እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ...

12
መበል 24 ዓመት ቁ. 254 13 ግንቦት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 11 ደንደን ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ደጊማ ተዓዊታ ገጽ 3 እታ ናይ ዓሰብ ስድራ ገጽ 4 ኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ 9 ምጽዳቕ ንድፊ ኣጠቓላሊ ሃገራዊ ፖሊሲ ስንኩላን ኤርትራ ረቡዕ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ - ማይነፍሒ፡ ንፈለማ ግዜ ንምርምራዊ ስርሓት ዝምልከት ዓውደ- ዘተ ብ7ን 08ን ግንቦት ኣካዪዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ሚኒስተራት፣ ዝተፈላለዩ ምሁራት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ወከልቲ ተመሃሮን ዝተሳተፍዎ ዓውደ- ዘተ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ተመሃሮ - መጽናዕታዊ ምርምር መሰረት ኩሉ መጻኢኦም ገይሮም ጎኒ-ጎኒ ትምህርቶም ክጽዕሩሉ ምእንቲ ሰረት ምትሓዞም ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን - መምህራን ንዕዉት ውጽኢት ብውህደት ክሰርሑ ተላብዩ። ምኽትል ፕረዚደንት ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ማይ-ነፍሒ ፕሮፌሰር ተስፋሚካኤል ሃይለ ብወገኑ፣ ምርምራዊ ስርሓት - ከም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኮለጃት፡ ኣብ ሃገርና’ውን ተኣታትዩ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ እቲ ዝቐርብ ምርምራዊ ጽሑፋት ድማ ቅሙጥ ሃብቲ ምሁራትና ኮይኑ፣ ሃገራዊ ረብሓታት ንምስማርን ኣፍልጦ ተማሃሮ ንምስፋሕን ሓጋዚ ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለ-ዘመን ብደረጃ ዓለም ዝካየዱ ዘለዉ ምርምራዊ ስርሓት፣ ብቐንዱ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣዴታትን ህጻናትን፣ ምውጋድ ሽቕለት ኣልቦነትን ጥሜትን፣ ምግታእን ምጥፋእን ሓደገኛ ሕማማት ከም ኢቦላ፣ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፣ ዓሶን ካልኦትን፣ ምምካት ክሊማዊ ለውጢን ሳዕቤናቱን፡ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ንምርምራዊ ስርሓት ዝምልከት ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭታት ዘተኰሩ ምዃኖም ብምሕባር፡ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ምርምራዊ ስርሓት’ውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ንሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ተራ፡ ኣብ ምግጣም ናይዚ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ ብድሆታት’ውን ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ። ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትምህርቲ ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ ብግደኡ፣ እቲ ብኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ዝቐረበ ኣገደስቲ ምርምራዊጽሑፋትንኩሉዓውድታት ዝዳህሰሰ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ምሁራት ደቂ ሃገር ከም’ዚ ዝበለ ምርምራዊ ስርሓት ምክያዶም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትን ንምዕባለ ሃገር ዝድርኽን ምዃኑ ብምሕባር፣ ኣብተን ካልኦት ኮለጃት ተኣታትዩ ከምዝስረሓሉ ኣነጺሩ። ኣብቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብኮለጃት ስነ- ምምህርና፣ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን፣ ስነ-ፍልጠት፣ ኮምፕዩተር ቴክኖሎጂን ካልኦት ዓውድታትን ኣብ ዝቐረቡ ምርምራዊ ጽሑፋት ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱ። ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ተጠቃሚ ተንቀሳቓሲ ሕሳብ ማለት ‘ቸክ’ ንክኸውን ዘኽእል ሓድሽ ኣገባብ ከምዘተኣታተወ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ባንክ ኣቶ ክብርኣብ ወልደማርያም ገሊጹ። ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ሕሳብ ማለት ‘ቸክ’ ንፍቓድ ንግዲ ዘለዎም ዜጋታት ጥራይ ክፍቀድ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኣቶ ክብርኣብ፡ ኣብ’ዚ እዋንዚ ግን ኩለን ባንክታት ንኩሉ ተጠቃሚ ናይ’ቲ ኣገልግሎት ክኸውን ዝደሊ ዜጋ ሕሳብ ክኸፍታሉ መምርሒታት ተመሓላሊፉለን ከምዘሎ ብምብራህ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ናቕፋ ብቸክ ወይ ድማ ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ጥራይ ከንቀሳቐስ ከምዝፍቀድ ኣነጺሩ። ሃገራዊ ባንክ ዜጋታት ተጠቀምቲ ተንቀሳቓሲ ሕሳብ ንምግባር ዘኽእል ኣገባብ ኣተኣታትዩ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ተኣታትዩ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ቅድሚ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ብግቡእ ዝስራሓሉ ዝነበረን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እናተዳኸመ ዝመጸን ተጠቃምነት ቸክ ንምብርባርን ናብ ንቡር ንምምላስን ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ። ይኹን’ምበር፡ “ቸክ መኽፈሊ ሰነድ እምበር መተኣማመኒ ሰነድ ኣይኮነን” ዝበለ ኣቶ ክብርኣብ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ንቸክ ከም መለቅሒ ወይ’ውን ከም መውሓሲ ከይጥቀመሉ፡ ተጠቃምነት ቸክ ድማ ንረብሓ ኹሉ ምዃኑ ተረዲኡ ንምዕዋቱ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ገስጋስ ናይቶም ኣብ 2015 ክሰላሰሉ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓት ንምዕዛብ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ - ምምሕዳራት ከባቢ ሓድሽ ዓዲ፡ ደንበ-ሃብተጽዮን፡ በርዑናን ጀርተምን ዑደት ኣካዪዱ። ኣብ ጀርተም ምስ ወከልቲ ዓዲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ዓሊ፡ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናይታ ዓዲ ንምውሓስ ኣብ ማእከል ሩባ ትኳዓት ዘላ ዒላ ቅድሚ ክራማት ክትዛዘምን መከላኸሊ ድበት ክስራሓላን ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕዋት’ቲ ስራሕ ተራኡ ከዕዝዝ ተላብዩ። ኣብ በርዑና ትህነጽ ዘላ ዲጋ ብጽቡቕ ትቕጽል ከምዘላ ዝጠቐሰ ኣቶ ዓሊ፡ ኣብ እዋና ንኽትዛዘም ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ንዋታዊ ሓገዛት ከምዝገብር ኣብሪሁ። “ህዝቢ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ ዘሰላስሎ ዘሎ ማእቶታዊ ስርሓት፡ ንራኢ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዘግህድ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ዓሊ፡ ህዝቢ ብጋንታታት ተወዲቡ ዘካይዶ ወፈራታት ክሕይልን ከም ባህሊ ክሰርጽን ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብልዕሊ 55 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዒላበርዕድ፡ ሓመልማሎ፡ ኣስማጥ፡ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ገለብ፡ ሓልሓል፡ ከረንን ሓጋዝን ዲጋታት ንምስራሕ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ገስጋስ ልምዓታዊ መደባት ዒላበርዕድ ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዱ

Upload: others

Post on 18-Nov-2020

24 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

መበል 24 ዓመት ቁ. 254 13 ግንቦት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 11ደንደን ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ደጊማ ተዓዊታ

ገጽ 3እታ ናይ ዓሰብ ስድራ

ገጽ 4ኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ

ቀንየ

ገጽ 10ኣደባዮር ኣማሪሩ !

ገጽ 9ምጽዳቕ ንድፊ ኣጠቓላሊ ሃገራዊ ፖሊሲ ስንኩላን

ኤርትራ

ረቡዕ

ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ - ማይነፍሒ፡ ንፈለማ ግዜ ንምርምራዊ ስርሓት ዝምልከት ዓውደ-ዘተ ብ7ን 08ን ግንቦት ኣካዪዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ሚኒስተራት፣

ዝተፈላለዩ ምሁራት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ወከልቲ ተመሃሮን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ተመሃሮ - መጽናዕታዊ ምርምር መሰረት ኩሉ መጻኢኦም ገይሮም ጎኒ-ጎኒ ትምህርቶም ክጽዕሩሉ ምእንቲ ሰረት ምትሓዞም ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን - መምህራን ንዕዉት ውጽኢት ብውህደት ክሰርሑ ተላብዩ።ምኽትል ፕረዚደንት ኢንስቲትዩት

ቴክኖሎጂ ኤርትራ ማይ-ነፍሒ ፕሮፌሰር ተስፋሚካኤል ሃይለ ብወገኑ፣ ምርምራዊ ስርሓት - ከም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኮለጃት፡ ኣብ ሃገርና’ውን ተኣታትዩ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ እቲ ዝቐርብ ምርምራዊ ጽሑፋት ድማ ቅሙጥ ሃብቲ ምሁራትና ኮይኑ፣ ሃገራዊ ረብሓታት ንምስማርን ኣፍልጦ ተማሃሮ ንምስፋሕን ሓጋዚ ከምዝኾነ ገሊጹ።ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለ-ዘመን ብደረጃ

ዓለም ዝካየዱ ዘለዉ ምርምራዊ ስርሓት፣ ብቐንዱ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣዴታትን ህጻናትን፣ ምውጋድ ሽቕለት ኣልቦነትን ጥሜትን፣ ምግታእን ምጥፋእን ሓደገኛ ሕማማት ከም ኢቦላ፣ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፣ ዓሶን ካልኦትን፣ ምምካት ክሊማዊ ለውጢን ሳዕቤናቱን፡

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ንምርምራዊ ስርሓት ዝምልከት

ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ

ከምኡ’ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭታት ዘተኰሩ ምዃኖም ብምሕባር፡ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ምርምራዊ ስርሓት’ውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ንሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ተራ፡ ኣብ ምግጣም ናይዚ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ ብድሆታት’ውን ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን

ላዕለዋይ ትምህርቲ ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ ብግደኡ፣ እቲ ብኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ዝቐረበ ኣገደስቲ ምርምራዊ ጽሑፋት ንኩሉ ዓውድታት

ዝዳህሰሰ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ምሁራት ደቂ ሃገር ከም’ዚ ዝበለ ምርምራዊ ስርሓት ምክያዶም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትን ንምዕባለ ሃገር ዝድርኽን ምዃኑ ብምሕባር፣ ኣብተን ካልኦት ኮለጃት ተኣታትዩ ከምዝስረሓሉ ኣነጺሩ።ኣብቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብኮለጃት ስነ-

ምምህርና፣ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን፣ ስነ-ፍልጠት፣ ኮምፕዩተር ቴክኖሎጂን ካልኦት ዓውድታትን ኣብ ዝቐረቡ ምርምራዊ ጽሑፋት ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱ።

ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ተጠቃሚ ተንቀሳቓሲ ሕሳብ ማለት ‘ቸክ’ ንክኸውን ዘኽእል ሓድሽ ኣገባብ ከምዘተኣታተወ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ባንክ ኣቶ ክብርኣብ ወልደማርያም ገሊጹ።ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ሕሳብ

ማለት ‘ቸክ’ ንፍቓድ ንግዲ ዘለዎም ዜጋታት ጥራይ ክፍቀድ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኣቶ ክብርኣብ፡ ኣብ’ዚ እዋንዚ ግን ኩለን ባንክታት ንኩሉ ተጠቃሚ ናይ’ቲ ኣገልግሎት ክኸውን ዝደሊ ዜጋ ሕሳብ ክኸፍታሉ መምርሒታት ተመሓላሊፉለን ከምዘሎ ብምብራህ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ናቕፋ ብቸክ ወይ ድማ ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ጥራይ ከንቀሳቐስ ከምዝፍቀድ ኣነጺሩ።

ሃገራዊ ባንክ ዜጋታት ተጠቀምቲ ተንቀሳቓሲ ሕሳብ ንምግባር ዘኽእል ኣገባብ ኣተኣታትዩ

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ተኣታትዩ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ቅድሚ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ብግቡእ ዝስራሓሉ ዝነበረን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እናተዳኸመ ዝመጸን ተጠቃምነት ቸክ ንምብርባርን ናብ ንቡር ንምምላስን ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።ይኹን’ምበር፡ “ቸክ መኽፈሊ

ሰነድ እምበር መተኣማመኒ ሰነድ ኣይኮነን” ዝበለ ኣቶ ክብርኣብ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ንቸክ ከም መለቅሒ ወይ’ውን ከም መውሓሲ ከይጥቀመሉ፡ ተጠቃምነት ቸክ ድማ ንረብሓ ኹሉ ምዃኑ ተረዲኡ ንምዕዋቱ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ገስጋስ ናይቶም ኣብ 2015 ክሰላሰሉ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓት ንምዕዛብ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ - ምምሕዳራት ከባቢ ሓድሽ ዓዲ፡ ደንበ-ሃብተጽዮን፡ በርዑናን ጀርተምን ዑደት ኣካዪዱ።

ኣብ ጀርተም ምስ ወከልቲ ዓዲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ዓሊ፡ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናይታ ዓዲ ንምውሓስ ኣብ ማእከል ሩባ ትኳዓት ዘላ ዒላ ቅድሚ ክራማት ክትዛዘምን መከላኸሊ ድበት ክስራሓላን ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕዋት’ቲ ስራሕ ተራኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።

ኣብ በርዑና ትህነጽ ዘላ ዲጋ ብጽቡቕ ትቕጽል ከምዘላ ዝጠቐሰ

ኣቶ ዓሊ፡ ኣብ እዋና ንኽትዛዘም ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ንዋታዊ ሓገዛት ከምዝገብር ኣብሪሁ።

“ህዝቢ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ ዘሰላስሎ ዘሎ ማእቶታዊ ስርሓት፡ ንራኢ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዘግህድ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ዓሊ፡ ህዝቢ ብጋንታታት ተወዲቡ ዘካይዶ ወፈራታት ክሕይልን ከም ባህሊ ክሰርጽን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብልዕሊ 55 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዒላበርዕድ፡ ሓመልማሎ፡ ኣስማጥ፡ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ገለብ፡ ሓልሓል፡ ከረንን ሓጋዝን ዲጋታት ንምስራሕ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ገስጋስ ልምዓታዊ መደባት

ዒላበርዕድ ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዱ

Page 2: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ብምትሕብባር ምምሕዳር ዞባን ጨንፈር ሚኒስትሪ ንግዲን

ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ 40 ደቂኣንስትዮ ብኣሰራርሓ መግፈፊ ዓሳ ሰኪዔት ኣሰልጢኑ

ኢንዱስትሪን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብራ ደቂ-ኣንስንትዮ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን ምንጪ ቊጠባዊ

እቶተን ንምውሓስን ዝዓለመ ስልጠና ኣሰራርሓ መግፈፊ ዓሳ ሰኪዔት፡ ን40 ደቂ-ኣንስትዮ ሂቡ።

ብ6 ግንቦት ኣብ ማእከል ስልጠና ሕርጊጎ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ሓላፊ ጨንፈር ስልጠናን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ዘወልዲ ሃይለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቲ ስልጠና ብዓቕሚ ሰልጠንትን ዝርግሐ ዝመጻሉ ቦታን ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍሉይነት ከምዝነበሮ ኣብሪሁ።እቲ ካብ ንኡሳን ዞባታት ዳህላክ፣

ባጽዕን ፎሮን ንዝመጻ ሰልጠንቲ በብእብረ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ምስራሕን ምጽጋንን ሰኪዔት፣ ምግጣም ሰኪዔት ኣብ መጥለቕን መንሳፈፍን፣ ፋይናንሳዊ ምሕደራን ካልእን ዘጠቓለለ ምንባሩ ድማ ገሊጹ።ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ

ቀይሕ ባሕሪ ዳይሬክተር ክፍሊ ንግዲን ሰንዓን ኢንዱስትሪን ኣቶ ኣሚነ ከተማ ብወገኑ፣ እቲ ስልጠና

ኣገዳስነቱ ልዑል ስለዝኾነ ቀጻልነትን ኣድማዕነትን ክህልዎ ብምዝኽኻር፡ ሰልጠንቲ ቀሲመንኦ ዘለዋ ሞያ ኣብ ሂወተን መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ብዕቱብ ምስ ዝነጥፋሉ ምዃኑ ብምሕባር፣ ኣብ ዘካይድኦ ጻዕሪ ምድግጋፍ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘይፍለየን ኣረጋጊጹ።ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ

ባሕሪ ኣብቲ ዞባ ኣቶ ሳምሶን ዘካርያስ ድማ፣ ሰልጠንቲ ዝቐሰምኦ ሞያ ኣብ መጻኢ ብዓይነትን ስፍሓትን ክቕጽል ተኽእሎ ከምዘሎ ተገንዚበን፡ ምንጪ ኣታዊታት ዝረኽባሉ ባይታ ንምፍጣር ክጽዕራ ተላብዩ።ወኪል ሰልጠንቲ ብወገና፣

ብዝቐሰምኦ ስልጠና መነባብሮአን ንምምሕያሽ ብምጽዓር፣ ኣብ ከባቢአን ንዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ንምጽላው ከምዝጽዕራ ኣረጋጊጻ።

ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ጽፉፍን ብቑዕን ቱሪዝማዊ ኣገልግሎት ንምቕራብ ዝሕግዝ ስልጠና፡ ን85 ኣባላት ማሕበር ቱሪዝምን ሆቴልን ከተማ ባጽዕ ሂቡ።እቲ ካብ 5 ክሳብ 9 ግንቦት ኣብ

ኣዳራሽ ሆቴል ቀይሕ ባሕሪ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣተሓሕዛ ዓሚል፡ ምቕራብ ኣገልግሎታት፡ ምቊጽጻርን ምስሳይን

ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ን85 ኣባላት ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝምን ሆቴልን ስልጠና ሂቡ

መግብን መስተን፡ ምሕደራ ሆቴል፡ ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ኣተሓሕዛ ትካልን ምስልጣን ዓቕሚ-ሰብን ዘጠቓለለ’ዩ።ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ሓላፊ

ማእከል ስልጠናን ሆቴልን ኣቶ የማነ ሃብተማርያም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ንዝርከቡ

ወነንቲ፡ ኣካየድትን ሰራሕተኛታት ትካላት ቱሪዝም ስልጠና ናይ ምሃብ መደብ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝማዊ ኣገልግሎት ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ።ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ዓመታት

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንኣስታት 500 ኣባላት’ቲ ማሕበር ተመሳሳሊ ስልጠና ከምእተዋህበ፡ እዚ ናይ ሕጂ

ድማ ንመበል 4ይ ግዜኡ ምዃኑ ዝሓበረ ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ሓላፊ ቅድመ-ስልጠና ኣቶ ስምኦን ወልዳይ፡ እቲ ስልጠና ኣገዳስነቱ ኣብ ባይታ እናዓዘዘ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ንውህሉል

ተመኲሮኦም ምስ’ቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብምውህሃድ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ከውዕልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ኣቶ ሳልም ዓሊ ብግደኡ፡ ዕቤቱን ምዕባለኡን ዝተዋሕሰ ጽላት ቱሪዝም ንምህናጽ፡ ሞያዊ ዓቕሚ ወነንትን ኣካየድትን ከምኡ’ውን ኣፍልጦን መረዳእታን ሰራሕተኛታት ምስፋሕ መሰረታዊ ስለዝኾነ፡ ቀጻሊ ሞያዊ ስልጠናታት ክውደብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ኣብ ምዉሓስ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ክንክን ኣደን ህጻናን ድማ ብፍላይ ዘጋጥሙ ጸገማት ብምእላይ መጠነ ሞት ኣደን ህጻንን ንምግታእ ዝሕግዝ ዓዉደ-ዘተ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስትን ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ ዓዉደ-ዘተ ኣብ ገለ ከባቢታት ዘለዉ ዘይተወገዱ ልምድታትን ዘይምጥርናፍ ዓድታትን ንዝካየድ ጻዕሪ ብኣሉታ ይጸልዉዎ ስለዘለዉ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ዘብርኹ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ክድፋኣሎም ምጥርናፍ ዓድታት ብዕቱብ ክሰርሓሉን ከምዝግባእ

ሃይኮታ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደን ህጻንን ዘጋጥሙ ጸገማት ንምእላይ

ዝሕግዝ ዓዉደ-ዘተ ተኻዪዱ

ተሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ጥዕና ስድራ-ቤታትን ህጻናትን ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ መጠነ ሞት ኣደን ህጻንን ንምግታእ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ እወታዊ ለዉጢ ይምዝገብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ብሰንኪ ዝርአ ሸለልትነት ንምዉጋድ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ንምዕባይ ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣብሪሁ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ ኣረጋይ መብራህቱ ብወገኑ፡ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝወሃቡ ጎስጓሳትን ዝመሓላለፍ እዋናዊ ሓበሬታን

ብግቡእ ክትግበሩ ብምትሕስሳብ፡ ጥዕና ዝወሃቡ ጎስጓሳትን ዝመሓላለፍ እዋናዊ ሓበሬታን ብግቡእ ክትግበሩ ብምትሕስሳብ፡ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ናይ ኣዴታትን ህጻናትን ድማ ብፍላይ ንትካላት ጥዕና ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ዝለዘይኮነ፡ ኣማሓደርቲ ከባቢ ብዕቱብ ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ዓዉደ-ዘተ ብወገኖም፡ ኣብ ምዉሓስ ጥዕና ኣደን ህጻንን ዝተመዝገቡ ዓወታት ዉጽኢት ናይ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጥዕናዊ ጎስጓሳትን ኣቕርቦትን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዘጋጥሙ ዘለዉ ድኽመታት ንምእላይ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Page 3: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 3

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

እታ ናይ ዓሰብ ስድራ

ብርሃነ ኣፈወርቂ

ሓሙሻይ ክፋል

ኣብ ርእሲ ማእሰርቲ ናይ’ቶም ሓያሎ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓሰብ፡ ዓሰብን ከባቢኣን ብራዕዲ ተሓመሰ። ተቐቲሎም ኣብ ጽርግያ ዝድርበዩ ኤርትራውያን ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከይረኸቡ መዓልታት ጸንሑ። መን ምዃኑ ንምፍላጥ ብማዕዶ ምቁማትን ምሕታትን ደኣ’ምበር፡ ሬሳ ምልዓል ብገበን ዘሕትትን ኣሰሮም ዘስዕብን ስለ ዝነበረ፡ ሞት ከም ንቡር ተወሲዱ። ዓሰብ ብሓዘን ጸልሚታ። ነባሮ ዓሰብ ብጽምዋን ጓሂን እናተበልዑ ነቲ ሕማቕ ካብኡ ዝብእስ ክሳብ ዝስዕቦ ኣብ በቤቶም ብስቅቕታ ይጸናጸኑ። ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ዓሰብ ከኣ ደቂቕ ምንቅስቓስ ናይ ኤርትራውያን እናተኸታተሉን እናፈራርሑን ኣብ ጎደናታት ዓሰብ ይዕንድሩ። ብርሃነ ኣብ ዝተታሕዘሉ ግዜ፡ ፍስሃጼን

ኣፈወርቂን እማሃጼን ኣፈወርቂን ድሮ ኣብ ሜዳ ኣብ ገድሊ እዮም ነይሮም። ዓንደጽየን ኣፈወርቂ ኣብ 1972 ናብ ጀርመን ተሰዲዱ ይነብር እንተ ነበረ’ኳ፡ ኣብ 1975 ብኡ ኣቢሉ ናብቲ ቃልሲ ምስ ተጸንበረ ስድራ ቤቱ ደሃዩ የብሎምን። ናብ ሜዳ ክስዕቦም ዝተጸበዩዎ ብርሃነ ኣፈወርቂ ግን ኣብ ኩሉ ከይበጽሐ ሃንደበት ምስ ተወስደ መኣቱዎኡ ኣይተፈልጠን። ብዓልቲ ቤት ብርሃነ ዝኾነት ብስራት

መንቀርዮስን ከምኣ ሰቦም ዝጠፍእዎም ኤርትራውያንን፡ መዓልታዊ ስልጣንያ ተሰኪሞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፍጭም ምባል ኣይገደፉን። ዋርድያ ናይ’ቲ ቤት ማእሰርቲ እኽለማይ እናተቐበሉ ከም ዘብጽሕሎም ይሕብሩዎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምህላዎም ጥራይ ቁሩብ ተስፋ ኣሕደሩ። ኰይኑ ግን እንትርፎ ትሕዝቶ እቶም በጻሕቲ ኣትሪፎም ንብረቶም ክመልሱሎም፡ ብገጽ ይኹን ብወረቐት ርክብ ስለ ዘይነበሮም ከም ዝበጽሖም መረጋገጺ ኣይነበሮምን። ገለ መዓልታት ብዕሩብ ተስፋ ምስ ሓለፋ፡ ስልጣንያ ምቕባል እውን ተቛሪጹ። ገለ “ናብ ‘ኣለም-በቃኝ’ ወሲዶሞም ይዀኑ” ክብሉ ከለዉ፡ ገለ ድማ ብሂወት ምህላዎም ተጠራጠሩ። ክሳብ ዝርብርቡ ምሕታት ግን ኣየቋረጹን። ገና ደሃይ ናይ ዝቐደሙ ከይተጣለለ ከሎ፡ ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ዓሰብ እናተቐትሉ ይድርበዩ

ነበሩ። ገሊኣቶም ኣብ ሬሳኦም ጭርሖታት “ቀይ ሽብር” (ቀይሕ ራዕዲ) ተነቢሩሎም ንመዓልታት ኣብ መንገዲ ተሰጥሑ። እንትርፎ ሓይሊ፡ ዳኛ ዘይብሉ እዋን። ዓገብ ዝብል ብዓል ሕልና ዘይርከቦ ደልሃመት። ብስራት ከምኡ’ውን ሓያሎ ተቐማጦ

ዓሰብ ሬሳ ክሳብ ዘይረኣዩ ኣይቀበጹን። እንተስ ብሂወት ክረኽቡዎም እንተስ ክቐብጹ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ተመላለሱ። ኣብ ሓንቲ ዕለት ግን እታ ጭልምልም እትብል ተስፋ ከይተረፈት ቀሃመት። ንመዓልታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝተመላለሱዎ ትርጉም ከም ዘይነበሮ እውን ሽዑ ተሰቈሮም። ናብ ቤት ማእሰርቲ ምምልላስ ከኣ ድሕሪ’ታ ዕለት ኣብቅዐ። ሽዑ ገለ ደሃይ እንተረኸቡ ኢሎም ናብ ቤት ጽሕፈት እቶም ሰበ ስልጣን ምስ ከዱ፡ ሓደ ካብ ወታሃደራት እንተስ ንኸንቱ ብምምልላሶም ኣደንጊጾሞ እንተስ ክሕብሮም ስለ ዝነበሮ፡ እቲ ክስተት ኣብ ዝተፈጥረሉ ግዜ ንሱ ከም ዘይነበረ ብምሕባር፡ ምስ ተታሕዙ ሽዑ ንሽዑ ከም ዝተረሸኑ ኣርደኦም። ሸቐልቀልን ኮለልን ናብ መሪር ሓዘን ዓረገ። ብጅምላ ምስ ተወስዱ ብዘይ መላሲ-ወረ ብጅምላ ተቐዚፎም!! ብስራት ጓሂን ሕራነን በቲ ሓደ ወገን

ናፍቖትን ድንጋጸን ከኣ በቲ ኻልእ ብዝተፍኦ ንብዓት እናተሓጽበት፡ “ከም’ታ ዝቐተልኩሞምን ኣብ’ታ ዝቐተልኩሞምን ንዓና እውን ቅተሉና፡ ድሕሪ ሕጂ ዘለና የብልናን” በለቶም ነቶም ሰብ ግዜ። ከምኡ ምባላ ገበን ስለ ዝነበረ እውን፡ መኻይድታ መሊሶም ናብ ልማኖ ኣተዉ። ዘረባኣ ጓሂ ዝደረኾ ደኣ’ምበር ናይ ልባ ከም ዘይኰነ ንኸእምኑ፡ ብእስተሕቃር ክመሳሰሉ ተገደዱ። ብዘይ ንቡር ማእሰርቲን ፍርዲን ህጣሞም

ዝጠፍአ ልዕሊ 70 ነበርቲ ዓሰብ ኣበይ ከም ዝተደርበዩ ወይ ዝተቐብሩ ኣመት ኣይተረኽበን። ዓሰብ ብጽምዋን ፍርሕን ተጎቢኣ። ራዕዲ ኣብ ጎደናታት ዓሰብ እንክዕንድር ተስፋ ኣርሒቓ ገይሻ። ነብሲ ወከፍ ቤት ኤርትራዊ ዓው ኢልካ ብዘይብከዮ ሓዘን ተመልአት። ዝጠፍአ ምስ ጠፍአ እቲ ዝተረፈ እውን ኣብ ሰንፈላል ተረፈ። ድሕሪ’ቲ ጃምላዊ ህልቂት፡ ሰበ-ስልጣን

ኢትዮጵያ ዝዀነ ይኹን ነባሪ ዓሰብ፡ በቶም

ዝተረሸኑ ሰባት ንኸይሓዝን ተሪር መምርሒ ኣመሓላለፉ። ሲቪል ይኹኑ ዕጡቓት ኢትዮጵያውያን ጎረባብቶም ንኸይሓዝኑ ለይትን ቀትርን ምክትታል ተተሓሓዙዎ። ንቡር ዳስ ሓዘን ምትካል ዘይሕሰብ ኰነ። ጎረቤት ዝሰምዖ ብኽያት ዓቢ ገበን ተቘጽረ። ብስራት፡ ነቲ ጸላም እዋን እናነብዐት እያ

እትዝክሮ፡ “ዓሰብ ከም ገሃነም-እሳት እያ ኰይናትና። ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዝኡ ተዓጽዩ ንውልቁ ተሓቢኡ እዩ ዝሓዝን። ዘጸናንዕ የለን። ኣብ ፍርጅ ዝጸንሐ መግቢ ይኹን ኣስቤዛ ተበላሽዩ። መዓንጣ እናሓረረ ከመይ ኣቢልካ መግቢ ክብላዕ። ዘጸናንዓካ፡ ጓሂኻ ዝካፈለልካን ዘረሰዓካን እንተ ዘየለ ሓዘን ከቢድ እዩ። ብንቡር ስለ ዘይቀበርናዮም ድማ ዝገደደ ሓዘን ተደሪቡና። ንቡር መልቀስን ሓዘንን ንኸይንገብር ምስ ከልከሉና እተን

ኣብ ጎረባብትና ዝነበራ ኣንስቲ ንኸይንሓዝን ምእንቲ ክከታተላና ሓለዋ ኣውጺኦመን። ወላ’ኳ ምሕዛን እንተ ኸልኡና ኣነ ግን ሽዑ ርእሰይ ላጽየ ሸፊነዮ ነበርኩ። ሓንቲ ካብ ጎረቤትና ከም ዝተላጸኹ ፈሊጣ ናብ ገዛይ መጺኣ “ስለ ዝሓዘንኪ ዲኺ ጸጉርኺ ላጺኽዮ?” እናበለት ኣፈራርሓትኒ። ሓዚነ ክብላ ስለ ዘይክእል ምኽንያት ፈጢረ። “ሃሩር ግዲ ኰይኑስ ኩሉ ርእሰይ ስለ ዝቘሰለ እምበር ሓዚነ ኣይኰንኩን። ንመንግስቲ እንተ ድኣ በዲሉ ደኣ እንታይ ኢለ ክሓዝነሉ” ኢለያ። ኣሚናትኒ ግዲ ኰይና ወይ ድማ ብምልምላም ስለዝተንከፍኩዋ ኣይነገረትለይን። ዕረ እናጠዓመካን ከብድኻ ቈሲሉ ከሎን ዘይናይ ልብኻ ተመኽኒ።” ሰብኣዊነት ካብ ሕግታት እቶም ገዛእቲ

ተሰሪዙ እዩ። ወላዲ፡ ውሉድ፡ ቤተሰብ፡ ቀራቢ. . . ናይ’ቶም ሓመድ ኣዳም ዘይለበሱ ፍጡራት ምእንቲ ንቡር ሓዘን ከይገብሩ፡ ከም ዓቢ ስራሕ ተሓሲቡ ሓለዋ ወጺኦምሉ። ንገዛእ ርእሶም ዝከላኸሉሉ ብረት ዘይብሎም በርጌስ ብሰብ ብረት ተጨፍጨፉ። ኣብ ዓሰብ ሓዘን ዘይደብደባ ቤት ኤርትራዊ ኣይነበረትን።

ብስራት “ብኹሉ ኹሉ እዩ ጸልሚቱና። ኤርትራዊ፡ ናብ እንዳ ኤርትራዊ ገዛ ከይኣቱ ተኸልኪሉ። እሂን ምሂን ዘባህለካ የለን። ዝዀነ ነገር ተሸጊርካ ካብ ጎረቤት ወይ ፈላጢኻ ክትልቃሕ ወይ ክትሕገዝ ኣይትኽእልን። ነፍሰ-ጾርን ኣደ ክልተ ህጻናትን ስለ ዝነበርኩ፡ ገለ ክሕግዙኒ ዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ክንራኸብ ይከኣል ስለ ዝነበረ ተሓቢኦም፡ ንቘልዑ ዝኸውን ብሽኮቲ ወይ ጸባ ኣብ ፍኒስትራ ኣቐሚጦምለይ ይኸዱ ነይሮም። እቲ ግፍዕታት ካብ ሞት ዝንእስ ኣይነበረን። ሞትን መግረፍቲን ዘይተርፍ ምስ ኰነ፡ ካብ ዝተሓዙ ሞት መሪጾም ሂወቶም ዘሕለፉ እውን ነይሮም።” ክትብል እያ ብጓሂ ትገልጾ። ብስራት በዓል ቤታ ምስ ሰኣነት፡ ካብ’ታ

ሲኦል ኰይና ዝተሰምዓታ ከተማ ክትወጽእ ኣመና ተሃንጠየት። ምናልባት ዝሓሸ እንተ ጸንሓ ናብ ኣስመራ ኣንቂዳ። ኮይኑ ግን ካብ ዓሰብ ኣስመራ ንኽትመጽእ ርሕቐት ቦታ ዘይኰነስ፡ ርሕቐት እትጽበዮ ግዜ ቀሊል ኣይነበረን። እታ ሽዑ ዝነበረት ሓንቲ መጓዓዝያ ነፋሪት እያ። እታ ነፋሪት እውን ረድኤት እተመላልስ ደኣ’ምበር ናይ ሰብ መጓዓዝያ ኣይነበረትን። ረድኤት ስርናይ ንኽትወስድ ናብ ዓሰብ ትመጽእ ዝነበረት ነፋሪት ድሕሪ ክልተ ወርሒ እያ ዓሰብ እትኣቱ። ምስ መጸት ድማ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ምስ’ቲ እኽሊ ተጻዒኑ ክኸይድ ዝፍቀድ። ብስራት፡ ምስ ተመዝገበት ሪጋ ክሳብ

ዝበጽሓ ክትጽበ ግድን ነበረ። ክሳብ ሽዑ ከኣ እቲ ኣብ እዋን ምውቕ ሓዳር ዘጥረይዎ ንብረት ክትሸጦ ወሰነት። መዋጽኦኡ ዘናዲ ደኣ’ምበር ንብረት ክገዝእ ዘርከበ ኤርትራዊ ስለ ዘይነበረ፡ ኢትዮጵያውያን እዮም ክገዝእዎ። እዚ ዝተገንዘቡ ባዕዳውያን ሰብ ግዜ፡ ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ዓሰብ ንብረት ናይ ኤርትራውያን ንኸይገዝኡ ጐስጐሱ። ሓያሎ ተቐማጦ ዓሰብ ኢትዮጵያውያን ንሓድሕዶም ተመኻኺሮም ካብ ምግዛእ ተቘጠቡ። ቀንዲ ዕላማኦም፡ መጓዓዝያ ስለ ዘይነበረ፡ ንብረቶም ጽዒኖም ክወዱዎ ስለ ዘይክእሉ ብጥርሑ ገዲፎምሎም ክኸዱ፡ እንተ ገደደ ድማ ብኣመና ሕሱር ዋጋ ንኽድርብዩሎም እዩ። ንብረታ ኣብ ዓሰብ እንተ ገዲፋቶ ከም ዝጸንሓ ውሕስነት የብላን። ኣማራጺ ስለ ዘይነበራ ነቲ ንብረት ብዝግባእ ዋጋ ዘይኰነስ እቶም ገዛእቲ ብዝደልዩዎ ዋጋ ክትድርብዮ ተገደደት። ዕድል እንተ ገይራ በታ ሓደ ሰብ ጥራይ ሒዛ እትምለስ ነፋሪት ኣስመራ ክትኣቱ እያ።

ይቕጽል . . .

እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋት (ብርሃነ ካብ ጸጋም ሳልሳይ)

ብስራት ምስ ደቃ

Page 4: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 4

ኣማኑኤል በርሀ

-ሃለው ገያሻይ፡ ናይ ደሓንዶ ደኣ ደሃይ ኣጥፊእካ?-መርሓባ ተናፋቒት፡ ኣብ’ዚ

ቀረባ’ንድየ ኣርሒቐ ገሸ ቀንየ።-ኣብ ቀረባ ደኣ ናበይ

ኣርሒቕካ?-ናይ በይነይ ደንበ ደኲነ ቀንየ።

ብንውሓት ክዕቀን ከሎ ኣብ’ዚ ቀረባ’ዩ። ብምስትምቓር ክዕቀን ከሎ ግን እቲ ወግዑ ኣርሒቑ’ዩ ዝወስደካ።-እስከ በል ከመይ ነበረ?-ርብዒት ሓርጭን ጃሎን

ማይን ቋጺረ’የ ከይደ። ብእግረይ ተጓዒዘ ኣጋ ምሸት ኣብ’ቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ከባብየይ ኮሊለ ሓንቲ ከምሻማ ዝኾነት ከባብ እምኒ ብርኩታ ረኺበ፣ ዕንጨይተይ ኣራርየ፡ መጋርያይ ኣጒደ። ኣብ’ቲ ቦታ ኴንካ ህዋ ብትሕቴኻ ኢኻ ትርእዮ።-ህዋዶ ብትሕቴኻ ይርአ’ዩ?-ኣይትኾላልፍኒ’ባ። እምበር

ህዋ ደኣ ብትሕቴኻ ክትርእዮ ከለኻ’ንድዩ እቲ መቐረቱ። ኣብ ሓደ በሪኽ ቦታ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ርሕቕ ዝበለ፡ ኣብ ትሕቲ ሃው ዝበለ ኣጻድፍ ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ዝርኣያ ደንበታት ኣለዋ። ጸሓይ ኣብ ምዕራባ፡ “እምባሕ” እናበላ ንደንቢአን ዝኣትዋ ከብትን ናፊቐን ዝወዓላ ምራኹት ዝህበኦ መልስን፣ ካብን ናብን ዝናጠራ ዝተሓዛዘላ፡

ኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ

ኣብ ዝወሸጠ ትርኢታትን ድምጽታትን ተፈጥሮ’ዩ ዝሸመካ። ሓሓሊፉ ብልጭ ብልጭ ክብል ዝርአ መጋርያታት፡ ንሰማይ ኣብ ትሕቴኻ ጌርካ፡ ቀያሕቲ ከዋኽብቲ ትዕዘብ ዘለኻ ኮይኑ ይስመዓካ። -ኣበይ ኢዩ’ሞ እቲ ቦታ?-ኣብ’ዚ ከባቢ ኣስመራ።

ቤትገርግሽ ሕልፍ ኢልካ ንጸጋም ምስ ተጠወኻ፡ ስካሪኮ ሓሊፍካ ንወገን ሰሜን ዘሎ ደንበታት’ዩ። ኣብ ገማግም ነዊሕ ሩባ ዝተደኮነ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ንኣሽቱ ቃጽዖታት ይርአ። ኣነ ንኹሉ ከርእየኒ ኣብ ዝኽእል በሪኽ ቦታ’የ መጋርያይ ኣጒደ። ብርኩታይ እናበርኮትኩ ከኣ ከይተፈለጠኒ ግዜ ከይዱ። ማየይ ኣቛስየ ምስ ተደረርኩ፣ ብትሕተይ ፋሕ ዝበለ መጋርያታት፡ ብላዕሊ ድማ ከዋኽብቲ ክርኢ ከለኹ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰማይ ዝንሳፈፍ ዘለኹ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። “ንጉሆ ድማ ብድምጺ ኣዕዋፍ’የ ኣንጊሀ ክትስእ” ኢለ ክሓስብ ከለኹ’ሞ፡ ነታ ምሸት ከይጸገብኩዋስ ንወጋሕታ ናፊቐዮ። እቶም ብርሑቕ እናተቐባበሉ ዝነብሑ ዝነበሩ ኣኽላባት፡ ንቋንቋኦም ክሰምዖ እፍትን ኔረ። ናይ ገሊኦም ድምጺ ዝተናፋፈቑ ይመስል። ገሊኡ ከኣ ናይ ምክልኻል ፈኸራ ኮይኑ ይስመዓካ።-ንበይንኻ ደኣ ኣይትፈርሕን

ወይ ኣይጽመወካን?

-እዞም ኩሎም ጓሶት ንበይኖም’ንድዮም ዝነብሩ። ምስ ከብቶምን ምስ ከባቢኦምን እናዋግዑ ይነብሩ። ኣነ ኸኣ ንበይነይ ኣይኮንኩን ኔረ’ኳ።

ወርሒ ኔራ ምሳይ። ብፍላይ እታ ኣብ ማእከል ወርሒ ዘላ ሰበይቲ ግርም’ያ ተዕልል።-ኣብ ወርሒኸ ሰበይቲ ኣላ

ድያ?-ሕቶ እናብዛሕኪ’ባ ዕላለይ

ኣይትኾላልፍኒ። እታ ኣብ ማእከል ወርሒ ዘላ ሃሳስ ጸላም ቅርጺ፡ ቈልዓ ሓቚፋ ዘላ ሰበይቲ ኮይና’ያ

ትስመዓኒ። ምናልባት ኣብ’ዚ መሬት ከላ ምስ ወርሒ ምዕላል ይብርሃ ኔሩ ይኸውን’ሞ፡ ደሓር ወርሒ ዝሓረየታ ዕድለኛ ሰበይቲ። ምስኣ ከዐልል፡ ክሳደይ ኣንቃዕሪረ ሰማየ-ሰማያት ምስ ኣንሳፈፍኩ፡ መጋርያይ ቀስ ብቐስ ብጫፍ ጀለብያይ ነኺሱ ኣብ እግረይ ምስ ተንከፈኒ፡ ሃንደበት ተነቚተ ናብ ደንበይ ተመሊሰ። ሽዑ እቲ ዝሑል ንፋስ፡ ምስ ወርሒ ምዕላለይ ዝቐንአ ክመስል፡ ሕሹኽ እናበለ ክሓልፈኒ ጀሚሩ።-እንታይ እናበለ?-“ንጻህ፡ ውሽጥኻ ንጽህጽህ

ኣብሎ” እብለኒ ኔሩ። ብዘብለጭልጭ ተሳሒበ ካብ ወግዒ ተፈጥሮ ከይርሕቕ ከኣ’ባ ሓውሲ ማዕዳ ሰው ኣቢሉለይ። ንድምጽታት ተፈጥሮ ዝሰምዕ ኣእዛን፣ ንትርኢታትን ሽታታትን ተፈጥሮ ዘስተማቕር ህዋስ ክወሃበኒ ከኣ’ባ መሪቑኒ። እቲ ብማዕዶ ዝርአ ዝነበረ

መጋርያታት በብሓደ እናጠፍአ ምስ ከደ፡ ኣነ’ውን ሓወይ ደጒለ፡ ኣንሶላይ ተሸፊነ በጥ ኢለ ሓዲረ። ንጒሆ ገና ጸሓይ ከይበረቐት፡ ኣዕዋፍ “ንተስእ ንበራበር፡ መግብና ክንምእርር” እናበላ ክዝምራ ምስ ጀመራ፡ ኣነ’ውን ምስአን ተሲአ። ዕንጨይተይ ክሳብ ዝኣራሪ ጸሓይ ተቐልቂላ። ብማዕዶ ካብ ደንቢአን ዝወፍራ ከብቲ ይርኣያኒ ኔረን። ምሸት ኣብኡ’ዩ ምሕዳረይ።-ብስራሕ ዲኻ ኬድካ ወይሲ

ክትዛወር? ክቐንእ’ኳ ጀሚረ።-ክነጽህ ኢለ’የ ከይደ። ህዋሳተይ

ሕጽብጽብ ከብሎም። ምሸት ናብ ሓንቲ ደንበ ከይደ። ክልተ ጓሶት’ዮም ጸኒሖሙኒ። ምስኦም ክቕኒ ምዃነይ ነጊረ ከኣ ሓርጨይ ሂበዮም። ደሓር ካብ ናይ ኩልና ጌሮም ብርኩታ በርኲቶም ጸባ ኣድሪሮሙኒ። ኣብ ጸባ’ኳ ናተይ ናትካ ዝበሃል እንተዘየለ፡ ብርኩታ ግን ካብ ናይ ክልቴኻ እናገበርካ ኢኻ ትብርኩት። ጸባ ብኸመይ ሰቲናዮ ግዳ ክነግረኪ።-ሃየ።-ኣፍሊሕካ ኣብ ጓጉድ ኢኻ

ትገብሮ። ሽዑ ሓዴኻ ሓንሳብ ዓው ኢሉ ፊት ምስ በለ፡ ነቲ ጥቓኡ ዘሎ የቐብሎ። ንሱ ድማ ከምኣ ጌሩ የስግራ። ክሳብ ትውዳእ በብሓንቲ ፊያቶ ኢኻ ትቀባበለላ። ኣብ ራብዕቲ ልምጽምጽ ኢለ፡ ናብ’ዛ ብስሚንቶ ዝተለመጸት ኣስመራ ተመሊሰ። እቲ ሃው ዝበለ ክፉት ቅርጺ መሬትን ኣግራቡን ሽታኡን ግን፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ልበይ ተሰኒዱ ንጽህጽህ የብለኒ’ሎ። ዝመጽእ ሰሙን ህድሞ ናይ ምስራሕ ወፈራ ኣሎ’ሞ፡ ዓዲ ክኸይድ’የ፡ ክማልኣኪዶ?-ጽቡቕ ኔሩ፡ ህድሞ ክስራሕ

ርእየ ኣይፈልጥን’የ።-ተዳለዊ በሊ፡ ብሩኽ ቅነ።

Page 5: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 5

Page 6: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

VACANCY ANNOUNCEMENTEGYPTAIR is inviting applicants to the following

position.Station Manager

Education- BA Degree from Renowned UniversityExperience- 20 years in Aviation industry and 15 years in station managementwith appropriate courses including.

Aircraft• handling, checking in (Altea system )Load• control, loading principles & procedures Visa• check and document verification SAP• flight orderWorld• Traces management & live animals Regulation

Applicants must also provide evidence of completion or exemption from national service.Applicants should submit their CV till May 8/2015 to the Egyptair head office Asmaraat 11 Dgsa St. (Near Nakfa House) For more information Tel- 11-19-67* Interview will take place at Egyptair premises on May 18/2015 at 2 pm.

www.egyptair.com

VACANCY ANNOUNCEMENTBisha Mining Share Company is inviting applicants for the following positions for its Bisha Site Project.

Learner Maintenance Planner (04)

Duties / FunctionsEnsure all Bisha Mining Share Company safe work practices are observed, and implemented in the department of responsibility.Ensure the preparation and execution of maintenance plans and schedules on the basis of daily, weekly and monthly mining activities.Communicate with Supervisors during the planning process, including verification of asset details and scope of work and training and development of maintenance teams.Check and verify the accuracy of job task instructions prior to releasing work in conjunction with Maintenance Supervisors.Develop and maintain planning details of all routine tasks, bills of materials, technical objects structures etc. Within Computerized Maintenance Management System (CMMS) in conjunction with maintenance stakeholders.Capture and manage the integrity of equipment specifications, history and costing within CMMS, including the update of any engineering changes.Understand and appreciate that the quality, cost and timeliness of maintenance activities are critical to the project as whole as whole.Display a sense of urgency to ensure timely repair and maintenance of mine equipmentContribute to the Operations by ensuring that all maintenance activities are planned and completed in a cost effective manner with minimal disruption to ore processing and mining activities.Develop and promote a quality customer service to all departments within the mine.Assists the Engineering Planners / Schedulers in the general operation of the planning group.To be able to access the Caterpillar Information System (CIS) system.

Profile: Qualifications and Experience

Formal Education, Certifications or Equivalents

Grade 12 (Secondary School)

Studied or studying towards a technical qualification (Cert; Diploma; Degree) in Engineering

Working Experience – Nature & Length Have at least 2 years relevant technical experience in

some engineering field

Leadership Experience – Nature & length of time

To take on responsibility

Work independently and as a team member

Function well during pressure situations

A self-starter; use own initiative; good communicator

Ability to be developed

Other skills and abilities

Computer literate

Microsoft Office - Excel; Word; PowerPoint

Familiar with mechanical and electrical maintenance and improvement projects, proficiency in the use and application of a Computerized Maintenance Management System, and an understanding of what constitutes an effective and professional maintenance service will be advantageous

General Information and other requirements:Place of Work : Bisha.Type of Contract: Indefinite periodSalary: As per Company salary scale.Additional requirement for Nationals: Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. Present clearance paper from current/last employer.Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview. Application documents will not be returned to sender. All applications should be sent through the post office.Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.Address: Please mail your applications to;

Bisha Mining Share Company, •P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea•

Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application toAliens Employment permit Affairs,P. O. Box 7940 Asmara, Eritrea

ምልክታ ጨረታ

ሚኒስትሪ ዜና ንጋዜጠኛታት ኣንበብቲ ዜናን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኸውን ባድላ ክዳን፡ ካምቻ፡ ካራባታን ብጨረታ ክዕድግ ስለዝደለየ፡ ተጫረትቲ ይዕድም።

፠ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕድጊ ሚኒስትሪ ዜና ፎርቶ ቁጽሪ 10 ክትወስዱ ትኽእሉ።፠ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ንዓሰርተ መዓልቲ ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።፠ ተጫረትቲ ናይ 2014 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዳዊ ፍቓድ የቕርቡ።፠ ተጫረትቲ መኽበሪ ጨረታ 10 ሽሕ ብቸክ የትሕዙ። ትካልና ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺታት እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና

ንብስራት !!ኣገልግሎት ፖስታ ኤርትራ ብምኽንያት ጉዕዞ ነፈርቲ ብኸፊል ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናብ ወጻኢ ሃገር ብኣገልግሎት ፖስታ ኤርትራ ዝላኣኽ መልእኽቲ፡ ካብ ዕለት 01/05/2015 ጀሚሩ፡ ካብን ናብን መላእ ዓለም ምትሕልላፍ ጀሚሩ ምህላዉ ንዓማዊሉ የበስር።

ኣገልግሎት ፖስታ ኤርትራ

ምልክታ

ብስም ነፍ/ወላዲና ኣቶ መሓሪ ወልደጋብር ንጉሰን ነፍ/ወ/ሮ ኣድሓነት ደሱ ጓንጉል ኣብ ምምሕዳር ገጀረት ጎደና 751-7 ናይ ኮምሽን ኣባይቲ ዋንነት ግዚያዊ ምስክር ወረስቲ ቁ.112924 መወከሲ ቁ.122985 ዝተረጋገጸ ገዛ ካብ ወላዲና ናብ ወረስቶም ስም ከነመሓላልፍ ስለዝመደብና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ወኪል ኣቶ መኮነን መሓሪ

Page 7: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 7

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ሰናይት ግርማይ ተስፋጋብር ምባል ተሪፉ፡ ሰናይት ገብረእግዚኣብሄር ተኽለማርያም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ወረስቲ ነፍ/በረኸት በርሀ ተኽሉ ዘሎ ናይ ውርሲ ምቅሊት ክሲ፡ ተኸሰስቲ 1.ሳምሶም በረኸት በርሀ 2.ዮናታን በረኸት በርሀ ነዚ ቀሪቡልኩም ዘሎ ክሲ ብኣካል ወይ ብወኪል መልሲ ሒዝኩም ን20/5/15 ኣብ ላ/ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቅረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይ ንስኹም ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ምጽላል ሃይለመለኮት ካሕሳይ፡ ስም ወላዲተይ ራሕማ መሓመድ ምባል ተሪፉ፡ ለተብርሃን ሓጎስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/6/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።ከሳሲ ኣቶ ሓሰን ዓብደልቃድር ስዒድ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ኣቶ ክብሮም ቅስማት ይመስገን ናይ መኪና ስም ዋንነት ምትሕልላፍ ክሲ ስለዝመስረተ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል መልሲ ሒዝካ ን27/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.35 ይቕረብ። እንተዘይቀሪብካ ንስኻ ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ት/ዕድመ ኣቤሮን ነቢይ በላይ ብሞግዚቱ ኣቢሉ፡ ኣቤሮን ነቢይ በላይ ምባል ተሪፉ፡ ኣቢሰሎም ነቢይ በላይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሰምሃር ወልደሚካኤል በርሀ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ገዛኢ መሓሪ ወልደገርግሽ ካብ ዕለት 13/1/2008 ጀሚሩ ካብዛ ሃገር ምስ ወጸ ደሃይ ዝበሃል ስለዘይብሉ ጥፉእ ተባሂሉ ይወሰነለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/6/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.35 ይቕረብ።

ከሰስቲ 1.ጸጋ ኣስመላሽ መሓሪ 2.ወ/ሮ ርግኣት ኣስመላሽ መሓሪ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ 1.ዮሴፍ ኣስመላሽ መሓሪ 2.ኣቤል ሃይለ ባህታ ናይ ውዕል ውህብቶ ምፍራስ ክሲ ስለዝመስረታ፡ ተኸሰስቲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል መልሲ ሒዝኩም ን27/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቅረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ንስኹም ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ከሰስቲ ወረ/ነፍ ቀሺ ተኪኤ ገብረየሱስ ነፍ/ወ/ሮ ምልእተ ቀሺ ተኪኤ +3፡ ካብ ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ቀሺ ተኪኤ ገብረእየሱስ ነፍ/መልኣከጽዮን ቀሺ ወልደገርግሽ ተኪኤ ተተካእቲ ደቁ 1.ኣቶ ኣርኣያ ቀሺ ወልደገርግሽ ተኪኤ 2.ኣልማዝ ቀሺ ወልደገርግሽ ተኪኤ፡ 3.ናጽነት 4.ኣስቴር 5.ሩታ 6.ሙሴ ደቂ ወልደገርግሽ ኣድራሻኦም ክፍለጥ ስለዘይከኣለ ተጸዊዖም ን25/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 9ይ መጋባኣያ ቁ.49 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ እዩ።

ከሳሲ ኣቶ ጸጋይ ኣርኣያ ደበሳይ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ 1.ኣቶ ቴድሮስ ተስፋይ ተወልደ 2.ወ/ሮ ሰናይት ተስፋይ ተወልደ 3.ወ/ሮ ጌታቸው ተስፋይ ተወልደ 4.ኣቶ ብሩኽ ተስፋይ ተወልደ ናይ ስም ዋንነት ታክሲ መኪና ምትሕልላፍ ክሲ ስለዝመስረተ፡ ተኸሰስቲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል መልሲ ሒዝኩም ን27/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቅረቡ። እንተዘይቀሪብኩም እዚ ጉዳይ ንስኹም ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ወ/ሮ ዮርዳኖስ ኣቶብርሃን ዓንደብርሃን፡ ስም ትሕቲ ዕድመ ወደይ ሳምሶም ኣሚነ እምባየ ምባል ተሪፉ፡ ሲራክ ኣሚነ እምባየ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ወ/ሮ ርብቃ ኣስመላሽ ዝወልዳይ፡ ስም ኣደይ መድህን ተወልደ ምባል ተሪፉ፡ መድህን ተወልዳይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ከሳሲ ኣቶ ተስፋሚካኤል ኣብርሃም ገብረሚካኤል፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲት ወ/ሮ ኣስያ ስዒድ እድሪስ ናይ ስም ዋንነት መኪና ምትሕልላፍ ክሲ ስለዝመስረተ፡ ተኸሳሲት ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል መልሲ ሒዝኪ ን27/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.35 ቅረቢ። እንተዘይቀሪብኪ ንስኺ ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ዘርእማርያም ቀለታን ኣብ መንጎ ተኸሳሲት ወ/ሮ ዑቕባማርያም ደብረጼን እንግዳን ብዘሎ ናይ ሲቪል ጉዳይ ናይ ውዕል መሸጣ ገዛ፡ ተኸሳሲት ብኣድራሽኣ ስለዘይተረኽበት ኣብ ሃገር ውን ስለዘየላ ተጸዊዓ ን2/6/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 9ይ መጋባኣያ ቁ.49 ትቕረብ። እንተዘይቀሪባ ቤ/ፍ ዝመስሎ ትእዛዝ ክህብ ምዃኑ የፍልጥ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ብርሃነ ገብራይ መሓሪን ተኸሳሲት ወ/ሮ ከድጃ ዓብደላ ፍረጀላን ዘሎ ናይ ሲቪል ጉዳይ ክርክር፡ ተኸሳሲት ብኣድራሽኣ ክትርከብ ስለዘይተኻእለት ን26/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ትቕረብ። እንተዘይቀሪባ ቤ/ፍ ኣብ ዘይቀረብክሉ ውሳነ ክህብ ምዃኑ የፍልጥ።

ኣበዶም ወልደገርግሽ ገብረሂወት ምባል ተሪፉ፡ ኣበዶም ወልደገርግሽ ኣየለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/6/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ሰለማዊት ተኽለ ገ/ኪዳንን ተኸሳሲ ኣቶ ባህራን ጎይትኦም ኣፈወርቂን ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ክርክር፡ ተኸሳሲ ብኣድራሽኡ ክርከብ ስለዘይከኣለ ን1/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳዩ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ከሳሲት ወ/ሮ ሄለን ሰለሙን ተኽለ ምስ ተኸሳሲ ኣቶ እስቲፋኖስ ምስግና ሰረቐ ሕጋውያን ሰብ ሓዳር ኢና 1 ቆልዓ ወሊድና። እንተኾነ ከሳሲ ድሕሪ መርዓ ናብ ስድራይ ምስ ተመለስኩ ናበይ ከምዝኸደ ኣይፈልጥን 7 ዓመት ናተይ ኩነታት ይኹን ናይ ወድና ክፈልጥ ዝግብኦ ብግብሪ ውን የለን። ስለዚ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ ን29/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብካ ንስኻ ኣብ ዘይብሉ ጉዳይ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ወ/ሮ ኣምለሰት ገብረመስቀል ተኽለ በዓል ቤተይ ስብሃቱ በይን መልከ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቆም ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ሃብቶም ኣስመላሽ ጸጋይን ተኸሳሲት ወ/ሮ መኣዛ ኢሳቕ መንግስቱን ዘሎ ሲቪላዊ ክርክር፡ መኪና ER-1-24403 ቻሲ ቁጽሪ 146000-00834383 ፊያት 1 ስርሓት ኢጣልያ ዝኾነት ናቕፋ 55,000 ሸይጣትለይ ስም ከየመሓላለፈት ኣበይ ከምዝኸደት ኣድራሽኣ’ውን ክፍለጥ ስለዘይተኻእለ ብስመይ ከተመሓላልፈለይ ን6/6/15 ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ቤ/ፍ ትቕረብ። እንተዘይቀረበት ጉዳይ ክውሰን ምዃኑ ንሕብር።

ኣቶ ዳንኤል ሃይለ ኣዲሱ፡ ወለደይ ባሻይ ሃይለ ኢያሱ ስንቀይን ኣደይ ወ/ሮ ትዕበ ኣባይ በኪትን ኣብ ቅድሚ ቤ/ፍ ብዕለት 25/5/1994 ለበዋ ስለዝገደፉለይ ይጽደቐለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ጽገሃና ጊላዝጊ ኣድሓኖም በዓል ቤተይ ገብረሂወት ሃይለ ሰቛር ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳከሳሲት ወ/ሮ ለምለም ገብረህይወት ወልዱ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ገብረክርስቶስ ገብረገርጊስ ማና ስም ዋንነት መኪና ንምትሕልላፍ ቀዋሚ ኣድራሽኡ ክረኽቦ ስለዘይከኣልኩ ተጸዊዑ ን27/5/15 ኣብ ቤ/ፍ

ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ንሱ ኣብ ዘይተረኽበሉ ውሳነ ንህብ ምዃንና ንገልጽ።

ወ/ሮ ኤደን ተኣምራት ሃይሉ፡ ሓውና ኣቶ ዳዊት ተኣምራት ሃይሉ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሰናይት ሃይለ ደብሩ በዓል ቤተይ ኣቶ ዳንኤል ተወልደብርሃን ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ ወላዲቱ ወ/ሮ ኣምለሰት ተስፋማርያም ወራሲት ምዃና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ

ኣቶ ሃብተማርያም ገብረመስቀል፡ ወላዲትና ወ/ሮ ሓጀር ገብረመስቀል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣበራሽ በሪሁን ብርሃነ በዓል ቤተይ ኣቶ ተስፋይ መለስ ሓጎስ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣቶ ኣስመላሽ ገብረንጉስ ወልደገርግስ፡ ናይ ጥፉኣት ኣሕዋተይ ብርሃነ ገብረንጉስ ወልደገርግስ፡ ነብያት ገብረንጉስ ወልደገርግስ፡ ተኸስተ ገብረንጉስ ወልደገርግስ ኣነ ምስ 2 መወቲ ኣሕዋተይን 3 ተተካእቲ ደቆምን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ብርኽቲ ዘርአ ተመንነዎን ተኸሰስቲ ኣቶ ኣለማዮ ደምሴ ባንጃው ወ/ሮ ሰንበቱ ኪዳነ ጊለን ዝተገብረ ውዕል መሸጣ ንብረት ኣብ 100 ትርብዒት ሜተር ዝተደኮነ 3 ቀንዲ ክፍልታት፡ 2 ዓይኒ ምድሪ፡ 1 ክሽነ ኮይኑ ተኸሰስቲ ኣብ ኣድራሽኦም ስለዘይተረኽቡ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ተስፋልደት ዑቕባዝጊ በዓል ቤተይ ተኽሉ ጸጋይ ተወልደብርሃን ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያ

ከሳሲት ወ/ሮ ኣድያም ተስፋሚካኤል ጸጋይ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ጠዓመ ሰለሙን ሃይለ ናይ ሓዳር ክሲ ኣቕሪባትልካ ስለዘላ፡ እሞ ከኣ ንጹር ኣድራሻ ስለዘይብልካ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ድን ጉዳይካ ኣብ ዘየለኻሉ ክረአ ምዃኑ ቤ/ፍ ይሕብር።

1.ወ/ሮ ኣበባ ግርማይ ደባስ 2.ወ/ሮ ናጽነት ግርማይ ደባስ፡ ሓፍትና ወ/ት ሓጎሳ ግርማይ ደባስ ስለዝሞተት፡ ውላድ ውን ስለዘይሓደገት ንሕና 5 ኣሕዋታ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብኩም ኣብ ዘይተረኽበሉ ክፍጸም ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ወ/ሮ እሙና ኣፍወርቂ በዓል ቤተይ ኣቶ ሰለሙን ዳኘው ባህታ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ተስፋሚካኤል ተድላ ወልዱ፡ ጓለይ ቅዱሳን ተስፋሚካኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ ኣዲኦም ተኪኦም 11 ደቀይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ጻዕዳ ክርስትያን

ት/ዕድመ ናጽነት የማነ ተስፉ ብሞግዚታ ወ/ሮ ደሃብ መሓሪ ገብሩ ኣቢላ፡ ናጽነት የማነ ተስፉ ምባል ተሪፉ፡ ናጽነት የማነ ተስፋሁን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳ ክርስትያን

ኢትዮጲያ ገረዝግሄር ኢማም፡ ኣደና ለተኺዳን በሪህ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ንፋስ

ወ/ሮ ሂወት ሃብታይ ተኽለ፡ ወደይ ኤፍሬም በርሀ በየነ ስለዝተሰውአ፡ ውላድ የብሉን ኣቡኡ ድማ መዋቲ ስለዝኾነ፡ ኣነ በይነይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 03

ወ/ሮ ሓረጉ ሃብተ ዑቅባጋብር፡ ሓፍተይ ብስራት ሃብተ ዑቅባጋብር ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ኣብ ቀዋሚ ኮነ ተንቀሳቓሲ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ያቆብ እንድርያስ ሃይለ በዓል ቤተይ ኣመተዝጊ ተስፋሕነት ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ ጸሮና

መም/ሰለሙን ገብራይ ገብረመድህን፡ ኣቦና ቀሺ ገብራይ ገብረመድህን ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ወ/ት መርሃዊት ሃብቶም የሕደጎ፡ ኣቦና ሃብቶም የሕደጎን ኣደና ኣፎምያ ታደሰን ስለዝሞቱ፡ ንሕና 4 ደቆም ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሓንሶ

ወ/ሮ ጸጋ ደበሳይ ገብረትንስኤ፡ ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ኣቶ ሚኪኤለ ስዩም ወልደስላሰ ኣብ ዘለዎ ቦታ ስለዘይፈለጥኩ፡ እንተልዩ ብኣካል እንተዘይሃልዩ ድማ ናይ በይነይ ፍትሕ ከካይድ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/6/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎሊጅ

ወ/ሮ ቅዱሳን ሃብተሚካኤል ተስፋይ፡ በዓል ቤተይ መብራህቶም ነጋሲ ደብረጼን ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 2 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/5/2015 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 8: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 8

THE STATE OF ERITREA EUROPEANMINISTRY OF AGRICULTURE DEVELOPMENT FUND

Procurement – Notice

PROJECT: Support to the Agricultural Sector/ Food Security in Eritrea

Contract Title – Supply of Cement Tubes for Smokeless Stove Chimneys.

Publication reference.- EuropeAid/137-061/ID/SUP/ER

The Ministry of Agriculture intends to award a supply contract for Procurement of Cement Tubes for Smokeless Stove Chimneys in Asmara/Eritrea with financial assistance from the European Development Fund (EDF). The tender dossier is available from:

Ministry of Agriculture,Sawa Street P.O.Box-1048 Asmara-Eritrea

Tel. +291-1-181042, Fax. +291-1-181759Email: [email protected]

And will also be published on the Europe Aid website: https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-services/index.cfm?do=publi.welcome. The deadline for submission of tenders is June 23rd, 2015 17:00 hours local timePossible additional information or clarifications/questions shall be published on the Europe Aid website: https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-services/index.cfm?do=publi.

welcome,and

In the Eritrean news papers: Haddas Eritrea & Eritrea Profile

ምልክታ ጨረታ

ኣሃዱ ምሕደራ ፕሮጀክትታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ን 8 ወርሒ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለየ ትምህርታዊ ጽሑፋት photocopying ንዝገብሩ ትካላት ኣጫሪቱ ውዕል ከእቱ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ተጫረትቲ ካብ ዕለት 13 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 19 ግንቦት 2015 ኣብ ቤት ጽሕፈትና ብምምጻእ ናይ መጫረቲ ሓበሬታ ሰነድ ክወስዱ ይጽውዑ። ተጫረትቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ንዕለት 20 ግንቦት 2015 ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ ክኽፈት’ዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ፨ ተጫረትቲ ሰነዳቶም ጨረታ ኣብ ዝተኸፍትሉ መዓልትን ሰዓትን ሒዞም ክቐርቡ ይግባእ።፨ ተጫረትቲ ናይ 2014 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርቡ ይግባእ።

ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ምሕደራ ፕሮጀክትታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ደምበ ሰምበል ብሎክ “A” 1ይ ደርቢ ጎደና ሕዳይ ዚፕ ኮድ 748-1 ቁ.ቴሌፎን 151614 ቁ.ፋክስ 152181 ቁ.ሳ.ፖስታ 1099

ኣሃዱ ምሕደራ ፕሮጀክትታትሚኒስትሪ ትምህርቲ

VACANCY Notice No. 2015/02The United Nations Children’s Fund (UNICEF) in Eritrea is inviting applications from suitably qualified Eritrean nationals for the post of Senior Executive Assistant, IMIS No. 11973

TYPE OF APPOINTMENT: Fixed-Term DURATION: Two yearsLEVEL: GS-06 DUTY STATION: Asmara

PURPOSE: This position reports to the senior executive with responsibility for the management and coordination of work for a broad segment of the Organization (i.e. major program, sector, or office). The role of this post is to provide administrative and secretarial support services to thecountry Representative.

MAJOR DUTIES AND RESPONSIBILITIES:In charge of all protocol matters which includes, arranging meetings and •contracts with high-ranking government officials, Ministries, partners, UN Head of Agencies, Embassies/Representatives of donors NGOs and arranges official receptions hosted by the Representative. Arrange courtesy call to the Representative with high Government officials and Ministers in coordination with Ministry of Foreign Affairs, protocol Department.Arrange appointments and maintains supervisor’s calendar, receives high-•ranking visitors, places and screens telephone calls and answers queries with discretion.Prepare meetings’ agenda for country Management Team (CMT) meetings, •take minutes of the CMT Meetings, Participates in the weekly planning meetings between and take notes for the record.Classifying all the incoming mails receiving from Registry, assist the •representative in routing all the incoming correspondences to the respective sections, and ensure timely submission to the appropriate sections. Assist Registry to improve the registration and fast distribution of the incoming/outgoing mails and support with maintenance of good recording system. Update on regularly to improve the filing system for ease access. Maintains policy, confidential and general Management files.Prior to the Representative’s signature on outgoing correspondences/•documents, edit and ensure that the documents are in conformity with the established procedures and standard of UNICEF.Coordinates office management job, distributes special assignments to other •programme assistants and clears and edits correspondences for supervisor’s signature.During the absence of the Representative assist the Officer-In-Charge in all •respects for the smooth run of the Office. Drafts correspondence and memo as need arises and ensure follow up.Finalize correspondences and attends the daily inflow of documents in timely •manner.Prepare briefing material for supervisor for use on official trips or meetings.•Keeps the updates lists of names, addresses and telephone numbers of •ministers, government officials and members of the diplomatic corps.Follow up and makes travel arrangements for the supervisor, and performs •liaison duties with Travel and other unit.

MINIMUM QUALIFICATIONS & EXPERIENCE:

Education: Secondary School Education. High School Diploma, and business courses or other relevant disciplines.Knowledge of modern office management and procedures; computer skills including internet navigations and various office applications may be required. Knowledge of protocol.Work Experience: Six to seven years senior Administrative work and office management experience.Language: fluency in English and another UN working language required. Knowledge of local working language of Tigrigna and other local Eritrea languages is an asset.

Closing date of Application: Two weeks from date of advertisement

FEMALE CANDIDATES ARE ENCOURAGED TO APPLY

Only qualified candidates will be short listed and invited for the interview. Please mail a recent CV and photocopies of academic qualifications including telephone numbers or post office box indicating Vacancy Number 2015/02in a sealed envelope addressed to:

Chief of OperationsUNICEF Eritrea

P.O. Box 2004Asmara

Quote: Senior Executive Assistant, IMIS No. 11973

Please note that UNICEF is a smoke-free environment.

CANDIDATES SHOULD PROVIDE EVIDENCE OF COMPLETION/EXEMPTION FROM NATIONAL SERVICE. PLEASE NOTE THAT COMPLETION/EXEMPTION OF NATIONAL SERVICE IS A REQUIREMENT. COPY OF CARD/EXEMPTION MUST BE ATTACHED. APPLICATIONS WITHOUT THIS REQUIREMENT WILL NOT BE CONSIDERED.

ምልክታ

የማነ ተኪኤ ኪዳኑ ስም ዋንነት ናይቲ ካብ ሓፍተይ ነፍ/ገነት ተኪኤ ኪዳኑ ዝወረስክዎ ብቁ.ምስክር ወረቐት 103093 መወከሲ ቁ.107739 ሊብሬቶ ዝተዋህቦ ኣብ ኣስመራ ዞባ 3 ምም/04 ጎደና መኮነን ዳምጠው ቁ.ገዛ 27 ቁ.ሎታ 89 (ናይ ሕጂ ምም/ከ/ገጀረት) ዝርከብ ኣብ 250 ት.ሜ ዝተደኮነ ገዛ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘየሎ ግን መስርሕ ምትሕልላፍ ከም ዝፍጽም አፍልጥ ኣለኹ።

የማነ ተኪኤ ኪዳኑወኪል፡ ናዜሬት መሓሪ

Page 9: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 9

ስንክልና፡ ንዝኾነ ሰብ ከጓንፍ ዝኽእል፡ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዘሎ፡ መኻይድትን መናብርትን ወዲ ሰብ እዩ። ሕብረተሰባት (ሃገራት) መምስ ባህለንን ክብርታተንን ብዝኸይድ መንገዲ ኣብ ጉዳይ ስንክልናን ስንኩላንን ነናተን ኣተሓሕዛ ወይ ፖሊሲ ኣለወን። እቲ ኣተሓሕዛታት ምስ ግዜ ዝምዕብልን ንውሁብ ኩነታት ናይቶም ስንኩላን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ናይቲ መላእ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ግምት ዘእቱን እዩ።ነዚ ንምግባር፡ እቲ ድሌትን ሃንቀውታን

ኩሉ ግዜ፡ ቅኑዕን ግብራውን ማዕባልን ውጽኢታውን፡ ውሁድን ቀጻልነት ዘለዎን መምርሒ ምድላው እዩ። እዚ ብግዲኡ፡ ንታሪኻዊ ተመኩሮታትን ዘበናዊ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ኪነትን ቦታ ምሃብ ይጠልብ። ናብ ሃገርና ምስ እንምለስ፡ እዚ ጾር’ዚ ብሓፈሻ ናይ ኩለን ኣካላት መንግስትን ሕብረተሰብን እኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ግን ንሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝምልከት እዩ። ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ብ07

ግንቦት ንንድፊ ኣጠቓላሊ ሃገራዊ ፖሊሲ ስንኩላን ኤርትራ ዝምልከት ዓውደ-ዘተ ኣብ ኣስመራ-ኣዳራሽ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣቃኒዑ። ኣብ’ቲ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ ዓውደ-ዘተ፡ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ወጺኡ ዘሎ ንድፊ ፖሊሲ ጉዳይ ስንክልና ክውን ንምግባር ካብ ሃገራዊ ቻርተርን ሃገራዊ ውጥን ልምዓትን ዘለው ሕጋጋት ብመትከል ማሕበራዊ ፍትሒ ዝምራሕ ኮማዊ ምዕባለ ምርኩስ ዝገበረ ምዃኑ ኣብሪሁ፡ እቲ መደብ ዕዉት ኮይኑ ንኽወጽእ፡ ስንክልና ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ንዝኾነ ሰብ ከጋጥም ዝኽእል ምሳና ዝነብር ተርእዮ ምዃኑ ርዱእ ብምዃኑ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ጉዳይ ስንክልና ልዑል ተገዳስነትን ፍቕሪን ኣወዳድባን ክዓጥቕ፡ ሕቶ ስንኩላን ሕቶ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ስለ ዝኾነ፡ እቶም ዝውሰዱ ስጉምትታት ክንዮ ምድንጋጽን ተሃድሶን ዝኸዱን ኮማዊ ምዕባለ ዘምጽኡን፡ ንርእሰ ምርኮሳ ድማ ዘውሕሱ ከምኡ’ውን፡ ንስንኩላን ዝውጠኑ መደባት ንተበግሶኦም

ያሲን ሳልሕ (ያኒ)

ምጽዳቕ ንድፊ ኣጠቓላሊ ሃገራዊ ፖሊሲ ስንኩላን ኤርትራ ርእሰ ምርኮሳን ዘተባብዑ’ምበር ዘዳኽም ከይከውን ጥንቃቐ ዝሓትትን ንድፊ ፖሊሲ

ኣብ ዝግምገመሉ ቃላትን ኣምራትን ዝተጋነነ ትርጉም ከይሕዙ ብምጥንቓቕ፡ ምዕራባውን ዓውሎማውን ድርዳር ቃላት ከም ምግሃስ መሰል፡ ኣድልዎ፡ ተነጽሎን ምግላልን ግዳይ ሕሰምን ወዘተ. . . ብመንጽር ክውንነትን ውድዓውነትን ሃገርን ኩነታትን ክርኣዩን ኣብቶም ዓበይትን ወሰንትን ኣብ ምዕባለን ዕብየትን ከተኩሩ ዘይሕለል ጻዕርን ቃልስን ምክያድን ዝብል ዝርዝራዊ ኣማእዘንቲ ሓሳባት ዝበሎም ነጥብታት ኣቕሪቡ። ሚኒስተር ካሕሳይ ኣስዒቡ፡ እቲ ንድፊ

ንብሩህ መጻኢ ዘማዕዱ ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ዝተነድቀን ምስ ሃገራዊ ባህልን ልምድን ዝሳነ፡ ንሰብኣዊ ጸጋ ብቐንዱ ድማ ኣብ ዕቑር ዓቕምን ናይ ምግባር ዓቕሚ ስንኩላንን ውሽጣዊ ውዳበ ቅኑዕ መረዳእታ ዘለዎ ክኸውን ብምምናይ፡ እቲ ንድፊ ተጻፊፉ ምስ ጸደቐ፡ ጉዳያት ስንኩላን ሓፈሻዊ መኣዝን ዘትሕዝን፡ ንተራ መሻርኽቲ ኣካላትን ሕብረተ-ሰብን ኮምን ስንኩላንን ዘነጽርን፡ ተሳትፎን ኣፍራይነትን ስንኩላን ንቕድሚት ዘሰጉምን ሓፈሻዊ መምርሒ ክኸውን ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ፡ዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ማሕበራዊ

ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ብወገኑ፡ እቲ ንድፊ ንኩነታት ስንኩላን ብዝሰፍሐ መልክዑ ዘርእዩ ዓይነታውን ዓቐናውን

ኣገባብ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር ብመልክዕ ቃል-መሕትትን ጉጅለኣዊን ውልቃውን ዘተ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ሰነዳትን ብምውካስ ዝተኣከበ ሓበሬታ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ሰነድ ዝያዳ ንምህብታሙን ንምጽፋፉን ዝተዳለወ ንድፊ ፖሊሲ ናብ ዝተፈላለያ ዝምልከተን ኣካላት ከምዝተሰደን ብሃናጺ ርእይቶታተን ከምዝተደርዐን ኣረዲኡ፡ዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ማሕበራዊ

ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ኣስዒቡ፡ ንድፊ ፖሊሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ተኸፋፊሉ ቀሪቡ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ተሳተፍቲ ከኣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርእስቲ ንትሕዝትኡ፡ ኣወዳድባኡን ኣቀራርባኡን ዝምልከት ተወሰኽቲ ሓሳባት፡ ሓበሬታታት፡ ርእይቶታት፡ ለበዋታትን መአረምታታትን ክህብሉ ክፉት ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ ተሳተፍቲ ኣተኩሮ

ዝገበርሎም ነጥብታት ድማ፡ ንሓቀኛ ኩነታትን ድሌታትን ስንኩላን ብግቡእ ዝፍትሽ፡ ዝቐረቡ ዝርዝር ዓውድታት ፖሊሲ/Policy areas/ ምሉኣትን ንጹራትን ክኾኑ፡ እቶም እስትራተጂታት ዘስርሑን

ኣድማዕትን ምግባሮም፡ እቲ ዝጸደቐ ፖሊሲ ንኹሎም ኣካላት ሕብረተ-ሰብ ዘሳትፍን ሓላፍነት ዘሰክምን ክኸውን፡ ኩሉ ኣካላት ሕብረተ-ሰብ ጉዳይ ስንኩላን ኣካል ሽግሩን ፍታሑን ክኸውንን ተኣሚሙ ዘሎ ውሁድ ኣተገባብራ ፖሊሲ/Coordination Mechanism/ ቅቡልን ንተሓታትነት፡ ምክትታልን ምቁጽጻርን ቀጻልነትን ውጽኢታውነትን ቦታ ዝህብ ክኸውን፡ ዝብሉን ካልእን ነይሮም።ብተወሳኺ፡ ፖሊሲን ኣገዳስነቱ፡ ስንክልናን

ስንኩላንን፡ እማመን ምክትታልን፡ ግምገማን ፖሊሲን ዝብሉን ካልእን ኣርእስትታት ብዝተፈላለዩ ክኢላታት ሰፊሕ ትንተናታት ተዋሂቡ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዝምልከተን ኣካላት

መንግስትን ትካላትን ብምውህሃድ ጉዳይ ስንኩላን ኣብ መደባተን ክሰርዓን ኣፍራይነት ስንኩላን ንኽዓዝዝ ኣበርክቶአን ከሐይላን፡ ተነዲፉ ዘሎ ፖሊሲ ንኽዕወት ድማ መጀመርያ ንቕሓትን ኣፍልጦን ንምዕባይ ጎስጓስ ክካየድ፡ ስንኩላን ኣብ ጉዳዮም

ተሳታፍነቶም ከዕዝዙን ኣበርክቶኦም ከበርኹን ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም።ኣብ መወዳእታ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ

ድሕነትን ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ ዕዉት ምንባሩ ብምምልካት፡ ቀጻልነቱ ተዋሒሱ ስንኩላን ኣፍራይነቶም ክድንፍዕን ተሳታፍነት ኮም ክሕይልን ተላብዩ። ነቶም ፍልጠቶምን ተመኩሮኦምን ዘካፈሉ፡ ሓሳባትን ሓበሬታን ዝሃቡ፡ ጉልበቶምን ግዜኦምን ዘበርከቱ፡ ኩሎም ኣካላት መንግስትን ህግደፍን ማሕበራትን ኣባላት ኮምን ጉጅለታት ስንኩላንን ውልቀ-ሰባትን ድማ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ። ኣብ’ቲ ዕለት፡ ጉጅለ ስንኩላ ዳውን-

ሲድሮም(ዝሕታለ ኣእምሮ)ን ዓይነ ስውራንን ህጻውንቲ ነቲ ኣጋጣሚ ዘማዕርጉ ጣዕመ ዜማታት ኣቕሪቦም።

Page 10: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 10

ሃብቶም ጸጋይ

ተወላዲ ቶጎ ኢማኑኤል ኣደባዮር ምስ ክለባት ሞናኮ፡ ኣርሰናል፡ ማንሲቲ፡ ሪያል ማድሪድን ቶተንሃምን ጽቡቕ ዝበሃል ናይ ጸወታ እዋን ኣሕሊፉ ኢዩ። ቅድሚ ክልተ

ኣደባዮር ኣማሪሩ!

ዓመታት ስም ኣደባዮር ምስ ዓወት’ተን ዝጻወተለን ክለባት ተኣሳሲሩ እንክግለጽ ምስማዕ ድማ ልሙድ’ዩ ነይሩ። እንተ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግና፡ ብዘይካ’ቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣሰልጠንቲ ቶተንሃም ዝፈጥሮ ዘይምቅዳው፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ደረጃ ብሉጻት ኣጥቃዕቲ ፕሪምየር ሊግ ዝምደብ ዝነበረ ቆማት ኣጥቃዓይ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ቀጻሊ ግርጭት ኣትዩ ይርከብ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡

ኣደባዮር ንወላዲቱ ሓገዝ ብምንፋጉ፡ ወላዲቱ ኣብ ደረት ጽርግያ ከተማታት ቶጎ ብምውጻእ ጎማታት ናይ ማይ እናሸቀጠት ትናበር ምህላዋ ሓፍቱ ንሓንቲ ናይ ጋና መደበር ሬዲዮ ምግላጻ ይዝከር። ብድሕሪኡ’ውን ብተደጋጋሚ እዋናት፡ እቲ ደቂ ቶጎ ዝኾርዑሉ ተጻዋታይ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ከምዘይግደሰሎምን ብኣንጻሩ ዘለዎ ሃብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ

መመላኽዒታት ከምዘጥፍኦን ይኽሰስ ኢዩ። እዚ ከይኣኽሎ ድማ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሮቲሚ ዝተባህለ ሓዉ ናብ መንበሪ ቤት ኣደባዮር ብምእታው ብዙሕ ንብረት ዘሚቱዎ ምዕዛሩ ይፍለጥ። ነዚ ኩሉ ምጽዋር ዝሰኣነ ኣደባዮር ኣብ ዉልቃዊ ናይ ፌይስቡክ ማህደሩ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ንስድራቤቱ ዘይከምቲ ዝገልጹዎ ማእለያ ዘይብሉ ሓገዛት ከምዝገብረሎም’ዩ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መልእኽቱ፡ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ድሕሪ ምዃኑ ብዝረኸቦ ናይ ፈለማ ደሞዝ ንስድራቤቱ መንበሪ ገዛ ከምዝሰርሓሎም፡ ነታ ኣብ ግዳም ተደርብያ ትብሃል ወላዲቱ ብቐጻሊ ዘድልያ ሓገዛት ከምዝገብረላን ብሰሪ ጠባያ ባዕላ ካብኡ ምፍላይ ከምዝረጸትን ከኣ ኣረዲኡ። ንሓደ ካብ ኣሕዋቱ ናይ ንግዲ ትካል ከምዝኸፈተሉ ዝሕብር ኣደባዮር፡ ንሓፍቱ ብልዕሊ 1.2 ሚልዮን ፓውንድ ዝዓደገላ ገዛ ብዘይ ኣፍልጦ ናቱ ከምዘካረየቶ ይዛረብ። ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከም በዓል ካሜሩናዊ ፎይን ፈረንሳዊ ዚዳንን ዝኣመሰሉ ከዋዂብቲ ዘትረፎ ናይ መዘከርታ ማልያታት ወሲኹ ብርክት ዝበለ ንብረት ዘሚቱዎ ዝተዓዝረ ሓዉ ድማ፡ ኣብ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ንኽምሃር ምሉእ ወጻኢታት’ኳ እንተገብረሉ፡ እቲ ስርቂ ዝልማዱ ሓዉ ግን ካብቲ ኣካዳሚ ልዕሊ 21 ሞባይላት ብምስራቑ ምብራሩ ኣነጺሩ። ኣብ መወዳእታ‘ውን ኣደባዮር፡ ነዚ ገጢሙዎ ዘሎ ናይ ህይወት ብድሆ ንምፍታሕ ንኣጥቃዓይ ቸልሲ ዲድየር ድሮግባ ከምዘማኸሮን፡ ካብቲ ኣይቮሪያዊ ዝረኸቦ ምኽሪ ድማ ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑን ኣረዲኡ።

ቀዳም 16 ግንቦት ክለብ ሊቨርፑል ንክሪስታል ፓላስ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ክትዕድም ኢያ። ኣብዚ ጸወታ ድማ፡ ንልዕሊ 17 ዓመታት ማልያ’ታ ክለብ ወድዩ ቅያታት ዝሰርሐ ሓለቓ ጋንታ እንግሊዛዊ ስቲቨን ጀራርድ ናይ መወዳእታ ናይ ኣንፊልድ ግጥሙ ከካይድ ኢዩ። ምእዙዛት ደገፍቲ’ታ ብቐያሕቲ እትፍለጥ ጋንታ ከኣ፡ ነቲ ን2/3 ናይ ርብዒ ዘመን ዝመስከሩሉን ገና’ውን ክመንዉዎ ዘይከኣሉን መስተንክራዊ ብቕዓት ጀራርድ ንመጨረሽታ ግዜ ዝዕዘቡሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኣብቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣብ ሜዳ ክርከብ ዘይብህግ ደጋፊ ሊቨርፑል ክህሉ ኣይትጽበይን። ኮይኑ ግን ሜዳ ኣንፊልድ ክሕዞ ዝኽእል ዓቕሚ ድሩት ብምዃኑ ካብቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደገፍቲ፡ ውሑዳት ሰብ-ዕድል ጥራይ’ዮም ብኣካል ክርከቡ። በዚ መንጽር ከኣ መእተዊ ዋጋ ትኬት ናይቲ ግጥም ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብዕጽፍጻፍ ኣብ ምውሳኽ ይርከብ።

ስንብት ጀራርድ ንምዕዛብ ሃንቀውታኦም ዝዓረገ ደገፍቲ ሊቨርፑል

ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል ራሒም ስተርሊን፡ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ውዕል ምስ ክለቡ ገና ኣብ ምርድዳእ ኣይበጽሐን። ዛጊት ምስታ ጋንታ ዲዩ ክጸንሕ ወይስ ናብ ካልእ ከምርሕ’ውን መዓልቦኡ ኣይተፈልጠን። ህልዊ ኩነታት ኣብ ከምዚ ከሎ ድማ፡ እቲ እንግሊዛዊ ኣብ ከተማ መርሲሳይድ (ሊቨርፑል) ንዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ ከምዘሎን ብኣንጻሩ ከኣ ኣብ ከተማ ለንደን ሓድሽ መንበሪ ገዛ የጣይቕ ምህላዉን ጋዜጣታት እንግሊዝ ኣብ ናይ ትማሊ ሕታመን ኣቃሊሐን። እተን ጋዜጣታት፡ ወዲ 20 ዓመት

ስተርሊን ናይ ሊቨርፑል መንበሪኡ ናብ ዕዳጋ

የቕርብስተርሊን ወላ’ኳ ምስ ሊቨርፑል ናይ ምጽንሑን ዘይምጽንሑን ተኽእሎ ፍሉጥ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ናይ ምንባር ባህጊ ከምዘለዎ ግን ንጹር ምዃኑ ይገልጻ። እንተ እቲ ኣብ መርሲሳይድ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ናብ ዕዳጋ ናይ ምቕራቡ ኩነታት ግን ጠንቑ እንታይ ከምዝኾነ ኣይተሓበረን። ብክለባት ኣርሰናልን ቸልስን ከምዝህደን ዝንገረሉ ስተርሊን፡ ኣብ ለንደን መንበሪ ናይ ምድላዩ ኩነታት ንኣሰልጠንቲ ቨንገርን ሞሪኖን ኣብ ጉዳይ’ቲ ተጻዋታይ ትኹረት ክሕድሩ ከምዝቕስቦም እቶም ዝወጹ ሓበሬታት የነጽሩ።

ንደረጃ ክልቲአን ክለባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በተን ክለባት ዝተተመነ ሓቀኛ ዋጋ መእተዊ ትኬት ካብ 37 ክሳብ 50 ፓውንድ ዝበጽሕ ኢዩ። ኮይኑ ግን ንርዝነት’ቲ ኣጋጣሚ ዘስትውዓሉ ነጋዶ፡ ነቲ ካብ 37 ክሳብ 50 ፓውንድ ዝተዓደገ መእተዊ ትኬት ናብቶም ትኬት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ግን ከኣ ኣብቲ ዕለት ኣብ ሜዳ ንኽርከቡ ህንጡይነት ዘሕደሩ ደገፍቲ ልዑል መኽሰብ ብምርካብ ኣብ ምሻጥ ይርከቡ። ብመንገዲ ኢንተርነት ኣብ ዝዝርጋሕ ዘሎ ጠለብ፡ ዋጋ መእተዊ ትኬት’ቲ ጸወታ ካብ 660 ክሳብ 2500 ፓውንድ በጺሑ ኣሎ። ገለ ውሑዳት ትኬት ዝረኸቡ ደገፍቲ ክሪስታል ፓላስ’ውን ነቲ ትኬቶም ናብ ደገፍቲ ሊቨርፑል ብኽቡር ዋጋ ይሸጡ ከምዘለዉ እቲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የረድእ። ኣብቲ ዕለት፡ ስቲቨን ጀራርድ ናይ ክብሪ ኣቐባብላን ናይ ምፍናው ስነ ስርዓትን ከምዝካየደሉን ብሰለስቲአን ደቁ ተሰንዩ ናብ ሜዳ ክኣቱን መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ይግለጽ።

እንታይ ይብህጉ!ኣብ ዓውዲ ስፖርት ዝነጥፉ

ስፖርታውያን ካብ ሞያኦም ወጻኢ ግዜኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ከዘውትሩዎም ዝብህጉዎም ንጥፈት የሕልፉ። ደገፍቶም’ውን እቶም ስፖርታውያን ንዝብህጉዎምን ዘዘውትሩዎምን ንጥፈታት ንምፍላጥ ዘለዎም ተገዳስነት ልዑል ኢዩ። ካብዚ ብምቕጻል ናይ ውሑዳት ስፖርታውያን ዝብህጉዎምን ዘዘውትሩዎምን ንጥፈታት ክንዕዘብ ኢና።• ነይማር (ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ -

ብራዚል)ዝብህጎም ንጥፈታት ፦ ናይ ባሕሪ

ጸወታ፡ ሳዕስዒትን ሙዚቃንዝፈትዎ ሕብሪ፦ ጻዕዳዝፈትዎ መግቢ፦ መግቢ ጥልያንን

ጃፓንንዝፈትዎ ዓይነት ስፖርት፦ ኩዕሶ እግሪዝፈትዎ ተጻዋታይ፦ ሮቢኝዮ

(ብራዚል)

• ልዊስ ሃሚልቶን (ተቐዳዳማይ መኪና ፎርሙላ ዋን - እንግሊዝ)ዝብህጎም ንጥፈታት፦ መጽሓፍ ምንባብ፡

ሙዚቃ ምስማዕን ጊታር ምጽዋትን ዝፈትዎ ሕብሪ፦ ጁክ (ፐርፕል)ዝፈትዎ መግቢ፦ ደርሆ፡ ቅልዋ ስጋን

ዓሳንዝፈትዎ ስፖርታዊ፦ ተጓሳጣይ

መሓመድ ዓሊ ክለይንዕረፍቲ ዝብህጎ ቦታ፦ ታይላንድ

• ኻሜስ ሮድርገዝ (ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮሎምቢያ)

ዝብህጎም ንጥፈታት፦ ምስ ስድራቤትን ኣዕሩኽን ምዕላል፡ ሙዚቃ ምስማዕን ስራሕንዝፈትዎ ሕብሪ፦ ሰማያዊዝፈትዎ መግቢ፦ ባህላዊ መግቢ

ኮሎምብያዝፈትዎ ስፖርት፦ ኩዕሶ እግርን ኩዕሶ

ሰኪዐትንዝፈትዎም ስፖርታውያን ፦ ክርስቲያኖ

ሮናልዶን ሌብሮን ጄምስን (ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት)

ኣጥቃዓይ ማንሲቲ ሰርጂዮ ኣጒየሮ፡ ናብዚ ዘለዎ ቁመና ንኽምለስ ኣብ ኣመጋግባ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዝኾነ ገሊጹ። እቲ ኣርጀንቲናዊ፡ ኣብዚ ግዜ ፓስታ፡ ስጋን ካልኦት ሽኮርን ስብሕን ዘለኦውም መግብታት ከምዘይወስድ ኣረዲኡ። ማሕበር ደገፍቲ ክለብ

ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ወነንቲ’ታ ክለብ ዝኾኑ ስድራቤት ግሌዘር ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣስታት 1 ቢልዮን ፓውንድ ካብ ካዝና’ታ ክለብ ናብ ዉልቃዊ ዋኒኖም ከምዘባኸኑ ገሊጾም። ስድራቤት ግሌዘር ቅድሚ ንማንዩናይትድ ምግዝኦም፡ ኣብቲ ካልእ ዋኒናቶም ብዙሕ ክሳራ ገጢሙዎ ምንባሩን ብኣታዊታት’ያ ክለብ ንብርክት ዝበለ ዕዳታቶም ምሽፋኖምን’ዮም እቲ ማሕበር ዝኸስስ። ደጋፊ ክለብ ኒውካስል ዝኾነ

ካብ ኣርእስታት እዚ ሰሙን‘ዚ

ክለብ ማንዩናይትድ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ጸወታታት ነጥቢ ድሕሪ ምኽሳራ፡ ትማሊ ቀዳመ ሰንበት ብዝተረኽቡ ውጽኢታት ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዉድድር ሻምፒዮንስ ሊግ ዘሳትፋ ደረጃ ረኺባ ኣላ። ብፍላይ ውጽኢት ቸልስን ሊቨርፑልን ንኣሰልጣኒ ቫን ጋል ካብ ውጥረት ዘድሓነ’ዩ ነይሩ። ነዚ ምርኩስ ብምግባርን ንዝምድና ሞሪኖን ቫንጋልን ኣብ ግምት ብምእትውን ዝተሳእለት ካርቱን እዛ ትስዕብ ኢያ።

ካርቱን’ዚ ሰሙን’ዚ

ቀሺ፡ ነታ ጋንታ ካብ ዝኣተወቶ ቅልውላው ንምውጻእን ወናኒ’ታ ጋንታ ማይክ ኣሽሊ ነታ ክለብ ንኽገድፋን ዝጽውዕ ናይ ጸሎት መደብ ዝሓለፈ ሰሙን ምድላዉ ተገሊጹ። ማንሲቲ ንፈረንሳዊ ፖል

ፖግባ ናብ ኢትሓድ ንምምጻእ፡ ንያያ ቱረ ንጁቬንቱስ ከምዝቐረበትላ ተገሊጹ። ከም ድሌት ማንሲቲ፡ እቲ ካብታ ጋንታ ንምውጻእ ተቓሪቡ ዘሎ ቱረ ናብ ኢንተር ሚላን ዘይኮነስ ናብ ጁቬ ክኸይድ እሞ፡ ኣምሳያኡ ድማ ተወሳኺ ገንዘብ ብምቕራብ ንፖግባ ናብ እንግሊዝ ንምምጻእ ኢዩ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፡ ጁቬ ንኤዲንሰን ካቫኒ ካብ ፒኤስጂ ንምፍራሙ ተቓሪባ ኣላ ተባሂሉ። ሊቨርፑል ብወገና ንኣጥቃዓይ በርንሊ ዳኒ ኢንግስ ኣባላ ንምግባር ኣብ ጥርዚ ከምእትርከብ ትማሊ ዝወጸ ጋዜጣታት ይሕብሩ።

Page 11: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 11

ስፖርትተስፋኣለም ገ/ዮሃንስ (ኲባ)

ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ናጽነት ዞባ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር ደንደን ብዓወት ደንደን ተዛዚሙ። ብሰንበት ዓበይቲ ጋንታታት ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር ደንደን ንተዓዘብቲ ዝመሰጠ

ደንደን ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ደጊማ ተዓዊታ

ጸወታ እየን ኣርእየን። ደንደን ብፍጹም ቅላዕ 7ብ6 ተዓዊታ ናብ መዛዘሚ ሰጊራ። ግጥም ቀዳማይ እብረ ዝሕል ኢሉ እዩ

ጀሚሩ። መስመር ምክፍፋል ቀይሕ ባሕሪ ዝሓሸ

ውህደት ኣብ ዘርኣየሉ እዋን፡ ኣብ 7ይ ደቒቕ ኣጥቀዓያ ሙሴ ነጋሲ፡ ድሕሪ ሰለስተ ደቓይቕ ድማ ኣከፋፋሊ ነጋሲ ግርማይ ካብ ነጻ ቅላዕ ዘካየድወን ፈተነታት ብሓላው ልዳት ደንደን ስዩም ቦኽረጽዮን መኺነን። በዚ ድማ ግጥም ቀዳማይ እብረ ብዓብላልነት ቀይሕ ባሕሪ ተሰንዩ ብዘይ ሸቶ ናብ ዕረፍቲ ኣምረሐ። ግጥም ካልኣይ እብረ ብርሱን መንፈስ እዩ

ፈሊሙ። ኣብ መበል 49 ደቒቕ ሙሴ ነጋሲ ብየማናይ ክንፊ ተቖሪጻ ንዝመጸቶ ኩዕሶ፡ ብርእሱ ጽብቕቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ። ሕጂ’ውን ቀይሕ ባሕሪ ብመንገዲ ሙሴ ኣጥቂዓ ንስክላ ገፊሓ ዝወጸት ፈተነ ኣካየደት። ኣብ መበል 59 ደቒቕ ኣጥቀዓይ ደንደን ተስፋይ ተሸመ (ዳዲ) ተቐይሩ ካብ ዝኣተወ ሮቤል ኪዳነ (ዒተይ) ተዓጺፋ ንዝመጸቶ ኩዕሶ፡ ብጥበብ ጽብቕቲ ሸቶ ሰርሓ። ሚዛን ጸወታ ድማ ተቐየረ። ኣብ 69 ኣከፋፋሊ ሮቤል ተኽለብርሃን ምስ ሰኪዐት ንበይኑ ተራኺቡ፡ ከጠዓዕም ክብል ዘባኸና፡ ኣብ 73 ዮናስ ሰለሙን ካብ ከባቢ 27 ሜትሮ ብመንገዲ ነጻ ቅላዕ ዝፈተና ሓ/ት ቀይሕ ባሕሪ ዓብዱላሂ ዓብደራሕማን ብውሕልነት ንግዳም ነጺጉ ዘድሓና፡ ተደጋገምቲ ፈተነታት ደንደን ኔረን። ቀይሕ ባሕሪ ኣብ 76’ ፍጹም ሃይለሚካኤል (ባጆ) ብመንጎ ተኸላኸልቲ ደንደን ጨዲዱ ዘሕለፋ ኩዕሶ፡ ሙሲ ነጋሲ ሰኣን ግቡእ ኣፈጻጽማ ኣባኺንዋ። በዚ ድማ እቲ ግጥም 1ብ1 ተዛዘመ። ተዓዋቲት ንምፍላይ ኣብ ዝተዋህበ ፍጹም

ቅላዕ፡ ሓላው ልዳት ደንደን ስዩም ቦኽረጽዮን ክልተ ቅለዓት ከምክን ከሎ፡ ተቐይሩ ዝኣተወ ሓላው ልዳት ቀይሕ ባሕሪ ኢስያስ ሃይለገርግሽ ድማ ሓንቲ ኣድሒኑ። በዚ መሰረት ደንደን 7ብ6 ተዓዊታ። ኣቐዲማ ዝሓለፈት ሰረጀቓ ኣንጻር ደንደን ዋንጫ ናጽነት መን ዓተረ ናይ መዛዘሚ ግጥም ከካይዳ እየን። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ዕለት ናይ ሻምፕዮን ግጥም

ኣብ መንጎ ኣባሻውል ኣንጻር ሰገን ኮንስትራክሽን ተኻይዱ ኔሩ። መትከል ታረቀ ኣብ 63’ ብዘመዝገባ ሸቶ፡ ኣባሻውል ንሰገን 1ብ0 ተዓዊታትላ። ክልቲኤን ጋንታታት ተመጣጣኒ ዝኾነ ብቕዓት ኣብ ዘርኣያሉ፡ ኣብዚ ናይ ሻምፕዮን ጸወታታት ካልኣይ ዓወታ ዘመዝገበት ኣባሻውል ብዘዋህለለቶ ነጥቢ ደረጃኣ ከተመሓይሽ ክኢላ።

ቀዳማይ ዙርያ ብመሪሕነት ኣልሳሕል ተዛዚሙ። ንትሸዓተ ጋንታታት ጠርኒፉ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ውድድር ሊግ ዓንስባ ናይ ቀዳማይ ዙርያ

ግጥማቱ ዝሓለፈ ሰንበት 10 ግንቦት ብዝተኻየዱ ጸወታታት ተወዲኡ። ዓርቢ 8 ግንቦት ኣልነስር ኣንጻር ኣልሳሕል ገጢመን፡ ከም ልሙድ ኣፍቃሪ ስፖርት ከተማ

ከረን ንጀኮ ቅጽጽ ኢሉ መሊኡ ዝተዓዘቦ ጸወታ ድማ ነበረ። ኣጥቀዓይ ኣልሳሕል ኤፍረም ዘርኦም (ወዲ ፎርኖ) ኣብ መበል 29 ብጉድለት ሓላው ልዳት ኣልነስር፡ ብዘመዝገባ ሸቶ ቀዳማይ እብረ ብመሪሕነት ኣልሳሕል 1ብ0 ዕረፍቲ ኮነ። ኣብ ካልኣይ እብረ ሕጂ’ውን ኤፍረም ብጉድለት ሓላው ልዳት ሸቶ ብምድጋሙ እቲ ግጥም ብዓወት ኣልሳሕል ኣብ ልዕሊ ኣልነስር 2ብ0 ተዛዘመ። ኣብቲ ዕለት ካልኣይ ግጥመን ዘካየዳ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር ኣልሂላል እየን። ኣልሂላ ድማ

ብገፊሕ 5ብ0 ተዓዊታ። መሓመድ ኣማን መሓመድ ዑመር ክልተ፡ ኣቡበከር ያሲን፡ መብራህቱ ዓንዶም፡ ከምኡ ድማ ድራር ትንሴው ነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ሸቶ ኣልሂላል ዘመዝገቡ እዮም። ሰንበት 10 ግንቦት ግጥማት ከኣ፡ ፈለማ ዓንሰባ ነታ ካብ ኣሮን ክፍላይ ሓንቲ ሸቶ

ኣእትያ መሪሓ ዝነበረት ስቴላ፡ ብክልተ ሸቶታት ጌትነት ኣንዳርገ 2ብ1 ስዒራታ። ኣልሳሕል ሳልስቲ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣንጻር ሓመልማሎ ገጢማ 7ብ0 ብምስዓር ኣንጸባራቒ ዓወት ኣመዝጊባ። ኣኣብዚ ግጥም ኣጥቀዓይ ኣልሳሕል ኤፍረም ዘርኦም (ወዲ ፎርኖ) ኣርባዕተ ሸቶታት ብምእታው ሱፐር ሃትሪክ ሰሪሑ። ጽንዓት ይግዛው ክልተ ዑስማን መሓመድ ድማ ሓንቲ ሸቶ ኣልሳሕል ዘመዝገቡ እዮም። በዚ ድማ ኣልሳሕል ብ21 ነጥቢ መሪሕነት ሊግ ዓንሰባ ሒዛ ንቐዳማይ ዙርያ ፈጺማቶ። ኣልሂላል ብ18 ነጥቢ ካልኣይቲ ኣልነስር ድማ ብ17 ነጥቢ ሳልሳይቲ ብምዃን ይስዕባ።

ግጥማት ዋንጫ ናጽነት ፈደረሽን ከተማ ከረንብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዝሓልፈ ቀዳመ ሰንበት

ቀጺሉ።በዚ መሰረት ብቐዳም ንጉሆ ኣብ ዝተኻየዱ ጸወታታት፡ ገዛ ባንዳ ንኣነጅም 5ብ3፡ መረብ

ድማ ንዳሬ ሰላም ብፍጹም ቅላዕ 5ብ4 ስዒረነአን። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ድማ ኣሕዋት ኤ ኣንጻር ኣሕዋት ቢ ገጢመን፡ ብፍጹም ቅላዕ፡ ኣሕዋት ኤ 5ብ4 ተዓዊታ። ኣስሙድ ምስ ኣልጋሽ ድማ ብፍጹም ቅላዕ ኣስሙድ 5ብ4 ብምዕዋት ናብ ዝቕጽል ግጥማት ሰጊረን።

ቅድድም ብሽክለታ መዓልቲ ናጽነት ሻድሻይ መድረኽ ውድድራት ብሽክለታ መዓልቲ ናጽነት ከተማ ከረን ዝሓለፈ ሰንበት

ቀጺሉ። ቀዳማይ ዲቪዝዮን ኣብ ዘካየድዎ ውድድር ዳኒኤል ፍትዊ፡ ጎይትኦም ሱልጣን፡ ሸኸዲን

ኢብራሂም፡ ሙሳ ዓብዱላሂ፡ ኤፍረም ዓብደልቃድርን ዮናስ በረኸትን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ብምውጻእ ተዓዊቶም። ተወዳደርቲ ካልኣይ ዲቪዝዮን ድማ፡ ዓማር ኢብራሂም፡በኺት ጃብር፡ ሜሮን ንጉሰ፡ ሚልዮን

ተስፋኣለም፡ ኣዙቤር መሓመድ ዓሊን ሮቤል ገብረትንሳኤን ዕውታት ኮይኖም። ሳልሳይ ዲቭዝዮን ብተመሳሳሊ ኣብ ዘካየድዎ ውድድር ዮናስ ሃብታይ ኣብ መበል 34

ዙርያ ንመወዳድርቱ ብዙርያ ገሊፍዎም ንበይኑ ተዓዊቱሉ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቅሳነት ህይለን ስኒት ሓድሽን ቀዳመይቲን ካልኣይቲን ኮይነን

ተዓዊተን።ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ንኩለን ዲቭዝዮናት ኣብ ንፍሲ ወከፍ ቅጽበታዊ ውድድር 2000

ናቕፋ መተባብዒ ጌሩ።

ሊግ ዓንሰባ

ገዳይም ተቐዳደምቲ’ውን ተሳቲፎምብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ዝፈደረሽን

ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ዝሰርዖ ውድድር ብሰንበት 10 ግንቦት ኣብ ከባቢ ሞኖፖልዮ ናይ ዳ ኮርሶ፡ ብቐዳም ድማ ኣብ ከባቢ ኤክስፖ ናይ ማውንቴን ባይክ ኣካይዱ።ቀዳማይ ዲቪዝዮን ዳኮርሶ 95 ኪሎ ሜተር

ንኽሽፍኑ ተመዲብሎም። ተቐዳዳማይ ክለብ ጀጋንተ መርሃዊ ክብሮም፣ 77 ኪሎ ሜተር ምስተጓዓዙ ካብ ዓባይ ጉጅለ ሞሊቑ ንቕድሚት ተሓንቢቡ። መርሃዊ ንበይኑ ንመስመር ሞኖፖልዮ ተቖጻጺርዎ እናኻደ፣ ሻምፕዮን 2014 ዝኾነ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስፔኮ ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄር ንዓባይ ጉጅለ ቐሊሱ ብናህሪ ስዒብዎ። መርሃዊ፣ ንመስመር መዛዘሚ ብሒቱ ክረግጾ ክልተ ዙርያ ማለት 3.6 ኪ/ሜተር ኣብ ዝተረፎ ኣማኒኤል ንዓባይ ጉጅለ ስሒቡ ተወቲፍዎ። በዚ መሰረት፣-1ይ ዮናስ ተኸስተ፣ 2ይ ኤልያስ ኣፈወርቂ

ክልቲኦም ካብ ክለብ ኤሪ ቴል፣ 3ይ ዮናስ ኪዳነ ካብ ክለብ ኣስፔኮ፣ 4ይ ዮናታን ሃይሉ ካብ ክለብ ሰምበል፣ 5ይ መርሃዊ ጎይትኦም ካብ ክለብ ኤሪ ቴል፣ 6ይ ድማ ኣሮን ደብረጽዮን ካብ ክለብ ኣስፔኮ ኮይኖም ንናይ ቀዳማይ መድረኽ ነጥቢ ተማቒሎሞ።ደቀ ኣንስትዮ ዳ ኮርሶ ከም ቀደመን 54 ኪሎ

ሜተር እየን ጎየን። 1ይቲ ወጋሕታ ገበረሂወት ካብ ክለብ ዓራግ፣ 2ይቲ ፋኑስ ተስፋጋብር ክለብ ኤለክትሮላይት፣ 3ይቲ ትዕግስቲ ገብረሂወት፣ 4ይ ብስራት ገብረመስቀል ክልቲአን ካብ ክለብ ጋላ ነፍሒ፣ 5ይቲ ዶልሺ ሃብተጽዮን ካብ ክለብ ዓራግ፣ 6ይቲ ኣርሴማ ግርማይ ካብ ክለብ በሪኽ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን። ካልኣይ ዲቪዝዮን ዳኮርሶ፣ ዋላ እኳ ብዲቪዝዮን

ይፈለዩ ንተዓዘብቲ ዘርዊ ጸወታ ምርኣይ ዝዳረጎም

ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል…

ግጥም ካልኣይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ሎሚ ምሸት ብዝካየድ ግጥም ክዛዘም እዩ። ሪያል ማድሪድ ኣንጻር ጁቬንቱስ ኣብ በርናቡ ብዘካይደኦ ግጥም። ኣብ ቀዳማይ እግሪ ማድሪድ ናብ ኢጣልያ ተጓዒዛ 2ብ1 ተረቲዓ ምምላሳ ይዝከር። ብሓፈሻዊ ኣጸዋውታ ላዕለዋይ ኢድ ዝነበራ ጁቬንቱስ፡ ኣብዚ ሎሚ ምሸት ኣብ ዝካየድ ጸወታ ካብ ማህረምቲ ንዝተመልሰ ፓግባ ክጥቀመሉ ምኻና ይንገር። ማድሪድ ኣብ ናይ ቀዳም ግጥም ኣንጻር ቫለንስያ ተቐይሩ ዝወጸ ኣከፋፋሊ ቶኒ ክሩዝ መጉዳእቱ ቀሊል ብምንባሩ ክስለፍ ማዃኑ ትገልጽ። ኣሰልጣኒ ማድሪድ ኣንቸሎቲ “ ከምቲ ኣብ ግጥም ኣንጻር ቫለንስያ ዘርኣናዮ ናይ ዓወት መንፈስ እንትደኣ ኣርኢና፡

ሪያል ማድሪድ ኣንጻር ጁቬንቱስነዚ ግጥም ክንዕወተሉ ኢና” ክብል ገሊጹ ኣሎ። ኣሰልጣኒ ጁቬንቱስ ኣለግሪ ድማ “ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጸወታ ከም ዝኾነ ይርደኣኒ እዩ። ብመሰረቱ ፍልይ ዝበለ ግጥም ክኸውን እዩ። ናይ ምጥቃዕ ኩነታት ዝዓብለሎ ኣቀራርባ ክህሉ ብምዃኑ። ኣብ ቀዳማይ እግሪ ከባቢ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዕድላት ኣባኺና ኢና። ክንሓልፍ እንተደኣኮንና ድማ ኣብ በርናቡ ነዚ ክንቅይሮ ኣለና።” ኢሉ። ፓል ፓግባ ድማ “ኣብ ከምዚ መድረኽ ተመክሮ ዘለዋ ጋንታ እያ ማድሪድ። እዚ ግጥም ድማ ከቢድ ክኸውን እዩ። ብወገነይ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣለኹ” ክብል ንምድላዋቱ ኣረዲኡ። ንልዕሊ ወርሒ ካብ ጸወታ በኹሩ ዝጸንሐ በንዚማ ናይ ማድሪድ ድማ ናብ ጸወታ ተመሊሱ ኣሎ።

ንዝኽሪ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት ጋንታታት ዶግዓልን መሎቲን ዝነበረ ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ፡ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዉድድራት ኩዕሶ ሰኪዐት ትማሊ ሰንበት ብድምቐት ተዛዚሙ። ኣብቲ ንክልተ ሰሙን መመላእታ ዝተኻየደ ዉድድራት፡ ኣብ ሰለስተ ዲቭዥናት ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከባ 23 ጋንታታት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ክልተ ዲቭዥናት ዝርከባ 10 ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጋንታታት ብድምር 33 ጋንታታት ተሳቲፈን። ብቀዳም ኣብ ዝተገብረ ክልተ ናይ ፍጻመ ግጥማት፡ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ኣስሄል (ንዙላ ረቲዓ) ከምኡ ከኣ

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮጋንታ ማእከል (ንብርሃን ረቲዓ) ዕዉታት ናይ ካልኣይ ዲቪዥን ዉድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ ኮይነን።ሰንበት ዕለት 10 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ

ቀትሪ፡ መጻወቲ ሜዳ ቦቾፊዮላ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣጋጣሚ ሰለሰተ ናይ ፍጻመ ፍጥማት ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ነቲ ዉድድር ዝመወሉ ስድራቤትን መቕርብን ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ ዝተኻየደ ጸወታታት፡ ካብ ሳልሳይ ዲቪዥን ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ሓይሊ ኣየር ንዕዳጋ ሓሙስ ብምርታዕ ተዓዋቲት ክትከዉን

ከላ፡ ኣብ ልዕሊ ጋላክሲ ገፊሕ ዓወት ዘመዝገበት ጋንታ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ድማ ኣብ ናይ 1ይ ዲቪዥን ደቂ ኣንስትዮ ዉድድር ዕውትቲ ኮይና። ኣብቲ መሳጢ ተወዳዳርነት ዝተርኣዮን ንተዓዘብቲ ሓፍ ኮፍ ዘበለን ኣብ መንጎ ማይተመናይን ሲቲ ሰንተርን ዝተኻየደ ግጥም ከኣ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፕዮን ክለባት ዞባ ማእከል ጋንታ ማይተመናይ 55ብ50 ብምስዓርተዓዋቲት ዋንጫ ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ ንምዃን በቒዓ።ኣብ መወዳእታ፡ ዕዉታት ጋንታታት ካብ ኢድ

ስድራቤት ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ ናይ ዋንጫን መዳልያን ሽልማት ተቐቢሎም። ብተወሳኺ’ውን ስድራቤት ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ፡ ኣብ ሜዳ ቦቾፊዮላ ንነዊሕ እዋን ንዘገልገሉን ዛጊት’ውን ዘገልግሉን ዘለዉ ኣቦይ ኪዳነ ተወልደብርሃን ብስም ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ ናይ 1000 ናቕፋ መተባብዒ ሽልማት ኣበርኪቶም። ብዘይካ’ዚ ፈደረሽን ኩዕሶ ሰኪዐት ዞባ ማእከል ከም መርኣያ ናይቲ ዝገበሩዎ ደገፍ፡ ንስድራቤት ነፍስሄር ዳዊት ገዛኢ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ሂቡ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ዝካየድ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ግጥማት ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ኣሎ።

ህ/ር/ፈ/ኩ/ሰ/ዞ/ማእከል

ንዝኽሪ ዳዊት ገዛኢ ክካየድ ዝጸንሐ ግጥማት ተዛዚሙ

የለን። ኣብዚ ናይ ሰንበት ጸወትኦም ድማ 72 ኪሎ ሜተር ከም ወትሩ ልዕሊ 40 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት እናኸዱ ውድድሮም ዛዚሞም። 1ይ ሕሩይ ሃብተማርያም፣ 2ይ ኣሮን ገብረእዝጊ፣ 3ይ ዮናስ ገበረሂወት ሰለስቲኦም ብውልቆም ዝወዳደሩ እዮም፣ 4ይ ኣቤል ተወልደ መድህን ካብ ክለብ ኣስፔኮ፣ 5ይ ዘመንፈስ ሰለሙን፣ 6ይ ሲራክ ተስፎም ክልቲኦም ካብ ኤሪ ቴል። ኣብዚ መድረኽ ዝተዓወቱ ናይ ውልቂ ተቐዳደምቲ ብናይ ውልቆም ጻዕሪን ንዋትን ተወዳዲሮም ዘዕግብ ጸወታን ውጽኢትን ከመዝግቡ እንከለዉ፣ ኣብ ጋንታት እንተዝጥርነፉ ዝያዳ ውጽኢታውያን ምኾኑ።ልዕሊ 90’ተቐዳደምቲ 3ይ ዲቪዝዮን እዮም 54

ኪሎ ሜተር’ዩ ንምሽፋን ኣብ መበገሲ ተረኺቦም። እዞም ተቐዳደምቲ ዝበዝሐ ግዜ ብእኩብ’ዮም ንቕጽበታዊ መስመር ዝሃድንዎ። ኣብዚ ናይ ቀዳማይ መድረኽ ናይ ናጽነት ድማ 1ይ ሳልማን ሳልሕ፣ 2ይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ክልቲኦም ካብ ጋንታ ናትና፣ 3ይ መድሃኔ ወልዱ ካብ ጎዳይፍ፣ 4ይ ተመስገን መንግስተኣብ ካብ ገዛ ባንዳ፣ 5ይ ጸገዘኣብ ግርማይ ካብ ጎዳይፍ፣ 6ይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ዋርሳ ብምዃን ዕዉታት ናይ ‘ቲ ዕለት ኮይኖም። ብዘይካዚ ዝተገልጸ፣ ንድምቀት በዓላት ናጽነት

ገዳይም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ተሳቲፎም ነይሮም። ተኽሊት ይስሓቕ (ሳንድያጎ)፣ ካብ ፈደረሽን ዞባ ማእከል፣ ሳምሶም ኢያሱ ተቐዳዳማይ ክለብ ስካንያ ዝነበረ፣ ሃብቶም ሃይለ ካብ ፈደረሽን ዞባ ማእከል ተኸታቲሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተዓዊቶም። ቀዳመ ሰንበት ማውንቴን ኣብ ከባቢ ኤክስፖ፣ ዳ

ኮርሶ ድማ ኣብ ከባቢ እንዳማርያም ክዛዘም እንከሎ ገዳይም ተቐዳደምቲ እውን ከማዕርግዎ እዮም።

ህ/ር/ፈደረሽን ቅ/ብ/ዞ/ማእከል

Page 12: እታ ናይ ዓሰብ ስድራ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13052015.pdfኣብ’ዚ ቀረባ’የ ኣርሒቐ ቀንየ ገጽ 10 ኣደባዮር ኣማሪሩ ! ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ግንቦት 2015 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ሚኻኤል ጎርባቸቭ፡ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ምድምሳስ ሰራዊት ጀርመን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣንጻር’ታ ብስርዓት ናዚ እትምራሕ ዝነበረት ጀርመን ገጢማ ወሳኒ ዓወት ዝዓተረት እንኮ ሃገር ሩስያ ምዃና ገሊጹ።ጎርባቸቭ ምስ ኣገልግሎት ዜና

ሃገሩ - ኢንተርፋክስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-

“ብዘይ ሩስያ፡ ኲናት ኣንጻር ጀርመን ኣይምተዓወተን” ጎርባቸቭ

መጠይቕ፡ መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ብሩስያ ዝተረኽበ ወሳኒ ዓወት ዕሽሽ ኢሎም ክሓልፉ ምፍታኖም ብምኽሳስ፡ እዚ ተግባራት ታሪኻዊ ጌጋ ምዃኑ’ዩ ዘብርህ። መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣብቲ ሩስያ ዘአንገደቶ ጽንብል ዓወት ኣንጻር ጀርመን ክሳተፉ ተዓዲሞም ክንሶም፡ ኣብ ሞስኮ ክርከቡ ዘይምኽኣሎም ንሩስያ ከምዘቖጠዓ’ዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ትርከቦም መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ናብቲ ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ጽንብል ከይከዱ ጸቕጥታት ከምዝገበረት’ዮም ሰብ መዚ ሩስያ ዝወቕሱ።“ብዘይ ኣበርክቶ ሩስያ፡ ዓወት

ኣንጻር ጀርመን ዘይሕሰብ ምኾነ” ዝበለ ጎርባቸቭ፡ ሃገሩ ኣብቲ ውግእ ዝበዝሐ መስዋእቲ ዝኸፈለትን ዝዓበየ ዓወት ዝሓፈሰትን ምዃና “ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም ዝግንዘቦ ሓቂ’ዩ” ኢሉ። ብፖለቲከኛታት ሃገራት ምዕራብ ዝህቀን ዘሎ ፈተነ ብዘየገድስ፡ ዓለም ካብ ዕብለላ ናይቲ ኣብ ጀርመን ተተኺሉ ዝነበረ ባርባራዊ ስርዓት ናጻ ክትከውን ሩስያ ዝኸፈለቶ ዝለዓለ መስዋእትነት ወትሩ ከምዘይርሳዕ’ዩ ጎርባቸቭ ዘነጽር።ሩስያ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም

ክሳብ 27 ሚልዮን ዝበጽሕ ህይወት ከምዝኸፈለት ተመራመርቲ ታሪኽ’ታ ሃገር ይገልጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንሱዋ ኦላንድ ኣብ ኲባ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝገበሮ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ምብጻሕ፡ ምስ መራሒ’ታ ሃገር ራውል ካስትሮን ካልኦት ሓለፍቲን ከምዝዘተየ ተገሊጹ። ብተወሳኺ እቲ ፈረንሳዊ ፕረዚደንት ምስ መራሒ ኲባ ነበር ፊደል ካስትሮ’ውን ተራኺቡ ነይሩ።ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብ ኲባ ክበጽሕ

ኣብ ውሽጢ ሚእቲ ዓመት ንመጀመርታ እዋን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። እዚ ድማ ኲባ ምስ ሃገራት ምዕራብ ሓድሽ መድረኽ ዝምድናታት ትኸፍት ምህላዋ ዘነጽር ምዃኑ ተዓዘብቲ ገሊጾም። ፈረንሳ ድሕሪ 1898 መራሒኣ ናብ ኲባ ልኢኻ ከምዘይትፈልጥ ጸብጻባት የመልክቱ። ብፍላይ ኣመሪካ ኣብ 60’ታት ኣብ ልዕሊ

መራሒ ፈረንሳ ምስ ፕረዚደንት ኩባን ፊደል

ካስትሮን ተዘራሪቡ

ኲባ እገዳ ድሕሪ ምጽናዓ፡ መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ሰውራውያን መራሕቲ ኲባ ክዛተዩ ከምዘይመርጹ’ዩ ዝግለጽ።ፕረዚደንት ኦላንድ ኣብ ሃቫና - ርእሰ

ከተማ ኲባ ናብ ዝርከብ ዝዓበየ ዩኒቨርሲቲ ብምብጻሕ፡ ንምሁራት ኣካላት’ታ ሃገር መግለጺ ከምዝሃበ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኲባ ኣንቢራቶ

ዝጸንሐት ቁጠባዊ እገዳ ኣላሕሊሓቶ ብምህላዋ፡ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ምስ ኲባ ንግዳዊ ሽርክና ንምፍጣር ተበግሶታት ይወስዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ላዕለዎት

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ጃፓንን ሩስያን ኣብ ኲባ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብቕትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ዝተኸሰ ኣባል ፖሊስ’ታ ሃገር ጆርጅ ዚመርማን ካብ ዝተወጠነሉ ፈተነ ቅትለት ንዋራ ከምዝወጸ ተሓቢሩ። እቲ ኣባል ፖሊስ፡ ኣብ 2013 ብረት

ንዘይዓጠቐ ጸሊም ኣመሪካዊ መንእሰይ ብግፍዒ ከምዝቐተሎ’ዩ ዝኽሰስ። ጉዳዩ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ክጻረ ድሕሪ ምጽናሕ ናጻ ከምዝተባህለ’ውን ኣይርሳዕን። ይኹን’ምበር በቲ ኣብ ልዕሊ ገበን

ዘይብሎም ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝፍጸም ግፍዒን ኣድልዎን ዝተቖጥዑ ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ’ቲ ጻዕዳ ዝመበቆሉ መኮንን ፖሊስ ሕነ ከምዝፈድዩ እዮም ከጠንቅቑ ጸኒሖም። ብሰበይቱን ኣዕሩኽቱን ሕማቕ

ጠባይ ከምዘለዎ ዝተነግረሉ ኣባል

ጸሊም ኣመሪካዊ ‘ዝቐተለ’ ፖሊስ፡ ፈተነ ቅትለት ይካየደሉ

ፖሊስ ኣመሪካ ጆርጅ ዚመርማን ኣብ ኦርላንዶ - ፍሎሪዳ ብመኪና እናተጓዕዘ’ዩ ጠያይት ዘኒብዎ። ንሓጺር እዋን ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ኩነታቱ ስለዝተመሓየሸ ናብ ገዛኡ ክኸይድ ብሓካይም

ተፈቒድሉ።ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ፡

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ንዘውርዶ ቀጻሊ ናይ ቅትለት ተግባራት ንምቅዋም ኣሽሓት ዜጋታት’ታ ሃገር ኣብ ጎደናታት ከምዝወጹ ይፍለጥ።

ቁጽሪ ናይተን ባዕለን ዝዝወራ (መራሒ-ኣልቦ) መካይን ኣብ ካሊፎንያ - ኣመሪካ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። እተን ብዝግጠመለን ሶፍትዌር እናተመርሓ ብዘይ ሰብ ዝኸዳ መካይን ኣብ ጎደናታት ተፈቲነን ድሕነተን ዘተኣማምን ምዃኑን ተገሊጹ። እንተኾነ እተን ኣብ ግብሪ ዝተፈተና መካይን፡ መጠናዊ ሓደጋታት ክፍጽማ ከምዝተራእያ ነቲ ጉዳይ ዘጽንዑ ክኢላታት ገሊጾም። በዚ መሰረት ካብ መስከረም 2014 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ካብ 48 መራሒ-ኣልቦ መካይን እተን ኣርባዕተ ሓደጋታት ከምዝፈጸማ ተፈሊጡ። በዚ ድማ እተን ውጽኢት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝኾና ምዕቡላት መካይን ምስተን ብሰብ ዝዝወራ መካይን

ኣመሪካ፡ ብዘይ ዘዋሪ ዝምርሓ መካይን ኣብ ዕዳጋ

ክወዳደራ እንከለዋ ዝበለጸ ድሕነት ከምዘለወን እቶም ክኢላታት ኣረዲኦም።ካብተን ኣብ ሓደጋ ዝኣተዋ መካይን

እተን ሰለስተ ብኩባንያ ግጉል ዝውነና ክኾና እንከለዋ፡ ሓንቲ ድማ ብደልፊ ዝተባህለ ትካል’ያ ተሰሪሓ።ኩባንያታት ጉግል ይኹን ደልፊ፡

ዘፍረዪወን መካይን ምሉእ ድሕነት ዘለወን ከምዝኾናን፡ ጠንቂ ናይዚ ዘጋጠመ ሓደጋታት ድማ ኣብተን ሰብ-ኣልቦ ዘይኮነ፡ ኣብተን ሰብ ዝዝውረን መካይን ምዃኑ ገሊጾም።ኣብ ዓለም ተኣታትየን ዘለዋ ባዕለን

ዝዝወራ መካይን፡ ድሕነተን ውሑስ ምዃኑ’የን ነተን መካይን ዘማዕበላ ትካላት ዝሕብራ።

በቲ ብሉጽ ስነ-ጥበበኛ መበል 20 ዘመን ምዃኑ ዝንገረሉ ስጳኛዊ ቀባኣይ ፓብሎ ፒካሶ ዝተቐብአት “ደቀንስትዮ ኣልጀርስ” ዘርእስታ ቅብኣ፡ ብ179.3 ሚልዮን ዶላር

ተወሳኺ

ተሸይጣ።ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ጨረታ

ክሪስቲ ኣብ ዝወረደትሉ እዋን፡ እታ ቅብኣ ክሳብ 140 ሚልዮን ዶላር ክተውጽእ

ከምእትኽእል’ዩ ተገሚቱ ነይሩ። እንተኾነ ብግብሪ ኣብቲ 11 ደቓይቕ ጥራይ ዝወሰደ ናይ ጨረታ ግዜ ልዕሊ ግምት ብዙሓት ዝኾነ ዋጋ ከምዘውጸአት ቢቢሲ ሓቢሩ። ዓዳጊኣ ግን መንነቱ ክፍለጥ ስለዘይደለየ፡ ንግዜኡ ብምስጢር ተታሒዙ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።ቅብኣ “ደቀንስትዮ ኣልጀርስ”፡ ዛጊት

ብጨረታ ካብ ዝተሸጣ ዕዮታት ቅብኣ እታ ዝለዓለ ዋጋ ዘውጸአት ኮይና፡ ኣብ መዝገብ ክብረ-ወሰን ክትሰፍር ከምዝኸኣለት ተፈሊጡ።ኣቐዲማ ዝለዓለ ዋጋ ብምሻጥ ክብረ-

ወሰን ሒዛ ዝጸንሐት ቅብኣ በቲ ህቡብ ብሪጣንያዊ ሰነ-ጥበበኛ ፍራንሲስ ቤከን ዝተሰርሐት ኮይና፡ ብጨረታ 142.4 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጸአት ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት።