ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር...

8
መበል 25 ዓመት ቁ.78 ሰንበት 29 ሕዳር 2015 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 2 ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 5 ገጽ 7 ዘይስገር ጻውዒት “ቅድሚ 34 ዓመት ዝነበረኒ ናይ ስራሕ ወኒ ኣብ ቦታኡ’ዩ ዘሎ” ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ መጻወድያ መርዓት ዓውዲ ኻልድ ሑመድ መዓልም ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምድሪ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረት ኣብ ምቅላልን ስሉጥነትን ብቕዓትን ናይቲ ኣገልግሎት ኣብ ምርግጋጽን ኣበርክቶ ዝገብራ 51 ሓደስቲ ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን። እዘን ብ26 ሕዳር ብወደብ ባጽዕ ዝኣተዋ ኣውቶቡሳት፡ ናብ’ተን ኣቐዲመን ዝኣተዋ ተጸንቢረን፡ ኣብ ኣገልግሎት ከተማን ገጠርን ከምዝውዕላ ተፈሊጡ’ሎ። ሓላፊ ኦፐረሽን ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት ኣቶ ጽገሃንስ ይትባረኽ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ‘ታታ’ ዝዓይነተን ስርሓት ህንዲ ዝኾና ኣውቶቡሳት፡ ነፍሲ-ወከፈን 66 ተሳፈርቲ ከምእትጽዕን፡ ካብተን ዝቐደምአን ድማ ዝበለጻን ዝመችኣን ምዃነን ኣብሪሁ። ምስዘን ሓደስቲ ደሚርካ፡ ኣብ ሽድሽተአን ዞባታት ሃገርና ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝተዋፈራ 450 ንኣሽቱን ዓበይትን ስሉጥነትን ብቕዓትን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝድርዓ 51 ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን ኣውቶቡሳት ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝርከባ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ካልኦት ክውስኸአን ትጽቢት ከምዝግበር፡ ኣቶ ጽገሃንስ ኣረዲኡ። ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ጀሚሩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ምንቅስቃስ ደረቕን ፈሳስን ጽዕነት፡ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሕርሻ ትሕተ-ቅርጽን ህንጻዊ ስራሓትን ዝውዕላ ብርክት ዝበላ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለወን ኣውቶቡሳት፡ ቦጣትን ዘመናውያን ማሽነሪታትን ብብዝሒ ናብ ሃገር ክኣትዋ ምጽንሐን ይፍለጥ። ስ/ የማነ ኣብርሃ ኣብ ከተማ ከረን፡ ብምውህሃድ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርትን ጥዕናን ዞባ ዓንሰባ፡ ኩነታት ጥዕና ኣስናን ተማሃሮ ብምፍታሽ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ዝዐለመ መርመራታት፡ ኣብ 17 ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኻዪዱ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ምቊጽጻርን ምክልኻልን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት መንእሰይ ሚካኤል ተኽላይ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ’ዚ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ይካየድ ከምዘሎን ኣስታት 1600 ተማሃሮ ከምዘሳተፈን ገሊጹ። ብመሰረት’ቲ ዝተኻየደ መርመራታት፡ ነቶም ኣብ ኣስናኖም ጸገም ዝጸንሖም ተማሃሮ ኣብ ሆስፒታል ከረን ግቡእ ረድኤት ከምእተገብረሎም ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብ ክንክን ኣስናን ዘሎ ኣፍልጦ ተማሃሮ ንምብራኽ ዝዓለመ ሰፊሕ ጎስጓስ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክካየድ መደብ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ተማሃሮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ እዋን ቈልዕነት ሽኮራዊ ኣመጋግባ ምዝውታርን ጽሬቱ ዘይምሕላውን ጠንቂ ምብልሻው ኣስናን ምዃኑ ከምእተገንዘቡ ብምሕባር፡ ብዝተገብረሎም መርመራታትን ዝተዋህቦም ኣስተምህሮን ኣስናኖም ብጽሬት ክሕዝዎን ክጥንቀቑሉን ከም ዘተባብዖም ገሊጾም። ከረን፡ ጥዕና ኣስናን ተማሃሮ ንምርግጋጽ መርመራታት ተኻዪዱ ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ተራ መንእሰያት ተማሃሮ ኣብ ምክልኻል ገበን ክብ ንምባል ዝዓለመ ሰሚናር ንተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሃኪቶ ተኻዪዱ። ኣዛዚ 3ይ መደበር ፖሊስ ዓሰብ ምኽትል ተለንተ ዓብደላ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ ንሕጊ፡ ገበናትን በደላትን ዝምልከት መብርሂ፡ ገበን ካብ ትምህርታዊን ካልእ ምዕባለን ዝዕንቅፍን ንሃገርን ሕብረተ-ሰብን ብኣሉታ ዝጸሉን ስለዝኾነ፡ ተማሃሮ ካብ’ዚ ዘይቅዱስ ተግባር ርሒቖም፡ ንዝተኸፍተሎም ዕድላት ትምህርቲ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ጸዊዑ። “ካብ ህዝብን ፖሊስን ዝስወር ገበን የለን” ዝበለ ተለንተ ዓብደላ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕጊ እናበረኸ ብምምጽኡ ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ይድልድ’ኳ እንተሎ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት፡ ተማሃሮ ንነብሶም ካብ ገበን ናጻ ኮይኖም፡ ንመዘኑኦም ሰናይ ኣብነት ክኾኑን፡ ብእወታ ክጸልዉን ኣተሓሳሲቡ። እቶም ተማሃሮ ብወገኖም፡ ብፖሊስ ዝወሃቦም ሰሚናራት፡ ኣብ ምዕባይ ኣፍልጦኦም ኣብ ሕጊ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ካብ ገበናት ተቖጢቦም ኣብ ምክልኻሉ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ብዘይካ’ዚ ተለንተ ዓብደላ፡ ምስ ወነንቲ ጀላቡን ገፈፍቲ ዓሳን ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ገፈፍቲ ዓሳ ብልምዳዊ ኣገባብ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ምልዋጥ ንብረትን ምቚጻር ሰራሕተኛታትን ክርክራት የስዕብ ስለዘሎ፡ ኣብ መንጎኦም ዝፍጸም ለቓሕ ምልውዋጥ ንብረትን ካልእን፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክኸውን ኣዘኻኺሩ። ዓሰብ፡ ተራ መንእሰያት ተማሃሮ ኣብ ምክልኻል ገበን ክብ ንምባል ዝዓለመ ርክብ ተኻዪዱ

Upload: others

Post on 18-Mar-2021

12 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

መበል 25 ዓመት ቁ.78 ሰንበት 29 ሕዳር 2015 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 2 ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 5 ገጽ 7ዘይስገር ጻውዒት “ቅድሚ

34 ዓመት

ዝነበረኒ ናይ

ስራሕ ወኒ

ኣብ ቦታኡ’ዩ

ዘሎ”

ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ መጻወድያ

መርዓት ዓውዲ

ኻልድ ሑመድ መዓልም

ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምድሪ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረት ኣብ ምቅላልን ስሉጥነትን ብቕዓትን ናይቲ ኣገልግሎት ኣብ ምርግጋጽን ኣበርክቶ ዝገብራ 51 ሓደስቲ ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን።እዘን ብ26 ሕዳር ብወደብ ባጽዕ

ዝኣተዋ ኣውቶቡሳት፡ ናብ’ተን ኣቐዲመን ዝኣተዋ ተጸንቢረን፡ ኣብ ኣገልግሎት ከተማን ገጠርን ከምዝውዕላ ተፈሊጡ’ሎ።ሓላፊ ኦፐረሽን ህዝባዊ ኣገልግሎት

ቴክኒክ ሓራት ኣቶ ጽገሃንስ ይትባረኽ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ‘ታታ’ ዝዓይነተን ስርሓት ህንዲ ዝኾና ኣውቶቡሳት፡ ነፍሲ-ወከፈን 66 ተሳፈርቲ ከምእትጽዕን፡ ካብተን ዝቐደምአን ድማ ዝበለጻን ዝመችኣን ምዃነን ኣብሪሁ።ምስዘን ሓደስቲ ደሚርካ፡ ኣብ

ሽድሽተአን ዞባታት ሃገርና ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝተዋፈራ 450 ንኣሽቱን ዓበይትን

ስሉጥነትን ብቕዓትን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝድርዓ 51 ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን

ኣውቶቡሳት ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝርከባ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ካልኦት ክውስኸአን ትጽቢት ከምዝግበር፡ ኣቶ ጽገሃንስ ኣረዲኡ። ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ጀሚሩ፡

ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ምንቅስቃስ ደረቕን ፈሳስን ጽዕነት፡ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሕርሻ ትሕተ-ቅርጽን ህንጻዊ ስራሓትን ዝውዕላ ብርክት ዝበላ

ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለወን ኣውቶቡሳት፡ ቦጣትን ዘመናውያን ማሽነሪታትን

ብብዝሒ ናብ ሃገር ክኣትዋ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ስ/ የማነ ኣብርሃ

ኣብ ከተማ ከረን፡ ብምውህሃድ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርትን ጥዕናን ዞባ ዓንሰባ፡ ኩነታት ጥዕና ኣስናን ተማሃሮ ብምፍታሽ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ዝዐለመ መርመራታት፡ ኣብ 17 ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኻዪዱ።ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ

ዓንሰባ ሓላፊ ምቊጽጻርን ምክልኻልን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት መንእሰይ ሚካኤል ተኽላይ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ’ዚ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ይካየድ ከምዘሎን ኣስታት 1600 ተማሃሮ ከምዘሳተፈን ገሊጹ።ብመሰረት’ቲ ዝተኻየደ መርመራታት፡

ነቶም ኣብ ኣስናኖም ጸገም ዝጸንሖም ተማሃሮ ኣብ ሆስፒታል ከረን ግቡእ ረድኤት ከምእተገብረሎም ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብ ክንክን ኣስናን ዘሎ ኣፍልጦ ተማሃሮ ንምብራኽ ዝዓለመ ሰፊሕ ጎስጓስ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክካየድ መደብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።ተማሃሮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ

እዋን ቈልዕነት ሽኮራዊ ኣመጋግባ ምዝውታርን ጽሬቱ ዘይምሕላውን ጠንቂ ምብልሻው ኣስናን ምዃኑ ከምእተገንዘቡ ብምሕባር፡ ብዝተገብረሎም መርመራታትን ዝተዋህቦም ኣስተምህሮን ኣስናኖም ብጽሬት ክሕዝዎን ክጥንቀቑሉን ከም ዘተባብዖም ገሊጾም።

ከረን፡ ጥዕና ኣስናን ተማሃሮ ንምርግጋጽ መርመራታት

ተኻዪዱ

ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ተራ መንእሰያት ተማሃሮ ኣብ ምክልኻል ገበን ክብ ንምባል ዝዓለመ ሰሚናር ንተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሃኪቶ ተኻዪዱ።ኣዛዚ 3ይ መደበር ፖሊስ ዓሰብ

ምኽትል ተለንተ ዓብደላ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ ንሕጊ፡ ገበናትን በደላትን ዝምልከት መብርሂ፡ ገበን ካብ ትምህርታዊን ካልእ ምዕባለን ዝዕንቅፍን ንሃገርን ሕብረተ-ሰብን ብኣሉታ ዝጸሉን ስለዝኾነ፡ ተማሃሮ ካብ’ዚ ዘይቅዱስ ተግባር ርሒቖም፡

ንዝተኸፍተሎም ዕድላት ትምህርቲ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ጸዊዑ።“ካብ ህዝብን ፖሊስን ዝስወር ገበን

የለን” ዝበለ ተለንተ ዓብደላ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕጊ እናበረኸ ብምምጽኡ ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ይድልድ’ኳ እንተሎ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት፡ ተማሃሮ ንነብሶም ካብ ገበን ናጻ ኮይኖም፡ ንመዘኑኦም ሰናይ ኣብነት ክኾኑን፡ ብእወታ ክጸልዉን ኣተሓሳሲቡ።እቶም ተማሃሮ ብወገኖም፡ ብፖሊስ

ዝወሃቦም ሰሚናራት፡ ኣብ ምዕባይ ኣፍልጦኦም ኣብ ሕጊ ኣስተዋጽኦ

ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ካብ ገበናት ተቖጢቦም ኣብ ምክልኻሉ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።ብዘይካ’ዚ ተለንተ ዓብደላ፡ ምስ

ወነንቲ ጀላቡን ገፈፍቲ ዓሳን ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ገፈፍቲ ዓሳ ብልምዳዊ ኣገባብ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ምልዋጥ ንብረትን ምቚጻር ሰራሕተኛታትን ክርክራት የስዕብ ስለዘሎ፡ ኣብ መንጎኦም ዝፍጸም ለቓሕ ምልውዋጥ ንብረትን ካልእን፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክኸውን ኣዘኻኺሩ።

ዓሰብ፡ ተራ መንእሰያት ተማሃሮ ኣብ ምክልኻል ገበን ክብ ንምባል

ዝዓለመ ርክብ ተኻዪዱ

Page 2: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

ሓዳስ ኤርትራ 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2212)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊት እትሕተም ጋዜጣ

ኣስቴር ካሕሳይ ሰላም ክፍለማርያም

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ ምስጋና ተዓገስ

ለይ-ኣውት

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ዳየሪዳየሪ

ዘይስገር ጻውዒት

ካብ ዓይኒ ምድሪ ኽወጽእ እንከለኹ። ከም ዝነባዕኩ ኸይፍለጥ ብዝከኣለኒ ኽዛነ ፈቲነ፣ ብሕማም ኣብ ዓራት ዝተደነሰት ኣደይ። “ሕራይ ክምርዖ’የ፤ ቅድም ግን ነቲ ወዲ ኽርእዮ ኣለኒ፣” ስለ ዝበልኩዋ ተሓጕሳ ኣላ፣ እዚ ሓጐስ እዚ ኸሕድጋ ፍጹም ኣይክእልን እየ፣ መዋጽኦ ስለ ዘይብለይ’የ ኸኣ ኣብ ዓይኒ-ምድሪ ተዓጽየ ንነብሰይ ዝነባዕኩላ፣ ኣብዚ እዋን ዋላ ኽምርዖ ኣይድለይ። ነታ “ኣይቅንን’የ።” ትብለና ዘላ ማማ ኽብል ግን ክኣትዎ’የ፣

ካብ ዓይኒ-ምድሪ ናብ ሳሎን ኣበልኩ፣ ባባ ኣብቲ ሳሎን ኮፍ ኢሉ። ናብ ሓደ ኣንፈት ደሪቑ ይጥምት ነበረ፣ ምስ ማማ ዝተበሃሃልናዮ ሰሚዑዎ’ዩ፣ ብዛዕባኣ ኽዛረበኒ ኣይደለኹን፤ ንሱ ኸኣ ሓሳበይ ከም ዝተረድአ ኣስቀጠ፣ ዝን ምባሉ ምስቲ ዘይተርፍ ዝመስል ምፍላይ ማማ ተደሚሩ ዘኽታም ቈልዓ መሲሉ፣ ኖንዶ ኣነ ጓሉ ዝዀነ ረኣዪ ምደንገጸሉ፣

“ባባ!” ኣትሪረ ብዓውታ ጸዋዕኩዎ ኸይተረድኣኒ፣ “እንታይ ኢኻ ዝን ትብል፣ ንስኻ ኸምዚ ዝን ትብል እንተ ዄንካ ደኣ ንሕና እንታይ ክንከውን ትጽበ፣ ከመይ ገይርካ ኽትጥምታ ኸም ዝጸናሕካ ኽርእየካ’የ ጸኒሐ ባባየይ… ከምኡ ገይርና ኣይኰንናን ክንጥምታ ዘላና፣ ከም ቀደምና… ካብቲ ብጥዕይታ እንከላ ዝነብረና ኣጣምታ ኣይንቐይረላ፣ ትሰናበታ ዘለኻዩ ዝመስል…።” በልኩ እናሕነቕነቕኩ፣

“ሓቅኺ ሳራ ጓለይ! ብኣኺ ተሓጕሳ ኽርእያ ምኽኣለይ’ዩ ኸም ገለ ገይሩኒ… ኣይትሓዝለይ፣ እንታይከስ ኰይና ድያ ዘይ ስቕ ኢለ’የ።” መለሰለይ ባባ ኣዕሚቝ እናስተንፈሰ፣

“ተሓጸብ በል! ክንምሳሕ።”

“እ… ሕራይ በሊ ምስ ማማኺ ዄይንና ኽንምሳሕ ናብኡ ኣምጽእዮ፣”

“እሞ ማማ ትበልዖ ጸብሒ’ኮ ኣይኰነን።” ኣይመለሰለይን፣ ምስ ማማ መኣዲ ተቐሪብና፣ ማማ ዋላ ደኣ ኣይትብላዕ እምበር ምሳና ተቐሪባ፣ በባኒኡ ጥራይ በልዐት፣ ባባ ጸጸኒሑ ብፍሽኽታ እናጠመተ የዀልሰኒ ነይሩ፣

“ንዓ’ባ፡ ሰብ ነቕንእ ኣለና መስለኒ…፣”

“ከመይ ደኣ! … ዘዀልሰን ሰብኣይ ዘይሕዛ ተድልየን …።” ሰዓላ ምስሓቕ እናኸልከላ መለሰት ማማ፣ ካብቲ ዝጥዕማ ነንእሽተይ ከዀልሳ ጀመረ፣ ባባ ንኽልተና እናዀለሰ ንባዕሉ ይበልዕ ኣይነበረን፣ “ባባ ንባዕልኻ ብላዕ።” ምስ በልኩዎ። “ዓንቶቦይ’የ ተመሲሐ፤ መንፈስካ እንተ ተመጊቡ ኸስዐኻ ቀልጢፉ’ዩ ዝዓግብ።” ክብል መለሰለይ፣ ብእኣ ኣቢሉ ኸኣ ሓዲግና ናብ ስርሑ ኸደ፣ ምምጋብ ኣእኪለ’ኳ እንተ ነበርኩ ኻብ መኣዲ ግን ኣይተንሳእኩን፣ ማማ “ሓደ ነገርዶ ኽነግረኪ” ዝበለትኒ ዘረባ ኽሰምዓ ደልየ ነይረ፣ “ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን” በለት ማማ። “እዚ ዅሉ

ግዜ ኻብ ትጕርዙዊ ኣትሒዝኪ ዘይተመርዓኽሉ ምኽንያት ክትመሃሪ ስለ ዝደለና ጥራይ ኣይኰነን፣ ኣቦኺ ኣዝዩ’ዩ ዝፈትወኪ፤ ካብዛ ገዛ ኽትወጽኢ ኣይደሊን እዩ፣ እዚ ዅሉ ቘዮቛና ኸኣ በዚ’ዩ፣ ነዞም ኵሎም ዝመጽኡኺ ደለይቲ ባዕሉ’ዩ ዝመልሶም ነይሩ፣ ሕጂ ግን ኤእ ሳራ ጓለይ መዓልቱ ኣኺሉ’ዩ፣ ‘ንጥቕሚና ኽንብል ህይወታ ኣይነበላሽወላን ኢና።’ ይብል ከም ዘይነበረ ትም ኢሉልና ኣሎ፣ ሳራ ጓለይ ንስኺ ናይ ኣሕዋትኪ ኣርኣያ ኢኺ፣ ኵሎም ንዓኺ ዝመስል ናይ ሓባር ጠባይ ኣለዎም፣ ብድሕረይ ንኣሕዋትኪን ነቦኺን ንስኺ ኢኺ ትናብይዮም፣ ኣነ ኸየምርዓኹኺ እንተ ኸይደ እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኸም ትኸፍሊ እፈልጥ’የ፣ እፈልጥ’የ ጓለይ ጽብቕቲ ዓይኒ…።” ንብዓት ሰዓረኒ፣ “ማማ ቘልዓ’ኮ ቐይርክና…” ክስሕቕ እናፈተንኩ ንብዓተይ ደረዝኩ፣

“ልዕሊ ነብሰይ’የ ዝፈልጠኪ፣

17 ሚያዝያ 2015 1።20 ድ.ቐ. - ሰምበል

5።30 ድ.ቐ. - ኣስመራ

ንመኖም ክመስል18 መስከረም 2015

ኣብ ውሽጠይ ሕርኽርኽ ክብለኒን ሕማቕ ክስመዓኒን’ዩ ቐንዩ፣ ሕልናይን ሓሳባተይን ነንበይኖም ተፈናጪሎም። ኣብ ሞንጎ ተቐርቂረ ቐንየ፣ እቲ ሕልናይ ዝብሎ። ናይ ቀደመይ ዝነበረን ብድሕሪ ሕጂ’ውን ቀጻሊ ኽህሉ ዝደልዮ’ዩ፣ እንታይ’ሞ ኣብ ሞንጎ ነዚ ዝርእዮ ዘለኹ ሃዋህው ርእየ ምስ ሕልናይ ዘይሰማምዑ ሓሳባት ኣምጺአ፤ ውሽጠይ ኣብ ርቡሽ መንፈስ ኣሎ፣ ሓሳባተይ ንዓኺ ኣካፊለ ገለ እንተ ኣዕረፍኩ ብምባል’የ ብንግሆኡ ተንሲኤ ክሕንጥጠልኪ ተገዲደ፣ ግዜ ድዩ ኸፊኡ ዋላ ሰብ ክርደኣኒ ኣይከኣለን፣ እቲ ምንታይሲ ዝኣመነ ክጥለም። ጽቡቕ ዝገበረ ብሕማቕ ክፍደ። .... ወዘተ. ሰብ ኣብ ነንሕድህዱ እምነት ኣጥፊኡ ነንሕድሕዱ ክበዳደል እርኢ ስለ ዘለኹ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ’የ ፈሪሐ፣ እወ ንነብሰይ ፈሪሐላ፣ “ቅድሚ ዝዀነ ዅነት ኻብ ሰብ ምርሓቕዶ ይሓይሽ? ወላስ ንሰባት

ከከም ኢዶም ተፈደኻዮም?” ኢለ ብዘየለዉ ሓሳባት ክህውትት ቀንየልኪ፣ ሕልናይ “ከም ቀደምኪ ንዝገጠመኪ እናበዳህኪ ኸከም ኵነታቱ ግጠምዮ፤ ሓይልኺ ኣመስክሪ፤ ንዝዀነ ነገር ተስፋ ሰኒቕኪ ሰዓርዮ፤ ኢድኪ ኣይትሃቢ፤ ሕማቕ ዝገበረ ብጽቡቕ ሰዓርዮ።” እናበለ ይማጐተኒ፣ ከምቲ ሓንቲ ኻብተን ጭርሖታት ውሽጠይ፣ መራሕቲ ጕዕዞይ ዝዀና ጥቕሲታት፣ “እቲ ኣብ ገዛእ ርእሲኻ ኽወርድ ዘይትደልዮ ነገር። ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ኣይትፈጽሞ፣” ስለምንታይ ሰባት ክንስና ንሰባት ንብድል? እቲ ኣብ ነብስና ኽወርድ ዘይንደልዮ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዘይ ንሕስያን ሓልዮትን ንፍጽም? ኢለ ተገሪመ፣ ስለዚ ነቲ ንሰባት ከከም ኢዶም ምፍዳይ ዝብል ሓሳብ። በዛ ዝኣምነላ ጥቕሲ ስዒረዮ ኣለኹ፣ “ከይብደል ፈሪሀኸ ኻብ ሰብ ክርሕቕ ኣለኒ ማለት ድዩ? እዚኣ’ውን

ዘይትኸውን እያ፣ ምኽንያቱ “ሰብ መኽሰብ” ከም ዝብሃል። ካብ ሰባት ክረኽቦ ዝኽእል ክንደይ ጽቡቕ ከም ዘሎ ዝዘንጋዕኩ ይመስለኒ፣ ስለዚ ፍጹምነት ክሳዕ ዘይሃለወ ዅሉ ምስ ጐደሎኡ ክቕበሎ ወሲነ፣ ከይብደል ዘይኰነ። ኣነ’ውን ከይብድል ክጥንቀቕ ከም ዘለኒ ተገንዚበ፣ እቲ “ንመኖም ክመስል? ንሕልናይዶ ሓሳበይ?” ዝብል ክርክር ኣብዛ ንግሆ እዚኣ ተፈቲሑ ኣሎ፤ ምስ ሕልናይ ወጊነ ኣለኹ፣

ሄለን ዘርእዝጊ

ዝበጽሓናቴድሮስ ግደ - ሰንዓፈ

መም. ሜሮን ሃ/ማርያም

መሓመድ ስዒድ - ጊንዳዕ

ሜሮን ግርማይ - ኣስመራ

መርሃዊ ዓንደ - ኣስመራ

መሓመድ ዑስማን - ኣስመራ

F-AEMA - ከረን

ሰሚራ ዓብደልቃድር - ደቀምሓረ

ማክዳ ትንሱእ - ዓዲቐይሕ

ዘቢብ መሓሪ - ዓሰብ

ሙና ነጋሽ - መንደፈራ

ኣነ ኸኣ ኣብ ምድሪን ሰማይን ሩፍታ ኽረክብ እንተ ዀይነ ብኣኺ ኽቐስን ኣለኒ‘ዛ ጓለይ፣” መጻወድያ ማማ እናጸበበኒ መጺኡ፣ ንዝተፈራረቐ ሓሳበይ ናብ ሓሳባ ኸም ዝዛዙ ገይራቶ፣ ኢደይ ሂበ እንታይ ተሪፉኒ፣ ዝግበር የለን፤ “ኣንታ ኣምላኽ እዚ መርዓ ንመን ኢለ ይኣትዎ ኸም ዘለኹ ትፈልጥ ኣላኻ፣ በጃኻ ኣይትጕህየኒ። ህይወተይን ህይወት ስድራይን ብፍቕሪ ኽኣሊ ዝሕግዘኒ ኣፍቃሪ ብዓል-ቤት ግበረለይ…” ብልበይ ጸሎተይ ኣዕረግኩ፣

“ሳራ! ሳራ!” ደጊማ ምስ ጸውዓትኒ’የ “እ…ህ…” ክብል መሊሰላ፣ ኣብ ኣንዳ ኽዳውንታ እትቐመጥ ንእሽተይ ሳንዱቕ ከምጽኣላ ሓቲታትኒ፣ እዛ ሳንዱቕ ኣብ ውሽጣ እንታይ ኣሎ ዝፈልጥ የለን፣ ምስጢራ ኽንፈልጥ ክንደይ ዘይፈተንና፣ ግን ኣይተኻእለን፣ ካብ ክልተኦም ንትሕዝቶኣ ዝነገረና ሰብ የለን፣ ኣብ “ይሓብእ’ዩ።” ዝበልናዮ ቦታ ደሊና መፍትሓ ኽንረክብ ኣይከኣልናን፣ ዳሕራይ ግን ፍጹም ረሲዕናያ ኢና፣ ሎሚ ብኢደይ ሒዘ ንማማ ከቐብላ እንከለኹ ኣዝያ ኸበደትኒ፣ ሚዛና ዘይኰነ ዝግላህ ምስጢራ’ዩ ኸቢዱኒ፣ ኣቐበልኩዋ፣ ኣብ ኢድ ማማ ንመልክዕ ኢላ ዝተሰርሐት ትመስለና ናይ መፍትሕ ቅርጺ ዘሎዋ “ብራሽለት” ነይራ፣ ካብ ግዜ ቈልዕናና ንፈልጣ “ብራሽለት”፣ ማማ በዛ “ብራሽለት” ገይራ ነዛ ሳንዱቓ ምስ ከፈተታ ብሰሓቕ ክነብዕ ደለኹ፣ ማማ’ውን ምሳይ ሰሓቐት፣ ቀሪበ ትሕዝቶኣ ኽርእያ ግን ኣይፈቐደትን፣ ብሓይሊ ኽርእያ ይኽእል’ኳ እንተ ነበርኩ ክዕገስ መሪጸ፣ ማማ ሓንቲ ወርቂ

ሰንሰለት ኣውጺኣ ዓጸወታ፣ ነታ ሳንዱቕ ናብ ቦታኣ ምስ መለስኩዋ ኣብ ጐድና ኾፍ በልኩ፣ ነታ ወርቂ ሰንሰለት ኣብ ክሳደይ ኣሰረትለይ፣

“እዛ ወርቂ ሰንሰለት። መጀመርታ ንዓኺ ጥንስቲ ምዃነይ ዝፈለጥኩላ መዓልቲ’ዩ ኣቦኺ ኣምጺኡለይ፣ ከም ባህጉ ኸኣ ጓል ተበኲረ፣ ብርኽቲ ዝዀነት ጓል፣ ነዛ ሰንሰለት እናኽርኢ ንዓኺ ቕድሚ ምርካብናን ድሕሪኡን ዝነበረ ህይወትና ይረኣየኒ፣ ኣቦኺ ስርሑ ገዲፉ ገና ብደምኪ ኸለኺ’ዩ ዝሓቝፈኪ ነይሩ፣ እዚ ቝሩብ ግዜ ዝረኣኺ’ዮ ባህሪ ኣቦኺ ቅድሚ እዛ ሰንሰለት ዝተዋህብኩላ መዓልቲ ስሕት ኢለ እርእዮ ነበርኩ፣ ድሕሪ ምምጻእኪ ግን ወትሩ ሓጐስን ፍቕሪን እምበር ሕማቕ ኣይረኣናን፣…” ማማ ደኸመት፣ እዛ ሰንሰለት ኣብ ዝባነይ ጽዕነት ኰነትኒ፣ “እዛ ሰንሰለት ደሓን ኣይደልያን’የ።” ክብላ እናበልኩ ተለፎነይ ተዳህየት፣

“ሃለው… እወ ኣነ’የ … እግዚኣብሄር ይመስገን … መን ኢልካኒ … ኣሃ እ… እወ …” ክምርዓወኒ ዝሕሰብ ዘሎ ወዲ’ዩ፣ ልበይ ዲግ ዲግ እናበለት። ከይተፈለጠኒ ረሃጽ ብጕንዲ እዝነይ ወረር በለ፣ ማማ ዓይኒ ዓይነይ ተረቢሻ ኽትርእይ ምስ ተዓዘብኩ። “ንሱ’ዩ …፣ ጽባሕ ብኣካል ክንራኸብ ቈጸራ ሒዝና።” በልኩዋ ካብ ውሽጢኸብደይ እናስተንፈስኩ፣

ሳራ ገብረስላሴ

2ይ ክፋል

Page 3: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

ሓዳስ ኤርትራ 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 3

* ብኣተዓባብያኻ’ዶ ክንጅምር መምህር?

- ጽቡቕ፡ ኣብ ኣስመራ ፌሮቪያ’የ ተወሊደ። ኣቦይ ሰራሕተኛ ምድሪ ባቡር’ዩ ነይሩ። ከም ቈልዓ ተዋዛያይ ውዕይ ዝበልኩን ሕዉስን’የ ነይረ።

* ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበረካ ዝንባለታትከ?

- ናይ ስፖርትን መጻሕፍቲ ምንባብን ዝንባለታት ነይሩኒ። እዚ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዘጥረኹዎ ዝንባለታት ክሳብ ሕጂ የሳልየኒ ኣሎ።

* ኣብ ትምህርቲ’ኸ?

- ኣብ ትምህርቲ ካብ 1ይ-4ይ ቀዳማይ እናወጻእኩ’የ ሓሊፈዮ። ድሕሪኡ ዘሎ ደረጃታት ትምህርቲ’ውን ካብ’ቶም 10 ብሉጻት ተማሃሮ’የ ነይረ።

* ናይ’ቲ እዋን’ቲ ኣገባብ ትምህርቲ ከመይ’ዩ ነይሩ?

- ካብ 1ይ-4ይ ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ ብቛንቋ ትግርኛ’ዩ ዝወሃብ ነይሩ። ካብ 5ይ ንላዕሊ ግና ብእንግሊዝኛ’ዩ። ናብ 5ይ ክፍሊ ክትሰግር እንተኾይካ ጀነራል ክትካፈል ኣለካ። ኣነ ብልዑል ነጥቢ’የ ሓሊፈ። ዘይርስዓኒ ኣብ’ቲ

እዋን’ቲ ካብ ምሉእ ገዛውትና (ቼንትሮ) ኣነን ነፍ. ገዲም ድምጻዊ መሓሪ ኣብርሃን ኢና ሓሊፍና።

* ሞያ መምህርና ብኸመይ ኢኻ ኣቲኻዮ? ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክንደይ ኣቢሉ

ነይሩ ዕድመኻ?

- ሞያ መምህርና ወዲ 21 ዓመት ከለኹ’የ ጀሚረዮ። መምህር ክኸውን ዝመረጽኩሉ ጌና ተማሃራይ እንከለኹ፡ መምህራን ብኣለባብሳኦም ይኹን ፍልጠቶም እምሰጥ ስለ ዝነበረኩ፡ መምህር ክኸውን እህንጠ ነይረ። ግዜኡ ኣኺሉ ከኣ ኣብ መሰልጠኒ መምህራን TTI ብሞያ መምህርና ሰልጢነ።

* ናብ መሰልጠኒ ማእከል መምህርና ብኸመይ እዩ ዝእቶ ነይሩ?

- ብፈተናን ቃለ መሕትትን ኢኻ ትወዳደር።

* እቲ ስልጠና ከመይ ነይሩ?

- ኣካዳሚያዊን ሞያዊን ኮይኑ ዋላ’ውን ንማትሪ ንኽትሳተፍ ዕድል ዝህብ’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዘሰልጥኑና ዝነበሩ መምህራን ዝበዝሑ ህንዳዊያን እንግሊዛዊያንን ኣሜሪካውያንን’ዮም ነይሮም።

* ንስኻኸ ከመይ ትረኽቦ ነይርካ?

- ዝምነዮ ዝነበርኩ ዓውዲ ስለ ዝነበረ፡ ብዓቢ ትግሃት’የ ዝከታተሎ ነይረ። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ክፍሊ 2ይ ብልጫ ኮይነ ተዓዊተ። ካብ 168 ሰልጠንቲ ከኣ ብግብራዊ ኣመሃህራ ቀዳማይ ኮይነ ተሸሊመ።

* ኣበይ ኢኻ ሞያ መምህርና ጀሚርካ?

- ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንሓሙሽተ ዓመት ቋንቋ እንግሊዝኛ፡ ቁጽሪ፡ ስነፍልጠትን ስፖርትን ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ምሂረ።

* ድሕሪኡ?

- ናብ ኤርትራ ተመሊሰ ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ምሂረ።

* ሞያ መምህርና ከመይ ትገልጾ? ብቑዕ መምህር ዝበሃል’ከ ከመይ ዝበለ’ዩ?

- ሞያ መምህርና ብዘይ ቃል ዓለም እቲ ዝለዓለን ዝኸበረን ሞያ’ዩ። ሓደ መምህር ከማልኦ ዘለዎ ረቛሒታት እሙን ሰዓቱ ዘኽብር፡ ዝንባለን ስምዒትን ናይ’ዚ ሞያ ዘለዎ፡ ውፉይ፡ ንተማሃሮኡ ከም ወላዲን ዓርከ መሓዛን ኮይኑ ዝቐረብ’ዩ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብነታዊ ክኸውን ኣለዎ።

* ኣብ’ዚ ነዊሕ ዓመታት ናይ መምህርና ተሞክሮኻ ብፍሉይነት እትዝክሮ ፍጻሜ

እንታይ ኣሎ?

- ብዙሕ ክኸውን ይኽእል ምስ ምንዋሕ ግዜ ክርስዖ እኽእል እኸውን። ግና ኣብ 9ይን 10ይን ዝመሃሩ ዝነበሩ ክልተ ዘይርስዖም ዳንኤልን ኮኾብን ዝበሃሉ ተማሃሮ ነይሮም። እዚኣቶም ኣዝዮም በላሕቲን፡ ክቱር ጽምኣት ትምህርቲን ዝነበሮም’ዮም ነይሮም። ብሕቶታት ዝወዳደሮም ኣይነበረን። ብሓጺሩ ንባዕሎም ነፊዖም ንመምህር ዘንፍዑን ዘበራብሩን’ዮም ነይሮም።

* ኣብ’ዚ ናይ 34 ዓመት ሞያ መምህርና ክንደይ ዝኾኑ ተማሃሮ ኣፍርየ ትብል?

- ዋእ! ብግምት እንተኾይኑ ክሳብ 12 ሽሕ ዝኾኑስ ኣፍርየ ኣለኹ። ምስ ናይቶም ምሸታዊ ዝመሃሩ ሓዊስካ ማለት’ዩ።

* ናብ ጨንፈር ሚ/ት ዞባ ማእከል ምስ ተቐየርካ ሞያ መምህርና ኣቋሪጽካ’ዮ ማለት

ድዩ?

- ኣየቋረጽኩዎን! ከቋርጾ’ውን ኣይደልን’የ። ሕጂ’ውን ኣብ ተረፍ ግዜይ እምህር’የ። ጌና’ቲ ቅድሚ 34 ዓመት ዝነበረኒ ናይ ስራሕ ወኒ ኣብ ቦታኡ’ዩ ዘሎ።

* ብፍላይ እቶም ቀደም ኣብ ግዜ ንእስነትካ ትምህሮም ዝነበርካ ተማሃሮ ኣብ’ዚ እዋን ክረኽቡኻ ከለዉ እንታይ ይብሉኻ?

- ኣነ ብዙሓት ተማሃሮ ስለ ዝመሃርኩ ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ዝረኽቦም ኣይዝንግዖምን’የ። ዝበዝሑ ግና ምስ’ቲ ብዝሒ ክትርስዖም ባህርያዊ’ዩ። ኣብ ዝኸድኩዎ ምሂርካና ዝብሉኒ ማእለያ የብሎምን። በዚ ድማ ኩርዓትን ባህታን’ዩ ይስመዓኒ። ዓስበይ ስለ ዝኾነ ማለት’ዩ።

* ኣነ’ውን ሓደ ካብ’ቶም ዝመሃርካዮም’የ። ባህሪኻ ዘይልወጥ ናይ ስራሕ ፍቕሪ ዘሎካ፡ ጌና’ውን ልክዕ ነቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝፈልጦ መምህር ኮይንካ’የ ዝረኽበካ እስከ

ብዛዕባ’ዚ ገለ በለና?

- ብዓቢኡ ፍቕሪ ናይ’ዚ ሞያ ስለ ዘለኒ’የ። ባህ ኢሉኒ ብፍቕሪ ዝሰርሓሉ ስለ ዝኾነ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ስፖርት’ውን እነጥፍ’የ። ብእግሪ’ውን ነዊሕ’የ ዝጓዓዝ። ንኣብነት ኣብ ቤ/ት 2ይ ደረጃ ኣስመራ ሓፈሻዊ ኣብ ዝነበረኩሉ፡ ካብ ፌሮቪያ ብእግረይ’የ ዝመላለስ ነይረ። መዓልታዊ ክኸይድን ክምለስን ኣስታት 14 ኪ.ሜተር ምዃኑ’ዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ሰንበት ሰንበት ሕጽር ዝበለ ጉያ እዘውትር’የ። ብሽክለታ ቀጻሊ’የ ዝጥቀም። ካብ ዝኾነ ዓይነት ወልፊታት’ውን ናጻ’የ።

* እዚ ዝጠቐስካዮ ልምዲታት ምህላው ወይ ምዝውታር ነቲ ሞያ ክሳብ ክንደይ

ይጸልዎ ትብል?

- መጀመርታ ንጥዕናኻ ሓጋዚ’ዩ። ተወሳኺ ንተማሮኻ ንምሕጋዝ ኣብ እተካይዶ ንጥፈታት’ውን ንቑሕ ይገብረካ።

* ኣብ ኩዕሶ እግሪ’ውን ትነጥፍ ምንባርካ ሰሚዐ . . .

- ኩዕሳ ገና ቈልዑ ከሎና ኢና ንጻወት ነይርና። ካብ ናይ ቈልዑ ጋንታታት ክሳብ ክሳብ ካልኣይ ዲቪዥን ብኣስልጣኒን ዳኛን ነፍስሄር የማነ ምሕጹን (ገዲል) እናተኣለና ንስልጥንን ንጋጠምን ነይርና። ጋንታና ፌሮቪያ እያ ትበሃል ነይራ። ድሕሪኡ ምስ ቺፖሊኒ ቀዳማይ ዲቪዥን ኣትየ። ንክልተ ዓመት ጸኒሐ።

* ኣብ ድራማታትን ስነጽሑፍን’ውን ትነጥፍ ኢኻ። መኣስ’ዩ እዚ ዝንባለ ክስመዓካን ክትሰርሓሉን ጀሚርካ?

- ካብ ቀደም ድራማታትን ውጽኢት ስነ-ጽሑፍን ምክትታል ይምስጠኒ ነይሩ። ኣብ ቤ/ት 2ይ ደረጃ ኣስመራ ሓፈሻዊ ከለኹ ክፈታትን ጀሚረ ከድምዓሉ ከም ዝኽእል ከኣ ገምጊመ ቀጺለዮ።

* ኣብ ምንታይ ዘተኩር’ዩ?

- መምህር ከለኹ’የ ዝያዳ ዝነጥፈሉ ነይረ። ኣብ ልምዓት ጥዕናን ፡ ኣብ ምክልኻል ነቶግቲ ዝኣመሰለ’የ ኣተኩረ ዝጽሕፍ ነይረ። ኣብ’ዚ ዓመታዊ ዝካየድ ምርኢት መጻሕፍቲ’ውን ኣወሃሃዲ ባህላዊ ንጥፈታት ኮይነ እዋሳእ’የ።

* ናይ ንባብ ልምዲ’ውን ኣሎካ. . . ?

- እወ ዳርጋ ዝበዝሕ ዝቐሰምኩዎ ፍልጠት ካብ ንባብ’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ስርሐይ ዓቢ ሓገዝ ነይሩዎ። ሕጂ’ውን ኣየቋረጽኩዎን ብንባብ ፍልጠተይ ኣብ ምምዕባል እርከብ። ብህይወት ክሳብ ዘለኻ ሓንሳብ ጥራይ ኣይኮንካን እትምገብ፡ ቀጻሊ ንግሆ ቀትሪ ምሸት ክትምገብ የድልየካ ንከብድኻ ማለት’ዩ። ነእምሮኻ ኸኣ ቀጻሊ ፍልጠት

ክትምገቦ ኣለካ። እንተዘየሎ ኣእምሮኻ ኣይምዕብልን ኣተሓሳስባኻ ኣይሰፍሕን። እቲ ንባብ ንኩሉ’ኳ ዝምልከት እንተኾነ መምህር ከኣ ልዕሊ ኩሉ ከዘውትሮ ዘለዎ’ዩ። ንባዕልኻ ዘይትፈልጥ ከተፍልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ምዕቡል ዘመነ ቴክኖሎጂ ተማሃሮ’ውን ብፍልጠት ክሓልፉኻ ዝኽእሉ ምዃኖም ኣሚንካ፡ ልዕሊኦም ሓሊፍካ ክትጸንሕ ክትክእል ኣሎካ።

* ኣብ ኣተሓሕዛ ተማሃሮ ከመይ ነይርካ?

- ሕጂ’ውን ኣብ ናጻ ግዜይ እምህር ስለ ዘለኹ ከመይ ኣለኻ እንተትብለኒ ባህ እብለኒ። ኣብ ኣተሓሕዛ ተማሃሮ ጸገም የብለይን። ምኽንያቱ ናብ ክፍሊ ግቡእ ምድላዋት ገይረ’የ ዝኣቱ። በታ ትወሃበኒ ናይ መምሃሪ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ካልእ’ውን ኣዋጺአ ስለ ዝምህር ብተማሃሮ ተቐባልነት ኣሎኒ። ተማሃራይ ንኽነፍዕ ትጽዕረሉ ከም ዘሎኻ ዝፈልጥ እንተኾይኑ የኽብረካ’ዩ።

* ብቑዕ መምህር ዝበሃል እንታይ እንታይ ረቛሒታት’ዩ ከማልእ ዘለዎ?

- መምህር ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ይሃሉ ብዘየገድስ ካብ ኣለባብሳኡ ጀሚርካ፡ ስነ ምግባሩ፡ ሰዓቱ ዘኽብር፡ ባህሉ ዝዕቅብ፡ ንተማሃሮኡ ልክዕ ከም ውላዱ ዘፍቅር ክኸውን ኣለዎ። ተጋናሕን ተሃራራምን ክኸውን ይብሉን። ብፍላይ እዚ CORPORAL PUNISHMENT ንብሎ ማለት’ዩ ፍቑድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስ ነደርካ ኣብ ልዕሊ’ቲ

እትሃርሞ ዘለኻ ተማሃራይ ከቢድ ጉድኣት ከተውርድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክንድኡ ብምኽሪን ማዕዳን እንተኾነ’ዩ ዝምረጽን ውጽኢት ዝህልዎን። ልዕሊ ኹሉ ከኣ ፍቕሪ ናይ’ዚ ሞያ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ።

* ከም መምህር ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ሓደ ተማሃራይ ምልክተ ቋንቋ እንግሊዝኛ ንኽህልዎ እንታይ’ዩ ክገብር ዘለዎ?

- ብሓጺሩ ክምልሰካ እንተኾይነ፡ ነተን ኣርባዕተ ኣገደስቲ ባእታታት ዝበሃላ፡ ማለት ምስማዕ ምዝራብ ምጽሓፍን ምዝራብን ከዘውትር ኣለዎ። ምንባብ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ክትዛረበሉ ኣለካ ዋላ ተጋገ ታተ ከይበልካ’ኳ እግሪ ኣይትከልን’ዩ።

* እሞ መምህር ናብ ምውዳእ ገጽና ኢና። ምናልባት ከም ድፍረት ደኣ ከይቁጸረለይ’በር ሓንቲ ሕቶ ምሓተትኩ?

- ጸገም የለን !

* ልዕሊ ስምካ ብቕጽል ስምካ ኢኻ ዝያዳ ትፍለጥ። መበገሲ ናይ’ዛ ቅጽል ስም እንታይ’ዩ ብኸመይ ኢያ ለጊባትካ?

- ድሓን ኣይትሰከፍ . . .እዛ ሌኒን ትብል ድያ?

* (ሰሓቕ) እወ።

- (ሰሓቕ) እዛ ቅጽል ስም፡ ኣብ ኣስመራ ሓፈሻዊ ከለኹ’ያ ለጊባትኒ። ምስ’ቲ ሌሊን ዝበሃል ሩስያዊ ፈላስፋ ብምምስሳል’ዩ። ኣነ’ኳ ሓቂ ይሓይሽ ክሳብ ሕጂ ኣይትብርሃንን’ያ። ግን ከኣ ኣይጭነቐላን’የ። ከምዚ ዝበልካዮ ዝበዝሕ ብሌኒን’ዩ ዝፈልጠኒ።

* ምስ’ዛ ቅጽል ስም ብምትእስሳር ዘጋጠመካ ኣሎ’ዶ ንመዕለሊ ክኾነና. . .

- ሓደ እዋን፡ ሓደ ተማሃራይ ብኩራት የብዝሕ’ሞ ወለድኻ ጸውዕ እብሎ። ኣዲኡ መጺኣ ኣብ’ቲ ስታፍ ናይ መምህራን’ዩ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ መምህራን “መምህር ሌሊን’የ ደልየ ኣበይ’ኮን እረኽቦም?” ክትብል ሰሚዐያ። እቶም መማህራን ናባይ ምስ ሓበሩዋ “ወለድና ዘጠመቑና ስም ገዲፍክንሲ ደቅኽን ዘውጽኡልና ስም ትጽውዓና” ኢለየን። ካልእ መዓልቲ ከኣ ኣደይ “እንታይ’ዮም ለሚን ለሚን ዝብሉኻ” ኢላ ኣስሒቓኒ። ለኒን ክትብል’ያ። ሓደ መዓልቲ ከኣ. .

* ሕራይ. . .

* ሓደ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝምህሮ ዝነበርኩ ህንዳዊ ቁልዓ ከኣ ስእሊ ናይ ሌኒን ምስ ረኣየ፡ በቲ ቋንቋኡ ማለት’ዩ ነቡኡ “ባባ ባባ እዚ ናይ እንግሊዝኛ መምህርና’ዩ” ኢሉዎ። (ሰሓቕ)

* መምህር ንዝገበርናልካ ዕድመ ተቐቢልካ ግዜኻ ስለ ዝወፈኻልና ክብረት ይሃበልና።

- ኣነ’ውን አመስግን የቐንየለይ።

ን34 ዓመት’ዩ ኣብ ሞያ መምህርና ሰሪሑ። ኣብ’ዚ ነዊሕ ዓመታት ዘፍረዮም ናይ’ቲ እዋን’ቲ ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ሞያ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ተዋፊሮም ክርኢ እንከሎ ዓቢ ባህታ’ዩ ዝስምዖ። መምህርና ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክም ሞያ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ምሉእ ግዜኡ ብምውፋይ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ሰሪሑሉ። ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ጨ/ሚ/ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓላፊ ምክትታል ባህሊ ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምንጣፍ ኣብ ተረፍ ግዜኡ፡ ነቲ ኣብ ዓጽመ ደሙ ዝሰረጸ ናይ መምህርና ሞያ ይቕጽሎ’ሎ። መምህር ተኽላይ ገብረእዝጊ።

መምህር ተኽላይ ኣብ 1948’ዩ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ፌሮቪያ ተወሊዱ። ካብ 1ይ-4ይ ኣብ መባእታ ቤ/ት ምድሪ ባቡር፡ ካብ 5ይ-8ይ ኣብ ቤ/ት ማእከላይ ደረጃ ቤት ጊዮርጊስ፡ ካብ 9ይ-11 ኣብ ቤ/ት 2ይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ ተኸታቲሉ። ድሕሪኡ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ መምህራን ናይ ክልተ ዓመት ስልጠና ድሕሪ ምቕሳም፡ ብዲፕሎም ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለ ቦታታት ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ምሂሩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዓውዲታት ባህሊን ስነ ጽሑፍን ብምንጣፍ፡ ዓቕሙ ኣብ ምብርካት ይርከብ። መምህር ተኽላይ ናይ ሎሚ ዕዱም ጋሻ ሰንበት’ዩ።

Page 4: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

ሓዳስ ኤርትራ 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 4

ኣብቲ ሬሳ ዝተረኽበት መፍትሕ ናይ መዋቲት ንብረት ከምዘይኮነት በዓል ቤታ ዳኒኤል ብዝሃቦ ቃል ተረጋጊጹ’ኳ እንተኾነ፡ ብምስጥር ምስ ናይ ሳምሶን መፍትሕ ክማሳኸር ከሎ ምሉእ ብምሉእ ናቱ ኮይኑ ተረኽበ። ሳምሶን፡ ምስ መዋቲት ዝተረኽበ

መፍትሕ ናቱ ምዃኑ ኣመነ። ብዛዕባ ቅትለታ ግና ተሓታቲ ከም ዘይኮነ ገለጸ። “ዝጠፋኣትኒ መሲሉኒ” ብምባል ዘረብኡ ጀመረ። “ዳኒኤል ዓሰብ ክኸይድ’የ ስለ ዝበለኒ፡ ከፋንዎ ኢለ ኣብ ዝኸድክሉ መዓልቲ ኣብኡ ዝረሳዕኩዎ ኮይኑ፡ መዋቲት ረኺባ ኣብ ጁባኣ ዘቐመጠቶ ኮይኑ እስመዓኒ” ክብል መልሲ ሃበ።መርማሪ ፖሊስ፡ ሳምሶን ብዝሃቦ

መልሲ ተጠራጠረ። ዳግማይ ተጸዊዑ ተሓተተ። ብዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝቐረቡ መረዳእታን መልስን ብምግንዛብ፡ ረቂቕ ናይ መርመራ ስልቲ ቀጸለ። ኣብ ሬሳ መዋቲት ዝተረኽበ ኣሸራታት ምስ ናይ ሳምሶን ተመሳሳሊ መሲሉ ክረአ ከሎ፡ ኣብ ግንባርን ገጽን መዋቲት ዝነበረ ዝነቐጸ ነጠብጣብ ደም ግና ብዓይነቱ ካብ ናይ ሳምሶን ዝተፈልየ ነበረ።ነቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ

ተጻሒፉ፡ ሄለን ገዝኣ ከይተመልሰት ብዝወጽኣቶ ዝተረፈትሉ ዕለትን ንገዝኡ ንኽትመጽእ ብምስጥር ቆጸራ ዝተዋህባ ዝገልጽ፡ ኣብ ቦርሳ ናይ መዋቲት ዝተረኽበ ጽሑፍ፡ ናይ ሳምሶን ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ፡ ኩሉ ነገር ከይፈለጠ ከም ዘለዎ፡ ነቲ ኣብ ጭራም ወረቐት ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከም ዘለዎ፡ ፊደላትን ሓረጋትን ብናይ ኢድ ጽሕፈቱ ክግልብጦ ተገብረ። ኣወዳድቓ ናይቲ ጽሑፍ፡ ከምቲ

ኣብ ኢድ መዋቲት ዝነበረን ተመሳሳሊ ክኸውን ከሎ፡ ክልተ ፊደላት ጥራይ ብዝተፈላለየ ቃላትን ቅርጽን ዝተጻሕፉ ኮይኖም ካልኦት ኩሎም ጽሑፋት ግና ብዙሕ ፍልልይ ዘይብሎም ኮይኖም ተረኽቡ። ናይ ኣሸራ ኣጻብዕትን ናይ ኢድ

ጽሕፈትን ብዝተረኽበ ውጽኢትን ከኣ ሓላፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ካፒተን ያቆብ፡ ኣብ ሳምሶን ዝነበሮ ጥርጣረ ክብ ኣበሎ። እንተኾነ ግና ብመርመራ ደም ዝተረኽበ ውጺኢት ተሓታቲ ናይ’ቲ ገበን ካልእ ሰብ ከም ዘሎ ሓድሽን ተወሳኽን ነጸርታ ሃበ። * * *

ዓሚቚ መርመራ ደረጃ ብደረጃ፡ ብስፍሓትን ብዝተራቐቐ ተክኒክ ይቀላጠፉ ነበሩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ሳምሶን ናይ ሄለን ኣቀታትላ ዝፈልጦ መረዳእታ ሂቡ። ባዕሉ ቀታሊ ወይ ፈጻሚ ከምዘይኮነ መርማሪ ገበን ፖሊስ ያቆብ ኣረጋገጸ። ከም ኣገላልጻ ሳምሶን፡ ገበን

ዝተፈጸመሉ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ፡ ገበን ዝፈጸመ ወይ ዝፈጸሙ ሰባት ካልኦት ምዃኖም፡ ንባዕሉ ፍጹም ከም ዘይፈልጦም ሓበረ። ግና ኣብ ገዝኡ ሰብ ተቐቲሉ ከመይ ኣቢሉ ከይፈለጠ ይተርፍ? ዝብል ዘረባ ኣብ ሞንጎ ፖሊስ ክትዕ ፈጠረ።“እቲ ሬሳ ብኣንሶላ ጠቕሊለ

ዝደርበኽዎ ኣነ’የ።” ኢሉ ዘረብኡ ዝጀመረ ሳምሶን፡ ዝፈልጦ ክዛረብ ከሎ፡ ‘ብዛዕባ ኣቀታትላ ሄለን ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ንጹህ ሰብ’የ። ኣብ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ፡ ሄለን ካብ ህይወት ናብ ሞት ተሰጋጊራ ጸኒሓትኒ። ንምማታ ዝምልከት ኣዝዩ ምስጢራውን ተኣምራታውን ኮይኑኒ’ሎ ንዓይ። ዳኒኤል ንዓሰብ ካብ ዝኸይድ ኣብ ሳልሳይ ቀዳም መዓልቲ፡ ሄለን ሃንደበት ገዛይ መጺኣ። ንምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጸት ክፈልጥ’ኳ እንተዘይከኣልኩ፡ “ክሓተካ ደልየ?” ስለ ዝበለትኒ መምጺኢኣ ምኽንያት ንጎኒ ገዲፈ ክጋብዛን ከዕልላን ጀሚረ። “ልክዕ ሰዓት 1፡30 ድ/ቀ ካብ

ዓሰብ ስልኪ ተደዊሉኒ። ደዋሊ ዳኒኤል ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ሰጋእኩ። ፍርሒ’ውን በዚ መጺኡ ከይበልክዎ መላእ ኣካለይ ወረረኒ። ዝዛረቦ ጠፊኡኒ። እንተኾነ ግና ፈሪሐ ምህላወይ ከይፍለጥ ዝከኣለኒ ጽዒረ። ተረጋጊአ ከኣ ከዛራርቦ ጀሚረ።ዳኒኤል፡ ካብ ዓሰብ መጋረጃ

ጨርቂ ሒዙለይ ክመጽእ ሓቢረዮ ስለዝነበርኩ፡ ከም ኣጋጣሚ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ ስለ ዝረኸበ ብዝኣምኖ ሰብ ሊኡኹለይ ከም ዘሎ ነጊሩ ተሌፎን ዓጸዋ። ልክዕ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ማለት 2፡30 ድ/ቀ ቴሌፎነይ ጭር በለት። ልበይ’ውን ምስኣ ፈግ በለ። ደዋሊ ዳኒኤል ዝለኣኾ ሰብ ምዃኑ ነጊሩ፡ ጨርቀይ ክህበኒ ከም ዝደለየ

ሓቢሩኒ። ስመይ ጸዊዑ ጨርቀይ ሂቡ ንባረንቱ ክቅጽል ብምዃኑ፡ ኣብ ሹቕ ብጫ ቆቢዕ ጌሩ ክጸንሓኒ ምዃኑ ሓበረኒ። ንሄለን ኣብ ጥራዩ ገዛ ገዲፈያ

ክኸይድ ስለ ዘይደለኹ ከኣ፡ በዚ ሰዓት ክመጽእ ከም ዘይክእል እንተ ነገርክዎ፡ ከም ዘይጸንሕን ህዉኽ ምዃኑን ነገረኒ። ንሄለን ኣብ ገዛይ ገዲፈ ከኣ ናብ’ቲ ዝሓበረኒ ቦታ ኣምራሕኩ።“ይገርመኩም’ዩ! ሓደ ሰዓት ኣብ

ዘይመልእ ግዜ መጋረጃይ ሒዘ ገዛይ ምስ ተመለስኩ፡ ሄለን ኣብ ዓራተይ ብደም ጠልቅያ ረኸብኩዋ። ዓጽየዮ ዝኸድኩ ካንሸሎይ ከምዝነበሮ ተዓጽዩ ጸንሓኒ። እንታይ ዓይነት ሰይጣን ገዛይ ከም ዝኣተወ ከይፈለጥኩ ኣብ ዕጹው ገዛ ብደም ጨቂያ ጸንሓትኒ። ኩነታታ ምእማን ስለ ዝኸበደኒ ኩሎም መሳኹቲ ገዛይ ፈተሽክዎም። ኩሉ ከኣ ዕጹው

ነበረ። ከም ዝገድፍኩዋ ዘይጸንሓትኒ ግና ሓንቲ ሄለን’ያ። ኣካላታ ገማጢለ ረኣኽዋ። ብጀካ ኣብ ኣፍ ልባ ኣብ ካልእ ህራም ዝበሃል ኣይረኣኹላን።“ሓዘነይ በዚሑ፡ ፍርሐይ ዛይዱ

መንፈሰይ ተረበሸ። እንታይ ከም ዝገብር ሕርብት በለኒ። እናመሰ’የ ክኸይድ ከሎ ዋላ’ኳ ፈጻሚ ናይቲ ገበን እንተዘይኮንኩ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ግና መገዲ ከናዲ ክሓስብ ጀመርኩ። ዝመጽኣለይ ሓሳብ ከኣ ጉልባብ ጸላም ተጠቂምካ ነቲ ሬሳ ካብ ገዛይ ምርሓቕ ነበረ። በቲ ደም ዝጠልቀየ ኣንሶላይ ጠቕሊለ ከኣ ኣብቲ ወዲቓ ዝተረኽበትሉ ቦታ ኣቐመጥኩዎ። ብዝተረፈ ኣነ ፈጻሚ ናይቲ ገበን ኣይኮንኩን። ኢደይ ንጹህ’ዩ።’’ ብምባል ቃሉ ሃበ።ሳምሶን ዝበሎም ቃላት ኩሎም

ሓቀኛ ምዃኖም’ኳ እንተዘይተኣምኑ፡

2ይ ክፋል

ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሳምሶን ኣብ ዘይብሉ ገዛ፡ መዋቲት ህይወታ ምሕላፋ ኮነ ኢልካ ብዝተጸንዐን ብዝተወደበን ኩነታት፡ እተፈጸመ ገበን ምዃኑ መርማሪ ፖሊስ ዕቱብ ግምት ኣሕደረ።፡ ምናልባት ቀታሊ ሄለን፡ ኣብ ገዛ ናይ ሳምሶን ምህላዋ ዝፈልጥ፡ ሳምሶን ናይ መጋረጃ ጨርቂ ንኽቅበል ከም ዝኸደ ዘረጋገጸ፡ እግሩ ሓልዩ ዝመጸን ኣድብዩ ዝጸንሐ ናይ ቀረባ ፈላጢ ክኸዉን ከም ዝኽእል ጥርጠራ ተበጽሐ። እንተኾነ እቲ ጥርጠራ ብመርመራ ክረጋገጽ’ኳ እንተኸኣለ፡ ናይ ገበነኛ ግና ዝኾነ ሰነድ ኣይተረኽበን።

* * *

ሳምሶን፡ ሹቕ ከይዱ መልእኽቱ ክቕበል ተጸናትዩ እግሩ ሓልዩ ሓደጋ ዘውረደ ሰብ እንተሎ፡ ዝተዓጽወ ገዛ ብኸመይ ከፊቱ ገዛ ከም ዝኣተወ? ገበን ምስ ፈጸመ ከኣ ብኸመይ ገዛ ዓጽዩ ክኸይድ ክኢሉ?

ሓደ ናይ

ካ ን ሸ ሎ መፍትሕ ምስ

ካልእ ሰብ ከም ዘሎ ሳምሶን ብትሪ ሓበረ። ካንሸሎ ካብ ዘሰርሕ፡

ክልተ መፍትሕ ከም ዝነበሮ እቲ ሓደ ምስኡ ክህሉ ከሎ፡ እቲ ሓደ ከኣ ምስ መዋቲት ከም ዝነበረ ግልጺ ኮይኑ ብምሕባር፡ ሓድሽ ዘይተፈልጠ ምስጥር ከውጽእ ኣይከኣለን። እሞ መን ከፊቱ ኣትዩ ቀቲልዋ ወጺኡ? ሕጂ’ውን ንመርማሪ ፓሊስ ዝፍትን ጉዳይ ነበረ።ምናልባት ሄለን ባዕላ ነብሳ ቀቲላ

ከይትኸውን? ከመይ ኣቢላኺ ብስሕለት ካራ ሂወታ ከተጥፍእ? ዝብል ሓድሽ ጥርጣረ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ገጽ መዋቲት ዝነበረ ዝነቐጸ ነጠብጣብ ደም ናይ ካልእ ሰብ ብምዃኑ፡ ነብሳ ከም ዘይተጥፍእ ተረጋገጸ። ብዝኾነ ገበን ዝፈጸመ ባዕሉ ሳምሶን ኮይኑ፡ ኮነ ኢሉ ምስጥሩ ንምሓልው ዝገብሮ ዘሎ ተንኮል ከይከዉን መርማሪ ፖሊስ ድቃስ

ዝኸልኦ ጉዳይ ነበረ። ኣብ ገጽ መዋቲት ዝተረኽበ

ደም፡ ዋላ’ኳ ናይ ሳምሶን እንተዘይኮነ፡ ብተሓባበርቱ ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሪፉ፡ ሳምሶን ካብቲ ቅትለት ነጻ’ዩ ዘብል ኣይነበረን። ስለ’ዚ ከኣ ኣብ ሳምሶን፡ ጽንዕ ዝበለ መርመራ ክካየድ መርማሪ ፖሊስ ተሰማምዐ።“መጋረጃ ተላኢኹ ዝመጸ ሰብ፡

ኣከዳድንኡ ከም እተጸበኹዎ ሰብ ኣይነበረን። ማለተይ እቲ ዝተላእከ ሰብ ካብኡ 100 ናቕፋ ተቐበል ስለ ዝበለኒ ሃበኒ ኢሉኒ ሂበዮ። ብድሕሪኡ ክኸይድ እናተጸበኽዎ፡ ብሓደ ኣንጎሎ ተጠውዩ ኣብ ሓንቲ ፓሎ ተጸጊዑ ረኣኽዎ” ምስ በለ ሳምሶን፡ ንመርመራ ፖሊስ ብሓድሽ መገዲ ከሰጉሞ ዘኽእል ሓበሬታ ኮይኑ ቀረበ።

ኣብ ገጽ’ቲ ዝተላእከ ሰብ ዝተራእየ ናይ ሓሶት ምስሊ ካበይ መጺኡ? ብሓሶት ንባረንቱ ክኸይድ’የ ኢሉ፡ ንሳምሶን ብህጹጽ መጋረጅኡ ክቕበሎ ዘገደደሉ ምኽንያት

እንታይ’ዩ? ብምባል ነዞም ሕቶታት ምስቲር ከም ዘለዎም ብምርዳእ፡ ሓድሽ መጽናዕቲ

ሓተቱ። ዝተላእከ ሰብ ብመገዲ ሳምሶን

ብስውር ተደልዩ ክርከብ፡ ናብ ገበን መርመራ ቀሪቡ ቃሉ ክህብ፡ ንዳኒኤል ብዓይኒ ጥርጠራ ምርኣይን ዝተላእከ ሰብ ምስ ተረኽበ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዳኒኤል ቀሪቡ ቃሉ ንኽህብ ንመርማሪ

ፖሊስ ማንታ ሓሳባት ኮይኖም ቀረቡ። ዳኒኤል ብዓይኒ ጥርጠራ

እናተራእየ፡ ዝተላእከ ሰብ ይርከብ’ዩ ተባሂሉ ዝግመተሉ ከባቢ ለይትን ቀትርን ተፈትሾም ከይተረኽበ ክልተ ቅነ ሓለፈ። ልክዕ ኣብ መበል 17 መዓልቲ፡ እቲ ዝተላእከ ጥርጡር ሰብ ካብ እንዳ ማርያም መገዲ ቆሪጹ ክኸይድ ተታሕዘ። ንመርመራ ከኣ ቀረበ። ዳኒኤል ኣቐዲሙ ክሕተት

ተሓሲቡ’ኳ እንተነበረ፡ ዝተላእከ ሰብ ሓደስቲ ሓበሬታታት ብምሃቡ ተጠርጣሪ ንኽርከብ ሓገዝቲ ነበሩ። እዞም ሓደስቲ ሓበሬታ ስርሖም

ጀመሩ። ደረጃ ብደረጃ ከኣ ዝተኻየዱ መመራታት ናብ ሓደ መዕለቢ ከምርሑ ተራእዩ። ገበን ዝፈጸመ ብወግዒ ምስቲራቱብግልጺ እንተዘይተፈልጠ፡ ዳኒኤል ተሓታቲ ናይቲ ጉዳይ ከም ዝኸውን ተገመተ።

ይቕጽል

ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ መጻወድያ

Page 5: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

ሓዳስ ኤርትራ 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 5

እንታይ ኢኻ ትብሎ?

መርዓት ዓውዲ

ሰብ ብፍላይ’ኳ ወዲተባዕታይ ኣብ ዝጠዓሞ እዋን ክምርዖ ይኽእል’ዩ። ካብ ጭሉቕ ክሳብ ሃገርገር ዝብል ዳስ። መርዓ ሒማ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዓይነት መርዓ ዓርበ-ረቡዕ ገዲፍካ ኣብ ዝጠዓመ መዓልቲ ይግበር። ዘፍረሱ ቤተ-ክህነት ግና ብሂል ድኣሉ ዝኸውን’ምበር ዓርበ-ረቡዕ ሰበይቲ የእትዉ ነይሮም ይብሃል’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንነንበይኑ ምኽንያት ዝግበር መርዓ ነናቱ ስምን ቅጽልን ኣለዎ። መርዓት ዓውዲ ድማ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ንመርዓ ዝወሃብ ኣስማት’ዩ። ወዲተብዓታይ ሓንሳብ ተመርዕዩ

ብዝኾነ ምኽንያት ክፋታሕ ይኽእል። ወያ ጓለንስተይቲ ‘ውን ከምኡ። ተፋቲሑ ወይ ተሓዲጉ ዝጸንሐ ሰብ ድማ መዓልቱ ኣኺሉ ንዓኡ ትኾኖ ሰብ የምጽእ። ላኼማ ድኣሉ ዝኸውን’ምበር ኣብዚ ወግዒ ሓያማት ምስ ኮና ባዕለን ከምአን ዝመርጻ ደቀንስትዮ ነይረን ይባሃል። ብፍላይ ስድራአን ርኹባት ምስ ዝኾኑ ኣብ ማዕዶ ቤቶም መንበሪ

ይሰርሑለን’ሞ፣ ንዓአን ቃሕ ዝበለን ምስ ረኸባ ኣብ ገዛኦም ኣኸለ መሰለ ምድላው ብምግባር ሰብኣይ ጓሎም ምሳኦም ከም ዝነብር ይገብሩ። እዘን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ወግዒ ዝኾነን ሰብኣይ ዘእትዋ ዝነበራ ደቀንስትዮ ‘ሓሸዋ’ ዝብል ቅጽል ይወሃበን ነበረ። ሓሸዋ፣ ክሕረስን ብማለውቲ ክድቀስን ፍትው ቦታ’ዩ። ዓፈፉን ክዝራእን ክኣቱን ከኣ’ባ ደሓን። ምስዚ ወግዒ ብኸመይ ይተሓሓዝ ግና ሰማይ ዝሃገረይ ክበጽሖ ኣይከኣልኩን። ሓራም ምንኛ ናይዚ ምትእስሳር ዝነግረኒ እንተረኺበ ጓጉድ ጸባን ርባዕ ቅጫን ዘምስሖ።‘ሰይቲ እከለ መርዓት ዓውዲ እንድያ’

ይባሃል’ዩ። እቲ ብሕይምና ዝጸንሐ ወዲተባዕታይ ዓውዲ እናኸደ እንከሎ፣ እንተስ እቲ መዓልቲ ኣኺሉ ወይ ‘ውን ኣደ ወዲተባዕታይ ካብ ዓውዲ እኽሊ መቒላ ንወዳ ሓዳሩ ከተውጽኦ ደልያ፣ እቲ መርዓ ኣብ ቅንያት ዓውዲ ይግበር። መርዓዊ ድማ ምስ ሓዳስ መርዓቱ ንሓንቲ

ለይቲ‘ውን ትኹን ከይሓደረ ኣብ ዓውዱ ይቕኒ። ከምቲ ዝባሃል ኣብ ዓውዲን ጸሎትን ናብ ሰበይቲ ኣይቅረብን። ሰበይቲ ‘ውን ከምኡ ናብ ሰብኣይ ኣይትቐርብን። ‘ማይካን ንስሓኻን’ ይምሰል ንኸምዚ

ኩነታት። ስድራ ተባዕታይ ድኹማት ወይ ‘ውን ዘይብሉ እንተኾይኑ፣ መርዓት ብመቕርብ እቲ ዝምርዖ ንዓዲ ትኣቱ። መንን ከመይ ትመስልን ከይፈለጠ ድማ መርዓት እኽለ-ማይ ሒዛ ናብ ዓውዲ

ትመጾ። መርዓዊ ድማ ብግምት ብዓልቲ እንዳኡ ምዃና ይፈልጥ። ሓራም ብኸምዚ ኣገባብ ምስ መርዓቶም ኣብ ዓውዲ ዝተላለዩ ክሳዕ ሕጂ ብህየቶም ዘለው ኣይሰኣኑን።

ጽሒፈ ኢልካ ዲኻ…..?ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ስዕማ ዝምልከት ጽሑፍ ኣአንጊድካ ነይርካ። እቲ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ እዚ ዓምዲ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ስም ካልእ ሰብ ኣይነበሮን ካብ ዝብል ድማ’የ። ነዓይ ከም ዝርደኣኒ ነቲ ኣርእስቲ ፈሪህካ ዝሓዝካዮ እመስለኒ። እዚ ክብለካ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኣገባብ ኣሰዓዕማ ጽሒፍካ ዝውዳእ ኣይመስለኒን። ጨሪሱ ክትርድኦን ከተዘውትሮን ዘጸግመካን ዘይምእምኣካን ብምዃኑ ዘዛርብ ጥራሕ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኣብ ሕብረተሰብና ዝረኣዩ ጽቡቓት ይኹኑ ዘየድልዩ ኣገባባት ኮፍ ኢልካ ናይ ምዝራብ ልምዲ ስለዘየለ’ምበር ግደ ሓቂ ቀሊል ኣርእስቲ ኣይኮነን። ከምቲ ዝግባእ ብዛዕባ ኣገባብ ሰላምታና ዝጸሓፍካ መሲሉ ስዘይተሰምዓኒ ድማ’የ ‘ጽሒፈ ኢልካ ዲኻ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐደመኒ። ንእግረ መንገደይ ግና ኣብ ያታ ሕብረተሰብና ንእትገብሮ ዘለኻ ዘይሕለል ጻዕሪ ብስም ኣንበብቲ ዓምድ ሽያኽ ብልቢ ከመስግነካ እደሊ።ብዛዕባ እነዘውትሮ ኣሰዓዕማ ገዲፍና

ብሓፈሻ ነገረ ሰላምታና ክንዛረበሉ ጽቡቕ ይመስለኒ። ቅድሚ ዝኣገረ ሰላምታ ናይ እዝጊሀር’ዩ። ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ንዝረኸብካዮ ሰብ ብዝርደኦ ኣገባብ ሰላምታ ክትልግሰሉ ዝግባእ’ዩ። ወላ’ኳ ነዚ ነገር ኣብ እኩብ ህዝብን ጻዕቂ ዘለዎም ጐደናታትን ከተዘውትሮ ዘይከኣል እንተመሰለ፣ ሰላምታ እቲ ቀዳማይ ንዝኾነ ሰብ ክንልግሶ ዝግባእ ህያብ መሲሉ ይረኣየኒ። ዝያዳ’ኳ ንስኻ ትፈልጦ ትኸውን’ምበር፣ መንገዲ ኣራኺቡካ ሰላም ከይበለካ ዝሓለፈ ሰብ ከም ጸላኢኻ ወይ ብዓል ነገርካ’ዩ ዝውሰድ ዝነበረ። ወላ ‘ውን ዘይፈልጠካ ሰብ ረጊጹካ እንተሓሊፉ ክሳብ ስሙን ዓዱን ሓቲትካ ብኣኻ ዝተቐየመ ሰብ

ከይከውን እትሓተሉ እዋን ከም ዝነበረ ብዓበይቲ ይንገረና’ዩ። ንኣብነት ሓደ ምስዚ ክብሎ ዝጸናሕኩ ዝተሓሓዝ ካብ ዓበይቲ ዛግር ዝሰማዕክዎ ዕላል’ሎ። ሓደ ሰብኣይ ወዲ ዓደ-ረጊት(ሓንቲ ካብ ዓዲታት ካርነሽም) ባሕሪ ቀንዩ ንዓዲ ክኣቱ እንከሎ ጽዒንዎ ዝነበረ ተባዕታይ ኣድጊ ደኸሞ ይበሃል። መስዩ ስለዝነበረ ድማ ንዛግር ኣላገሰ። ዛግር እትው ኣብ ዝበለሉ ድማ ንሓደ ገማም ሰብኣይ ‘መዓልካ’ዚ ሓወይ’ በሎ። እቲ ገማም ሰብኣይ ጽሙም ስለዝነበረ ከይመለሰሉ ሓለፈ። እቲ ሰላምታ ሂቡ ሰላምታ ዝሰኣነ ሰብኣይ ድማ ዛግር ምሕዳር ገዲፉ ንጽዕነት ኣድጉ ተሰኪሙ ኣድጉ እናዀብኮበ ቀሳእ ኢሉ ክኸይድ ብምሕዳር ጽሓይ በርቂ ዓዱ ኣተወ። ነዚ ዝረኣየት ብዓልቲ ቤቱ ሰንበደት’ሞ ተጠሊዓ ኣእወየት። ብዓዲ ሰብ ከምዘይመጸስ ኣብ መንገዲ ምስ ኣዛብእ ክብኣስ ሓዲሩ ድማ በለት። ለባማት እቲ ዓዲ ንምንታይ ኣብ ዓዲ ሰብ ዘይሓደረ ተወከስዎ። ንሱ ድማ እቲ ፈለማ ኣብ ዛግር ዝረኸቦ ገማም ሰብኣይ ሰላምታ ምስ ከልኦ፣ ኣብቲ ዓዲ ክፉእ ስም ከይህልዎ ስለዝሰግአ ድኹም ኣድጉ ከሳሊ ከም ዝሓደረ ሓበሮም። እቲ ሰላምታ ዝተኸልአ ሰብ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ኣብ ዝነበረሉ ንዛግር ከደ’ሞ ‘እዚ ገማም ሰብኣይ ሰላምታ እዝጊሀር ከሊኡኒ’ ኢሉ ንዓዲ ኣስመዐ። ዓዲ ድማ እቲ ገማም ሰብኣይ ጽሙም ምዃኑ ነጊራ ዝኣኸሉ ውላድ እንተ ሃልዮሙኹም ብመውስቦ ከነሕውየኩም በልዎም’ሞ፣ ብዓል ኣደረጊት ካብቲ ገማም ሰብኣይ ንወዱ እትኸውን ጓል

ወሲዱ ይብሃል። ካብዚ ይኹን ኣይኹን ክሳብ ሎሚ

ዝንገር ዛንታ እንርደኦ እንተድኣ ሃልዩ ትርጉም ሰላምታ ክሳብ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ’ዩ። ምስ ኩሉ ህይወት ወዲሰብ ምትእስሳር ዘለዎን ነንበይኑ ትርጉምን መግለጺን ዝወሃቦን ከኣ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ርእሶም ዝነበረ ቆብዕ ኣውጺኦም ምዉቕ ሰላምታ ዝህቡ ዓበይቲን ለባማትን ኣብቲ ሰላም ዝብልዎ ሰብ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ’ዩ። ዝተኸፍተ ርእሶም ጸሓይን ንፋስን ክወቕዖ ምዃኑ እናፈለጡ ንስለ እቲ ሰብን ክብሩን ኢሎም ከምኡ ይገብሩ። ዓጸፋ ድማ ይምለሰሎም። ‘ክቡር የኽብረካ መጠን ነብሱ’ ስለዝኾነ። ብሓፈሻ ኣብ ሕብረተሰብና ዝጸነሐ ኣገባብ ሰላምታ ብዝግባእ ነቲ ሕብረተሰብ ዘንጸባርቕን በቲ ሕብረተሰብ ድማ ግቡእ መረዳእታ ዝነብሮን ዘለዎን’ዩ። ከምዚ ክብል እንከለኹ ግና ነዚ ናይ ሎሚ ኣገባብ ሰላማ ንምንእኣስ ኢለ ዘይምዃነይ ከነጽር እደሊ።ግዲ ዘመነ ተጸላሎ ኮይኑ፣ ኣብዚ

እዋን ዝዝውተሩ ዘለዉ ዓይነታት ሰላምታ ዝውታረ’ምበር መረዳእታ ወይ መግለጺታት ዝውሕዶም እመስለኒ። ንኣብነት ብዙሓት ዝፈልጦም ሰባት ምሳይ ሰላምታ ክለዋወጡ እንከለው ዝገብርዎ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ኣፍልብኻ ምሓዝ’ዩ። ኣነ ከም ዝፈልጦ፣ ኣፍልብኻ ምሓዝ ምልክት ናይ ዘይምጥዓይ ወይ ቃንዛ ኣፍልቢ’ዩ። ኣፍልቡ ሒዙ ሰላምታ ክህበኒ ዝሓስብ ሰብ እንተሃልዩ ከኣ፣ ኣፍልቡ ሓሚሙ ወይ ኣነ ኣፍልቡ ኣሕሚመዮ ከም

ዘለኹ’የ ክርዳእ ዘለኒ። ንኸምኡ ዓይነት ሰላምታ ምስ ክብሪ ዘተሓሕዝ ሱር ስለዘይጸንሖ። ምስ ክብሪ ክተሓሓዝ እንተድኣ ኮይኑ፣ ኣብኡ እንከለኻ ጥቕስ ወይ ድንን ምባል’ዩ። ካልእ ዝርእዮ ኣገባብ ሰላምታ፣ ዓባይ ዓባይቶ ኣጻብዕቲ ኢድካ ኣውጺእካ ዝግበር’ዩ። እዚ ብመሰረቱ ‘ዕደ ነሳእካ ወይ እንታይ ክትንጫዕ’ ዝብል ትርጉም’ዩ ዘለዎ። እንተሎሚ ግና ንቡር ኣገባብ ሰላምታ ኮይኑ ይርከብ። ‘ቺርስ’ ወይ ‘ኣነ ‘ውን ምሳኻ እሰማማዕ’ እየ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ በቃ ሰላምታ ኮይኑ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ብተደጋጋሚ

ዝረአ ሰላምታ ምትሕቝቛፍ’ዩ። ጾታ ዘይፈሊ ክሳብ ምሉእ ሰብነትካ ዘለጋግብ ኣገባብ ድማ’ዩ። ሰላምታ ካብ መዓጉርቲን መናኩብን ሓሊፉ ናብ መላእ ኣካል ወዲ ሰብ ክዝራእ ድማ ዘየዛርብ ኣይኮነን። በል እስከ በየናይ ምኽንያት’ዩ ወዲ ንጓል ጥምጥም ኢሉ ሓቚፉ ዝስዕማ። ኣይካብ ክቱር ሕውነት ኣይካብ ልቢ ዝበልዐ ናፍቖት ብኸምዚ ንፋስ ብመንጎኻ መሕለፊ ክሳብ ዝስእን ተጠማጢምካ እንተተሰዓዓምካስ እንታይ ይብሃል። ኣነ ብወገነይ ደረቱ ዝሓለፈ ኣገባብ ሰላምታ’የ ዝብሎ። እቲ ኣብ ከናፍር እናተሰዓዓምካ ዝግበር ጃምላዊ ሰላምታ ከመይ ኢልካ’ዩ ዝጽወር ኣይተረድኣንን። እቲ ንሰበይትኻ ወይ ሰብኣይካ እሞ ከኣ ኣብ ስቱርኒ ክዱኒ ዝግበር ዝነበረ ሰላምታ ሎሚ ኣብ ጎደናን ምስ ዝኾነ ሰብን ክዝውተር ክትርእዮ እንከለኻ ዘሕፍር ይመስለኒ። እተን ኣብ ዝኾነ ጎደና ምስ መማህርተን ድየን መተዓብይተን ንሓድሕደን ይኹን

ምስ ካልእ ጾታ ሰላምታ ብኸናፍረን ዝለዋወጣ ዘለዋ ብመንገዲ እዚ ዓምዲ ያዕ ክብለን እደሊ። ‘ካብ ሕማቕ ዝገብሩኻ ሕማቕ ዘልሙዱኻ’ ስለዝኾነ ከኣ ሕማቕ ትምህርቲ ኣይተሕልፋ ክብለን እደሊ። ናይቶም ደቂተብዓትዮ ግና ብጥሪኡ ስርቂ ስለዝኾነ ካብ ስርቂ ተቘጠቡ ክብሎም እደሊ። እምበርከ ሰብ ይኹን ኣምላኽ መሪቑ ንዘይሃበካ ጓልሄዋን ኣብ ከናፍራ ክትስዕማ ብሓቂ ጽያፍ’ዩ። እዞም ብኸምዚ ኣገባብ ሰላምታ ዝለዋወጡ ሰባት ንመጻምዶም እንታይ ሒዞም ከም ዝጸንሑ ኣይርደኣንን። ‘ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ’ ኢለ ድማ ክምስለሎም እደሊ።ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ

ክትትንክፎስ ይትረፍ ኣካል ወዲ ክትርእዮ‘ውን ሕፉር’ዩ። ካብኡ ንናብኡ ከኣ ገጽን ከባቢኡን። ካብ ንቡሩ ዝሓለፈ ድማ ሰላምታ ኢልካ እናመኽነኻ ክትንእስ ምድላይ ኮይኑ ይስምዓኒ። እዚ ንባህልና ምርኩስ ብምግባር’የ ዝዛረብ ዘለኹ። ከምቲ ኣብ ገጽናን መናኩብናን ኣብ ከናፍሮም ይኹን ከምቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጸሓፍካዮ ኣብ ዳንጋኦም ዝሰዓዓሙ እንተሃለው ናይ ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ስለዝኾነ። ኣይናይ ኣቦኻ ኣይናይ ኣደኻ ወይ ከኣ ዝግባእ መረዳእታን ዝወሓጥ ትርጉምን ሃልይዎ፣ ተረኽበ ኢልካ ክትሰዓዓም ግን ዘሕፍር’ዩ። አረ ናተይ ድሌት ጥራሕ ድኣ ከይከውን’ምበር ነዚ ዝምልከት ነገር ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ዓድና ተኣታትዩ ምስ ስነ-ምግባርን ባህልን ኩለን ብሄራትና ዝሰማማዕ ምስ ክብርናን ሰላምታናን ዝተኣሳሰር ኣገባብ ሰላምታ ብስሩዕ እንተዝወሃብ ‘ውን ዝሓሸ ይመስለኒ።

ምስጉን ቀለታ - ዛግር

እንታይ ኢ

ኻ ትብሎ?

Page 6: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

ሓዳስ ኤርትራ 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 6

ክቡራት ኣንበብቲ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ምኽሪ ሰንበት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን “ካብ ዓዘቕቲ ብምንታይ የውጽአን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ብዛዕባ መገድታት ምቍራጽ መትካኽ ሽጋራን ክፍኣት ሳዕቤኑን ክንርእይ ተቛጺርና ነይርና። ከም ቆጸራና ድማ ንዝምልከቶ በዓል ሞያን ካልእ ሓገዝቲ ምንጭታት ብምውካስ ናብ መልሲ ንኣቱ።

ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት ቍጽሪ ኣትከኽቲ ሽጋራ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ኣትከኽቲ ደቂ ኣንስትዮ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክበዝሕ ከሎ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ግን እዚ ፍልልይ እናጸበበ ይኸይድ ከም ዘሎ፣ ብዛዕባ’ዚ ጸገም’ዚ ዘጽንዑ ሰብሞያ ይገልጹ። ካብ ኵሉ ዘሕዝን ከኣ ቍጽሪ ኣትከክቲ ሽጋራ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ምውሳኹ እዩ። ስለምንታይ እዩ ቍጽሪ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ዝውስኽ ዘሎ እንተኢልና; እቲ ቀንዲ ምኽንያት ጸቕጢ መዘና፣ ጽልዋ ፊልምታት ሆሊዉድን ጕዱል ስነምግባር ህቡባት ሰባትን ክኸውን ከሎ፣ ከም ተወሳኺ ድማ ምውዕዋዕ መራኸቢ ብዙሓን እዩ። እተን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ከም’ተን ዝማዕበላ ሃገራት ጸገም ሽጋራ ኣለልየን ምውዕዋዕ ዝኸልከላ ኣብ ክንዲ ዝኽልክላ ጽምኣት ነጋዶን ንዓይ ይጥዓመኒ በሃልቲ ስሱዓት ኣፍረይቲ ሽጋራን ንምዕጋብ ግን ገና ቅርጽን ዓይነትን ሽጋራ እናለዋወጥካ ስነጥበባዊ ስሕበታት እናወሰኽካ ምህርተን የወዓውዓ ኣለዋ።

ኣብ ሃገርና ከም ጸገም እኳ እንተዘይተጠቕሰ ጽልዋታት መራኸቢ ብዙሃን ካልኦት ሃገራት ግን ኣይሰኣንን እዩ። በዚ መሰረት ሰሚራ መሓዙትኪ ግዳይ’ዚ ጸገም ኮይነን ዘለዋ ብሰንኪ ጸቕጢ መዘና እዩ። እዚ ጸቕጢ እንተዘይህሉ ነይሩ መሓዙትኪ ኣትከኽቲ ሽጋራ ናይ ምዃን ተኽኡለአን ዳርጋ ኣይምሃለወን። እዚ ማለት ምትካኽ ሽጋራ እዝን እትን ጥቕምታት ኣለዎ ኢለን ክመርጽኦ ዘይምኽኣለን ውሳኔታተን ብስምዒት ደኣ እምበር ብኣእምሮ ኣይኮናን ዝቕልሳኦ ዘለዋ ማለት እዩ። ሕጂ ግን ብኣእምሮ መታን ክምርሓ ኣቐድም ኣቢልና ባህሪ ትሕዝቶ ሽጋራ ብምግላጽ ሳዕቤናቱ ክንዝርዝር ኢና ብምቕጻል ድማ ንምቍራጽምትካኽ ሽጋራ ሓገዝቲ ክኸውን ዝኽእል መፍትሒታት ክንህብ ኢና።

ሓታቲት ሰሚራ መሓዙትኪ ነታ ቀዳመይቲ ሽጋራ እየን ጸዊዐንኣ፡ እታ ቀዳመይቲ ሽጋራ ግን ነታ ካልኣይቲ፡ ንሳ ድማ ነታ ሳልሰይቲ ከምኡ እናበለ ይቕጽል። እዚ ዘርእየና ባህሪ ኣብ ሽጋራ ዘሎ ከሚካላት ደኣ እምበር ከምቲ ክበሃል ዝፍተን ደስ ኢሉኒ፤ ኬፍ ኣለዋ፤ ኣነ ወልፊ ፈጺሙ ኣይሕዘንንን ካልእ መዓሸውቲ ምኽንያታውትን ኣይኮነን። ብዛዕባ ትሕዝቶ ሽጋራ ዘጽንዑ ሰባት ክገልጹ ከለዉ ኣብ ሽጋራ ከባቢ 600 ከሚካላት ኣሎ ከብ’ዞም ከሚካላት እዚኦም እቶም 40 መርዛማትን ሕማም ከንሰር ከስዕቡ ዝኽእሉ ከሚካላትን እዮም። ካብ’ዞም ከሚካላት እዚኦም ኒኮቲን እንተ ወሲድና፡ ካብ ሄሮይን- ዓይነት ሓሽሽ- ንላዕሊ ኣወላፊ መዃኑ እዮም ዝነግሩ።

እዚ ከም ሽጋራ ብምትካኽ፤ ካብ ኣየር ብምሽታት፤ ካብ ቆርበትና ድማ ተመጽዩ ናብ ደምና ክሕወስ ዝኽእል ትሕዝቶ ሽጋራ፣ ምስ ደምና ብቕልጡፍ ብምውህሃድ ተወሳኺ ናይ ምድላይ ባህሪ የማዕብል። ከም ኣብነት ንምጥቃስ መብዛሕቶም ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ሰባት ኣትከኽቲ ሽጋራ እዮም። [ሓደ] ኣልኮል ነቲ ኣብ ደም ዘሎ ዓቀን ኒኮትን የጕድል እሞ፡ ዝያዳ ኒኮቲን ንምርካብ እቲ ኣካል ይእዝዝ። [ክልተ] እቲ መስተ ዝሰትይሉ ቦታ ብብዝሒ ሽጋራ ዝትከኸሉ ቦታ ስለዝኾነ ተኽእሎ ምድላዮም ኣዝዩ ይዓቢ። በዚ ምኽንያት እየን እምበኣር መሓዙትኪ ነቲ ሓቀኛ ትሕዝቶ ሽጋራ ብሰንኪ ዘይምፍላጠን ነቲ ካብ የዕሩኽተን ዝቐረበለን ሕቶ፣ “ዘይንዘናጋዕ ብምባል”፤ “ሃባ እስከ ክፍትና ብምባል”ን ካብ መዛኑኻ ጸብለል ክትብል ናይ ምድላይ ባህርን ብምርኣይ መልሲ ሂበናሉ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ እቲ ብዓይነን ዘይረኣያኦ ትሕዝቶ ሽጋራ እንሆ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅወን፣ ድሮ ውሉፋት ገይርወን ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ መፍትሒ ምቍራጽ ምትካኽ ሽጋራ ሳዕቤናቱ ብንጹር ምፍላጥ እዩ እሞ ብንጹር ናብ ምዝርዛር ክንሓልፍ።

ከም ቀንዲ ጠንቂ ብካንሰር ዝስዕብ ሞት ደቂኣንስትዮ ናይ ሳንቡእ ካንሰር ብቕድሚት ይስራዕ። ዕድል ገይርና ናይ ኣትካኺ ሰብ ሳንቡእን ናይ ጥዑይ ሰብ ሳንቡእን ኣንተነወዳድር ብርግጽ ሳንቡእ ካንሰር ጥራሕ ክውሕዳ ምበልና። ምኽንያቱ እቲ ብሰንኪ ምትካኽ ዝፍጠር መርዛም ቅጥራን (toxic tar) ምሉእ ብምሉእ ንቡር ሕብሪ ሳንቡእ ናብ ጸሊም ቡናዊ ይቕየርን ሕማቕ ሽታ ዘለዎ ይኸውንን። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ናይ ሳንቡእ ካንሰር ክፍጠርን ክምዕብልን ተኽእሎኡ ልዑል ይኸውን።

ብዛዕባ ካንሰር ካብ ኣልዓልና ብምትካኽ ሽጋራ ዝስዕብ ካንሰር ኣብ ሳንቡእ ጥራሕ ዝድረት ኣይኮነን። ዳርጋ ብምትካኽ ሽጋራ ጥራሕ ከምዝስዕብ ዝንገረሉ ናይ ላንቃ ካንሰር (larynx cancer) እውን ኣሎ። እዚ ማለት ኵሉ ኣብ ጎረሮና ዘሎ ክፍልታት ብሰንኪ እቲ ካብ ሽጋራ እንስሕቦ ጎዳኢ ዋዕን (thermal injury) ካልእ ትሕዝቶ ሽጋራን ይጥቃዕ እሞ ካንሰር ይስዕብ። ኣብ ኣፈዋውስኡ ዝምልከት ድማ እቲ ሰብ ክሳብ ብኣፍንጭኡ ምስትንፋስ ኣቋሪጹ ብኽሳዱ ቀዲዶም ብዝኸፈትሉ ቀዳድ ትቦ ገይሩ ከስተንፍስ ይግደድ፤ ናይ ድምጺ ሳጹን ስለዝእለ ድማ ድምጺ ዘለዎ ዘረባ ክዛርብ ኣይክእልን።

ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ ዝፈጥሮ ጸገም ድማ ካብኡ ዘይፍለ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ከም ቀጥታዊ ሳዕቤን እንዕዘቦ ምብልሻው ሕብሪ ስንን መልሓስን ዝፈጥሮ ሕማቕ ጨናን እውን ከም ደቂኣንስትዮ ባህርያዊ ጽባቐአን እዩ ዘዋርድ። ኣብ ኣፍ ዝፍጠር ካንሰር ውን ከይተጠቕሰ ዝስገር ጸገም ኣይኮነን። ብዘይካ እቲ ኣብ ሻሕለለ ጫፍ ዝፈጥሮ ናይ ምቅጻል ስምዒት (heartburn) ኣብ ውሽጢ ጭጎራ ዝፈጥሮ ቍስሊ፤ ኣብ ላዕላዋይ ጫፍ መዓንጣ ዝፍጠር ካንሰርን ኣብ ጸላም ከብዲ ዝገብሮ ዕንወት ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዝርአ ሳዕቤን ሽጋራ እዩ። ሽጋራ ዘይትንክፎ ክፍሊ

ኣካላት ዳርጋ የልቦን። ብመሰረት ሕቶኺ ግን ሰሚራ ሳዕቤናት ሽጋራ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ብምትኵር ብፍሉይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘምጽኦ ጸገማት ከብርሃልኪ።

ጽልዋ ሽጋራ ኣብ ስርዓተ መፍረ ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ ዙርያ እቲ ዝጸፈየ እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይቲ፣ ብምትካኽ ሽጋራ ዝፍጠር መርዚ ይዓስል እሞ ነቲ ካብ ወዲ ተብዓታይ ዝመጸ ንመፍረ ዝኸውን ዘርኢ ይቐትሎ። በዚ ምኽንያት ናይ መፍረ ጸገም ይፍጠር። ምናልባሽ ድማ ዘርኢ ክልቲኡ ተወሃሂዱ ድቂ እንተተፈጥረ ገና ከይማዕበለ ከሎ ጥንሲ ናይ ምንጻል ጸገም ኣለዎ፣ ምዉት ክውለድ ይኽእል፤ ምናልባሽ እንተተወልደ ድማ ወይ ዘይንቡር ሰብ ክኸውን ይኽእል ወይ ከኣ ትሕቲ ሚዛን ክኸውን ይኽእል። ካብ’ዚ ሓሊፉ ድማ ህጻን ናይ ምሟት ተኽእሎ ይዓዝዝ።

መልክዕ ደቂ ኣንስትዮ ድማ የበላሹ እዩ። እቲ ግዜኡ ሓልዩ ክዓጥር ዝነበሮ ቆርበት ናይ’ተን ኣትከኽቲ ደቂ ኣንስትዮ ብቕልጡፍ ከም ዝዓዝር ይኸውን እሞ ኣብ ቆርበት ዘስዕቦ ሳዕቤን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ቆርበት ጸገም ኣብ ጡብ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ዘስዕቦ ሳዕቤን ውን ኣሎ። እቲ ብሰንኪ ብዝሒ ውላድን ምጥባውን ካልእ ረቋሒታትን ክወድቕ ዝነበሮ ጡብ ኣብ ዘይእዋኑ ዓቐኑ ይነውሕን ከም’ቲ መብዛሕተን ደቂ ኣንስትዮ ዝደልያኦ ትርኢት ኣይህልዎንን። ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ኵሉ ሳዕቤናት ኣብ ሓደ እዋን ዝፍጸም ዘይኮነስ ነፍሲ ወከፍ ዝተኸኻ ሽጋራታት ነናተን ኣበርክቶ እናሃባ እየን ሳዕቤናተን ዘቀላጥፋ።

ምትካኽ ሽጋራ የነቓቕሕ እዩ ዝብል ኣበሃህላ ፈጺሙ ንባህሪ ትንባኾ ዝገልጽ ኣይኮነን። ወላ እኳ እታ ተትክኽ ዘላ ሰብ የነቃቕሓኒ ኣሎ ኢላ እንተሓሰበት ኣትኪኻ ምስወድአት እቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ይግሃድ፣- ጸቕጢ ይስምዓካ፤ ጽልሙት ትኸውን፤ ርእስኻ ድማ ትሓምም። ሽጋራ ናይ ሙዕቡላት ሰባት እዩ ዝብል ኣበሃህላ ውን ኣቐዲሙ ብዝተጋገዮ ጌጋ መሰረት ብወልፊ ተሸኒፉ እንተዘይኮይኑ ለባም ዝበሃል ሰብ ሽጋራ ከትክኽ ኢሉ ኣይሓስብን እዩ። ብደረጃ ዓለም ውን እንተርኢናዮ ኣብ’ተን ዝማዕበላ ሃገራት ቍጽሪ ኣትከኽቲ ክቕንስ ከሎ ኣብ’ተን ዘይማዕበላ ግን ይውስኽ። እዚ ጥራሕ ከይከውን ኣብ ዝማዕበላ ይኹን ዘይማዕበላ ሃገራት እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ጸገም ስነኣእምሮ ዘለዎም፤ ድኻታት፤ ግዳም ሓደራትን ዘይእሩም ኣተዓባብያ ዘለዎም እዮም። በዚ መሰረት ሽጋራ ናይ ምዕቡላት ዘይኮነ ናይ ሰነፋት እዩ። ናይ ሓራይፍ ዘይኮነ ናይ ጆግናናት እዩ። በዚ ዝገለጽናዮ ሓቅታት መሰረት መሓዙት ሰሚራ እንታይ ትውስና በቲ ፋልማይ ጌጋኽን ኣይትሕሰባ ንሱ ሓሊፉ እዩ ሕጂ ግን ኣላ ምሳኽን እሞ እንታይ ትውስና። መርዚ ናብ ኣፍክን የእቲኽን ዕድሜኽን ከተሕጽራ፤ ቃንዛኽን ከተኽፍኣ፤ ክብርኽን ከተጕድላ፤ መልክዕክን ከተበላሽዋ ዶ ወይስ ክፍኣት ሽጋራ ፈሊጥክን ጥዕናኽን ሓሊኽን ክትነብራ፤ ሚዛንክን ዓቂብክን ብኽብርኽን ክትልለያ፤ ጽባቐኽን ኣገሪምክን ብስሩዕ ህይወት ክትምርሓ እንታይ ምመረጽክን። ኣብዚኣ ትውስናኣ ውሳኔ እያ ናብዘን ቀጺለን ዘለዋ ነጥብታት ዘምርሓኺ። ሽጋራ ኔው ኣብላ እንተዘይኢልክን ምንባብ ኣብዚኣ ኣቋርጻ፣ እንተደኣ ንዓወት ድሉው እየ ኢልክን ግን ካብ’ዚ ቀጺሉ ዘሎ ነጥብታት

ኣስተውዕላ።

ቅድመ ምድላዋት፣- ቢሮ ወይ ርሳስ፤ ደብተር መጽሓፊ ድያሪ፤ መንጸፍ መስርሒ ስፖርት፤ ጽቡቕ መስተዪ ማይ፤ ንምቍራጽ ዝሕግዙኻ መሓዙት ምምራጽ፤ እዚ ግዜ እዚ ንሰለስተ ሰሙን ክወስደልክን ስለዝኾነ ብኣእምሮ ተዳለዋ፤ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ቡን፡ሻሂ፣ ኣልኮላዊ መስተ ከይትሰትያ ቀዳማይ ተሞክሮ ምውሳንክን ይኹን ንምንቅስቓስ ኣካላት መደብ ስርዓ ወይ ኣይሮቢክስ ጀምራ።

ክሳብ ምትካኽ ሽጋራ ተቍርጻላ ዕለት ምምጽኣ ዘትከኽክንአን ሽጋራ ቺካአን ኣብ ሓደ ቦት ኣክባኦ። ሕጂ ትውስናላ ግዜ ኣብ ድያሪኽን ኣስፍራ። ከም ኣርእስቲ ድማ “ምትካኽ ሽጋራ ከቍርጽ እውስን” በላ። ካብ’ዛ ስዓት እዚኣ ሽጋራ ኣብ ጥቓ ኣፍክን ኣይተቕርባ። ኣብ’ታ ሽጋራ ተትክኻላ ግዜ ርሳስ ኣብ ኢድክን ቀርቂርክን ክትጽሕፋ ወይ ክትስእላ ፈትና፤ ብዕምቀት ከተስተንፍሳ ጀምራ (እንታይ ማለት’ዩ ብዕምቀት ምስትንፋስ ከብርሃልክን እየ)፤ እተን ሽጋራ ንምግዛእ ዝሓሰብክንአን ገንዘብ ንጹማቕ ኣውዕላኣ።

ብዕምቀት ምስትንፋስ ማለት የእዳውክን ኣብ ልዕሊ ከብድኽን ኣብ ትሕቲ ኣፍልብኽን ኣንብራ - ክሳብ ጭዋዳ ሳንቡእ ዝግተር ብኣፍንጫኽን ኣየር ስሓባ - ንዝተወሰነ ካልኢታት ነቲ ኣየር ኣብ ውሽጥኽን ኣጽንሓኦ - ነብስኽን ኣዛንያ - ኣየር በብቕሩብ ካብ ኣፍንጫኽን ኣውጽኣ ክሳብ ጭዋዳታት ተጨቢጡ ናይ ምስዓል ስምዒት ዝፍጠር ብኣእዳውክን ጸቂጥክን ኣየር ኣውጽኣ - ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ክሳብ 4 ግዜ ይደጋገም።

ዝሑል ማይ ኣብ ገጽክን ከዓዋ - ኣስናንክን ብሜንታ ኮልጌት በርሻ - ለሚን ዘለዎ ዝሑል ማይ ስተያ። ምናልባሽ ኣብዚ ግዜ እዚ ሽጋራ ምትካኽ ቃሕ ቃሕ እንተኢሉክን መዎጽ ወይ ካሮቲ ኣብ ኣፍክን ጌርክን ተዘናግዓ፤ ማይ በብቕሩብ ጌርክን ስተያ፤ ብኢድ ዝስራሕ ንጥፈታት ጀምራ፤ ብእግርኽን ተጓዓዛ፤ እታ ኣዋጅክን ብእዝንኽን ከምትሰምዕኦ ጌርክን ኣቃልሓኦ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝሓለፍክንኦ ተሞክሮ ኣብ ድያሪ መታን ክትጽሕፋ መጀመርያ ጸገማት ምትካኽ ሽጋራን ምኽንያት ምቍራጽ ሽጋራን ኢልክን ኣብ ክልተ ዓምዲ ጸሓፋ እብ መወዳእታ “ኣነ ምትካኽ ሽጋራ ኣቋሪጸ እየ” ብምባል ተሞክሮኽን ውዕሎኽን ዓወትክን ጸሓፋ።

ካብ’ታ ዘቋረጽክናላ ግዜ ጀሚርክን እዘን ዝስዕባ ጸገማት ክረኣያ ይኽእላ እየን። እዚአን ግን ንሓጺር ግዜ ስለዝኾና ነቲ ካብ ምትካኽ ሽጋራ ነጻ ምስኮንክን ትረኽባኦ ነጻነት ሕሰባ።

1. ናይ ምድንዛዝ ስምዒት ርእስኻ ይዞረካ፤ ቃንዛ ርእሲ ይስምዓካ፣-

ንሓሙሽተ ደቂቕ ጎቦ በላ፤ ክሳድክንን ሞንክብክንን ብምዝናይ ኣንቀሳቕሳ - ኣእጋርክን ኣብ ልብጥ ዝበለ ማይ ኣለኻ - ብማይ ዝጠልቀየ ጨርቂ ኣብ ክሳድክን ግበራ - ጽሩይ ኣየር ከተስተንፍሳ ደገ ወጺኽን ዘወር ዘወር በላ

2. ኣፍክን ይነቅጽ፣-

ማይ ወይ ጹማቕ ስተያ፤ ኣፍክን ሕጸባ፤ ብዕምቀት ኣስተንፍሳ፤ ማይ ጌርክን ኣፍክን ኣተርክሳ

3. ምስዓል፣-

ክሳብ ዝከኣል ኣፍኩስ ኣቢልክን ሰዓላ

4. ስምዒት ምቕንዛው ኣብ መላግቦ መሓውርክን፣- እዚ ክመጽእ ዝኽእል ብሰንኪ ኒኮቲን ናብ መሓውርና ጫፍ ክበጽሕ ዝነበሮ ኦክስጅን ውሒዱ ስለዝነበረ ሕጂ ግን እኹል ስለዝረኸበ እዩ።

ብልብጥ ዝበለ ማይ ነብስኽን ማይ ተሓጸባ፤ ኣብ’ዚ ዘቐንዝወክን ክፋል መሓውርክን ዝደርዘክን ሰብ ርኸባ። ብእግርኽን ከኣ ተጓዓዛ።

5. ምጭናቕን ሕርቕ ሕርቕ ስምዒትን፣-

ብዕምቀት ምስትንፋስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፤ እኹል ዕረፍት፤ ማይ ምስታይ ፍቱን ሓገዝ እዩ።

ማይ ምስታይ ኣገዳሲ እዩ ኣናተባህለ ብተደጋጋሚ ዝምከር ዘሎ ነቲ ኣብ ነብስና ውሽጢ ዘሎ መርዚ ሓጺቡ ናይ ምውጻእ ሓገዝ ስለዘበርክት እዩ እሞ ማይ ልዑል ሚዛን ይወሃቦ። ከም ተወሳኺ ድማ ምውስዋስ ኣካላት ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ዝጸበበ ሻንብቆታት ደም ክገፍሕን እኹል ደም ናብ ኵሉ ክፍልታት ኣካላትና ክበጽሕን ስለዝገብር ብተገዳስነት ይገበር።

ዝኸበርኪ ሰሚራ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘርዚርናየን ዘሎና መሓዙትኪ ከምዝትግብራኦ እሞ ግበሪ፣ ዝበጽሓኦ ደረጃ ደዊልኪ ሓብርኒ። ኣብዚ ከይነገርኩኺ ክኸይድ ዘይደሊ ድማ ንስኺ ከም ማሕዝአን መጠን ናይ ካልኣይ ኢድ ኣትከኽቲ ጸገም ክህልወኪ ይኽእል እዩ እሞ ነንብስኺ ውን ተጠንቀቒ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም ትቐርብኦም ዝነበርክን ኣወዳት ኮነ ካልእ ምትካኽ ሽጋራ ዝድግፉ ፈተውቲ ክትርሕቃኦም ግዚኡ ሕጂ እዩ። እዚ ወድሓንኪ ዝተረፈ ኣብ ቀጻሊ የራኽበና።

Page 7: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

ሓዳስ ኤርትራ 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 7

ኻልድ ሑመድ መዓልም

ፒተር ቸክ

ከ ነ ላ ል የ

ኩ ም

ኤርምያስ ኣ

ስፍሃ

ኻልድ ሑመድ ይበሃል። ተጻዋታይ ናይ'ታ ንዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እትውክል ክለብ ማይ ኣድኮሞም ኮይኑ፡ ብየማናይ መስመር ዝስለፍ ትስፍው ተጻዋታይ’ዩ።ካብ 210 ኣትሒዙ ብቐረባ ዝከታተሎ

ዝነበረ ኣባል ኮሚቴ ክለብ ማይ ኣድከሞም መምህር ዓብዱ ሳሚ (ወዲ ሳሚ) “ኻልድ ተባዕን ጻዕራምን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንማልያኡ ዝጻወት፡ ኣብ ሜዳ ካብ ምክልኻል ሰጊሩ ናይ ምጥቃዕ ባህሪ ዘለዎ ት ስ ፍ ው

ተጻዋታይ’ዩ” ብ ም ባ ል ’ ዩ ዝገልጾ። ኻልድ ብ1997 ኣብ ሱዳን ከሰላ

ተወሊዱ፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ'ዩ ዓብዩ። ስፖርት ብፍላይ ከኣ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣመና የፍቅር ስለዝነበረ፡ ነታ ዝመሃረላ ዝነበረ ቤ/ት ኣልማሓድ ወኪሉ ክጻወት ጀሚሩ። ብድሕሪኡ ኣብ 3ይ ዲቪዥን ዝነበረት ጋንታ ሂምቦል ክሳብ 2007 ተጻዊቱ። ኻልድ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ ዝነበሮ ብቕዓትን ክእለትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበሎ ብምምጻእ፡ ካብ ጋንታ ኣልማሓድ ናብ ናይ 2ይ ዲቪዥን ጋንታ ኣልኣህሊ ተሰጋጊሩ፡ ስፖርታዊ ጉዕዞኡ

ቀጸሎ። ምስ ኣልኣህሊ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ድሕሪ ምስታፍ ከኣ፡ ናብ ጋንታ 1ይ ዲቪዥን ሓመልማል ተጸንበረ። ኻልድ ኣብ'ቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብርሱን ስፖርታዊ መንፈስ ዝተኻየዱ ውድድራት ሻምፕዮን ኩዕሶ እ ግ ሪ ካብ ምክልኻል

ናብ ምጥቃዕ እ ና ሰ ገ ረ ሸ ቶ ታ ት

ዘመዝገበን ብሉጽ ምንቅስቓሳት ዘንጸባረቐን

ተጻዋታይ’ዩ። ናይ’ዚ ምስክር ከኣ ምስ ጋንታ ሓመልማል ኣብ ዝነበረሉ ዘመዝገበን 6 ሸቶታት ከምኡ’ውን ንሸቶ ዝኾና ዝሃንደሰን 3 ኩዓሳሱ ካብ ናይ ምክልኻል መስመር ንውሽጢ ምጥቃዕ ሓሊፉ ዘመዝገበንን፡ ንኻልኦት ተጻወቲ ዘቐበሎምን’የን። ኣብ'ቲ እዋን ከኣ ምስ ካልኦት ክልተ ኣጥቃዕቲ ብሉጽ ሸቶ ኣመዝጋቢ ተባሂሉ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ናቕፋ ከም ተሸሊሙ።ኣብ 2010 ቦኽሪ ሃገራዊ ሊግ ክጅመር

ከሎ፡ ሓደ ካብ’ቶም ንክለብ ማይ ኣድኮሞም ክውክሉ ብቐዳምነት ዝተመርጹ ንፉዓት ተጻወቲ ዝነበረ ኻልድ፡ ኣብ 3ይን 4ይን ሃገራዊ ሊግ ኤርትራ ካብ'ቶም ብቐዋምነት ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ነይሩ። ብብሉጽ ብቕዓት ምክልኻልን ንቕድሚት

ሓሊፉ’ውን ናይ ምጥቃዕ ብልጫ ዘለዎን ኻልድ፡ ኣብ'ዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ‘’ሰዋሕል ሊግ’’ ክለቡ ማይ ኣድኮሞም ኣንጻር ገደም ኣብ ጊንዳዕ ኣብ ዝነበሮም ግጥም፡ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ኩዕሶ ሒዙ ብፍጥነት ኣብ ከባቢ

ልዳት ምስ በጽሐ፡ ብተጻወትቲ ገደም ተሓንኰሉ ስለዝወደቐ፡ ዳኛ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ንማይ ኣድከሞም ሃበ። ነታ ፍጹም ቅላዕ ኣመዝገባ። ካብ'ዛ ግጥም ድማ ክለብ ማይ ኣድኮሞም 3 ነጥቢ ከም እትግዘም ዝገብረ ሃብሮም ተጻዋታይ’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡

ብ6 መስከረም 2015 ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ 2ይ እግሪ ውድድራት ሰዋሕል ሊግ ምስ'ታ ቀንዲ መቐናቕንቲ ጋንታ ማይ ኣድከሞም ዝነበረት ክለብ ሰሜንቶ ኣብ ዝገጥምሉ ዝነበሩ እዋን፡ ጸወታ ንኽዛዘም ሒደት ደቓይቕ ምስ ተረፎ፡ ክለብ ሰሜንቶ ሓንቲ ሸቶ ኣብ ልዕሊ ክለብ ማይ ኣድከሞም ኣመዝገበት። እዚ ዘይተዋሕጠሉ ኻልድ፡ ናብ መስመር ምጥቃዕ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ልዳት ኩዕሶ ኮብኪቡ ኣብ ከባቢ ልዳት ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኡ ግጉይ ኣጸዋውታ ስለዘርኣየ (ፋወል) ስለዝተፈጸመ ዳኛ ፍጹም ቅላዕ ንጋንትኡ ማይ ኣድከሞም ሃበ። ኻልድ ከኣ ከም ኣመሉ በቲ ጥበብ ዝመልኦ ውሑሉል ቅላዑ ቀሊዑ ሸቶ ኣመዝገበ። ማይ ኣድከሞም ክልተ ዕድል ሒዛ ስለዝነበረት በታ ሸቶ ናይ ኻልድ ንስሜንቶ ቆጽያ ህላወኣ ኣብ ውድድራት ሻምፕዮን ክለባት ኤርትራ ሩጉጽ ገበረት። በታ ወሳኒት ሸቶ ናይ ኻልድ ድማ ደገፍቲ ክለብ ማይ ኣድከሞም ብሓጎስ ዝተሰራሰሩሉ ግጥም ነበረ። ስታድዮም ኣስመራ ኣብ ዝተኣንገደ

ውድድራት ሻምፕዮን ክለባት ኤርትራ 2015 ምስ ክለቡ ማይ ኣድከሞም ዝነኣድ ምንቅስቓስ ዘንጸባረቐ ኻልድ፡ ኣብ ክለብ ማይ ኣድከሞም ካብ'ቶም ኣብ ብርክት ዝበሉ ውድድራት ከም ተኸላኻላይ ኮይኑ ዝተሰለፈን፡ ኣብ ምዕዋት እታ ጋንታ ኸአ መሪሕ ኣስተዋጽኦ ዝገበረን ብዕድመ ንኡስን ትስፍውን ተጻዋታይ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ኻልድ፡ ሓደ እዋን

ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተኸዲኑ ስሙን ስም ሃገሩን ከጸውዕ ናይ ወትሩ ራኢኡ ምዃኑ’ዩ ዝጠቅስ።ኻልድ ኣብ 2015

ፒተር ቸክ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 1982 ኣብ ፕሊዝን - ቸኮዝላቫክያ ዝተወልደ ኮይኑ፡ ምስ’ታ ህብብቲን ዓባይን እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናልን ሃገራዊት ጋንታ ሪፓብሊክ ቸክን ዝጻወት ብሉጽ ሓላው ልዳት’ዩ። እዚ ሜትሮን ተስዓን ሽዱሽተን ዝቝመቱ ሓለንጋይ ሓላዊ ልዳት፡ ኣቐዲሙ’ውን ምስ ጋንታታት ችምል ብልሳኒ፡ ስፓርታ ፕራግ፡ ሪኒስን ቸልሲን ዝኣመሰላ ጋንታታት ተጻዊቱ። ንሃገራዊት ጋንታኡ ቸክ’ውን ዓንዲ

ሕቖኣ ኮይኑ፡ ኣብ ሓያሎ ግጥማት ዓወታት ክትጓናጸፍ ልዑል ተራ ተጻዊቱ።

ብሓጺሩ ፒተር ቸክ፡ ልዳት ረጊጥካ ኣብ ምሓዝ ዘለዎ ብስለትን ውሕልነትን ዝመልኦ ብቕዓት ኣብ ስራሕ ዘመስከረ ምኩር ሓላዊ ልዳት’ዩ። እግሪ ተኽሊ ምስ ኮነ ኣትሒዙ ኣብ ቅርዓት ፕሊዘን ምስ ኩዕሶ ዝዓኾኸ ቸክ፡ ገና ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ’ዩ፡ ተስፋ ዘለዎ ምዃኑ ኣመስኪሩ፡ ምስ’ታ ዳሕራይ ቪክቶርያ ፕሊዘን ዝተሰምየት ክለብ ስኮዳ ፕሊዘን ብወግዒ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ጀሚሩ። ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮነ ከኣ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኮነ። ቅድሚ ሓላው ልዳት ምዃኑ ድማ ኣጥቃዓይ ዝነበረ ፒተር ቸክ፡ ኣብ 2001 ልዳቱ ከየድፍረ

855 ደቓይቕ ብምጽናሕ ነቲ ክሳዕ ሽዑ ብቲዮዶር ረይማን ዝተባህለ ሓላዊ ልዳት ተታሕዙ ዝነበረ ርኮርድ ሰይሩ። ድሕሪኡ ምስ ስፓርታ ፕራግ ዝተባህለት ክለብ ናይ ሓሙሽተ ዓመትን ፈረቓን ውዕል ተፈራረመ። ኣርሰናል እትርከበን ጎባልል ክለባት ዓዲ እንግሊዝ’ውን ተሻምየናሉ ነይረን እየን። እንተኾነ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ሃገረን ናይ ስራሕ ፍቓድ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ክሰምረለን ኣይክኣለን። ኣብ ሓምለ 2002 ቸክ ብ5.5

ሚልዮን ዩሮ ናብ ፈረንሳዊት ክለብ ስቴድ ሪኔ ግዓዘ። ኣብ ፈረንሳ ገና እግሩ ከየንበረ ምስ’ዛ ክለብ በታ ዝመልካ ሞያ ሓላው ልዳት ብምዃን ተሰሊፉ፡ ኣንጻር ጋንታ ፓሪስ ሰይንት - ጀርመይን ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ብዘርኣዮ ልቢ ተዓዛቢ ዝሰለበ መሳጢ ጸወታ ናይ’ቲ ግጥም ብሉጽ ተባሂሉ ድሕሪ ምሽላሙ ኸኣ ህቡብነቱ መሊሱ ደመቐ። ኣብ ነሓሰ 2004 ድማ ኣብ ታሪኽ ቸልሲ እቲ ዝኸበረ ሓላው ልዳት ኮይኑ ኸኣ ብ 7 ሚልዮን ፓውንድ ንቸልሲ ተጸንቢሩዋ። ቸክ ንቸልሲ ቀዳዊኣ እዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ንሱ ዝተሰለፈሉ 34 ግጥማት ሊግ ንኹሎም መቐናቕንታ ኣላሽ ኣቢላ ሳላኡ ናይ 2005 - 06 ውድድራታ ብዓወት ክትዛዝም ከላ ንሱ’ዚ ንፈለማ እዋን ናይ ቸክ ሪፓብሊክ ኮኾብ ተሰምዩ። ኣብ ጥሪ 2006 ድማ ናይ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብሉጽ ሓላው ልዳት ዓለም ብምዃን ክሽለም ክኢሉ። ዓመተ 2006 ንቸክ መባልዕቱ

ኣይነበረትን። ክለቡ ቸልሲ ኣንጻር ጋንታ ሪዲንግ ትጻወት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብስቴፈን ሃንት ርእሱ ተሃሪሙ። መንቃዕቲ ርእሲ ኣጋጢምዎ ብሓያል ጻዕሪ ሓካይም’ዩ ብመጥባሕቲ ንስክላ ካብ ሞት ተሪፉ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ዝኾነ ዝተሰለፎ ውድድራት መከላኸሊ ቆቢዕ ገይሩ ጸወትኡ

ከካይድ ብሓካይም ብዝተኣዘዘሉ መሰረት ቆቢዕ ለቢሱ’ዩ ንሜዳ ክወርድ ዝርአ። ፒተር ቸክ፡ ዋላ’ኳ ኣምላኽ ንድሓረይ ኢሉዎ ካብ ኣፍደገ ሞት ይመለስ፡ ሰሪ’ቲ ማህሰይቲ ብዙሕ ግዜያት ብብርቱዕ ሕማም ርእሲ ምስቓዩስ ኣይተረፎን። እንተኾነ ምስ ሓሾ ኒሕን ሞራልን ከየጕደለ ቅድም ንቸልሲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ ንኣርሰናል ቀዳዊኣ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2006፡

ከምኡ’ውን ኣብ ናይ 2004፡ 2008፡ 2012 ግጥም ሻምፕዮናት ኤውሮጳ ንሃገሩ ወኪሉ ክጻወት ዝተሓርየ ፒተር ቸክ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊት ጋንታ ሪፓብሊክ ቸክ ረዚን ክብርን ስምን ኣብ ርእሲ ምጕንጻፉ ኣባል ኮኾብ ጋንታ ዩሮ 2004 ምንባሩ’ውን ኣይርሳዕን። መርኣያ ልዑል ክእለቱ ብውልቂ’ውን ኣብ ውድድራት ሊግ ጎባልል ኤውሮጳ 2004 ክሳብ 2008 ብተኸታታሊ ብሉጽ ሓላው ልዳት ተሰይሙን ተሸሊሙን። ብተወሳኺ ኣብ 2006 ምስ ሕሩያት ጋንታታት ሊግ ሻምፕዮናት ዩኢኤፍኤን ፊፍፕሮን ተመሪጹ ነበረ። ቸክ ኣብ 2004 ንቸልሲ ተጸንቢሩዋ።

ኣብ’ዚ 486 ግዜያት ምስኣ ንሜዳ ወሪዱ ብብዝሒ ምስላፍ ሻድሻይ ደረጃ ዝተሰርዓሉ መዋእለ-ጸወታ፡ ንቸልሲ ኣርባዕተ እዋናት ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግን ኤፍኤን፡ ሓንቲ ዋንጫ ሊግ ኤውሮጳን ከምኡ ሓንቲ ካልእ ዋንጫ ሊግ ሻምፕዮናትን ዩኢኤፍኤ ንኽትዓትር ክብ ዝበለ ኣበርክቶ ዝገበረ በዓል ውዕለታ ነበረ። ፒተር ቸክ፡ ሸቶታት ብብዝሒ ብምድሓን

መዛግብ ክብረ - ወሰናት ዝውንን እውን’ዩ። ሓደ ካብኡ ኣብ ዝውሓደ ጸወታታት፡ ማለት ኣብ 180 ግጥማት 100 ግዜያት ፈተነታት ናይ ዘድሓኖ ንብሉጽነቱ ዘጕልሕ ሪከርድ ፕሪምየር ሊግ ኣለዎ። ኣብ ሃገሩ ቸክ’ውን ኣብ ናይ 903 ናይ ውድድር ደቓይቕ እንኮ ሸቶ ዘይተመዝገቦ ብምዃን ናይ ቸክ ሊጋዊ

ፕሮፈሽናል ክብረ - ወሰን ኣብ ኢዱ ዘእተወ ሃብሮም’ዩ። ፒተር ቸክ፡ ቅድም ምስ ክለብ ስፓርታ

ፕራግ ከሎ’ውን ን928 ደቓይቕ ዝኣክል ልዳቱ ከየድፈረ ንኹሎም ናይ 2001 – 2002 ውድድራት ብዓወት ክዛዝም ክኢሉ ነይሩ’ዩ። ንቸልሲ ኸኣ ኣብ ኩሉ’ቲ ምስኣ ዝተሰለፈሉ ውድድራት ንብሉጽነቱ ዘመስክር ናይ 220 ሪከርድ ሒዙ’ዩ ተሰናቢቱዋ። ቸክ፡ ኣብ ዝተሰለፎ ግጥማት ፕሪመሪ

ሊግ ናይ 2004 – 2005 ሸቶ ትበሃል ከይተመዝገቦ ን1,025 ደቓይቕ ዝኣክል ብምጽናሕ ክብረ - ወሰን ፕሪምየር ሊግ ክጭብጥ በቒዑ’ዩ። ኣብ ጥሪ 2009 ብሓላዊ ልዳት ማንቸስተር ዩናይትድ ኤድዊን ቫን ደር ሳር ይበለጽ እምበር፡ ሃብሮምነቱ ብምዕቃብ ኣብ 2004 –2005 ፡ 2009 –2010 ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2013 – 2014 ናይ ፕሪምየር ሊግ ኮኾብ ሓላው ልዳት ኮይኑ ሰለስተ ግዜያት ወርቃዊ ጓንቲ ተሸሊሙ’ዩ። ፒተር ቸክ፡ ካብቶም ምስኡ ብሓንሳእ ዝተወልዱ ሳርካን ሚካልን ኣስማቶም ክልተ ኣሕዋቱ፡ እዚ ዳሕረዋይ ማለት ሚካል ወዲ ክልተ ዓመት ምስ ኮነ ብሕማም ሞይቱ። ማርኬታ እትበሃል ካልእ ምዕባዩ ሓብቱ ግና ብህይወት ኣላ። ቸክ ምስ ማርቲና ዶልሶቫ እትበሃል

ቸኮዝላባኪያዊት ኣብ ክራማት ናይ 2003 እዮም ቃል ኪዳን ኣሲሮም። ኣብ ጥሪ 2008 ዝወለድዋ በዅሪ ጓሎም “ኣደላ” ከጠምቝዋ ከለዉ፡ ኣብ ዓመትን መንፍቓን ዝተወልደ ካልኣይ ውላዶም ድማ “ዳምያን” ኢሎሞ ኣለው። ቸክ ሓላው ልዳት ጥራይ ዘይኮነስ ንፉዕ

ሙዚቀኛ’ውን’ዩ። መምሃሪ ዝኸውን ቪድዮ ድራም ብቪድዮ ኣብ ዩትዩብ ክዝርግሕ ዝኽኣለ ንፉዕ ሃራሚ ከበሮ’ውን እዩ። ፒተር ቸክ ንደርፊታት “ኮልድፕለይን ፉ ፋይተርስን” ኣብ ርእሲ ምጽዋቱ፡ ምስ ናይ ኵን ሮጀር ተይለር እውን ተጻዊቱ ነበረ።

Page 8: ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣትየን50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29112015.pdfሓዳስ ኤርትራ. 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ

ሓዳስ ኤርትራ 29 ሕዳር 2015 - ገጽ 8 8 8 8 8

3

4

7

8

****