዋን ግጥምታት ክጽሕፍ እፍትን’የ። ቤተሰበይ ግን “ሱቕ ኢልካ ተማሃር፣ ሕጂ ግጥሚ ምፍታን ጽቡቕ ኣይኰነን” እዮም ዝብሉኒ። ኣብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ንኽኣቱ ዘለኒ

    ሃረርታ ደረት የብሉን። ምስኣቶም ንኽጽንበር እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ምኽርኹም’ባ ለግሱለይ?

    ሓበን ተስፋማርያም እምባኳኻት

    ዝኸበርካ/ኪ ሓበን፡ ፍቕሪ ስነ ጥበብ ካብ ንእስነትካ ክሓድረካ ከም ዝኽእል ናይ ሓያሎ ዓበይቲ ደረስቲ ታሪኽ ህይወት የዘንቱ። እዚ ዘለኻዮ ክሊ ዕድመ፡ ተውህቦኻ ከተለሊ ዝፈለምካሉ ክኸውን’ውን ይኽእል’ዩ። ከም’ቲ ጀሚርካዮ ዘለኻ ምጽሓፍ ባህ እንክብለካ ካብ ምጽሓፍ ወይ ምፍታን ኣይተብኩር። ብዕድመ እናበሰልካን ዝተፈላለዩ ጽሑፋት እናንበካን ብዝመጻእካ፡ ብስለት እናወሰኽካ ዓቢ ጸሓፋይ ዘይትዀነሉ ምኽንያት የለን። ገና ህጻን ስለ ዘለኻ ግን፡ ብዙሕ ዝተርፈካ ነገር ከም ዘሎ ክትግንዘብ ኣለካ። ሕጂ ሓሳባትካ ብዛዕባ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ይኹን ኣብ ካልእ ጉጅለ ምጽንባር ክኸውን የብሉን። ኣብ ከባቢኻ ክትዋስኣሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ክትሳተፍ ፈትን። ንኣብነት ከም መዕጸዊ ቤት ትምህርቲ፡ መዓልቲ ሰማእታትን መዓልቲ ናጽነትን ዝኣመስሉ ህዝባውያን በዓላትን ካልኦትን ተውህቦኻ እተርእየሎም ኣጋጣሚታት ክዀኑልካ ይኽእሉ’ዮም። ናይ ብሓቂ ተውህቦ እንተ ሃልዩካን እንተ ነፊዕካን ማዕጾ ጉጅለ ባህልታት ምኹሕኳሕ’ውን ኣየድልየካን’ዩ። ብኽእለትካ ተመሲጠን “ንዓይ ንዓይ” ዝብላ ጉጅለታት ክመጻኻ’የን። ከም’ቲ

    እቲ ንሰለስተ ሰሙን ክጽበየኪ እየ ዝበለኒ ኣፍቃሪየይ፡ ሕጂ ግን ተለፎን ደዊሉ “ስድራ ቤተይ ይህውኹኒ’ኳ እንተ ሃለዉ ዝገበርኩ ገይረ ንሓደ ዓመት ክጽበየኪ’የ” ኢሉኒ ኣሎ። ኣነ ግን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ጸኒሐ ክምርዖ’የ ዝደሊ። ቅድሚ መርዓ ክገብሮ ዝደሊ መደባት ኣይወዳእኩዎን። እንተ ዀነ ግን ንሱ፡ ነታ ዝበለኒ ሓንቲ ዓመት’ውን እንተ ተጸብዩኒ’ዩ!! በጃኻትኩም ካብኡ ንኸይፍለ ሓግዙኒ።

    ስመይ ንዓኻትኩም ጥራይ ካብ ባጽዕ

    እሞ ኣብ ሓያል ናይ ግዜ ዋጋ ዕዳጋ ኢኺ ተጸሚድኪ ዘለኺ። ካብ ሰለስተ ሰሙን ናብ ሓደ ዓመት ክተብጽሕዮ ምኽኣልኪ ክትንየቲ ይግበኣኪ። እቲ ንስኺ ትጠልብዮ ዘለኺ ናይ ግዜ ዋጋን ኣፍቃሪኺ ዝሓቶ ዘሎን ዓቢ ፍልልይ እንተ ሃለዎ’ኳ፡ ኣብ ዝቕጽል ዋጋ ዕዳጋ፡ ንኽትቀራረቡ ተስፋ

    ወዲ 24 ዓመት ብዓል ሓዳር’የ። ኣብ ዕርክነት 8 ኣዋርሕ ምስ ገበርና ከይተደናጐና ናብ ሓዳር ሰጊርናስ እነሆ ብዘይ ውላድ ኣርባዕተ ዓመታት ገይርና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ብዓልቲ ቤተይ ንኽሰምዖ ዘሰንበደኒ መርድእ ነጊራትኒ። ዝሓወይ ኣነን ንስኻን ሰብ ሓዳር ክንከውን ኣይተዓደልናን። ንስኻ ፍቕራዊ ደኣ’ምበር ስጋዊ ዕግበት ኣይሃብካንን። ኣብ ርክብ ኣዚኻ ዝሒልካ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ውላድ ክንረክብ ስለ ዘይከኣልና ንፈላለ ኢላትኒ። ብስንባደ ነብሰይ ናብ በረድ ተቐይሩ። እንታይ ከም ዝገብር ጠፊኡኒ ኣሎ’ሞ ምኽርኹም ሃቡኒ።

    ዒታሮ - ጸጸራት ጠንቂ ናይ’ቲ ጸገም ክልተ ነገራት

    ምዃኖም ኢኻ ኣተንቢህካልና ዘለኻ። በዓልቲ ቤትካ ኣብ ስጋዊ ርክብ ከም ዘይተዕግባ ነጊራትካ ኣላ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ውላድ ክትረኽቡ ብዘይምኽኣልኩም ባህ ኣይበላን። ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ሓዳር ጸኒሕኩም ከተብቅዑ ውላድ ዘይምርካብኩም ኣብ ሓደኹም ወይ ኣብ ክልተኹም ናይ ስርዓተ መፍረ ጸገም ክህሉ ስለ ዝኽእል ሕክምናዊ መርመራ ወይ ናይ ክኢላታት ምኽሪ

    ናብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ብኸመይ እኣቱ?ስድራ ቤትካ ዝበሉኻ ግን፡ ቀዳምነት ንትምህርትኻ ክትህብ ኣለካ። ስነ ጽሑፍ ወይ እቲ ዝንባለይ እትብሎ ዘለኻ ግጥሚ፡ ፍልጠት እናደለብካን ብኡ መጠን ድማ ኣእምሮኻ እናሰፍሐን ምስ ከደ ዝዓቢ ደኣ’ምበር፡ ተውህቦ ስለ ዘለካ ጥራይ ዝፍልፍል ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኣብ ትምህርትኻ ተገደስ፡ ውሽጥኻ

    ኣብ ዝኣዘዘካ እዋን ድማ ጽሓፍ - ዓወት ንምነየልካ!

    ሕጂ ድማ ዓመት ክጽበየኪ’የ ኢሉኒ

    ንገብር። ዝኸበርኪ ሓታቲት ሕጂ’ውን ካብ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ምኽሪ ክንህበኪ ኣይኰንናን። ኣብ ናትኪ ድልየት ወይ ዕላማ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይ ክልተኹም ስምምዕ ዝምርኮስ ስለ ዝዀነ፡ ድልየትን ኩነታትን ኣፍቃሪኺ ክትግምግምዮ ኣለኪ። ንስኺ ግድን ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ዘጽንሕ መደባት እንተ ሃልዩኪ፡ ንኣፍቃሪኺ ብዘየወላውል መንገዲ ንገርዮ። ምናልባት ንኽንድኡ ዝኣክል ዓመታት ንኽጽበየኪ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ክጽበየኪ’ዩ እዩ። እንተ ዘይኰይኑ ድማ ኣማራጺታቱ ንኽፍትሽ ዕድል ክረክብ’ዩ። ኣብ ሂወትና ዓበይቲ ነገራት ንኽንረክብ ግድነት ካልኦት ዓበይቲ ነገራት ክንከስር ወይ ክንስውእ ኣለና። ኣፍቃሪኺ በቲ ንስኺ እትደልይዮ ናይ ግዜ ገደብ እንተ ዘይተሰማሚዑ፡ ሓዲኡ ንኽትመርጺ ክትግደዲ ኢኺ። ወይ ንዕኡ ወይ ድማ ነቲ

    ኣርባዕተ ዓመታት ክወስደለይ’ዩ እትብልዮ ዘለኺ መደባት። እንተ ዀነ ግን፡ ሕጂ’ውን ምስ ኣፍቃሪኺ ብዕቱብ ተመያይጥኪ እትውድእዮ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ድልየትኪ ጥራይ ኣድሂብኪ ንዕኡ ጅሆ ክትሕዝዮ ምፍታን ሰናይ ኰይኑ ኣይስመዓናን። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ዝበልናኪ፡ ኣፍቃሪኺ ካባኺ ጭቡጥን ዘተኣማምንን ውሳነ ከም ዝጽበ ኣይትዘንግዒ። ሰብ ስለ ዝዀንኪ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ድልየታትክን ምርጫታትክን ክቕየሩ ይኽእሉ’ዮም። ኣፍቃሪኺ ድማ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ትጽቢት ማይ ሓቚኑ ክተርፍ ኣይደልን እዩ። ንሱ ንገዛእ ርእሱ ክቕየር ከም ዘይክእል’ውን ርግጸኛ ኣይኰንክን። ስለ’ዚ፡ ክልተኹም ተዘራረቡ፣ ኣብ ሓደ ደረት ናይ ግዜ ንርክብኩም ውሕስነት ከተንጽፍሉ እንተ ክኢልኩም ማሕረ። እንተ ዘይክኢልኩም ግና . . . ።

    በዓልቲ ቤተይ ደጊም ይኣኽለና ኢላትኒክትረኽቡ ይግብኣኩም። ምናልባት ብምኽሪ ወይ ብፍወሳ ክፍታሕ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል። እንተ ክትፈላለዩ እንተ ብሓንሳብ ክትቅጽሉ ድማ ኣቐዲምኩም ኩነታትኩም ክትፈልጡ ጥራይ ኢና ክንምዕደኩም እንኽእል። በዓልቲ ቤትካ ኣፍ ኣውጺኣ “ኣብ

    ጾታዊ ርክብ ኣይተዕግበንን ኢኻ” ምባላ ግን ማሕረ

    ገይራ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ ዝበለ ጸገም እናሃለወ ክዛረባኦ ስለ ዘሰክፈን ትም ይብላ ወይ ድማ ካልእ ምኽንያት ኣሳቢበን ክፋታሓ ይደልያ። በዓልቲ ቤትካ ግን ሓደ ካብ’ቲ “ንፋታሕ” ክትብለካ ዘገደዳ ምኽንያት ብጋህዲ ነጊራትካ ስለ ዘላ፡ ነቲ ጠንቂ ፈሊጥካ ፍታሕ ንኸተናድየሉ ሓጊዛትካ ኣላ። ክኢላታት ከም ዝገልጹዎ፡ ጾታዊ

    ዕጋበት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ዝተፈላለየ ኩነት ክፍጠር ዝኽእል ክስተት እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ወዲ ተባዕታይ ምስ ዝዀነት ጓለንስተይቲ

    ስጋዊ ርክብ እንተ ፈጺሙ ኣብ ጥርዘ-ስምዒት ክበጽሕ ይኽእል’ዩ ድማ ይብሉ። ኣብ ደቀንስትዮ ግን ዝተፈልየ እዩ። ጓል ኣንስተይቲ ግን ዘይከም ወዲ ተባዕታይ ክንዮ ጾታዊ ርክብ ዘተባብዕዋ ብዙሓት ኩነታት ከም ዘለዉ እዮም ዘብርሁ። እቲ ጸገም ድማ ንሳተን ነቲ ዘተባብዐን ኩነት ስለ ዘይዛረብኦ ደ ቂ ተባዕትዮ ድማ ስ ለ

    ዘይንርድኡለንን’ዩ። ዶክተር ደቪድ ደቭሊን

    ከምኡ’ውን ሳይኮተራፒስት ክርስቲን ወበር፡ ደቀንስትዮ ኣብ ጥርዘ ስምዒት (orgasm) ንኽበጽሓ ናይ ብልዕቲ ፍሕፈሐ (friction) ጥራይ እኹል ኣይኰነን እዮም ዝብሉ። ንወሲብ ዘተባብዑ ዝበሉዎም ገለገለ ነጥብታት ድማ ይዝርዝሩ። - ፍቕራዊ ወይ ኮሸምሸም ዝዓብለሎ

    (romantic) ዝዀነ ምቅርራብ ወይ

    ኩነት ንጓል ኣንስተይቲ ንጾታዊ ርክብ የተባብዓ። -ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኣብ

    ምቹእን ዘሐጉስን ኣከባቢ ክትህሉ ትፈቱ ወይ ትመርጽ። - ምስ እትፈትዎ ሰብ ጾታዊ ርክብ

    እንተ ፈጸመት ባህ ይብላን ንርክብ ድልውቲ ትኸውንን።-ብመጻምድታ ወይ ኣፍቃሪኣ

    ተደላይትን ተፈቃሪትን ወይ ተደናቒትን ምዃና ምስ እትንገር ዝያዳ ባህታ ስለ ዝስመዓ ሕጉስቲ ትኸውን።-ኣብ ክልቲኦም ጾታታት ጾታዊ

    ምንቕቓሕን እኹል ስምዒታዊ ነዝዕን ክህሉ ኣለዎ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ንኸይትጉዳእን ኣብ ጾታዊ ርክብ ጽልኢ ንኸይተሕድርን ሓጋዚ ምዃኑ ድማ ይሕብሩ። -መጻምድታ ከመይ ኣቢሉ ንጾታዊ

    ርክብ ከም ዘተባብዓ ኣፍልጦ ዘለዎ እንተ ዀነ ዝበለጸ እዩ።-ኣብ ርእሲ እዚ ቅድሚ ጾታዊ

    ርኽብ ፍቕራዊ ዝዀነ ዕላላትን ኣካላዊ ምትንኻፋትን ኣድላዪ እዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ይኹን ኣካላዊ ተምሳጥ ስለ ዝፈጥረላ ኣብ ጥርዘ ስምዒት ንኽትበጽሕ የቀላጥፈላ።ዝኸበርካ ሓታቲ፡ ብተወሳኺ

    ምስ ክኢላታት ናይ’ዚ ዓውዲ እናተማኸርካን ምስ በዓልቲ ቤትካ እውን ብጋህዲ እናተዘራረብካን ዘይትሳነዩሉ ምኽንያት የብልኩምን።

  • ሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተል

    ሄም ታደሰ

    Vacancy Announcement

    The Savings and Micro credit program (SMCP) invites qualified candidates for the following posts.

    No. Position titleMinimum Requirements Work Experience Quantity Location

    1 Auditor - IBA in Accounting

    2 years in auditing or related fields

    01

    Head Office with frequent Travel to zobas

    Diploma in Accounting

    5 years in auditing or related fields

    2 Regional Accountant

    BA in Accounting

    4 years in accounting or related fields

    01Zoba MaekelAsmara

    Diploma in Accounting

    8 years in accounting or related fields

    3 Senior Accountant

    BA in Accounting

    5 years in accounting or related fields

    01

    Head Office AsmaraDiploma in

    Accounting9 years in accounting or related fields

    4 Administration Officer

    BA in Management

    6 years in Management or related fields 01 Head Office

    Asmara Diploma in Management

    10 years in Management or related fields

    5 MIS Staff

    BSC in Computer Science

    1 year in Computer Science or related fields

    02

    Head Office with frequent Travel to zobas

    Diploma in Computer Science

    5 years in Computer Science or related fields

    1. Interested applicants are requested to send their application with CV and supporting Documents to SMCP P.O.Box 8269 Asmara, within 15 days of this Announcement.

    2. Applicants must submit their national service completion or exemption evidence.3. Salary;- As per SMCP Scale

    ሓዳስ መጽሓፍ ‘ዋሪ’

    ኩሎም ተመሃሮ መዋእለ ህጻናትን ቀዳማይ ክፍሊን ክውንኑዋ እትግባእ

    ፍልይቲ መጽሓፍን መምሃሪ ካርድታትን!ደራሲ።- ኣብርሃም ሃይለሚካኤል

    ኣከፋፋሊ።- ስምኦን መስፍን። ቍ.ስልኪ 07141990

    ካርድ ፊደላት

    ካርድ ቍጽርታት

    ካርድ ሕብርታት

    ን16ን 17ን ሕዳር ኣብ ስኔማ ኢምፔሮ ከምኡ’ውን ኣብ ስኔማ ደቀምሓረ

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዳዕሮ ኩንዓት

    ወ/ሮ ምሕረት ገብረትንሳኤ ይፍጠር፡

    እታ ብተማሃሮን መምሃራንን ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበት

    Problem Solver of High School Physics ዘርእስታ

    መጽሓፍ፡ ብልዕሊ 20 ሙኩራት ናይ ፊዝክስ መምሃራን ተኣሪማ፡

    ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኩለን ኣብያተ መጽሓፍቲ ተቐሪባትልኩም

    ኣላ።

    ትሕዝቶ መጽሓፍ ካብ 9-12 ክፍሊ ዘጠቓለለት ኮይና፦

    • Over 700 Solved Problems

    • Over 550 Multiple choices

    • Over 800 Supplementary Problems

    • Over 400 illustrative Figures & Diagrams

    ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁጽሪ ሞባይል 07258560/07151337

    ብስራት ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ

    በዓል ቤተይ ዳኒኤል ወልደማርያም ስእለ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ

    ግሮቶ

    ወ/ሮ ገነት ሓድጉ ወልኣብ፡ ወደይ ምስግና ሰለሙን ተኽለ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 5 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ጎልጅ

    ሜሮን ኣብርሃለይ ተስፋሚካኤል ምባል ተሪፉ፡ ሜሮን በርሀ ገብረመድህን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዮናስ ኣብርሃለይ ተስፋሚካኤል ምባል ተሪፉ፡ ዮናስ በርሀ ገብረመድህን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 - ገጽ 7

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተል

    ሄም ታደሰ

    Shandong Mining Development EritreaLtd Add: Jegeranda St.299/10 No.43

    Tel: +291-08209470 Fax: +291-1-151096

    NOTICENotice is hereby given to the public that Shandong Mining Development Eritrea Ltd has changed its General Manager from Luo Xiao Dong to Wang Gusien (holder of China passport No. G35511685) as legal representative, negotiator and license holder for our

    company in Eritrea.

    Board of Directors

    INVITATION FOR BIDSembel Hospital located in the Sembel Residential Complex, invites interested and qualified caterers to rent the kitchen, restaurant, coffee shop and the grocery, to serve meals to its patients.

    Interested people will obtain bid documents by paying non-refundable 1,000.00 (one thousand) Nakfa from the finance department of the hospital from November 20th – 30th/2013.

    Sembel Hospital Management

    VACANCY ANNOUNCEMENT

    Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the following positions for its Bisha Site Project;

    1. Position:- Drill and Blast Superintendent ( 1)

    Major Duties and responsibilities:-

    ØDevelop, review and implement best practice for all drilling and blasting activities.Ø Control and management of the operating budget.Ø Monitor and report on daily performance and monthly progress.Ø Control and management of all drilling and blasting activities including Explosives Magazine.Ø Management of drilling and blasting consumables including stock control.Ø Design and interpretation of blast hole and tie-in plans and effective communication and implementation in the field.Ø Assist in training and upgrading the National workforce through successful skills transfer.Ø Implement a program of ongoing training and development so as to affect skills and technology transfer for successful succession planning.Ø Implement employee performance management processes to ensure optimum employee performance.Ø Demonstrate high level of communication with the Mining Operations personnel and other departments.Ø Interface with mine, corporate and community stakeholders to ensure successful and safe drilling and blasting operations.Ø Ensure that activities are carried out in strict conformance with all BMSC policies inclusive of cultural, social, safety and environment.Ø Proactively promote a positive Site safety and environmental management culture.

    WHAT WE WANT…

    Ø Commitment to safety and environment above all else.Ø Commitment to training, coaching and skills transfer.Ø Commitment to continuous improvement.Ø Leadership and management ability.Ø Person capable of taking initiative to achieve positive outcomes.Ø Highly organized individual capable of prioritizing tasks.Ø Ability to deliver outcomes on-time and within budget. Ø Experience with DTH and Top Hammer blast hole drill rigs.Ø Experience in control blasting techniques.Ø Experience in reactive ground conditions

    PROFESSIONAL AND INTERPERSONAL DETAILS

    Ø Degree/Diploma in Mining Engineering or Explosives Technologies.Ø +5 years open pit mining in a drill and blast capacity.Ø Demonstrated knowledge of Blast Design and Initiation software. (Surpac, BlastInfo)Ø Prior experience in Explosives Magazine control and managementØ Demonstrated people leadership and ability to training and transfer skills.Ø A valid Driver’s License.Ø A valid Blasting Certificate.

    General Information and other requirements:

    • Place of Work: Bisha site.• Type of contract: Definite Period.• Salary: As per Company salary scale.

    • Additional requirement for Nationals: • Havingfulfilledhis/herNationalServiceobligationandprovideevidenceof

    release paper from Ministry of Defense. • Presentclearancepaperfromcurrent/lastemployer• Testimonialdocumentstobeattached(CV,workexperiencecredentials,acopy

    of your National Identity Card etc.).• Onlyshortlistedapplicantswouldbeconsideredaspotentialcandidatesforan

    interview.

    • Applicationdocumentswillnotbereturnedtosenderand,• Allapplicationsshouldbesentthroughthepostoffice.• Deadlineforapplication:10daysfromthedayofpublicationintheNewspaper.• Address: Please mail your applications to; Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, EritreaNote to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to Ministry of Labor and Human WelfareDepartment of LaborP.O.BOX 5252, Asmara, Eritrea

    Invitation for Bids (IFB) Name of Country: EritreaName of Project: Global FundGrant No: ERT-H-MOHDate: November 16, 2013IFB Title: Procurement of Agenda, Calendar & New Year Post Card IFB Number: GF/R10H/NCB/03/2013

    1. The Ministry of Health of the State of Eritrea has received a grant from the Global Fund towards the cost of HIV/AIDS, Malaria, and TB Project. It is intended that part of the proceeds of this grant will be applied to eligible payments under the contract for procurement Of:

    S/N Description1 Design & produce 2014 Agenda2 Design & printing of 2014 calendar3 Design & printing of 2014 New Year

    Post card

    2. The Project Management Unit of the Ministry of Health now invites sealed bids from eligible bidders for the supply of Agenda, Calendar & New Year Post Card.

    3. A complete set of bidding documents may be purchased by interested eligible bidders on the submission of a written application to the above address and upon payment of a nonrefundable fee of ERN two hundred (200.00) from 08:00 to 12:00; 14:00 to 18:00 hours Monday to Friday.

    4. Bids must be delivered to Project Management Unit/MOH, Denden Street No. 82 Asmara, Eritrea; Tel: 291-1-122978; Fax; 291-1-124357, on or before 15:00 Hours on November 29, 2013. All bids must be accompanied by a bid security to be not less than two (2) percent of the bid amount in a freely convertible currency which should be submitted sealed within the bid offer envelop

    5. Late bids will be rejected. Bids will be opened in the presence of the bidders’ representatives who choose to attend at the address below at 15:05 hrs on November 29, 2013.

  • ሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 - ገጽ 8

    መበል 101 ክፋል

    በዓል ወጻኢኣብ እንዳ ሓሞኡ ቤት ክኣቱ እንከሎ

    ነብሱ ግፍፍ ስለ ዝበሎ በቲ ኣብ ነብሱ ዝተጻዕነ ሓድሽ ስምዒት ግር ኢልዎ ነበረ። ናይ ሕጽይቱ ምሕጽንታ ሸለል ኢሉ ንጀርመን ክምለስ ኣይደለየን። ‘ስድራይ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንወጻኢ ክትወስደኒ ምዃንካ ስለ ዝፈልጡ እዚ ሓድሽ ሓሳብካ ኣይፈልጥዎን ስለ ዝዀኑ ኣፍልጦም’ እያ ኢላቶ ሕጽይቱ። ወ/ሮ ርግበ፡ ሰብኣይ ጓላ ምስ ረኣየት ኣብ

    ልዕሊኡ ዘለዋ ክብሪ ከተረጋግጽ ዝደለየት ክትመስል ሸበድበድ በለት። ኣብ ኮፍ ተብሎ ጠፊእዋ ድማ ‘ንዓ በዚኣ፡ በዚኣ ደኣ ትሕሸካ’ ክትብል ተሰምዐት። ጓል ጽቡቕ ገይሩ ክሕዘላ ዘለዋ ህንጡይነት’ዩ ከምኡ ክትገብር ገዲድዋ። ሕጹይ ጓላ ከየዳለዋ ሃንደበት ብምምጻኡ ኣብ ወጥሪ’ኳ እንተኣእተዋ ብዝተዓጻጸፈ ክብሪ ክትድብሶ ግና ዝከኣላ ትገብር ነበረት። ደርሆ ሓሪዳ ዘይጸንሓቶ’ዩ ኣሰኪፍዋ። “ኣንታ ሚልኪያስ ከምኡ ዘይግበር!’’ ቅር ከም ዝበላ ገለጸት። “ሰብኣይ ጓል ክቡርዶ ኣይኰነን። ናብ ጓና ከም ዝመጻእካስ ጥራይ ኢድና ክንጸንሓካ! እንታይ’ሞ ክንገብር! ሃንደበት ተሌፎን ደዊልካስ ሕጂ ክመጽእ’የ ኢልካና።’’ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተት ጌጋ ናቱ ምንባሩ ሓበረቶ።“ወ/ሮ ርግበ ከምኡ ክትብሊ የብልክን።

    ሰብ ገጹ’ምበር ካልኡ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኰነን። ካብዚ ድሙቕ ፍሽኽታኺ ዝዓቢ ወላ ሓደ የለን። ኣብዚ ቤት ድማ ጋሻ ኣይኰንኩን። ተሪፉኒ ዘሎ ግዜ ሓጺር ብምዃኑ’የ ሃንደበት ክመጽእ ተገዲደ። ካብ ክልተ ሰለስተ ዘይበዝሓ መዓልቲ’የን ተሪፈናኒ ዘለዋ። ህጹጽ ጉዳይ ስለ ዘጋጠመኒ ግና ከይመጻእኩ ክኸይድ ኣይደለኹን። ኣነን ኣዛሄርን ዘየሰማማዓና ጉዳይ ስለ ዘሎ ቅድሚ ምብጋሰይ ንስኺ እቲ ጉዳይ ትሰምዕ’ዮ እሞ ገለ ፍታሕ ከነምጽእ’ዩ ባህገይ።’’ ቀልጢፉ ናብ ጉዳዩ ኣተወ።“እንታይ ዘየሰማምዕ ወደይ?’’

    ዘይፈለጠት ክትመስለ ዝደለየት ርግበ ናይ ስንባደ ስምዒት ኣርኣየት። “ደሓን’ሞ ኰፍ በል፣ እቲ ዘየሰማምዕሲ ብስምምዕ ክዛዘም’ዩ። ሕጸ እኳ ዋዛ ኣይኰነን። ንመርዓ እናተዳለናሲ ዘየሰማምዕ ጉዳይ ክርከብ፡ ያያእ ጽቡቕ ኣይኰነን። በል ደስ ክብለኒ ንኡሽተይ ገዓት ክገብር’የ።’’ ግብረ መልሲ ከይሰምዐት ብሸበድበድ ናብ ኩሽነ ኣምርሐት።“ደሓን ዲኺ ኣዛሄር?’’ ሓማቱ ምስ

    ወጽአት ነታ ጋሻ ከም ዝረኣየት ኰሪዓ ዝነበረት ሕጽይቱ ከዛርባ ደለየ። “እንታይ ደኣ ዝዀረኺ ትመስሊ?’’ ኰነ ኢሉ ክትንክፋ ዝበሎ’ዩ። ስቕታኣ ካብ ኩራ ዝዓቢ ስምዒት’ዩ ኰይንዎ ነይሩ።“ደሓን’የ እንታይ ኰይነ’ሞ ክኹሪ!’’

    ብላዛ ዘይብሉ ቃና መለሰት። “ወላሓንቲ ዘዀሪ ምኽንያት የብለይን። መዓልቲ ኣኺላ ሓቀይ?’’ ናብ ካልእ ዘለለት። ኣብ መወዳእታ ልባ ሰይርዋ ይኸይድ ብምንባሩ ብዙሕ ደስ ዘይብል ስምዒታት ጸይራ ነበረት።“እወ ኣትያ’’ በለ ግብረ መልሲ ናይ

    ሕጽይቱ ቅጭ ስለ ዘምጽኣሉ ክቕጽል ከም ዘይደለየ ድንን ኢሉ። ኣይደንጎየን ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ስቕታ ነገሰ።

    ***ኣርሴማን ጊላዝጊን ጉዳዮም ንምፍታሕ

    ዝጀመርዎ ዝርርብ፡ ቀስ ብቐስ እናረሰነን እናነሃረን ክኸይድ ተራእየ። ኣርሴማ ዘይተቖጻጸረቶ ስምዒት ክህውኻ ካብ ዝጅምር መዓልትታት ሓሊፎም ነበሩ። በዓል ቤታ ጊላዝጊ ግና ነቲ ኣብ ስደት እንከሎ ዝጀመረ ጉዳዮም ህድእ

    ብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]

    ኢሉ ክሕዞ’ዩ መሪጹ። “እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና ኣርሴማ? ኣነ’ኳ ሃንደበትን ዘይሓሰብክዎን’ዩ ኰይኑኒ ዘሎ።” ስክፍታኡ ገሊጹ ጠመታ።“ጊላዝጊ’’ በለት ኣርሴማ ትርር ብዝበለ

    ድምጺ። ይኣክል ክትብል ኣንቂዳ ነበረት። ኣብ ሓጥያት ዘእተዋ ቀንዲ ጉዳይ ካብ በዓል ቤታ ምፍላይ ምዃኑ’ያ ትኣምን። ብሓደ እንተዝነብሩ ከም ዘይትጋገ ምሉእ እምነት ነይርዋ። “ሓዳር እንተዀይኑ ሓዳር ይኹን። ስለ ዝተፈላለና ኢና ክንተኣማመን ዘይከኣልና። ስለዚ ሕጂ’ውን ጠቕሊልና ንሰደድ እንተኢልካ እሰማማዕ’የ፡ ካብዚ ወጻኢ በይንኺ ሓዳርኪ እለዩ ትብለኒ እንተዄንካ ግና ክሰማማዕ ከም ዘይኰንኩ ክሕብረካ እደሊ።’’ ንጹር መርገጺኣ ኣፍለጠት።“እዚ ጉዳይ ግና ንዓይ

    ሃንደበት’ዩ ኰይኑኒ ዘሎ።” በለ ብዓይኒ

    ጥርጣረ

    እናጠመታ። “እንታይ ስለ ዝዀንኪ ኢኺ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዘይኣመልኪ ጠባይ ተምጽኢ ዘለኺ?’’“ኩሉ ነገር መወዳእታ ኣለዎ

    ጊላዝጊ። እዚ ናተይን ናትካን ሓዳር ክትብሎ’ውን ዘይትኽእል ምትእኽኻብ’ዩ - ኣብ ዝደለኻ ትፍጽሞ ምትእኽኻብ።’’ ተገንጪራ መለሰትሉ። ነበልባል ዝልእኩ ዝመስሉ ኣዒንታ ድማ ኣፍጢጣቶም ነበረት።“ከምዚ ናትና ሓዳር’ሞ ብዙሕ እንድዩ

    ዘሎ። ክንደይ ሓዳር ድዩ ሰብኣይ ተሰዲዱን ካብ ቅድሚ ደቁ ርሒቑን ዝመርሖ ዘሎ? ስለምንታይ ግና ሓዲሽ ነገር ከም ዘጋጠመና ገይርኪ ትዛረብሉ ኣለኺ?’’ ጊላዝጊ ናይ ሰበይቱ ምኽንያት ክርደኦ ኣይከኣለን። እቶም ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበሩ ሕቶታት’ውን ጥርጣረ ዘበገሶም’ምበር ንጹር መልሲ ዝረኸበሎም ኣይኰነን። ካብቶም መልሲ ዘይረኸበሎም ሕቶታት ሓደ ‘ካልእ ሰብኣይ ለሚዳ’ ከይትኸውን ዝብል ሓሳብ ዓብሊሉ ነበረ።“ኣነ ናተይ’የ ዝዛረብ ዘለኹ። ምኽንያቱ

    ፈለማ ክንምርዖ እንከለና ካብዚ ኣብ ሓዳር ከም ከቢድ ሽግር ዝሓስቦ ጉዳይ ክገላገል’ዩ ትምኒተይ ነይሩ። ሰብኣይን ሰበይቲን ነንበይኖም ዝነብሩ እንተዀይኖም ስለምንታይ ይማራዓው ዝብል ሓሳብ ድማ ብቐጻሊ ዘተሓሳስበኒ ዝነበረ’ዩ። ግና ዕድለይ ኰይኑ ድማ. . .’’ ሃንደበት ንብዓት ስለ ዝሰዓራ ክትቅጽል ኣይከኣለትን። “ጊላዝጊ ብድሕሬኻ ጌጋ ፈጺመ ምስ ካልእ ሰብኣይ ዘምየ’የ።” ነቲ ኣብ ኣእምሮኣ ሰፊሩ ነዊሕ ዘሳቐያ ተግባራ ሃንደበትን ብዘይሓሰበቶን

    ስምዒት ደርጉሓቶ። ንበዓል ቤታ ጥራይ ዘይኰነ ንገዛእ ርእሳ’ውን ከይሓሰበቶ ዝሰዓራ’ዩ ዝመስል ነይሩ።“እንታይ ትብሊ ኣለኺ?’’ ጊላዝጊ

    ንኸማኡ ዓይነት ተግባር ክጻወር ዘኽእል ስምዒት ስለ ዘይነበሮ ብድድ ኢሉ ክወጽእ ናብ ማዕጾ ሰጎመ።

    ***“ኣይተኣመንኩን ማለት ድየ?’’ ሲናይ

    ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ መቐረትን ሲናይን ጽልኡ ብዘንጸባርቕ ገጽ ጠመቶም። ክልቲኦም ብሓባር ኰይኖም ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸምዎ ጉዳይ ግ ዜ ከይወሰዱ ክናዘዝሉ

    ተቐሲቦም ነበሩ። “ንስኻ ከኣ ከም ዓርከይ መጠን ክንዲ

    ትከላኸለለይሲ ኣሕሊፍካ ክትህበኒ!” ገሪምዎ ርእሱ እናነቕነቐ ንዓርኩ ጠመቶ።“ከምኡ ኣይኰነን ሲናይ!’’ መቐረት

    ጣልቃ ኣተወት። “ሓቅነትካ ንኽነረጋግጽ ዝገበርናዮ ጉዳይ’ዩ።’’ ንሓልዮቱ ከም ዝተበገሱ ገይራ ሓበረቶ።“ምሳኻ ይዛረብ ኣለኹ ሴም!’’ ንመቐረት

    ጎስዩ ምስ ዓርኩ ኣንጸርጸረ። “መቐረት ንመሓዝኣ’ያ ትጣበቕ ዘላ። ንስኻ ድማ ንዓይ ንቐንዲ ዓርክኻ ኣሕሊፍካ ሂብካኒ።’’“ኣንታ ከምኡ ኣይኰነን!’’ ኣብ መንጎ

    ዝተቐርቀረት መቐረት፡ ኣፍቃሪኣ ኣብቲ ጉዳይ ዝጥቀስ ኢድ ከም ዘይብሉ ክተረድእ ሓሳራ በልዐት። “ኣነ ንኽልተኹም ብሓደ ኣዒንቲ’የ ዝርእየኩም። ምስኣ ክትበኣስ እንከለኻ ምሳይዶ ኣይኰንካን ትማኸር ዝነበርካ? ከመይ ኢልካ ደኣ ንሶልያና ከም ዝጣበቕ ገይርካ ትገልጸኒ? ደሓር ድማ ንሴም ኣይትኽሰሶ። ንሱ ኣብዚ ጉዳይ ከይሓሰቦ ዝኣተወ’ዩ። ግና ንዓኻ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይኰነን። እንታይ ስለ ዝገበርካዮ’ሞ ከምኡ ክገብር? ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት!’’ መልሱ ተጸበየት።“እሞ ኣነ ሕጂ ዝገብሮ የብለይን።

    ሃራምየይ ዝመሰለኒ ሰብ ከሲሰዮ ስለ ዘለኹ ናይ ግድን ኣብ ፖሊስ ክቐርብ ክኽእል ኣለዎ። ንፖሊስ እንታይ ክብሎም ትደልዩኒ ኣለኹም? ካልእ ይትረፍ እቲ

    ዝጠርጠርክዎ ሰብ ይቕረብ’ሞ ከም ዘይገበረ ሓቅነቱ የረጋግጽ።’’ ብስምዒት ሕርቃን ተዛረበ። ኣብ ልዕሊ ዓርኩ ከቢድ ጽልኢ ሓዲርዎ’ዩ።“በጃኻ ሲናይ!’’ መቐረት፡ እቲ ነገር

    ናብ ካልእ ከይከደ ከተዕርፎ ኣብ ልመና ወደቐት። ሴም ግብሩ ፈሊጡ ብዙሕ ክዛረብ ኣይተሰምዐን።“እቲ ወዲ ሓቅነቱ የውጽኣዮ። ዘይገበሮ

    እንተዀይኑ እንታይዶ ክብልዎ’ዮም? ምንም ዝብልዎ የብሎምን። ኣነ ግና ሓንሳብ ከሲሰ ስለ ዝዀንኩ ሕጂ ዝብሎ የብለይን። ሓንሳብ ንዕኡ’የ ጠርጢረ ንኻልእ ክትርጥር ዝኻል ኣይኰንኩን። እንድዒ ት ጥ ር ጥ ር ዎ እ ን ተ ለ ኩ ም ድማ ንገሩኒ።’’ ንኽልቲኦም

    ጠመቶም። “ ፖ ሊ ስ ’ ው ን

    ንጠርጣሪየይ ሓራ እንተገይረዮ ሃራሚኻ ደኣ መን’ዩ

    ዝብል ሕቶ ከቕርቡለይ’ዮም። ሽዑኸ ንመን’የ ክትርጥር?’’ በለ ከም ዘይሰምዖም እናገለጸ። መቐረት ኣብ መወዳእታስ ትዛረቦ ከም ተወድኣ’ያ ዕዝም ኢላ። ኣብ መንጎኦም ድማ ስቕታ ስለ ዝነገሰ ሲናይ ብድድ ኢሉ ራሕሪሕዎም ተዓዝረ።“ከምታ ዝበልኩኺ ኰይኑ!’’ ሴም ኣዝዩ

    ክቱር ሓዘን እናተሰምዖ ርእይቶኡ ገለጸ። “ከምዚ ከም ዝኸውን ተረዲኡኒ ነይሩ።” ጣዕሳኡ እናገለጸ ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ።“እንታይ ደኣ ክንገብር ኢና ወደይ?”

    መቐረት ጽብብ በላ። ሴም ግና ክብሎ ዝኽእል ከም ዘይነበሮ’ዩ ፈዚዙ ነይሩ። እንታይከ ክብል! ኣፍቃሪቱ ምእንቲ ክትሕጎሰሉ ዝኣተዎ ጉዳይ መውጽኢ ኣብ ዘይረኽበሉ ዕንቊ’ዩ ሸሚምዎ። እቲ ዝዓበየ ጸገሙ ድማ ዓርኩ ስለ እተቐየመሉ’ዩ። “እሞ ከምቲ ዝበሎ ክኸውን ጥራይ’ዩ ዝኽእል። ንታድዮስ ንምእማን’ውን ጸገም ኣለና ግና ካልእ ኣማራጺ የለን። ከነእምኖ ትተሓጋጋዘኒ ዲኻ?’’“ኣነ ዳግማይ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኢደይ

    ከአቱ ኣይኰንኩን።” ሴም ውሳኒኡ ኣፍለጠ።“ሕራይ ተቐቢለካ ኣለኹ።” መቐረት

    ቀልጢፋ ተቐበለቶ። ኣብ ጸገም ዘእተወቶ ንሳ’ያ። ንዓኣ ኣብ ጸገም ዘእተወታ ድማ መሓዝኣ። ክልቲኦም ምእንቲ ሰብ ክብሉ’ዮም ኣብ ጸገም ወዲቖም። “ሶልያና’ያ ኣብዚ ኩሉ ጸገም ኣእትያትኒ። ንታድዮስ ባዕለይ ክሕብሮ’የ ኣይትሰከፍ። ክንፈትሖ ኢና ዝብል ሓሳብ ስለ ዝነበረኒ እንታይ

    ከም ዘጋጠመና ኣቐዲመ ኣይሓበርክዎን። ሕጂ ግና ዝግበር የለን ናብ ፖሊስ ክነቕርቦ ክንግደድ ኢና።” እናተሰከፈት ተዛረበት። “ብዝዀነ ኣይትሓዘለይ!’’ ንኣፍቃሪኣ ይቕሬታ ሓቲታ ቀው ኢላ ጠመተቶ።

    ***ሚልክያስ ካብ እንዳ ሓሞኡ ናብ ቤት

    ምስ ኣተወ፡ መርሃዊት ኣብ ቀጽሪ ፈዚዛ እንከላ ኣማዕድዩ ረኣያ። እታ ወይዘሪት ኣብ ጭንቀት ተሸሚማ ምንባራ ስምዒታ ይሓብእ ኣይነበረን። ሃንደበት ኣዒንታ ኣብ ልዕሊ ሚልክያስ ምስ ኣውደቐት ድማ ዘይረኣያ መሲልዋ ናብ ኩሽነ ተሸጎጠት። ‘እዋይ ትምዶ ክብል ክነግሮ?’ ኣብታ ጸባብ ኩሽነ ኣትያ ምስ ነብሳ እናተዛረበት እንከላ ማዕጾ ናይ ኩሽነ ፈግ ኢሉ ተኸፍተ። እቲ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዘሕለፈ ሚስጢር ክሳብ ሽዑ ምስኣ’ያ ሒዛቶ ነይራ።“መርሃዊት ደሓን ዲኺ ደኣ?’’ ሚልክያስ፡

    ኣዒንቱ ኣብ ገጽ ጓል ሓትኖኡ ተኺሉ ሓተታ። ስንባደኣ ከይወሓጠት’ዩ ሕቶ ኣስዒቡ። ንሱ ዝፈለጦ’ኳ እንተዘይነበሮ እታ ወይዘሪት ግና ኰነ ኢሉ ከለፋልፋ ዝመጽአ’ዩ መሲልዋ ነይሩ። “ደሓን’የ፡ ኢሂ እንታይ ኰይነ ድየ?’’

    ግር ከም ዝበላ ቀው ኢላ ድሕሪ ምጥማት ንሕቶኡ ብሕቶ ገይራ ኣበርዓነቶ። “ዝን ክትብሊ ይርእየኪ ኣለኹ። ሃብተ

    ንዓኺ ዝሓይሽ ወዲ ምዃኑ ደጋጊመ ገሊጸልኪ’የ መስለኒ።” ናብ ካልእ ሓለፈ። “ዝከኣለኒ ክሕግዘኩም ስለ ዝዀንኩ ድማ ምንም ዘሐስብ ክህልወኪ የብሉን። ስምዒ እንዶ. . .” ሃንደበት ካልእ ሓሳብ ሰገረ። ልቢ መርሃዊት ሰማይ ተሰቒላ ተመልሰት። ‘በቃ ኣኺሉኒ!’ ዝብል ስግኣት’ውን ከይደንጎየ ውትፍ በላ። “እዞም እንዳ ኣስጎዶም ጡዑያት ድዮም፡ ብፍላይ እታ ሰበይቲ?’’ ስምዒቱ ክገልጽ’ምበር ካብ መርሃዊት ጥሉል መልሲ ክረክብ ዘቕረቦ ሕቶ ኣይነበረን።“ኢሂ እንታይ ተረኺቡ?’’ ትፈልጦ

    ስለ ዘይነበራ ናብ ዝመስላ ሕቶ ኣተወት። “ኣነስ ጡዑያት’የ ዝብሎም ነይረ።” ወዲ ሓትኖይ ኢላ ስለ ዘይደገፈቶ ቅር ከይብሎ ኣሰኪፍዋ ነበረ።“ሚልክያስ፡ ሚልክያስ ንዓኻ እንድየ’’

    ሮማ ብዓውታ ክትጽውዕ ተሰምዐት። እቲ ምስ መርሃዊት ከዕልል ድሌት ዝነበሮ ሚልክያስ ናብ ኣደኡ ቅድሚ ምኻዱ ቅልጡፍ ሕቶ ኣቕረበ።“እንታይ ክጥዕዩ ደኣ!. . .ንስኺኸ

    እንታይ ገይርኪ?’’ ናብቲ ብዛዕባኣ ክፈልጦ ዝደሊ ሕቶ ክኣቱ እንከሎ ምስ ብዙሕ ጥርጣረታቱ’ዩ። “ምስ’ዚ ወዲ እንታይ ገይርኩም?’’“በቃ ናይ መጨረሻ ርክብ ገይርና

    ተፈላሊና።’’ ካልእ ክትብል ከም ዘይትኽእል ንነብሳ ኣእሚናታ ነበረት። ‘እቲ ጉድ ብኻልእ ይስማዓዮ’ምበር ኣነስ ኣይነግሮን’የ’ ዝብል ሓሳብ ነበራ።“ሚልክያስ ንዓኻ እንድየ!’’ ወ/ሮ ሮማ

    ናብ ኩሽነ እናተሳለየት ኣድመጸት። “ዘረባ ስለ ዘለኒ ኣይትደንጉየኒ።’’ ከም ኣመጻጽኣ ሰለይ እናበለት ናብ ሳሎና ተመልሰት።

    ይቕጽል

  • ሸባብሓዳስ ኤርትራ 16 ሕዳር 2013 -ገጽ 9

    ልዝብ

    ሸባባት

    ብደሞዝ ጸጋ

    ብርሃን

    ቅርስን ትርጉሙን

    ዳኒኤል ኢሳይያስ(ተመራማሪ ታሪኽ)

    ቅርሲ ክንብል እንከለና፣ ዝዀነ ሕብረትሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ

    ይኹን ምስ ካልኦት ንእኡ ዝመስሉ ሕብረተሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዘካይድዎ ንጥፈታትን ዝምድናታትን ተመርኲሱ መንነቱ፣ ደረጃ መነባብርኡን ምዕባሊኡን ብዘንጸባርቕ መንገዲ ዝገድፎ ኣሰር ወይ ውርሻ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቅርሲ ወይ ውርሻ፣ እቲ ዝሰርሖ ሕብረተሰብ ንመዘከርታ ኢሉ ዘይኰነ፣ ህይወቶም ንምምራሕ ኣብ ዘካይድዎ ስርሓት’ዩ ብግዜ ምስ ዝስዕብ ወለዶ ዘላልዮም። ብሓፈሻ ቅርሲ ኣብ ክልተ ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል። ዝጭበጥን ረቂቕን (Tangible and Intangible) ድማ ንብሎም። ከም ኣብነት ካብ ዝጭበጡ ቅርስታት እንተወሲድና ሓወልቲ፣ ዑና፣ ካይላ ወዘተ. ክጥቐስ ይከኣል። ቋንቋ፣ ኣፋዊ ያታ፣ ዜማ፣ ባህልን መነባብሮን ሓደ ሕብረተሰብ ወዘተ. ድማ ንረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ከንጸባርቑልና ይኽእሉ።

    ቅርሲ ልክዕ ከም ባህርያዊ ጸጋታት ናይ ሓደ ሃገር፣ ካብ ዝሓለፈ ወለዶ ስለእንርከቦ ንመጻኢ ወለዶ ኣብ ምስግጋሩ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ እዩ። ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥንቲ “ሕሉፍ መፍትሒ ናይ መጻኢ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ ከም ዘነጽሮ ግስጋሰን ምዕባለን ሓደ ሕብረተሰብ ንምእማት ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ዘመዝገቦ ዓወታትን ዝገጠሞ ብድሆታትን ብደቂቕ ብምምርማር ኣብ መጻኢ ዝሓሸ መድረኽ ንምፍጣር ሓጋዚ እዩ። ወዲ ሰብ ኣብ’ዛ እንነብረላ ምድሪ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ንኹሉ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝገጥሞ ግድላት ይኹን ብድሆታት፣ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ጸጋታት ተጠ�